እታ ኣደ

ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ንፋስ ወይ ምስ ንፋስ ዝተዛመደ እንታይ ብሂላት ንሰምዕ፧

ኣብ ከባቢና ንዝውረ፡ ወረታት ንምርግጋጽ፡ “እንታይ እዩ ዝነፍስ ዘሎ፧” ኢልና ንሓትት። ንሓደ ዘይርጉእን ዘይርጡብን ሰብ ከኣ፡ “ንፉስ” ኢልና ንጸርፍ። ደስ ዘብል ዜና ኣብ ዝውረየሉ ግዜ ኸኣ፡ “ጥዑም ንፋስ ይነፍስ ኣሎ፡” ንብል። ነዚ “ንፋስ” ዝብል ስያመ ምስ ፍጻሜታት፡ ወይ ምንቅስቓሳት ኣተኣሳሲርና ነዘውትሮ። እስከ ብዛዕባ ንፋስ ገለ ኽንብል።

ንፋስ ብዓይኒ ዘይረአ፡ ብኢድ’ውን ዘይድህሰስ፡ ክነፍስ ከሎ ግን ንዅሉ ፍጡር ዝስምዖ እዩ። ተግባራቱ፡ ካብቶም ዝድህሰሱ ነገራት ፍልልይ የብሉን። እዚ ተንቀሳቓሲ ኣየር’ዚ ኻብቶም ዝፍለጡ ኣካላት፡ ካብ ዒላታት፡ ቀላያት፡ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ብዋዒ ጽሓይ ሃፊፎም ኣብ ኣየር ዝዛወሩ ሃፋታት፡ ካብ ዝረገፉ ኣታኽልትን ደሮናን ኣብ ውሽጢ ኣየር ዝርከቡ ደቀቕቲ ነገራትን ይቐውም። ንፋስ ክነፍስ ከሎ ረቂቕ ነገር ኰይኑ፡ ንኣትክልቲ፡ ደበናታት፡ ንትክን ንደሮናን ናብዝን ናብትን ቀልባዕባዕ ከብሎም ይረአ። ስለዚ፡ ንፋስ ስርሑ እምበር ንሱ ባዕሉ ብኣካል ኣይረአን እዩ።

መሬት ክትዘውር ከላ ጩራ ጽሓይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይዓልብ፡ እዞም ዝተፈላለዩ ቦታታት ከኣ ዝተፈላለየ ደረጃ ኣቀባብላ ሙቐት ኣለዎም። ስለ ዝዀነ ኸኣ ንፋስ ይነፍስ። ጽሓይ ኣብ ዓመቝትን በረኽትን ስንጭሮታት ሙቐታ ኣብ ትሰደሉ ግዜ፡ እቲ ኣብ ግዜ ለይቲ ዝሒሉ ዝሓደረ ኣየር፡ እናሞቐ ንላዕሊ ይትስእ። እቲ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ዝሓደረ ኣየር ግን፡ ከምቲ ናታቶም እኹል ሙቐት ስለ ዘይረክብ፡ ነቲ ቦታታቶም ንምሓዝ ንቝልቁል ገጹ ይወርድ። እዞም ዝተጠቐሱ ቦታታት፡ ማዕረ ሙቐት ዘይረኽቡሉ ምኽንያት ከኣ ኣቀማምጣኦም ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መሬትን ባሕርን ካብ ጽሓይ ሙቐት ክቕበሉ ኸለዉ፡ ብሓደ ዓይነት ደረጃ ኣይቅበሉን እዮም። መሬት ቀልጢፋ ዓቂባ፡ ቀልጢፋ ትፍኑ። ባሕሪ ቐስ ኢሉ ይዕቅብ፡ ቀስ ኢሉ ኸኣ ይፍኑ። ብተወሳኺ፡ ማያዊ ኣካል ካብ መሬት ብሰለስተ ዕጽፊ ስለ ዝሰፍሕ ብመጠን ስፍሓቱ ሙቐት ይቕበል። እዚ ኽልተ ፍልልያት’ዚ፡ ንፋስ ናብዝን ናብትን ንኽብል የገድዶ።

ንፋሳት በቲ ዝነፍስሉ መኣዝን ይጽውዑ። ብኽሊማዊ ትሕዝቶኦም ከኣ ኣብ ሰለስተ ይምደቡ። ንሳቶም ከኣ ውዑይ፡ ማእከላይ፡ ዝሑል እዮም። ውዑይ ንፋስ ካብ ቅናት ምድሪ ተበጊሱ፡ ንዓቐብ እናነፈሰ ናብ ማእከላይን ዝሑልን ቦታታት ይኸይድ። እቲ ማእከላይ ንፋስ፡ ንላዕሊ እናነፈሰ ንጸጋምን የማንን ንደቡብን ሰሜንን ይነፍስ። እቲ ዝሑል ንፋስ ግን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ናብ ማእከል መሬት ይነፍስ።

ብቐረባ ንምዕዛብ ኣብ ሃገርና ንፋሳት ዝጽውዑሉ ልምዳዊ ኣጸዋውዓ ኣሎ። ንሱ ኸኣ “ንፋስ በረኻ” “ንፋስ ባሕሪ” “ንፋስ ቀውዒ” ከምኡ’ውን “መንጠሊት” ዝብሉ እዮም። እዚ ምስቲ ዝተጸንዐ ስነፍልጠታዊ፡ ኣድማሳዊ ስያሜታት ዘይክቃዶ ይኽእል እዩ። ይዅን’ምበር፡ ንፋሳት ብዝነፍስሉ ኣንፈትን ግዜን ዘለዎም ክሊማዊ ትሕዝቶን ከምዝጽውዑ ዝሕብር መረድኢ እዩ።

ንፋስ ንዓና ንህይወታውያን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እኳ ድኣድኣ እዞም ህይወታውያን ብዘይ ማይ ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ብሓይሊ ተፈጥሮ ግን፡ ንፋስ ነቲ ብሓይሊ ሙቐት ኣብ ኣየር ዝህሉ ማይ ኣብ ልዕሊ ኣየር እናኣንቀሳቐሰ ዝናብ ከም ዝዘንብ ይገብር። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ንፋስ ብጠሊ ኣብቍሉ ብሓይሊ ሙቐት ንኽበስሉ ይሕግዞም። ንፋስ ብፍላይ ንደቂሰብ ኣዝዩ ሓጋዚኦም እዩ። ዘራእቲ ብጽቡቕ ክዓብዩ፡ ምስ ኣኸሉ ኸኣ ኣብ ግዜ ቐውዒ ንምህርቶም ካብ ሓሰር ንምፍላይ ይሕግዞም። ብዘይካ’ዚ፡ ዘርኢ ዝተፈላለዩ ዕንባባታትን ኣትክልትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናወሰደ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከም ዝባዝሑ ይገብር። ብተወሳኺ ዘርኢ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣትክልቲ ብምስግጋር ከምዝፋረዩ ይገብር። ጠቕሚ ንፋስ፡ ኣብዚ ኸይተሓጸረ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ጫካታት ነቶም ሙቐት ጽሓይ ክረኽቡ ዝጽገሙ ንኣሽቱ ኣትክልቲ፡ ኣብ ጥቕኦም ንዝርከቡ ኣግራብ ኣብ ሓድሕዶም እናጋጨወ ጩራ ጽሓይን ሙቐትን ከም ዝረኽቡ ይገብር። ንገለ ገለ እንስሳታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓያል ናይ ምሽታት ክእለት ዘለዎም ካብ ርሑቕ እንታይ ኣሎ፧ ወይ እንታይ ይመጽኦም ኣሎ ኽፈልጡ ይሕግዞም።

ጠቕሚ ንፋስ ኣብዚ ኸይተሓጸረ፡ ሓይሉ፡ ምንጪ ሓይሊ መብራህቲ ይኸውን። ብሓይሊ ንፋስ፡ ካብ ዒላታት ማይ ክንግልል ንኽእል። ካልእ ንሕና ብዙሕ ዘይነስተብህለሉ፡ ብጎማ ንዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ይዕበያ ይንኣሳ፡ ጎማታተን ንፋስ መሊኡ እዩ ተሰኪምወን ዝኸይድ። ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት እንጥቀመለን ኰዓሳሱ ንፋስ እየን ዝመልኣ። ካልእ ዋላ ገለ ኻብዚ እንግልገለሉ ምዕቡል ተክኖለጂ መራኸቢታት ብንፋስ ተጸይሩ እዩ ኻብን ናብን ዝጐዓዝ።

ጠቕሚ ንፋስ ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ኵሉ ግዜ ብእወታ ጥራይ ዝግለጽ ግን ኣይኰነን። ሳሕቲ ዝኽሰት፡ ካብቲ ጠቕሙ ዘይሰንፍ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረቱን ካልኦት ፍጡራትን ሓያል ጕድኣት ዘስዕብ ባህርያዊ ሓይሊ እዩ። ካብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ብዝለዓል ማዕበላት ነቲ ደቂሰብ ንዘመናት ዝሃነጽዎ ዓድታትን ከተማታትን ኣብ ሓጺር ግዜ ኸም ዘይነበረ ይገብሮ። ብዙሕ ህይወት ከኣ ይጠፍእ። ብሃንደበት ብዝለዓል ህቦብላ፡ ኣብ ኣየር ይዅን ኣብ ባሕሪ፣ ብዙሕ ናይ ምጥሓልን ምግጫውን ሓደጋታት የኸትል። በዚ መንጽር ክረአ ኸሎ እምበኣር፡ ንፋስ’ውን ከም ኵሉ ባህርያዊ ሓይሊ፡ ጠቕምን ጕድኣትን ተሓንጊጡ እዩ ዝጐዓዝ። ከምዚ ኣብ ዓለምና እንሰምዖን እንርእዮን ዘለና ኸም ሱናሚ፡ ታይፉን፡ ተርነዶ፡ ሁሪከይን ካተሪን ... ዝብል ዝተፈላለየ ኣስማት ዝወሃቦ ምስ ዓለማዊ ዋዕን ምንቅጥቃጥ መሬትን እናተዛመደ ዝግለጽ ማዕበላት፡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ዕንወት የኸትል ከምዘሎ፡ ኣብ መሳዅቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐርብ ህያው ምስክሩ እዩ።

Next
Next

ሮማን