ሮማን

ቦኽሪ ወዶም’ዩ። ንዓመታት ህይወት ናይ’ታ ስድራ ከም ዝመርርን ዝጽልምትን ዝገበረ ከኣ’ዩ። ኣብ ዓመት እንተዋሓደ ብስርቂ ክልተ ግዜ ቤት ማሓዪር ይኣቱ። ብባእሲ ስኒ ሰብ እናሰበረ ብዕዳ ዳር ትርኢቶም ኣርእይዎም’ዩ። ሓዳር የብሉን። ብናይ መስተ ወልፊ ስለ ዝተገዝአ፡ ምሸተ ምሸት ሰኺሩን ብሰባት ተደጊፉን እዩ ገዝኡ ዝኣቱ። ብጠባዩ’ውን እንተኾነ ምስ ኣሕዋቱ ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ስራሕ ድማ ኣይፎቱን እዩ። መን’ዩ ስሙ ኢልካ እንተ ሓተትካስ “ተመስገን” ይብሉኻ። ብዕብዳንን ዘረትን ስድራኣ ዘሸገረት፡ ትምህርቲ ዘይትፈቱ፡ መጻኢ ዘይብላ፡ ስድራቤታ ብምረት ርግም ዝውዕልዋ ጎርዞ፡ መን’ዩ ስምኪ እንተ በልካያስ “እልልታ” ትብለካ። ብርግጽ ኣስማትና መዓር ተግባራትና ግና ዕረ ምዃኑ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣብ ሓደ ኣካል ክልተ ኣንጻር ነገራት ከመይ ኢሉ ይኸውን፧ ዝብል ሕቶ ክመጸና ግድን’ዩ፡፡ እንተኾነ መልሱ ንጹር ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ንሱ ድማ ንኣስማትናን ትርጉሞምን እንህቦ ክብሪ ትሑት ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ። እሞ እዚ ካብ ኮነ ደኣ ኣስማትና ካብ መጸውዒ ሓሊፎም እንታይ ጥቕሚ ኣለዎም፧ ዝብል ተወሳኺ ሕቶ ድማ የስዕበልካ።

ንዘጥፈኦም…………..ሽሻይ

ንዘሕዘኖም…………..ሓጎስ

ዕረ ንዘኾለሶም……….ጠዓመ

ንዘፍኮሶም…………..ግርማይ

ንዘሕጎሎም…………ተስፋይ

ንዘሕመሞም………..መሓሪ

ሕስብ ምስ እነብሎ፡ ካብ ኩነታትና ተበጊሶም ስለ ዝወጹ እዮም ይመስለኒ፡ ዝያዳ ኣስማትና ሳጓታትና እዮም ብዝግባእ ዝገልጹና። ኣብ ጥቕሚ እንተ ርኢና’ውን ሰናፋት ኣይኮኑን። ንኣብነት ንሓደ መደናገሪ ሰብ “ቆሊባ” ኢሎም ሳጓ የውጽእሉ ንበል። እዚ ሰብ እዚ ገና ብማዕዶ እንከሎ መን ምዃኑ ፈሊጥካ ስለ እትጸንሕ፡ ጁባኻ ብዝግባእ ንኽትሕሉ የኽእለካ ማለት’ዩ። ኣስማትና ግና ዳርጋ እቲ ዝበዝሐ ሓሶት ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። እሞ እንታይ ኣምጽኦ ደኣ ስምካ ጅግና ንስኻ ጀበና ምዃን፧ ወለድና ተስፋ ክኾኖም ከም ልቦምን ትምኒቶምን ክረኽቡ ኢሎም ዘውጽኡልና ኣስማት ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትግባረ ግን ኣይከምትጽቢቶምን። ኣግዲዕናዮም ኢና። ወለድና ዝተመነይዎ ኽበጽሖም ኢሎም ከምኡ ምግባሮም ኣይተጋገዩን፡፡ ልቦም ዝመልኣሎም ኣስማት ከውጹኡልና ግቡእ እዩ። እንተኾነ ትምኒቶም ኣብ ኣስማትና ጥራይ ተንጠልጢሉ ብምትራፉ፡ ከም ዝድለ ዓስቢ ኣይረኸቡሉን ዝብል ገምጋም እዩ ዘለኒ። ኣስማትና ምስ ባህሊ ሃይማኖትን ታሪኽን ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም። ምስ ውሽጣዊ ባህርያትና ዘተሓሕዝ ነገር ግና የብሎምን። ንኣብነት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ማርያም ዝስመን ብዙሓት ኣንስቲ ኣለዋ። ካብኣተን ሓንቲ ብምድንጋር ተኸሲሳ ብገበና ከኣ ተኣሚና ንበል። “ስምኪ መን፧” ኢሎም ምስ ሓተትዋ “ማሪያም”። “ገበንኪ ኸ፧” ምስ በልዋ ድማ “ስርቂ” ኢላ ድያ ክትምልስ ብሓቂ፧ ንዘስተውዓለሉ መቸም ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ንኣብነት “ብሩኽ” ክትብል ስም ዘውጻእካሉ ወድኻ፡ ዝወጸሉ “ርጉም” እንተኾይኑ፡ ነቶም “ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ” ዝብል ምስላ ዝኣምንሉ ሰባት፡ ብዘይ ተረደኣካ መገዲ ናይ ሓበሬታ ምዝንባዕ ፈጢርካሎም ኣለኻ።

እስኪ ሕሰብዎ፧ ሓላፍነት ናይ ደቁ ዘይስከም፡ ኪዳኑ ዘየኽብር፡ እሞ ኸኣ ብሰሪ ትህኪትን ጽልኣት ስራሕን ሓዳሩ ንዘዕነወ ጎበዝ፡ “ኣድሓኖም” ዝብል ስም እንታይ ይገብረሉ፧ ስሙ ናብ ዝምልከቶ ሰብ ከረክቦ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ብሕንቃቐ ተኸናኺኖም ዘዕበይዎ ክንሶም፡ ነዚ ወርሓዊ ኽፍሊት መብራህቲ ኤሌትሪክ እኳ ዘይሕግዞም እንተኾይኑ፡ ኣብ ጸልማት ገዛ ኮይኖም “መብራህቶም” ክብሉ ኣርብዓ /40/ ዓመት እንተጸውዑ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧ ዋጋ የብሉን። ኣህዛብ፡ ዋላ’ውን ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ቋንቋን ስርዓተ ሃይማኖትን ዝውንኑ ይኹኑ፡ ዝጥቀሙሎም ኣስማት ግና ዳርጋ ዝበዝሑ ንጽቡቕ ትንቢታቶም ዝገልጹን፡ ንሞራልን ተስፋን ዘበራብሩ ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም። ንታሪኽን ኣጋጣምን ዝገልጹ ኣስማት እውን ኣለዉ። እዝም ኣስማት እዚኣቶም ነቲ ዝተፈጸመ ታሪኽ ተዓቂቡ ንኽነብረሎም ብምሕሳብ፡ ንደቆም ናይ’ቲ ቦታ ኣስማት ከውጽኡሎም ይርኣዩ። ከም’ዚ ናትና ኣስማት ገድሊ ማለት እዩ። “ደንደን፡ ሓሬና፡ ፈንቅል...” ወዘተ። ነቲ ታሪኻዊ ድፋዓት ወይ ዛንታ ዓወት ንዝትርኹ ወትሃደራዊ ፍጻመታት ዘዘኻክሩ ኣስማት እዮም። ብወገን ሃይማኖት ድማ ነቲ ዝስዕብዎ እምነት ዘንጸባርቑ ኣስማት ኮይኖም ንረኽቦም። ብሓፈሻ ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣስማት ደቂ ሰባት፡ ናይ ኣወንታዊ ነገር መግለጺ እዮም ክንብል ንኽእል። ምስ ግዜን ኩነታትን ክቀያየሩ ተኽእሎታት ኣለዎም። ድሮ እኳ መበቆላዊ ኣስማትና እናጸነቱ ይመጹ ኣለዉ። ባዓል ሃብተስላሴ፡ ገብረስላሴ፡ ዓንደ፡ ሓጎስ፡ በርሀ...ወዘተ። ሎሚ ዳርጋ ዝጥቀመሎም ሰብ የለን ክንብል ንኽእል። ብዝኾነ ቀንዲ መንቀሊ ሓሳበይ፡ ኣስማትና ንባህርያትና ክመሳሰሉ እንተ ዝኽእሉ ከመይ ምጠዓመ ዝብል’ዩ። ብኣንጻሩ ካብ ኮነ ግና ስምና ሰማይ ንሕና ምድሪ ኮይንና ክሳብ መዓስ ኢና ክንነብር’ዩ ነገሩ።

ወለዲ፡ ንኣስማት ደቆም ሳሕቲ እዋን ንሕማቕ ነገር ክጥቀሙሉ ትዕዘብ ኢኻ። ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ኣዝዩ ምቕሉልን ትሑትን ሰብ ነይሩ። ስሙ ብኣምሓርኛ ቋንቋ ኮይኑ “ደም መላሽ” ይብሃል። ትርጉሙ ከኣ መላሲ ደም ወይ ካሓሲ ደም ማለት እዩ። እዚ ምስኪን ሰብ፡ ወለዱ ብህጻኑ እዮም ብሞት ተፈልዮሞ። ቅድሚ ንሱ ምውላዱ ኣብ ልዕሊ ሓወቦኡ ብዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ኣጋጣሚ፡ ወለዱ ንጉዳዮም ብዕርቂ ክዓጽውዎ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ነዚ ኣብ ኩሉ ዘይነበረ ቈልዓ ደሞም መታን ክመልሰሎም እምበኣር እዮም “ደም መላሽ” ክብሉ ስም ዘውጽኡሉ። እንተኾነ ኣጋጣሚ ኮይኑ ትምህርቲ ዝጸገበን ንህይወት ብዝግብኣ ዝፈለጣን ሰብ ኮይኑ ኽዓቢ ዕድል ብምርካቡ፡ ጉዳይ ደም ስድራቤቱ ብዕርቂ ፈቲሑ ብሰላም ከደቅሶ ክኢሉ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ህይወቱ ሓደ ዓብዪ ጾር ኣቃለለ። ኮይኑ ግን ዋላ’ኳ ዝዓበየ ሕቱኡ ክምልስ ምኽኣሉ ዓብዪ ሩፍታ እንተፈጠረሉ፡ ነዚ ስሙ ካብ ነብሱ ንኽኣልያ ግና ግዜ ወሲዱሉ ነይሩ’ዩ። ስሙ፡ ዝተወሰነ ጠንቅታት ካብ ምፍጣር ዓዲ ኣይወዓለን። መውስቦ ክፍጽም ኢሉ ጓል ሰብ ክላለ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ስሙን ታሪኽ ህይወቱን ብምስምዖም ጥራይ መሰናኽላት ይወርዶ ምንባሩ የዘንትወልና ነይሩ’ዩ። በዚ ዝተሳቐየ ፈታዊና፡ ሓደ መዓልቲ ምስ ነብሱ ብምምካር ወሰነ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ድማ ነታ ንዓመታት ዘሳቐየቶ ስሙ “ሰለሙን” ብዝብል ተኪኡ ናይ ሓዋሩ ዕረፍቱ ረኸበ። በዚ ኩነታት እዚ ኣብ እዋኑ ኣብነታዊ ሰብ ተባሂሉ ብብዘሓት ክምስገን ክኢሉ’ዩ።

Next
Next

ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ