እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ፍልስፍና

ናጽነት ማለት ከም ድልየትካ ምዃን ማለት እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ፡ ብብዙሕ ሸነኻት ክትርጐም፡ ክትንተን ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ፡ ናይ ምግባር ናጽነት እዩ። እዚ ናጽነት’ዚ ኣንጻር ቀይዲ እዩ። ኣንጻር ዝህሉዉ ማሕለኻታት እዩ። ብዓቢኡ ድማ ኣንጻር ባርነት እዩ። ሆብስ ከም ዝበሎ፡ ሓርነት ማለት ንምንቅስቓስ ዝድርቱ፡ ዝዓግቱ ነገራት ዘይምህላው ማለት እዩ። እስከ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ብርጭቆ ንዘሎ ማይ ንሕሰብ። እዚ ማይ’ዚ ናጻ ኣይኮነን፣ እቲ ብርጭቆ ንፍሰቱ ስለ ዝዓግቶ። እቲ ብርጭቆ እንተ ተሰይሩ ግን እቲ ማይ ተመሊሱ ናጻ ይኸውን። በዚ መንፈስ’ዚ ክርአ ከሎ ሰብ ንናጽነት ዘስተማቕር ማዕረ’ቲ ዝተፈቕደሉ ቦታን መጠንን እዩ። ‘ድልየተይ ክገብር ናጻ እየ፡’ እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን ዝዓግተኒ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ነገር እንተ ዘየሎ እዩ። ከምዚ ዓይነት ናጽነት ፍጹም ክኸውን ኣይክእልን እዩ (ኵሉ ግዜ ዕንቅፋት ኣሎ)። እዚ ኮይኑ ግን ፈጺሙ የሎን ክብሃል ዝከኣል’ውን ኣይኮነን። ንኣብነት፤ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ከይተረፈ፡ ኮፍ ክብል ወይ ደው፡ ክዛረብ ወይ ስቕ ክብል፡ ዘምልጠሉ መገዲ ከናዲ ወይ ካብ ኣሰርቱ ሓለፋ ዝረኽበሉ መገዲ ሃሰው ክብል ይኽእል እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኵሉ ዝደልዮ ነገር ክገብር ኣይክእልን እዩ። ሕግን ሰባትን ዘንብሩሉ ደረት ኣሎ። ነዚ ደረት’ዚ ኽትጥሕስ ምፍታን ተሓታቲ ናይ ምዃን ሳዕቤን የኸትል። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ናጽነት ምስ ፖለቲካዊ መንፈስ ዝተኣሳሰር። ናይዚ መሰረት ድማ ንናጽነት ክድርት ዝኽእል መንግስቲ ስለ ዝኾነ እዩ። ምናልባት ድማ ከውሕስ ዝኽእል ባዕሉ መንግስቲ ጥራይ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዓይነት ናጽነት’ዚ ብስርዓት ደሞክራስያ ኣብ ዝምርሓ ሃገራት ዝሓሸ ክኸውን ከሎ፡ ብምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝምርሓ ሃገራት ግን ኣዝዩ ዉሱን እዩ። ተፈጥሮኣዊ ካብ ዝኾነ ዓለም ድማ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዘለወሉ ቦታ ዝሓሸ ናጽነት ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ንዅሉ ሰብ መሰል ናይ ናጽነት ክህብ ዝኽእል ሕጊ ጥራይ እዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓድሕዶም ዝባልዑ ሓቢሮም ክነብሩ ዝገብር ሕጊ ጥራይ እዩ። ሎክ ከም ዝገለጾ፡ ‘ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ናጽነት የሎን።’ ናጻ ምዃን ማለት ካልኦት ከውርዱልካ ካብ ዝኽእሉ በደልን ዓመጽን ምድሓን ማለት እዩ። እዚ፡ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ግብራዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ንናጽነትካ ይድርቶዶ፧ እወ፡ ብልክዕ ይድርቶ ይኸውን። እንተኾነ ግን፡ ንናጽነት ካልኦት’ውን ብተማሳሳሊ ይድርቶ እዩ። በዚ ኣካይዳ’ዚ ጥራይ ድማ እዩ ናጽነት ብሓቂ ክረጋገጽ ዝኽእል። ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ብዘይካ ፍርሕን ዓመጽን ካልእ ነገር ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቀጻሊ ስግኣትን ራዕድን ካብ ዝነብር ብዝበኣሰ ናጽነቱ ዝተሓረሞ ሰብ ክህሉ ይኽእል ድዩ፧ ናጻ ምዃን ማለት’ምበኣር ትደልዮ ነገር ምግባር ማለት እዩ። ብፖለቲካዊ መንፈስ ዝግለጽ ናጽነትን ተዛማዲ ዝኾነ ኣካላዊ ናጽነትን። እዚ፡ ናይ ሆብስ፡ ናይ ሎክን ናይ ቮልቴርን ናጽነት እዩ። (ብቐሊል ትርጕሙ ክርአ ከሎ ሓርነት ማለት ናይ ምግባር ዓቕሚ ማለት እዩ)። ክብሩ ኾነ ዋጋኡ ካብ ዝግመት ንላዕሊ ዝኾነ ዓይነት ናጽነት።

*

ብኻልእ ወገን እንደልዮ ክንመርጽ ናጻ ዲና፧ እዚ፡ ናይቲ ናጽነት ዝብሃል ቃል፡ ካልኣይ መልክዕ እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ብኽንዮ-ግኡዛዊ መንፈስ ዝግለጽ ናጽነት። ገሊኦም ወገናት ፍጹም ዝሰምይዎ ናጽነት። ምናልባት ልዕለ-ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ናጽነት። ብዓይኒ ፍልስፍና ክርአ ከሎ እዚ፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣሸጋርን ኣተረጓጉማ ናይቲ ቃል’ቲ እዩ።

ሓደ ኣብነት ንውሰድ። ምስ ስሙ ዝዳረግ ደረጃ ደሞክራስያ ኣብ ዘሎዎ ሃገር ድምጽኻ ናይ ምሃብ ናጽነት ኣሎካ። ኣብታ ድምጽኻ እትህበላ ክፍሊ ምስ ኣተኻ፡ ንበይንኻ፡ ዝርእየካ ሰብ ዘይብልካ፡ ስቱር ኣብ ዝኾነ ቦታ ስለ ዘለኻ ናጽነትካ ምናልባት ብዝርዝር ሕጹያት እንተ ዘይተደሪቱ ፍጹም እዩ። ስለዚ፡ ንዝደለኻዮ ሕጹይ ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፖለቲካዊ ናጽነት እዩ። ናይ ምግባር ናጽነት’ውን እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ሓደ ኮነ ነቲ ኻልእ ሕጹይ ድምጽኻ ንምሃብ ናጻ ዲኻ፧ ጸጋማይ ዝኾነ ፖለቲካዊ መትከል እንተሎካ የማናይ ፖለቲካዊ መትከል ንዘሎዎ ሕጹይ ድምጽኻ ንምሃብ ናጻ ዲኻ፧ የማናይ መትከል እንተሎካኸ፡ ጸጋማይ መትከል ንዘሎዎ ሕጹይ ድምጽኻ ንምሃብ ናጻ ዲኻ፧ ካብ ክልቲኡ ፖለቲካዊ መስመር ናጻ እንተ ኾንኻኸ ድምጽኻ ንሓዲኦም ንምሃብ ዝኽእለካ ምሉእ ናጽነት ኣሎካ ድዩ፧ ንርእይቶኻ፡ ንድልየታትካ፡ ንስግኣት-ተስፋታትካ ንምምራጽ ናጻ ዲኻ፧ ናጻ እንተ ዄንኻኸ ብናይ ካልኦት ርእይቶ፡ ድልየት፡ ተስፋን ስግኣትን ከም ዘይተጸለኻ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ወይ’ውን ብሃውሪ ውሳነ ክትውስን ትኽእል ኢኻ፧ (ሽዑ ንሽዑ ግን ውሳነኻ ሃውሪ ምዃን ከም ዘብቅዕ ዘክር)። ብሃውሪ ምድማጽ ማለት ብናጽነት ምድማጽ ማለት ኣይኮነን። ንዝመረጽናዮ ሕጹይ ኮነ (ንማሕበራዊ፡ ርእዮተ-ዓለማውን ምሁራውን ድርኺታት)፡ ድምጽና ክንህብ ከለና፡ እሱራት ወይ ግዙኣት ናይ ምርጫናዶ ኣይኮንናን ንኸውን ዘለና፧ ምርጫና ኣብ ዝህልወና ኣረኣእያ ዝተመስረተ እዩ። ይኹን’ምበር ንኣረኣእያኡ ክመርጽ ዝኽእል መን እዩ፧

ስፒኖዛ ከም ዝበሎ፡ ‘ደቅሰብ ብዛዕባ ድልየታቶም፡ ሸውሃቶምን ባህግታቶምን፡ ጽቡቕ መረዳእታ ክሳዕ ዘሎዎም ናጻ ሰባት ኢና ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። እንተኾነ ግን፡ ንባህግታቶምን ኣንቅዶኦምን ዝድርኾ ነገር እንታይ ምዃኑ ምሕሳብስ ይትረፍ ብሕልሞም’ውን እንተ ኾነ ኣይዝክርዎን እዮም።’ እንደልዮ ነገር ንምግባር ናጻ ዲና፧ ብሓቂ እወ፡ ናጻ ኢና። ግን እቲ እንደልዮ ንምንታይ ኢና እንደልዮ፧ ምርጫና፡ ኣካል ውድዓዊ ኵነታት እዩ። ልክዕ ከም ኵሉ ነገር ድማ ብሕግን ብብቑዕ ምኽንያታውነትን ይግዛእ እዩ። (ብዘይ መበገሲ ምኽንያት ዝህሉ፡ ዝነብር ነገር የሎን። ንዅሉ ነገር መግለጺ ክርከበሉ ይከኣል እዩ።) ወይ ድማ ብመሰረት ሕጊ ጠንቅነት ወይ ሰበብነት፡ (ካብ ባዶ ዝመጽእ ነገር የሎን፡ ኵሉ ነገር መበገሲ ኣሎዎ)። ኣብ መወዳእታ ድማ ንደቀቕቲ ባእታታት ዝጸሉ ሕጊ ጽሕፍቶነት ኣሎ። ዋላ ኣብ ደረጃ ደቀቕቲ ባእታታት ዉዱእ ዝኾነ ጽሕፍቶነት የሎን ዝብል (ቅድም ክብል ሰዓብቲ ኤጲቆሮስ ይኣምኑሉ ዝነበሩን ድሒሩ ኳንተማዊ ስነ-ግኡዝ ዘረጋገጾን)፡ ኣተሓሳስባ ይሃሉ’ምበር ንስኻ ኣብቲ መሰረታዊ ንስነትካ ብዘለዉ ዝደቐቑ መትነ-ህይወታዊ ባእታታት ስርርዕ ኢኻ እትግዛእ። ንምንቅስቓስ ናይ’ዞም ባእታታት’ዚኦም ክትንበዮ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ተገዛእቲ ድልየታትካን ኣንቅዶኻን ክትገብሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኣንጻሩ ኣንቅዶኻ እዩ ተገዛኢ ናቶም ዝኸውን። ብሃውሪ ዝግበር ነገር ናጻ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ብሃውሪ ዝኸይድ ኣንቅዶ፡ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

Previous
Previous

ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም

Next
Next

እቲ ሽማግለ ሰብኣይን ባሕርን