ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ
ኣነ፡ ብፍርሒ ኸንቀጥቅጥ ጀመርኩ። ትንፋሰይ ትሓልፍ ዘላ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። “ሮቤል ሓወይ፡ እመውት ኣለኹ መስለኒ፧” ናብ ሮቤል እናጠመትኩ ብራዕዲ ሓተትኩዎ።
‘ኣጆኺ ሰናይት ሓፍተይ!’ ከም ወትሩ ሞራል ለገሰለይ። ከቢድ ፍርሐይ ስለዘስትብሃለ፡ ምዝንባል ናይ’ታ ጃልባ ኸየገደሶ ናብ ጎነይ ብምምጻእ፡ ሓቝፉ ካብ ፍርሒ ኸገላግለኒ ፈተነ። “ቀሪብና ኢና ሰናይት ሓፍተይ!” ኢሉ ድማ ቝሩብ ኣህደኣኒ።
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዅነታት ከለና፡ ኣብ መንጎ’ቶም ነቲ ዝሞተ ሶማላዊ “ሚዛን መታን ክንሕሉ ናብ ባሕሪ ንሰንድዎ’ ዝብሉን ‘ኣይንስንድዎን ኢና’ ዝብሉን ሰባት ክትዕ ተፈጥረ። ለውሃትን ድንጋጸን ሮቤል ከኣ ብዝያዳ ኣብ’ዚ ኽንጸባረቕ ረኣኹዎ።
‘ኣይከውንን’ዩ! ኣይንስንድዎን ኢና!’ ኽብል ኣትሪሩ ተቓወመ። ዘረባ ናይ’ቶም ‘ኣይንስንድዎን ኢና’ ዝበሉ ስዒሩ ድማ፡ ሬሳ ሒዝና ናብ ሻሙናይ መዓልቲ ሰገርና። ኣብ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ፡ ዅሉ ሰብ ተዳኺሙ ስለ ዝነበረ፡ ኽንዮ ጨብረቕታ ባሕሪ ዝስማዕ ኣይነበረን። ሮቤል ኣብ ጎነይ ብምንባሩ ኣነ ዝሓሽኩ ነበረኩ። እንተ ወሓደ፡ ካብኡ ተስፋ እናሰነቕኩ ነታ መዓልቲ እሓልፋ።
እታ ዘይርስዓ ዕለት፡ ታሽዐይቲ መዓልቲ መጺኣ! ጨካን መዓልቲ! ንኽጸውሮ ዝኸበደኒ ቃንዛ፡ ኣብ’ዛ ዕለት’ዩ ነይሩ። ከይደቀስኩ ስለ ዝቐነኹ፡ ኣብ ወጋሕታ ድቃስ ጸቒጡኒ ህልም ኢለ’የ ጸኒሐ። ኣዒንተይ ብድኹማተንን ጭምቱላተንን እየ ድማ ተበራቢረ። ተስፋ ንኽሰንቕ ድማ፡ ናብ’ቲ ብየማነይቲ ኢዱ ሓቚፉኒ ዝነበረ ሮቤል ግልጽ በልኩ። ሮቤል ግና ኣብ ከቢድ ድቃስ ነበረ። ካብ ድቃሱ ንኸየበራብሮ ኢለ እናተጠንቀቕኩ፡ ነተን ብኾፍ ዝደንዘዛ ኣእጋረይ ንምዝርጋሕ ፍኒሕኒሕ በልኩ። ቍሩብ ምስ ተንቀሳቐስኩ፡ ተደጊፉኒ ዝጸንሐ ሮቤል ዘልሓጥ ኢሉ ኣብ ዝባነይ ጸቐጠኒ። ክኣልዮ’ኳ እንተ ተጋደልኩ፡ ኣካላቱ ኸም ዓቢ ደንጎላ ኸቢዱ ሓፍ ምባል ኣበየኒ። ሰባት ንኽሕግዙኒ ኢለ ግልጽ ምስ በልኩ ግን፡ እቶም ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ዝርንዛሕ ክነብዑ ረኣኹዎም።
“ኣይደሓንናን ዲና፧” ተጋዲለ ኣድመጽኩ። መልሲ ዝሃበኒ ኣይነበረን።
“እንታይ ደኣ’ዩ፧” ንነብሰይ ሓቲተያ። መልሲ ግና ኣይነበራን። ናብ ሮቤል ገጸይ ግልጽ በልኩ። ከም ወትሩ ኣብ ገጽ ሮቤል ተስፋ ኣየንበብኩን፣ ሞራል ኣይረኣኹን፣ ትንፋስ ኣይሰማዕኹን፣ ህይወት ኣይሸተተንን! ሮቤል ሓወይ ኣፍሪሑኒ!
ብዘይቀልበይ “እውይይይይይ. . .!” ከድምጽ ከለኹ፡ ስንባደ፡ ፍርሒን ድንጋጸን ይድብድቡኒ ነበሩ። ውሽጠይ ከም ከቢድ ማዕበል ክገላበጥ ተሰመዓኒ። ሞት ሮቤል ንኸይቅበሎ እናተጸዓርኩ፡ ብቕብጸት ተኸዲነ ኣቕባሕባሕኩ። ሮቤል ኣይነበረን። መዓስ ሓዲጉኒ ከም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን። ግን ኣይነበረን። ድሕሪ’ዚ፡ እንታይ ከም ዝብልን ዝገብርን ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ኣብ’ታ ዝነበርኩዋ ተኾርምየ ኸልቅስ ወዓልኩን ሓደርኩን።
ምስ ንብዓተይ ውዒለ ምስ ሓደርኩ፡ ኣብ ዓስራይ መዓልቲ፡ ኣብ ከባቢና መሬት ዝመስል ነገር ተራእየና። ግና፡ ኣብ መንፈስና ሓጎስ ዝበሃል ኣይነበረን። እቲ ዝረኣየና ዝነበረ መሬት ዝመስል ነገር፡ ኣእምሮና ዝፈጠሮ እምበር፡ ሓቂ’ውን ኣይመሰለናን። ውሽጥና ብዘይጽወር ሓዘን ተመሊኡ ብምንባሩ፡ ዋላ መሬት ንርገጽ ንሕጎስ ይመስለኒ ኣይነበረን።
ናብ መሬት እናቐረብና ምስ ከድና፡ ናይ ላምፐዱሳ ገበርቲ ሰናይ ስለ ዝመጽኡና፡ ተስፋና ኣብ’ታ ንኸተድሕነና ዝመጽአት መርከብ ወደቐ። ነዚ ምስ ረኣኹ ንሮቤል ኣትሪረ ብምሓዝ፡ “ሮቢ ሓወይ በጺሕና ኢና ተንስእ’ባ፧” በልኩዎ - ኣእምሮይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን።
“ኣደኻ’ኳ ‘ብሰላም በጺሐ’ ኽትብላ’ያ ትጽበ ዘላ፣ ውላድካ’ኮ ይጽበየካ’ዩ ዘሎ፡ ዕላማኻ ራኢኻ. . .ሮቢ. . .ሮቦ” መዓንጣይ ተሓሊቡ። ነቶም ምሳይ ዝነበሩ ድሮ ናብ መርከብ ከስግርዎም ምስ ጀመሩ፡ ኣነ ካብ ሬሳ ሮቤል ‘ኣይፍለይን’ በልኩ።
ብሓይሊ ስሒቦም ናብ መርከብ ኣስቀሉኒ። “ሮቢ ሓወይ ገዲፈካ እኸይድ ኣለኹ! ሮቢ ለዋህ፡ ንኣደኻ እንታይ ክብላ’የ፡ ሮቤል ሓወይ ሮቢ ..” ንተስፋኡን ሓልዮቱን ብዘይበቅዕ መልቀስ ተፋንየዮ። ሓይለይ እናደኸመ ኸደ፡ ኣብ መወዳእታ ሃለዋተይ ኣጥፊአ፡ ናብ ባይታ ወደቕኩ።
ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ፡ ነብሰይ ኣብ ሕክምና ረኺበያ። ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ ‘ናብ ሮቤል ውሰዱኒ’ ኽብል ኣዕገርገርኩ። ግን ድማ፡ ሓንቲ መልሲ’የ ረኺበ። ‘ፖሊስ ላምፐዱሳ ቐቢሮሞ፡ ሬሳ ድማ ንፖሊስ እምበር ንዓኺ ዝምልከት ኣይኰነን” ዝብል ዘቕብጽ መልሲ።
ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ፡ ሮቤል ዝተላበወኒ ነገር ነይሩ። “ኣደይ፡ ናብ ሰሃራን ሊብያን ከም ዝመጻእኹ ኣይትፈልጥን’ያ። ንኸይትሻቐል ኢለ ኣይሓበርኩዋን። ኣብ ወጻኢ ዝፈልጦ ሰብ ስለ ዘየለ ድማ ዝሓበርኩዎ የለን” ኢሉኒ። እዛ ቐላል እትመስል ዘረባ፡ ድሕሪ ሞቱ ኸቢዳትኒ።
እነሆ 6 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ብዘይካ ገዛውቱ ማይተመናይ ምዃኑ፡ ዋላ ሓንቲ ዝሓዝኩዎ ሓበሬታ የብለይን። ኣደኡ፡ ‘ወደይ’ እናበለት ብሰንፈላል ትጽበዮ ትህሉ! እቲ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘይጸገበ ህጻን “ባባ” እናበለ ኽሕቖፎን ክስዕሞን ይጽበ ይህሉ! መን’ዩ መርድእ ክነግር - እንታይ ሒዙኸ፧ እወ - ዛንታና ኸምኡ ዀይኑ! መብጽዓ ወላዲቱ ንኽፍጽም ሕልናይ ይሓቕየኒ ኣሎ። ብዘይካ “ሮቤል ወዲ ማይተመናይ” ግን፡ ዝሓዝኩዎ ኣድራሻ የለን።
ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ፡ መንነትና ኽንነግርን መንነት ኣሕዋትና ኽንሓትትን ዘይምኽኣልና ድኻምና ምዃኑ፡ ዛንታ ሮቤል ምሂሩኒ’ዩ። ካብ ተቐራረብና ጽቡቕ ገይርና ደኣ ንፋለጥ ኣሕዋተይ።
“ንወላዲተይ ክኽሕሳ” እናበለ፡ ኣብ ንእስነቱ ንሓዋሩ ብምግዓዙ ድቃስ ከሊኡኒ። ወላዲ፡ ሞት ውሉዱ ዘይርደኣሉ እዋን! እዚ’ዩ ዛንታ ሮቤል ወዲ ማይተመናይ፡ እቲ’ኳ ሮቤል ብዓል ተስፋ፡ ሮቤል ጎይታ ህድኣት! ይኣኽለኒ በቃ! ምስ ንብዓተይ ክፋነወኩም!! ወላዲትካስ መርድእካ ሰሚዓ’ዶ ትኸውን፧ ምዃን ምስ ነገራ! እዚ ኮይኑ ጉዕዞና በቓ!
ብጕዳይ ሮቤል ዘይደቀሰት ሰናይት ኣርኣያ!
