ኣስተንትኖታት

መጽሓፍ ፯

  1. እኪት፣ ወትሩ ዘይተለዋጢ።

    ወትሩ ነዚ ዘክር፣ ኣብ ዝኸድካ ኵርናዕ ዓለም ኪድ ወትሩ ክትረኽቦ ኢኻ። ናይ ጥንትን ናይ ሕጅን መጻሕፍቲ ታሪኽን ኣብያተ-መንግስትን ብተግባራት እኪት ዝተመልኡ እዮም። ዝኾነ ሓድሽ የብሉን።

    ልሙድን ሓላፋይን።

  2. ርድኢትካ ኽትመልስ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ዝመስረትዎ ዝኽርታት ምለሶም። ዝኽርታትካ ኸም ዝተደበቘ ጓህሪ ደጊምካ ኸተንድዶም ትኽእል ኢኻ። ሓሳባተካ ከከም ኣገዳስነቶም ክትቈጻጸሮም እንተ ኽኢልካ፡ ደጋዊ ኵነታት ፈጺሙ ኣይክጸልወካን እዩ። ነዚ ኸም ዝስወጠካ ኣረጋግጽ’ሞ፡ ብኽልተ ኣእጋርካ ደልዲልካ ኽትረግጽ ኢኻ።

    ደጊምካ ምንባር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንነገራት ከምቲ ዝሓለፈ ጌርካ ደጊምካ ጠምቶም። ህይወትካ ድማ ኽምለስ እዩ።

  3. ትርጕም-ኣልቦ ሰልፍታት፡ ዜማታት ኦፔራ፡ መጓሰታት ኣባጊዕ፡ ኣሓን፡ ወተሃደራዊ ልምምዳትን። ልክዕ ከምዚ ናብ ከልብኻ ዓጽሚ ምድርባይ ወይ ናብ ጋብላ ዓሳታት ርፍራፍ ሕብስቲ ምስንዳው። ብዘይ ዕረፍቲ ዝዓዩ ጻጸ፡ ብፍርሒ ካብቲ ናብቲ ዝወናጨፋ ኣናጹ፡ ብገመድ ዝሰሓቡ እንስሳታት ዘቤት።

    ነዚ ኵሉ ከቢቡና ዝርከብ ናይ ምቕባል ልምምድ ክንገብር ይግባእ። ብዘይ ንዕቀት። ግዳኸ ዋጋና ብመንጽር ኣበይ ጸዓትና ነውፍር ከም ዝዕቀን ድማ ብዘይ ምርሳዕ።

  4. ክትዛረብ ከለኻ ኣብቲ ዝተባህለን፡ ውጽኢት ነፍስወከፍ ተግባራትን ኣተኵር። ዕላማታቶምን ትርጉማቶምን ፍለጥ።

  5. ነዚ ስራሕ ዝበቅዕ ኣፍልጦ ኣሎኒ ድዩ፧ እንተሎኒ ከም መሳርሒ ተፈጥሮ ኾይነ ኣብ መዓላኡ ኸብጽሖ እየ። ልዕሊ ዓቕመይ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ባዕለይ ምስራሕ እቲ እንኮ ምርጫይ ክሳብ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝምልከቶ ኸረክቦ እየ።

    ወይ ድማ ምስቲ ዝምልከቶ ብዓል ሞያ ተሓባቢረ ንሕብረተ-ሰብ ዘርብሕ ስራሕ ክዓምም እየ። ምኽንያቱ፡ ምስ ካልኦት ሓቢረ ይኹን ንበይነይ፡ ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ፡ ዕላማይ ሓደ ጥራይ እዩ፣ ንሓባራዊ ጥቕሚ ምግልጋል።

  6. ብዙሓት ተዘከርቲ ዝነበሩ ድሮ ተረሲዖም፣ እቶም ዝዘከርዎም ካብ ዝሓልፉ’ውን ነዊሕ ኮይኑ።

  7. ሓገዝ ክትሓትት ኣይትሕነኽ። ልክዕ ከምቲ ዝኸተተ ወተሃደር ዕላማ ኣሎካ። ተወጊእካ ብጻይካ ክሕግዘካ ኢድካ ምስዳድ’ሞ ንምንታይ የሕንኽ፧

  8. ብመጻኢ ኣይትሻቐል። መዓልቱ ኣኺሉ እንተ መጺኡ፡ ንኡ ዝበቕዑ ጸጋታት፣ ሎጎስ ክህልዉኻ እዮም።

  9. ኵሉ ሕድሕዱ ዝተኣልመ እዩ፣ እቲ ዓለባ ድማ ቅዱስ እዩ። እቶም ፈትልታቱ ኵሎም ስጡማት ሓደ’ኳ ዝዘለቐ የብሎምን። ብስኒት ሓቢሮም ድማ ዓለም ይፈጥሩ።

    ሓንቲ ብዅሎም ዝተሰርሐት ዓለም። ሓደ ኣብ ኵሎም ዝርከብ ነፍሲ።

    ሓደ ባእታን ሓደ ሕግን — እቲ ኵሎም ርትዓውያን ነገራት ዝካፈልዎ ሎጎስ። ሓደ ሓቂ ...

    ግደ ሓቂ፡ እዚ ጥርዚ ሓደ መስርሕ እንተ ኾይኑ፡ እቶም ሓደ መበቈል ዘሎዎም ፍጡራት ድማ ሓደ ሎጎስ እዮም።

  10. ኵሎም ባእታታት ውዒሎም ሓዲሮም ብተፈጥሮ ይምጸዉ። ኵሎም ነዚ ህይወት ዝዘርኡ ናብ ሎጎስ ይምለሱ። ኣሰር ኵላቶም ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ብግዜ ይድፈን።

  11. ንሓደ ፍጡር ሎጎስ፡ ዘይንቡር እቲ ምስ ሎጎስ ዝገራጮ ተግባር እዩ።

  12. ብሓይሊ ዝቐንዐ ዘይኮነስ ባዕሉ ዝቀንዐ።

  13. ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ርትዒ ሕድሕዱ ዝተዛመደ እዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ሓደ ሰብ መሓውር ሓቢሮም ስራሕ ዝፍጽሙ።

    ኣነ ሓደ መሓውር — እሞ ድማ ናይ ሓደ ርትዓውን ዝዓበየን ኣካል እየ፣ እናበልካ ነብስኻ ምስ ተዘኻኽር እዚ ሓሳብ ዝያዳ ኽንጽረልካ እዩ።

    ወይ ድማ ኣነ ክፋል ናይቲ ዓቢ ኣካል እየ ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ግዳ ኸምኡ ኽትብል ከለኻ እቶም መሳርሕትኻ ዝኾኑ ሰባት ወይ ፍጡራት ኣካልካ ምዃኖም ከይትርስዕ። ምሕጋዞም ድማ ቅኑዕ ተግባር ምፍጻም ጥራይ ኣይኮነን። ኣካልካ ስለ ዝኾኑ፡ ግዴታ’ውን እዩ።

  14. እንተ ደልዩ፡ ንዝኾነ ኸጋጥሞ ዝኽእል ከጋጥም ሕደጎ። እቲ ዝተጸልወ ድማ እንተ ደልዩ ከዕዘምዝም ሕደጎ። ንስኻ ነዚ ኣጋጣሚ ከም ሃሳዪ እንተ ዘይወሲድካዮ ኣይክሃስየካን እዩ። ከምኡ ከይትቘጽሮ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

Previous
Previous

ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ

Next
Next

ተረካብዓድዮ