ቍንጫላት | Extracts

ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ

ኣብዚ መጽሓፍ ተጠሪዙ ካብ ዘሎ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናጸሓፍኩ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርጋሕክዎ ይርከቦ። ይኹን እምበር Scapegoat ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ብቻርሊ ካምበል ዝተጻሕፈት ምስ ነበብኩ፡ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ምስቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ዘሳኒ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣድላዪ እዩ ዝበልክዎ ምስቲ ካብ ካልእ ዝተወከስክዎ መጻሕፍቲ ኣዳዊሰ ጽሒፈዮ። ስለ ዝተተሓሓዘለይ ድማ ፈትየዮ።

Read More
ኣስተንትኖታት
Dermas Publishers Dermas Publishers

ኣስተንትኖታት

ኣስተንትኖታት ማርቆስ ኣውረልዮስ ንሕትመት ዓሊሙ ዘይኮነስ፣ ከም ዉልቃዊ መዘኻኸሪ ኣብ መዝገብ-ዝኽርታቱ ዝሓንጠጦም እኩባት ጽሑፋት እዮም። እቲ ኣርእስቲ ንባዕሉ’ውን ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ሞቱ ዝተዋህቦ እዩ። ስለዚ ድማ ዝኾነ ውሱን መስርዕ፡ ዕለትን ስርዓትን የብሎምን።

Read More
ተረካብዓድዮ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ተረካብዓድዮ

ኣብዚ መጽሓፍ ተጠሪዙ ካብ ዘሎ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናጸሓፍኩ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርጋሕክዎ ይርከቦ። ይኹን እምበር Scapegoat ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ብቻርሊ ካምበል ዝተጻሕፈት ምስ ነበብኩ፡ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ምስቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ዘሳኒ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣድላዪ እዩ ዝበልክዎ ምስቲ ካብ ካልእ ዝተወከስክዎ መጻሕፍቲ ኣዳዊሰ ጽሒፈዮ። ስለ ዝተተሓሓዘለይ ድማ ፈትየዮ።

Read More
ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም
Dermas Publishers Dermas Publishers

ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም

እዛ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ዝተመቕለት እያ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፋላ፡ ንታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ዝድህስስ-ማለት ንግዜ ቍልዕነትን ንእስነትን፡ ኣማን ከም ወተሃደር፡ ኣማን ከም ጀነራል፡ ውዕሎ ኣማን ኣብ ደቡብ ኮርያን ሶማልያን፡ ከምኡ’ውን ጀነራል ኣማንን ስርዓት ደርግን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ፍጻመ-ሕልፈት ናይቲ ጅግና ጀነራል ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጽ ምዕራፋት ተጠቓልል።

Read More
እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ፍልስፍና
Dermas Publishers Dermas Publishers

እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ፍልስፍና

ምፍልሳፍ ማለት ንገዛእ-ነብስኻ ብገዛእ-ነብስኻ ምሕሳብ ማለት እዩ። እንተኾነ ግን፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ካልኦት ሓሳብ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቀዳሞት ዓበይቲ ፈላስፋታት ሓሳብ ከይሓወሰ ንበይኑ ክፍጽሞ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ፍልስፍና ተራ ዕንደራ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብዘይ ጻዕሪ፡ ብዘይ ምንባብን ብዘይ መጋበርያታትን ክትግበር ዘይክእል ዕማም እዩ። መብዝሕትኡ እዋን እቶም ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ከበድትን ንብዙሓት ተስፋ ዘቑርጹን እዮም።

Read More
እቲ ሽማግለ ሰብኣይን ባሕርን
Dermas Publishers Dermas Publishers

እቲ ሽማግለ ሰብኣይን ባሕርን

እዛ ኣብ ማያት ዛራ ወሽመጥ ናይ ሃቫና ዝተደኰነት ድንቂ ዛንታ’ዚኣ ናይ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ሓደ ወድን ዓርሞሽሽ ዓሳን ዛንታ እያ። ኣብዛ ንሄሚንግወይ ኣብ መወዳእታኡ ስልማት ኖበል ስነ-ጽሑፍ ዘዐወተቶ ነባሪት ዛንታ’ምበኣር ሰብ ምስ’ቶም መነባርቱ ባእታታት ክገጥም ከሎ ዝፍጠር ጽባቐን ጓህን ብውሕልነት ተንጸባሪቑ ክንረኽቦ ኢና።

Read More
ከመ’ቦኺ ሕሰቢ ከመ’ደኺ ምሰሊ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ከመ’ቦኺ ሕሰቢ ከመ’ደኺ ምሰሊ

ድሮ ቃል-ኪዳን ኣሲርኪ፡ ግዳኸ ምስ ሰብኣይኪ ዘሎኪ ዝምድና ዝያዳ ኸተትርሪ፡ ወይ ድማ ሰባኣይኪ ብዝጻወቶም ጸወታታት ኣልባብኪ ኣጥፊእኪ እንተለኺ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ተዘርዚሮም ንዝርከቡ መትከላት፡ ሕግታትን ሞቅሽሻትን ተጠቒምኪ ሰብኣይኪ ዝጻወቶ ዘሎ ጸወታ ቀዲምኪ ተረዲእኪ ክምክቶ ዘይክእል መጥቃዕቲ ወይ ክበስዖ ዘይክእል ድፋዕ ከተዋድዲ ኢኺ። ምኽንያቱ እመንኒ፤ እታ ክትጥቀምላ ዝጸናሕኪ መጽሓፍ ሕጊ-ጸወታ ግዜ ዝሓለፋ ኣረጊት ብምዃና፡ ደጊም ክትጥቀምላ ኣይትኽእልን ኢኺ።

Read More
ስምዒታዊ ብልሒ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ስምዒታዊ ብልሒ

ጽሕፍቶና ብዓቐን ኣእምሮኣዊ ብልሕና ድዩ ዝውሰን? ዳንኤል ጎልማን ኣብዛ ብርቂ መጽሓፉ፡ ንብልሒ ደቅሰብ ዝምልከት ኣጠማምታና ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። ኣብ ሓሳብ፡ ምውሳድ ውሳነታትን ውልቃዊ ዓወትን ዝዓበየ ተራ ዝጻወት ረቛሒ፡ ኣእምሮኣዊ ብልሕና ዘይኮነስ ስምዒታዊ ብልሕና እዩ። ነብሰ-ንቕሓት፡ ቍጽጽረ-ሃንደፍታ፡ ዘይምሕላል፡ ድርኺት፡ ተኻፋልነትን ማሕበራዊ ውሕልነትን፤ እዞም ባህርያት’ዚኦም ዕዉት ዝምድናታት ዝውንኑ፡ ኣሸገርቲ ዝርርባት ብዘይ ጸገም ከካይዱ ዝኽእሉ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ከዋኽብቲ ዝኾኑ ብሉጻት ሰባት ዘንጸባርቑዎም ባህርያት እዮም። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ እምበኣር፡ ጎልማን፡ ነቲ ንስምዒትን ርትዓውነትን ዝቈጻጸር ክፋል ሓንጎልና ዳግም ብምምርማር፡ ስምዒታዊ ብልሒ ኣብ ኩልና ክዅስኰሰሉን ክሕይለሉን ዝኽእል መገድታት እዩ ዘርእየና።

Read More
እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም - ክፋል ፪
Dermas Publishers Dermas Publishers

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም - ክፋል ፪

ሕጂ፡ ንዝገጥመኒ ጸበባ ክገጥም ብዝሓሸ ተዳልየ ኣለኹ። ንፈለማ እዋን፡ ኵሉ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብሰባት ይኹኑ ብተፈጥሮ ዝገጥም ፍጻመን ተረኽቦን፡ ምሕላፉ ከም ዘይተርፍ ተረዲአ ኣለኹ። ኵሎም ኣብ ህይወት ዘጋጥሙ ነገራት ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጠንቂ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፎም ዘጋጥም ቀጻልን ዘለዓለማውን ለውጢ’ውን እዮም።

Read More
ኢኪጋይ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ኢኪጋይ

እቲ ኣዝዩ ምሹው፡ ዳርጋ ዘለዓለማዊ ክብሃል ዝኽእል ነዊሕ ህይወት ኣብ ኦኪናዋ ተደኵኑ ምህላዉ ከይገረመና ኣይተረፈን። እቲ ቦታ‘ቲ ልዕሊ 200,000 ንጹሃን ሰባት ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝጠፍኡሉ ቦታ እዩ። ደቂ-ኦኪናዋ ግን ኣብ ክንዲ ነታ ግዳማዊት ዓለም ዝጸልኡ በቲ ኢቻሪባ ቾደ ዝብሃል መምርሒኦም እዮም ዝምርሑ። እዚ መምርሒ‘ዚ “ንሰብ ፍለጦ ኣይትፍለጦ፡ ከም ሓውኻ ርኣዮ” ዝብል ትርጕም ኣሎዎ።

Read More
እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም
Dermas Publishers Dermas Publishers

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም

ካብ ናይ ስቶዋውያን ልቦና ብቐጥታ ብምውሳድ ብመበቈላዊ ትርጕማት ካብ ዝበለጸ ቝንጫል ጽሑፋት ናይ’ቶም ሰለስተ ቀንዲ መርኣያታት ጥንታዊ ስቶዋነት ዝኾኑ — ሰኔካ፡ ኤጲቅጤጦስ፡ ማርቆስ ኣውረልዮስን — ዝተወስደ ምስ ውሑዳት ምሩጻት ብሂላት ናይ ኣያታቶም (ዜኖ፡ ቅልያንጦስ፡ ክሪሲጶስ፡ ሙሰንዮስ፡ ሄካቶ) ጆባእ ክንብለኩም ኢና። ንነፍስወከፍ ጥቕሲ ዘሰኒ ዛንታታት ከነዘንቱ፡ ትርጕም ክንፈጥር፡ ሕቶ ክንሓትት፡ ተዛማዲ መለማመዲ ከነቕርብ፡ ናይ’ቶም እንደልዮም ዘለና መልስታት ዓሚቚ ርድኢት ከነሕድር ምእንቲ ድማ ናይቲ በሃሊ ስቶዋዊ ኵርናዕ-ርእየት ከነብርህ ክንፍትን ኢና።

Read More
ናርንያ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ናርንያ

ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት ብጥንታዊ ትንቢት ተደሪኾም፡ ነቶም ኣብ ባርነት ዝነብሩ ዝነበሩ ፍጡራት ናርንያ ናጻ ኸውጽኡ፡ ዘይትምሕር ገዛኢት ክዓልዉ እዮም ናብ ውግእ ኣትዮም። ኣብ ዛንታ ናርንያ፣ ጴጥሮስ፡ ሱዛን፡ ዓንዶምን ሉችያን ምስቲ ግቡእ ወራሲ ዝፋን ናርንያ ዝኾነ ኣስላን ሓቢሮም፡ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ትብዓትን ሓይልን ክድህስሱ እዮም። ናይታ ጻዕዳ ጠንቋሊት መርገም ሰይሮም፡ ኣብ ናርንያ ሓድሽ መዋእል ክፍልሙ ድዮም፧ ሓይሊ እምነትን መስዋእትን ከመይ ምዃኑ ርኣዩ። ምስኣቶም በታ በሪ ተሳጊርኩም ንመስተንክር ዛንታ ናርንያ ኣንብቡዎ።

Read More
መወጽ ለይቲ
Dermas Publishers Dermas Publishers

መወጽ ለይቲ

እዚ መበቈላዊ ባህላዊ ትሕዝቶታት፡ ንባህላዊ ውርሻ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ እውን፡ ቀሊል ዘይኰነ ኣበርክቶ ኣለዎ። ገሊኦም ብዕምቘት፡ ዝተረፉ ንንባብ ብዝጥዕም ዝቐረቡ ስለዝዀኑ ኸኣ፡ መሀብተሚ ባህላዊ ውርሻ ኣብ ምዃን፡ ንቐጻሊ መጽናዕቲ መንቀሊ ባይታ ኣብ ምፍጣር፡ ቃላትን ኣበሃህላን ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምስሳን፡ ብሓፈሻ ልምድታት ወይ ባህሊ ትግርኛ ኣብ ምልላይ ገዚፍ እጃም ዘበርክቱ እዮም። ባህሊ ብሄራትና ተጸኒዑ ናብ ንባብ እንተ በቒዑ፡ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዓሚቚን፡ ክንድ’ቲ እንሓስቦ ወሰኽ ካልኦት ባህልታት ዘይደሊ ምዃኑን ብዝግባእ ከንጸባርቑ እዮም። ዋላ’ኳ ብንኡስ መጠን እንተዀነ፡ ነቲ ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ውሑዳት’ዮም ዝብል እንጒታ ኣብ ምቅላል እውን፡ ተራ ኽህልዎም’ዩ። ናይ ምንባብ ልምዲ ኸኣ’ባ የዛይዱ ይዀኑ።

Read More
ምጭናቕ ገዲፍካ ምንባር ጀምር
Dermas Publishers Dermas Publishers

ምጭናቕ ገዲፍካ ምንባር ጀምር

ብኸመይ ከም ዝተጻሕፈት ክትርኢ ኣይኰንካን ነዛ መጽሓፍ ኣልዒልካያ። ተግባር ኢኻ ደሊኻ ሓቀይ፧ እሞ ንኺድ። ኣነ ነቲ ምዕራፋት በብመስርዑ ኽትነቦ እመኽረካ። ቀዳመይትን ካልአይትን ምዕራፍ ምስ ነበብካ፡ ሓድሽ ሓይልን ድርኺትን እንተ ዘይፈጢራትልካ፡ ደርብያ። ኣይክትጠቕመካን እያ።

Read More
ዓራትካ ኣንጽፍ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ዓራትካ ኣንጽፍ

ኣብ 17 ግንቦት 2014 ኣብ ኣዉስቲን ተደኲኑ ኻብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ፡ ንተመረቕቲ ተመሃሮ መኽፈቲ ቓል ከስምዕ ዕድመ ቐረበለይ። ሽሕ እኳ ተመሃራይ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ እንተ ነበርኩ፡ ደጊም ብሉጽነት ስርሐይ ብዂናት ጥራይ ዝምዘን ወተሃደር ከም ምዃነይ መጠን ግና፡ ተመሃሮ ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበሉኒ ትጽቢት ኣየሕደርኩን። እንተኾነ ግን፡ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ፡ ተመረቕቲ ተመሃሮ ንመደረይ ጠቓሚ ኾይኑ ረኸብዎ።

Read More
ሎሚ
Dermas Publishers Dermas Publishers

ሎሚ

ካብ ናይ ስቶዋውያን ልቦና ብቐጥታ ብምውሳድ ብመበቈላዊ ትርጕማት ካብ ዝበለጸ ቝንጫል ጽሑፋት ናይ’ቶም ሰለስተ ቀንዲ መርኣያታት ጥንታዊ ስቶዋነት ዝኾኑ — ሰኔካ፡ ኤጲቅጤጦስ፡ ማርቆስ ኣውረልዮስን — ዝተወስደ ምስ ውሑዳት ምሩጻት ብሂላት ናይ ኣያታቶም (ዜኖ፡ ቅልያንጦስ፡ ክሪሲጶስ፡ ሙሰንዮስ፡ ሄካቶ) ጆባእ ክንብለኩም ኢና። ንነፍስወከፍ ጥቕሲ ዘሰኒ ዛንታታት ከነዘንቱ፡ ትርጕም ክንፈጥር፡ ሕቶ ክንሓትት፡ ተዛማዲ መለማመዲ ከነቕርብ፡ ናይ’ቶም እንደልዮም ዘለና መልስታት ዓሚቚ ርድኢት ከነሕድር ምእንቲ ድማ ናይቲ በሃሊ ስቶዋዊ ኵርናዕ-ርእየት ከነብርህ ክንፍትን ኢና።

Read More
ሚልዮነር ጐረቤትና
Dermas Publishers Dermas Publishers

ሚልዮነር ጐረቤትና

ዕስራ ዓመታት ይገብር ሰባት ብኸመይ ከም ዝህብትሙ ንምፍላጥ ዝዓለመ መጽናዕቲ ኣበጊስና። ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዞና ሃብታማት ዝነብሩ ሰባት ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ነቲ ዕማም ፈሊምናዮ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ሓደ ዘይልሙድ ነገር ረኺብና። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ክቡር ኣባይቲ ዝነብሩን ኣዝየን ክቡራት ማካይን ዝውንኑን ሰባት ብዙሕ ሃብቲ ኸም ዘይብሎም ተገንዚብና። ቀጺልና’ውን ካልእ ዝገደደ ዘይንቡር ተርእዮ ኽንረክብ ከኣልና፣ ብዙሓት ካብ’ቶም ብዙሕ ሃብቲ ዝውንኑ ሰባት፡ ኣብቲ ኽቡር ዝበሃል ዞናታት ከም ዘይቅመጡ ዘካየድናዮ ዳህሳስ ኣረጋገጸልና።

Read More
ኣርባዕተ ስምምዓት
Dermas Publishers Dermas Publishers

ኣርባዕተ ስምምዓት

እዛ ኣርባዕተ ስምምዓት ዘርእስታ ህብብቲ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ ናብ ነባሪ ውልቃዊ ለውጢ ዘብጽሑ ተግባራዊ ስጒምትታት እያ እትትንትን። ካብቲ ዝተሓትመትሉ ዓመተ 1997 ጀሚራ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 12 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ትርከብ። ኣብ ናይ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝርዝር ቀዳሞት ተሸያጦ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐት ድማ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ዛጊት ናብ 52 ቋንቋታት ተተርጒማ ትርከብ።

Read More
ሰለይቲ ጊደዎን
Dermas Publishers Dermas Publishers

ሰለይቲ ጊደዎን

እዚ ዛንታ'ዚ መንግስቲ፡ ብኸመይ ይሰርሕ ዘነጽር እዩ። ኣብ ትካላት ስለያ ዝርከቡ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰባት ከመይ ገይሮም ንፖሊሲታት መንግስታቶም ይውስኑ፣ ህዝቢ ዘንበረሎም እምነት ብምጥላም፡ ስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ተጠቂሞም ህዝባዊ ተሓታትነት ዘይክተል ማእለያ ዘይብሉ ስርሒታት የካይዱ፣ ንመራኸቢ ብዙሓን ከም ዝደለዩዎ ገይሮም እናጠምዘዙን እናሓሰዉን ንህዝቢ የታልሉ ተርኢ። ካብኡ ብዘይንእስ፡ እዚ ዛንታ'ዚ ዛንታ ውግእ ምዃኑ፡ ግን፡ እቲ ውግእ ብጀነራላት ኲናት ዘይኮነ በቶም ኣብ መዝሓሊ ኣየር ዘሎዎ ምሹው ቤት-ጽሕፈታት ኮፍ ዝበሉ፡ ስቅያት ደቂ ኣዳም ቅጭጭ ዘይብሎም ውሑዳት ሰባት ከም ዝካየድ ዘጒልሕ ዛንታ እዩ።

Read More
ሸያጢ ዕድል
Dermas Publishers Dermas Publishers

ሸያጢ ዕድል

ሸያጢ ዕድል፡ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ህይወት ዝዳህሰሱ፡ ዝምህርን ዘዘናግዕን ከምኡ’ውን ዘሐጉስን ዘሕዝንን ሓሳባት ዝሰነቑ ዓሰርተ ሓጺር ዛንታታት ሒዛ ኣላ። ኣብ’ዘን ዛንታታት፡ ደራሲ ብግዜን ቦታን ከይተደረተ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን ቆይሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፍጻመታት ብልብ-ወለዳዊ መገዲ ኣብ ህይወት ክሕንብስ ፈቲኑ ኣሎ። ከም ተስፋ፡ ሞራል፡ ህድኣት፡ ፍቕሪ፡ ናፍቖት፡ እምነት፡ ጣዕሳ፡ ስደት፡ ስነ-ጥበብ፡ ፍርሒ፡ ክብርታት፡ ዕድል፡ ዕግበት ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ህይወት ተናኺፉዎም ኣሎ።

Read More