ተረካብዓድዮ

ብገበል ንኽወሓጣ ዝውፈያ ጎራዙ ዓድና

እታ ዝጽበቐትን ብዓልቲ ጥዑይ ጠባይ ንመርዓን ንውላድን ዘይብህጋ የለን። እቲ ንሰማይን ምድርን ተቖጻጺሩ መርገምን በረኸትን ከውርድ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዝነበረ ገበል ዓድና’ውን ዝጸበቐት ጎርዞ እዩ ዝጠልብ ነይሩ። እቲ ዓዲ ተሰማሚዑ በብግዜኡ እቲ ገበል ዝበልዓ ጓል ተሓርያ ትቐርብ’ሞ ህዝቢ ካብ መርገም ድሒኑ ብሰላም ከም ዝነብር ጥንታውያን ወለድና ዝኣምንሉ እምነት እዩ ነይሩ።

እዚ ዝቕጽል ዛንታ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝምርኰስ ኮይኑ ኣብታ ጸሓፊ እስቲፋኖስ ኣስናቀ ዘሕተማ መጽሓፍ ኣግነ ንረኽቦ ዛንታ እዩ። እቲ ዛንታ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ ጎርዞ ዘንጸባርቕ እዩ’ሞ ምስዚ መጽሓፍ ብዝሰማማዕ ኮይኑ ተቐንጪቡ ተዘንትዩ ኣሎ።

ትኹለ፡ ጎደይቲ፡ ከይወርዶም መከራ

ሽቶላይ ከይኩሪ፡ ከይድንክል ገበራ

ሽሓ ዓዲ ምሕጹን፡ ከይወርዶም መከራ

ቆለ ከይቑጣዕ፡ ከየልዕል ከዘራ

ማይ ሑጻ ምዓያ፡ ከይወርዶም መከራ

ኣራዊት ከይፍኑ፡ ከይከውን ገርገራ

ዓዲ ንፋስ ውጡሕ፡ ከይወርዶም መከራ

ዛር ከይሓንን፡ ብዓዳ ከይጥሕራ

በጃዶ ሓሊፍክን፡ መባእ ደቂ ሮብራ

ፍልይ ኢልክን ኬድክን፡ ኣብ መሮር ክትሓድራ

ተወፈኽን’ባ፡ መልኣኽ ከተድርራ

ኣብዝስ ክንደየናይ፡ ኣብ ሰማይ ክበራ ...

ኣዳነየ፡ ኣዳነይ ጽሩራ ...

“ስምዑ ዓድና!” ኢሉ ጀመረ። “ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ወለዶም ዘጽንሑሎም፡ ንንጉስ እናኽበሩ፡ ንመናፍስቲ እናተለማመኑ፡ ንኹሉ ዝግብኦ እናገበሩ፡ እዮም ዓዲ ኣጽኒሖምልና። ስኣን ግቡእና ምግባር ሕጂ ዓመት ምሉእ ክንጠሚ ኢና። ካብኡ ዝገደደ ጥሪት ዝበልዓኦ የብለንን! ሕጂዶ ይሓይሽ፧ ንዑ ደኣ! ናብ ልብኹም ተመለሱ!

ቀዳማይ ንጉስና’ኮ ኣርወ እዩ። ኩልና’ኮ ደቂ በሓር ኢና! ስለዚ፡ መናፍስቲ ተቖጢዖም ካብዚ ዝኸፍአ መዓት ከይወርደና፡ ከምቲ ዝጸንሐ ንቡር ግቡእና ንግበር!” ምስ በለ እቲ ባይቶ ዝያዳ ታዕታዕ ኪብል ጀመረ።

መብዛሕትኦም እቶም ደቂ ዓዲ ውግዘት ቀሺን መቕዘፍቲ እቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣምላኽ ፈሪሖም እምበር፡ ነቲ ኣብ ቀረባኦም ዘሎን ኣቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን ከምልኽዎ ዝጸንሑ ማሪት ምምላኽ ይቐሎም ነበረ።

ይኹን እምበር እቲ “ግቡእ ምግባር” ክሳዕ ጎርዞ ምስዋእ ዝኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ባይቶ ዓቢ ክርክር ኮነ። ኣብ መወዳእታ ግን ቍጽሪ ናይቶም “ንሎምስ ከም ምሕላፉ ሓለፍና፡ ንዓመታ ካልእ መዓት ንኣብነት፡ ደርቂ፡ በረድ ወይ ኣንበጣ ከይመጸና እንታይ ውሕስነት ኣሎና፧” ዝብል ናይ መከራኸሪ ሓሳብ ዘንቀሉ ሚዛን ስለ ዝደፍአ፡ ናብቲ ኣቋሪጾሞ ዝጸንሑ ጎርዞ ናይ ምስዋእ ልምዶም ክምለሱ ተሰማምዑ።

ኣብ ዓድታት ደቂ ሮብራ ቅድሚ እቲ ንበሓር ዚግበር ዝነበረ መስዋእቲ ጎርዞ ምጉንዳቡ፡ ነቲ መስዋእቲ ዝበዝሕ ግዜ እተን ሸሞንተ ዓድታት በብእብረ እየን ዝውፍያኦ ነይረን። እቲ ልማድ ኪቋረጽ እንከሎ እብረ ናይ ዓዲ ንፋስ ስለ ዝነበረ ከኣ ብዓበይቲ ዓዲ ሮብራ “ሃየ፡ ቀጽልዎ ጊደኹም እዩ፡” ዚብል ምሕጽንታ መጸ።

ኣብ ባይቶ ዓዲ ድምጺ ናይቶም ናብቲ ኣምበላይ ዝጠቐሶ ልምዲ ኣበዋት ንመለስ ዝብሉ ወገን ምስ ዓብለለ፡ ከምቲ ልሙድ ኩሉ እቲ በቲ ውሳነ ዝተሰማምዐን ዘይተሰማምዐን ወዲ ዓዲ በቲ ውሳነ ኪቕየድ ነበሮ። እቶም ነቲ ውሳነ ባይቶ ኣይንቕበልን ዝበሉ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ዘይተጻሕፈ ሕጊ እዩ ነይሩ። ኣምበላይ ካልእ መለኮታዊ መቕዘፍቲ ቅድሚ ምስዓቡ እቲ ልሙድ መስዋእቲ ጎራዙ ምእንቲ ኪቕጽል ኣጥቢቑ ይምዕድን የጠንቅቕን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ መዓልቲ ዓዲ ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ከምቲ ልማድ ዕጻ ምስ ኣውደቑ ብእንዳ፡ ማይ ቤት እናበሉ ኣብ መወዳእታ እታ ዕጫ ናብ እንዳ መረጻ በጽሐት።

ኣብከየት ዝስማ ጎርዞ ዚነበረቶ መረጻ ዝስሙ ኣቦኣ ብስምባድ ስለ ዝወደቐ ካብቲ ኣኼባ ደጋጊፎም እዮም ናብ ቤቱ ወሲዶሞ። ሽዓ ለይቲ ኣብቲ ምስ ጥሪቱ ዝድቅሰሉ ገፊሕ ህድሞ ምስ ኣወዳት ደቁ ኣብ ዚተገምሰሰሉ ዓቢ ማእሲ፡ ኣዒንቱ ሰለም ከየበለን ሓደረ። እታ ኣብ ውሻጠ ምስ ኣዋልድ ደቃ እትድቅስ ሰበይቱ ሓሓሊፋ እተስምዖ ዝነበረት ምንኽናኽ ልዕሊ ትንፋስ ናይቶም ኣብቲ ቤት ደቂሶም ዝነበሩ ሰባትን ዘዔማ እንስሳታትን ጎሊሑ ይስማዕ ነበረ።

እቶም እዚ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ምስ ቀረበ ብዙሕ ከይሓሰቡ ምእንቲ ኣኼባ ኪውድኣሎም’ሞ ናብ ውራዮም ክኸዱ ጥራይ ነቲ ብኣምበላይ ዝቐረበ እማመ ዝተቐበሉ ደቂ ዓዲ እቲ ዕጫ ናብኦም ብዘይምብጽሑ ክሕጎሱ እንከለዉ፡ እቶም ነቲ ኣምልኾን መስዋእትን ብልቢ ኣሚኖሙሉ ብሕብእብእ ዝገብርዎ ዝነበሩ ከኣ እቲ መስዋእቲ ዘምጽኦ በረኸትን ውሕስነትን እናሰበኹ ንመረጻ የተባብዕዎ ነበሩ። መረጻ ቅድሚ እቲ ዕጫ ኣብ ቤቱ ምብጻሑ ብዛዕባ ሃይማኖትን መንፈሳዊ ነገርን ዘይግደስ’ኳ እንተ ነበረ ብሓፈሻ ግን ናብቶም ነቲ ማሪታዊ እምነት ዝቃወሙ እዩ ዘዘንብል ነይሩ።

ብተዛማዲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ዝሕረስ መሬትን ጥሪትን ዝነበሮ ኮይኑ ከም መብዛሕትኡ ሰብ እቲ ዕጫ ይበጽሓኒ ዝብል ጥርጠራ ስለ ዘይነበሮ ግና ብዛዕባ ስደት ይኹን ካልእ ከይሓሰበ ጸኒሑ ነበረ።

ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ልማድ ከኣ ነታ ሰብኣይ ዘይፈለጠት ጓሉ መፋነዊ ሰብኣይ ዘይብሉ መርዓ ደገሰላ።

ከምቲ ልማድ ድሕሪ እቲ ንመፋነዊ ዚግበር ድግስ እታ እትውፈ ጎርዞ ኣብ ቤት ኣላ እናተባህለት ብጭሉቕ እያ ናብቲ እቲ ገበል ዚርከበሉ ማይ ገፈን እትውሰድ ነይራ። ካብ ዓዲ ንፋስ ናብቲ እቲ ገበል ዚነብረሉ መሬት ኪልዓውታ እቲ መገዲ ርሑቕ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣቡኣን ሓደ ካልእ መቕርብን እቲ ንመፋነዊኣ ዝተኸድነቶ ዓለባ ተኸዲና ልክዕ እንዳ ሓሙኣ ከም እትኸይድ መርዓት ከፋንውዋ ተበገሱ። ነዚ ናይ ሎሚ ማይ ዕዳጋ ሰጊሮም፡ ማይ ሑጻ ንጸጋሞም ገዲፎም ብማእከል ውጡሕ ብምሕላፍ ናብ ማይ ጐባጥ ኣንቆልቆሉ’ሞ ብርባርባ ናብቲ እቲ ገበልን ካህኑ ኣምበላይን ዝርከቡሉ መኻን ከዱ።

እቲ ከባቢ ይትረፍ ኣብቲ እዋን ሎሚ’ውን ሰብ ዘየዘውትሮ ዱር ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ግና እንተስ ንጥንቆላ እንተስ ን”ማጨሎት” ሰባት ይመላለስዎ ስለ ዝነበሩ መገዱ ብዙሕ ዘደናግር ኣይነበሮን። መረጻ ካብቲ እቲ ዕጫ ዝወጸሉ መዓልቲ ሰንቢዱ፡ ጉህዩ፡ ነቢዑ ወዲኡ ስለ ዝነበረ ንጓሉ ምእንቲ ከየቦቕቡቓ እቲ ዝስምዖ ዝነበረ ጓህን ሓዘንን ንውሽጡ ገይሩ፡ ብልቡ ነቲ ድሮ ብኣዋልድ እቲ ዓዲ ኪድረፍ ዝጀመረ፡ ኣብከየት በጃ ሓሊፋ ነቲ ዓዲ ካብ መዓት ከም ዝተበጀወቶ ዚወዳድስ ደርፊ እና ኣስተንተነ እዩ ዘሰንያ ነይሩ።

ኣብከየት ብወገና በቲ ቁርሱስ ዕድላ ኣዒንታ ቶግ ክሳዕ ዝብላ ነቢዓ ወዲኣስ እንኮ እተጨንቓ እታ ብህይወታ በቲ ገበል እትወሓጠላ ህሞት ከመይ ኢላ ከም እትሓልፈላ ጥራይ ነበረ።

መረጻ ኣብከየት ጓሉን ዘሰነዮም መቕርብን ኣጋ ግዜ ኪኸውን እንከሎ ናብቲ ቅድሚ ኪልዓውታ ምብጻሕካ ዚርከብ እቲ ገበል ዚነብረሉ ከባቢ ማይ ገፈን መጺኦም ነቲ ብቘጸራ ኪጽበዮም ዚጸንሐ ኣምበላይ ምስ ረኸብዎ ኣቦን ጓልን መሊሶም ተባኸዩ። ኣምበላይ ምብካዮም ነውሪ ምዃኑ ጠቒሱ እናገንሐ፡ እቲ ምውፋይ ባህ ኢሉካን ፈቲኻን እንድሕር ዘይግበር ኮይኑ ቅቡል ከም ዘይኮነን እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ በረኸት ከም ዘይርከቦን ምዒዱ ነቶም ሰብኡት ኣፋንዩ ንኣብከየት ኣብቲ እቲ ገበል መስዋእቱ ዚቕበለሉ ዳዕሮ ሒዝዋ ደየበ።

መረጻን መቕርቡን ንኣብከየት ናብ ኣምበላይ ኣረኪቦማ ምስ ተመልሱ፡ ኣምበላይ ነታ ጎርዞ ኣብቲ ጥጡሕ ጉንዲ ዳዕሮ ኣዳልይዎ ብዝጸንሐ ልሕጺ ኣሲርዋ ወሪዱ ከደ። መከራ ኣብከየት ኣብ ጠርዙ በጽሐ። ኣካላታ ብፍርሂ እና ኣንፈጥፈጠ፡ ኣብቲ ብዙሕ ዝወደቐ ንቑጽ ኣቝጽልቲ ዝነበሮ ጫካ ሓሸሽ ኣብ ዝሰማዓትሉ ልባ ብስንባድ ህርመቱ ከቋርጽ እናቐረበ ክሳዕ ዝመሲ ተሳቐየት።

መስዩ ምስ ጸልመተ፡ እቲ ከባቢ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ጺርጺርታ ዕንጭራራት፡ ዕንቁርዖባት፡ ድምጺ ናይ ለይቲ ኣዕዋፍን ኣራዊት መሮርን ዓሚሩ፡ ብጀካ እታ ብወገን ምዕራብ ተቐልቂላ በቲ ዘዘው ዚብል ጨናፍር ኣግራብ እትኽወልን እትቕልቀልን ቁራጽ ጽፍሪ እትመስል ወርሒ፡ ጸጸኒሑ ኣብዝን ኣብትን ምልሕ ምልሕ ብዚብል ብርሃን በረርቲ ሓሸራታት ኣጊጹ ነበረ።

Previous
Previous

ኣስተንትኖታት

Next
Next

ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም