እቲ ሽማግለ ሰብኣይን ባሕርን
ኣብቲ መጻብቦ ዛራ ማይ ንበይኑ ብንእሽቶን ፈኳስን ጃልባ ዓሳታት ዚገፍፍ፡ ሽማግለ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ንሰማንያን ኣርባዕተን መዓልትታት ዓሳታት ከይሓዘ ቐነየ። ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዓ መዓልትታት፡ ሓደ ወዲ ምስኡ ነበረ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ኣርባዓ መዓልትታት ብዘይዓሳ ምስ ተረፈ ግን፡ ወለዲ’ቲ ወዲ’ውን፡ ኣብ መወዳእታኡስ፡ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ፈጺሙ ዕድለኛ ከም ዘይኰነ ነገሩዎ። ድሕር’ዚ፡ ወዶም ንትእዛዛቶም ብምኽታል፡ ካልእ ጃልባ ብምጥቃም፡ ኣብቲ ፈለማ ሰሙን ሰለስተ ጽቡቓት ዓሳታት ሓዘ። እቲ ወዲ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ፡ ነታ ጥራያ ጃልባኡ ሒዙ ኽመጽኦ ኽርኢ ኸሎ፡ የሕርቖ ነበረ። ኵሉ ሳዕ፡ ንምሕጋዙ’ውን፡ ይኸዶ ነበረ። ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ነቲ ጥምጣም ኣግማድ፡ ንመቝሎብ ዓሳኡ፡ ንመቐለሲ ጭማራኡን፡ ነቲ ኣብ ዙርያ ጋንጽላ ዝተዓዅለለ መጀልቢኡን ይስከመሉ። እታ መጀለቢኡ፡ ብኣኽያሽ ፊኖ ስለ ዝተለጋገበትን ዝተጠቕለለትን፡ ንቘዋሚት ባንዴራ ስዕረት ትመስል።
እቲ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ቀጢንን ማሕቋቝን እዩ ነይሩ። ኣብ ድሕሪ ኽሳዱ’ውን፡ ዓሚቝ ዕጣር ነበሮ። ኣብ ምዕጕርቲ’ቲ ሰብኣይ፡ ጸሓይ ካብ ነጸብራቕ ትሮፒካዊ ባሕሪ ዘምጽኣቶ ሰማያዊ ትኳዕ-ትኳዕ ቈርበት መንሽሮ ይርኣዩ። እቶም ነጠብጣብ ዝቕርጾም ሕብሪ ዘይብሎም ትኳዓት፡ ግርም ገይሮም ናብ ትሕቲ ሸነኻት ገጹ ዝወረዱ እዮም። ብሰሪ’ቶም ብድባራታት ዘልዕሎም ከበድቲ ዓሳታት፡ ኣእዳዉ’ውን፡ ዓመቝቲ ጭምዳዳት በሰላታት ይርከቡዎም። እንተዀነ፡ ዋላ ሓደ ኻብ’ዞም በሰላታት ሓደስቲ ኣይኰኑን። ንሳቶም፡ ምስ ኣብ ዓሳ-ኣልቦ ምድረ-በዳ ዚርከብ ፍግረ-መሬት ዚቀራረብ ዕድመ ነበሮም። ብዘይካ ኣዒንቱ፡ ብዛዕባኡስ ኵሉ ነገር ኣረጊት እዩ ነይሩ። ኣዒንቱ ግን፡ ትስፉዋትን ዘይሰዓሩን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ልክዕ ንሕብሪ ባሕሪ ኸኣ ይመስሉ።
ንሳቶም፡ ካብቲ እታ ፈኳስ ጃልባ እትጕተትሉ ዝነበረት ቦታ፡ ናብቲ ገምገም እናሓዀሩ ኸለዉ፡ እቲ ወዲ፡ “ሳንትያጎ፡” ብምባል፡ ነቲ ሰብኣይ ኣድሃዮ። “ዳግማይ ምሳኻ ክኸይድ እኽእል እየ። ገለ ገንዘብ ኣጠራቒምና ኣሎና፡” ከኣ በሎ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ነቲ መንእሰይ ብዛዕባ ኣጋፍፋ ስለ ዝመሃሮ፡ እቲ ወዲ’ውን፡ ይፈቱዎ ነበረ።
እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ፡ “ኣይፋል፡” በለ’ሞ ኣስዒቡ’ውን፡ “ንስኻ ምስ ዕድለኛ ጃልባ ኢኻ ዘለኻ፤ ኣብኡ ደኣ ምስኣቶም ጽናሕ፡” በሎ።
“ግን፡ ንሰማንያን ሸውዓተን መዓልትታት ብዘይዓሳ ኸም ዝጸናሕካ’ባ ዘክር። ድሒርና’ኳ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ፡ ንሰለስተ ሰሙናት ዓበይቲ ዓሳታት ሒዝና ኢና፡” ክብል’ውን ኣስዓበ።
“እዝክር እየ፡” በለ፡ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ። “ስለ ዝተጠራጠርካ ንኣይ ከም ዘይገደፍካኒስ እፈልጥ እየ።”
“ባባ እዩ ኸም ዝገድፈካ ገይሩኒ። ኣነ ኸኣ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀንኩስ፡ ክምእዘዞ ይግባእ እዩ።”
“እፈልጥ እየ፤ ብርግጽ፡ እዚ ኸኣ፡ ንቡር እዩ፡” ክብል፡ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ መለሰ።
“ምሉእ እምነት የብሉን።”
“ላላእ! ኣለና’ምበር፤ ኣይኰንናን ዲና፧”
እቲ ወዲ፡ “እወ፤” ድሕሪ ምባል፡ “እሞ፡ ኣብዚ ጤረር-ገዛዶ ቢራ ክቕርበልካ፧ ድሕሪኡ፡ ነቶም ኣቕሑ ንገዛ ኽንወስዶም፡” በሎ።
“ብዘይ ጥርጥር፤ ኣብ መንጐ ገፈፍቲ-ዓሳ’ምበር፡” በለ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ።
ንሳቶም፡ ኣብቲ ጤረር-ገዛ ዀፍ በሉ። ብዙሓት ካብቶም ገፈፍቲ-ዓሳ ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ሽማግለ ሰብኣይ እናተዋዘዩ ሰሓቑ። ንሱ’ውን፡ ኣይሓርቕን እዩ። እቶም ካልኦት ሽማግለታት ገፈፍቲ-ዓሳ ድማ፡ ናብኡ እናጠመቱ ይቝጥዑ። እንተዀነ ግን፡ ቍጠዐታቶም ኣይርእዩዎምን እዮም። እኳ ደኣ፡ ብዛዕባ ማዕበል፡ ኣግማዶም ዝንቀሳቕሱሎም ዕምቈት ባሕሪ፡ ብዛዕባ ርጉእ ጽባቐ ኵነታት ኣየር ኰነ ብዛዕባ ኻልኦት ዝርኣዩዎም ነገራት ብትሕትና ኣዕለሉ። ድሮ፡ እቶም ዕዉታት ገፈፍቲ-ዓሳ እታ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ነበሩ። ንሳቶም፡ ነቶም ነዊሕ ምንጋጋታት ዝነበሮም ዓሳታት እናሓረዱን እናተሰከሙን፡ ምስ ምሉእ ንውሓቶም እና’ንጸፉ፡ ኣብ መንጐ ኽልተ ጫፋት ሉሓት ኣንበሩዎም። ኣብ ጫፍ ነፍሲ-ወከፍ ሉሕ ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት ግን፡ ሰንከልከል ይብሉ ነበሩ። ነቶም ዝሓዙዎም ዓሳታት ናብ ኣብ ሃቫና ዚርከብ ዕዳጋ ኺውሰዱ እዮም። ቅድሚ ዕዳጋ ምብጻሖም ግን፡ ኣብ ገዛውቲ ዓሳታት ከጽንሑዎም ነይሩዎም። ኣብቶም ገዛውቲ ድማ፡ ንዓሳታት እትጽዕን መኪና-በረድ ትጽበዮም ነበረት። እቶም ሻርክታት ዝሓዙ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ካልእ ሸነኽ ዚርከብ ሽጕሹጕ፡ ፋብሪካ ሻርክ፡ ወሰዱዎም። ነቶም ሕሩዳት ዓሳታት፡ ጸሊም-ከብድታቶም ብምእላይ፡ ክንፍታቶም ብምቝራጽ፡ ንቘርበታቶም ብምቕላጥ፡ ንስጋታቶም ንምጭዋም ድማ፡ ናብ ትልታላት ብምቍርራጽ፡ ኣብ ግላዓት ኣእማንን መንኰርኰራትን ይሰቕሉዎም።
እቲ ንፋስ ንምብራቕ ምስ ኣበለ፡ ካብ ፋብሪካ ሻርክ ዝመጽአ ሽታ ናብ መላእ’ቲ ማርሳ መጽአ። ሎሚ መዓልቲ ግን፡ ዝተወሰነ ሃሳስ ሽታ ጥራይ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ፈለማ፡ እቲ ንፋስ ሕቘኡ ናብ ሰሜን ገበረ’ሞ ጸኒሑ’ውን ኣቋረጸ። ኣይጸንሐን ድማ፡ ኣብ’ቲ ጤረር-ገዛ ምሹውን ብሩህን ኰነ።
“ሳንትያጎ፡” በለ እቲ ቘልዓ።
“መርሓባ፤” በለ እቲ ሰብኣይ። ንብርጭቆኡ ሒዙ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተመሊሱ ይሓስብ ነበረ።
“ንደገ ኺውጽእ’ሞ ጽባሕዶ ሳርዲን ከምጽኣልካ፧”
“ኣይፋል፤ ኪድ’ሞ ኵዕሶ-ሰክዔት ደኣ ተጻወት። ኣነ ኸኣ፡ ገና ኽጅልብ እየ። ሮጊልዮ ድማ፡ ሰክዔት ክውርውር እዩ።”
“ክኸይድ እደሊ ኣለኹ። ምሳኻ ክገፍፍ ዘይክእል እንተ ዀይነ፡ ብኻልእ ኣገባብ እየ ኸገልግል ዝደሊ።”
“ቢራ ዓዲግካለይ እንዲኻ፤ ንስኻ ከሎ ገና ሰብኣይ ኢኻ፡” በለ፡ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ።
“ንፈለማ እዋን ብጃልባ ኽትወስደኒ ኸለኻ፡ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነይረ፧”
“ወዲ ሓሙሽተ፤ ናብቲ ምሒር ሓምላይ ሳዕርታት ዓሳ ከምጽእ ከለኹ፡ ዳርጋ ተቐቲልካ ኔርካ ኢኻ። ነታ ጃልባ’ውን፡ ናብ ጭርምራም ቀዳዲዱዋ። ክትዝክሮ ትኽእል ዲኻ፧”
“እታ ጭራ ኽትጭልግምን ገውታ ኽተስምዕን ከላ፡ እዝክር እየ። ምስባር’ታ ሓንኳሊትን ድምጺ’ታ ጓመድ’ውን ኣይርስዖን እየ። ንስኻ ናብ’ቶም ዝጠልቀዩን ዝተጣማጠሙን ቍርጽራጽ ኣግማድ ዝነብሩዎ ቐስቲ ኽትድርብየኒ ኸለኻ’ውን እዝክር። ሽዑ፡ እታ ጃልባ ብምልእታ ኣንቀጥቂጣ እያ። ድምጽኻ ድማ፡ ልክዕ ንኺወድቕ ዚቝረጽ ዘሎ ገረብ ኪመስል ይዘብጦ ነይሩ። እቲ ምቍር ሽታ ደም ከኣ፡ ኣብ መላእ ነብሰይ ነይሩ።”
“ነዚኣስ፡ ብሓቂ ዲኻ ክትዝክራ ትኽእል፧ ወይሲ፡ ብዛዕባኣ ባዕለይ ጥራይ’የ ነጊረካ፧”
“ካብቲ ንመጀመርታ ብሓባር ዝኸድናሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ ኵሉ ነገር እዝክር እየ።”
እቲ ሽማግለ ሰብኣይ፡ በቶም ብጸሓይ ዝነደዱን ኣተኣማመንቲ ኣፍቀርቲ ኣዒንቱን ገይሩ ናብኡ ጠመተ።
“ወደይ እንተ እትዀውን ኔርካስ፡ ንደገ ምወሰድኩኻን ምተቛመርናን ኔርና፡” በለ። “እንተዀነ፡ ንስኻ ግን፡ ናይ ኣቦኻን ኣደኻን ኢኻ። ኣብ ዕድለኛ ጃልባ ኸኣ’ለኻ፣” ወሰኸ።
“ሳርዲን እረክብዶ እዀውን፧ ዋላ ነቶም ኣርባዕተ መስሕባት (መጻወድያታት) ኣበይ ክረኽቦም ከም ዝኽእል’ውን፡ እፈልጥ እየ።”
“ካብ ሎሚ ንንየጀው፡ ኣነ ዝገድፍኩዎ ናተይ ኣሎ። ኣብቲ ሳንዱቕ ብጨው ገይረ ኣቐሚጠዮ ኣለኹ።”
“እሞ፡ ነቶም ጽሩያት ኣርባዕተ ኽወስድ።”
እቲ ሽማግለ ሰብኣይ፡ “ሓደ ደኣ ውሰድ፡” በለ። ተስፋኡን ተኣማንነቱን ብፍጹም ኣይከዱን። ሽዑ ግን፡ ከም እናበረኸ ፈሽ-ፈሽ ዚብል ህዱእ ንፋስ፡ ንሳቶም’ውን፡ ይሕደሱ ነበሩ።
