ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ነቲ ብ12 መስከረም 1974 እተኻየደ ዕልዋ ንግስነት ሃይለስላሴ ስዒቡ፡ ከም ግዝያዊ መራሒ ኮይኑ ክሳዕ እታ በቶም ኣቐዲሞም ደገፍቱ ዝነበሩ ብቶኽሲ እተቐትለላ መዓልቲ ኣገልጊሉ። ወግዓዊ ስልጣን ጀነራል ኣማን፡ ናይቲ ብደርግ ዝፍለጥ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምሕደራዊ ኮሚተ/ቤት ምኽሪ (ካውንስል) ኣቦ-መንበር እዩ ነይሩ። እቲ ብደርግ ዝፍለጥ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ንኣልጋ ወራሽ ዝነበረ ልኡል ኣሰፋወሰን ከም ንጉሰ ነገስት ከገልግል ንዝቐረበሉ ጻውዒት፡ እቲ ልኡል ከምዝነጸጎ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጡ’ዩ (ካብ ፈለማ’ውን በቲ ልኡል ተቐባልነት ዘይነበሮን ድሒሩ ድማ ስርዓት ደርግ ዘፍረሶ ኣወዳድባን) ጀነራል ኣማን ግዝያዊ መራሒ ሃገር ዝኾነ።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ጀነራል ኣማን ከም ኣዛዚ ናይ ሳልሳይ ክ/ሰራዊት፡ ነቶም ዶብ ጥሒሶም ዝነበሩ ሰራዊት ሶማል ብልዑል ወንን ብቑዕ ኣመራርሓን ስለዝተዓወተሎም ድማ እዩ “ኣንበሳ ምድረ-በዳ” እተባህለ። እንተኾነ ኣብ 1964፡ ካብ ሃጸይ ዝመጸ ትእዛዝ ጥሒሱ ንሶማላውያን እናኾብኮበ ዶብ ሰጊሩ ስለ ዘጥቕዖም፡ እቶም ሃጸይ ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ካብ ስልጣኑ ኣደስከልዎ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ’ዚ ድማ ኣማን ካብ ወተሃደራዊ መድረኽ ዘግልሎ መቕጻዕቲ “ፖለቲካዊ ድስከላ” ዝመጽኦ። እዚ ስጕምቲ’ዚ ክሳዕ’ቲ ኣማን ኣብ 1974 ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተመልሰሉ ግዜ ቀጺሉ። ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ማለት ኣብ ወርሓት የካቲት ወይ መጋቢት 1974 ግን ምስ ገለ ሰበ-ስልጣን ርክባት ከም ዝጀመረ ዝሕብሩ ጭብጥታትን ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣብ ሓምለ ከም መራሒ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኮይኑ ተመሪጹ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ደርግ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ ንጉሳዊ መንበሪ ቤቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ራብዓይ ረጂመንት ቤት ጽሕፈት ምስ ኣእተውዎ፣ እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ንኣማን ዓንዶም ከም ኣቦ-መንበሩን ከም ፕረሲደንት ናይ ኢትዮጵያ ክኸውን ረቝሕዎ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት፣ “ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምሕደራዊ ቤት ምኽሪ” ዝብል ስም ብዝበለጸ ድማ ብደርግ ዝፍለጥ ስም ለበሰ።

ኦታወይ ዝተባህለ ጸሓፊ ከም ዝሰነዶ፣ “ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መሪሕነቱ፡ እቲ ጀነራል ምስ መብዛሕትኦም ኣባላት ደርግ ዘየረዳድኦ ጉዳያት በዝሖ። ዋላ’ውን ንሱ ኣቦ-መንበር ናይቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ድዩ ወይስ ወሃብ ቃል ናይቲ ስርዓት ክርድኦ ኣይከኣለን። ኣማን ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ምስ መብዛሕትኦም ኣባላት ደርግ ኣይተረዳድአን። ንሳተን ድማ፦

  • ዓቕሚ ሰብ ደርግ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምብዝሑን ስለዚ ድማ ንምቍጽጻሩ ዘሸግር ኮይኑ ተሰምዖ፣

  • ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ፣

  • ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርትታት ደርግ ዝነበሩ ብዙሓት መሳፍንትን ኣቐዲሞም ናይ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝነበሩ ዝተኣመመሎም መቕጻዕቲ፣

  • ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ደርግ ነቶም ኣብ ሃረር ዝነበሩ ሰራዊት ናብ ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰራዊት ድማ ናብ ሃረር ክግዕዙ ምስ ወሰነ፡ ጀነራል ኣማን ብወገኑ፣ “እቶም ኣብ ሃረር ዘለዉ ሰራዊት ናብ ኤርትራ ምስ ዝመጹ፡ ነቲ ህዝቢ ብጭካነ ክሕዝዎ እዮም።” ክብል እንከሎ፡ ኣባላት ደርግ ድማ ብወገኖም፣ “እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሰራዊት ምስቲ ህዝቢ ብዙሕ ዘራኽቦም ነገር ስለ ዘለዎም ኣይክዋግኡን’ዮም።” ዝብል ርኡይ ፍልልያት ብምምዕባሉን ጎድኒ ጎድኒ’ዚ ኣብቲ እዋን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ብልዑል ፍጥነት ይግስግሱ ስለዝነበሩን እዩ።

  • ብዘይካ’ዚ ጀነራል ኣማን በዞም እተጠቕሱ ምኽንያታትን ንላዕለዎት ሓለፍትን ክልተ ቀዳሞት ሚኒስተራት ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ዝነበሩ ኣዝማዶምን ንኽቕተሉ ዝወጸ ትእዛዛት ብምቅዋሙ፡ ምስ ዝበዝሑ ኣባላት ደርግ ዝነበሩ ኣብ ሓርፋፍ ዝምድና ጸመዶ።

ዲሞክራስያዊ ክብርታት ከም ዝውንን መራሒ መጠን፡ እቲ ጀነራል ንነብሱ ምስ መብዛሕትኦም ኣባላት ደርግ ኣብ ዘይምርድዳእ ተሸሚማ ረኸባ። ንሱ ብሰላማዊ ዝኾነ ኣገባብ ምርድዳኣት ክፈጥር እዩ ዝደሊ ነይሩ። እቶም መቐናንቕንቱ ድማ ነቲ ብተ.ሓ.ኤን ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዝካየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ክጭፍልቑ ይደልዩ ነይሮም።

ኣማን ክሳዕ ክልተ ወግዓዊ ምብጻሓት ናብ ኤርትራ ዘካይድ እዩ ንሰላም ድሉው ነይሩ። እታ ቀዳመይቲ ካብ ነሓሰ 25 ክሳዕ መስከረም 6 ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ሕዳር እያ ዝነበረት። ንሱ፣ ‘‘እቲ ዝነበረ ሃጸያዊ ኣመራርሓ ሓሊፉ እዩ። ምስኡ ድማ እቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረ ጸቢብ ኣጠማምታ’ውን ምስኡ ሓደ ኣብ ሃገራዊ ሕብረትን ምዕባለን ዝሓስብ መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ብልጽግናን ከምጽእ እዩ ዘለዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ገበን ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊት መርመራ ተጌርሎም ብቤት ፍርዲ ገበነኛታት ምዃኖም እንተ ተረጋጊጹ መቕጻዕቶም ክወስዱ እዮም።’’ ክብል ኣብ ዘስመዖ መደርኡ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ስርዓት ደርግ ነቶም ኣብ ሰራዊት ዘይረዳድእዎም ዝነበሩ ከጥፍእዎም ጀመሩ። እቶም ቀንዲ ኣሃዱታት ንጉሳዊ ሓለዋ፡ ሓይሊ ኣየርን ወተሃደራዊ መሃንድሳትን እዮም ነይሮም። ካብዞም ኵሎም እቶም ወተሃደራዊ መሃንድሳት ምስ ደርግ ዝኾነ ዓይነት ምስምማዕ ዘይነበሮም እዮም ነይሮም። ስለዚ ብ7 ጥቅምቲ ንስርዓት ደርግ እሙናት ዝነበሩ ሰራዊት ናብ መዓስከር እቶም መሃንድሳት ጥሒሶም ብምእታው፡ ሓሙሽተ ካብኣቶም ቀተሉን ንብዙሓት ድማ ኣቝሰሉን ነቶም ዝተረፉ ድማ፡ ኣሲሮም ወሰድዎም። ባህሩ ዘውደ ከም ዝጠቐሶ፣ “እቲ ደም ኣልቦ ሰውራ ዝብል ዝነበረ ጭርሖ ናብ ምፍሳስ ደም ተቐየረ።”

Previous
Previous

ተረካብዓድዮ

Next
Next

እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ፍልስፍና