ታሪኽ ህይወት ማርታ መብራህቱ
እታ ኣብ 1944 ዝተወልደት ኣንጀላ ዳቪስ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ፍልጥቲ እያ ነይራ። ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ፡ ስም ኣንጀላ ዳቪስ ማዕረ ብዓል ማርክስ፡ ኤንጅልስን ሌኒንን ይጥቀስ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣንጀላ ዳቪስ ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን ደቅ ኣንስትዮ ተማሃሮ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይኹን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ፍሉይ ቦታ ሒዛ ነይራ። ኣብ ዘመነ ማርታ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ታሪኽ ህይወት ኣንጀላ ዳቪስ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ኣምሓርኛ ከም ዝትርጐምዎ እውን ይሕበር።
ማርታ መብራህቱ እውን ንዛንታ ኣንጀላ ዳቪስ ብቐረባ ትከታተሎ ነይራ። ሕጂ ክንግምግሞ ከሎና፡ ማርታ ምሻጦ ጸጕራን ኣከዳድናን ሓፈሻዊ መልክዕን፡ ንኣንጀላ ዳቪስ ከም ሞዴል ትስዕባ ከም ዝነበረት ዝሕብር ምልክት ንረክብ። ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤
ኣንጀላ ዳቪስ ጸላም ኣመሪካዊት እያ። ኮሚኒስት ፈላስፋ’ያ ነይራ። እዚ ዅሉ ጽቡቕ ነገራት ኣብ ሓደ ሰብ ምስ ዝርከብ፡ እቲ ሰብ ንኻልኦት ኣርኣያ ከም ዝኸውን ንጹር እዩ። ንኣብነት ሓደ ዓርከይ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካተድራል ተማሃሪት ዝነበረት ሓፍቱ፡ ብዛዕባ ሓደ እተድንቖ ሰብ ዛንታ ክትጽሕፍ ሓተታ፣ ብዛዕባ ኣንጀላ ዳቪስ ድማ ጽሒፋ። እቲ ድርሰት ባዕለይ’ውን ርእየዮ እየ። ስለዚ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓንቲ ተማሃሪት 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንኣንጀላ ዳቪስ ፈሊጣን ኣድኒቓን ካብ ጸሓፈት፡ ማርታ ትኣክል ፖለቲከኛ ንኣንጀላ ዳቪስ ከም ኣብነት እንተ ተኸተለት ኣይገርመንን። ማርታ’ውን ከም ጓል ኣንስተይቲን፡ ጸላምን፡ ብዛዕባ ሓርነት ደቅ ኣንስትዮ እትግደስን ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ንኣንጀላ ዳቪስ ከም ኣብነት ክትክተላ ምስ እንርኢ ንጽበዮ እምበር ሓድሽ ኣይከውንን።
ኣብ እዋን ብዓል ማርታ፡ ኣብ ከም ብዓል ኩባ ዝኣመሰላ ሃገራት ውጹዓት ዝጭድሩሉን ብናጽነት ዝደምቅሉን እዋን’ዩ ነይሩ።ኣብ ቬትናም ድማ ሆቺሚን ዓወት ረኺቡ - “ያንኪስ/ኣመሪካውያን” ካብ ዝወረሩዎ ዓድታት ብሓይሊ ዝወጹሉን በለጽ ኣመሪካ ዘቖጠዖም መንእሰያት ኣብ ፎቖዳኡ ዝፍክሩሉን ዝጭርሑሉን ዝነበረ ህሞት’ዩ ነይሩ።ብተወሳኺ እዋኑ ናይ ቃልሲ እዋን’ዩ ነይሩ፤ ናይ ዓወት ግዜ’ዩ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተማሃሮ፡ ተመኩሮታት ቸጕቬራ፡ ኣንጀላ ዳቪስ፡ ማርክስን ኤንጅልስን ከም መወከሲ ይጠቅስ። ብፍላይ ኣንጀላ ዳቪስ ብመራሕቲ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኢትዮጵያ ከም ሞዴል ተቘጺራ ነይራ።
ማርታ መብራህቱ ተፈጥሮኣዊ ቍመንኣ ጥራይ ዘይኮነስ ሕልማ’ውን ዓቢ’ዩ ነይሩ። ብተሳትፎኣን ኣካላዊ መልክዓን ካብ ኵለን ደቅ ኣንስትዮ ፍልይቲ’ያ ነይራ። ብዙሕ ግዜ ስረ’ያ ትኽደን ዝነበረት። ብተወሳኺ ኣብ ቅዲ ኣከዳድንኣ ድማ ንኣንጀላ ዳቪስ ትኽተል ትመስል። ኣብ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ደቅ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዝነበረ ድርብ ጭቆና ካብ ጭቡጥ ኵነታት ኢትዮጵያ ብምብጋስ’ያ ትድህስሶ ነይራ። ዓለምለኻዊ ብሉጽ ኣሰራርሓታት ብምምርኳስ፤ ጕዳይ መሰል ደቅ ኣንስትዮ ኣህጉራዊ ጕዳይ ምዃኑን እቲ ቃልሲ ብዙሓት መሻርኽቲ ከም ዘለዎን ኣብ ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ተረድእ ነይራ። ብደረጃ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣህጉራውነት ናይቲ ቃልሲ ንምርግጋጽ’ውን ምስ ኣህጉራዊት ማሕበር ክበብ መጽናዕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ጥቡቕ ርክብ ፈጢራ’ውን እያ።
ፖለቲካዊ ስብእና ማርታ ብቐረባ ዝተዓዘቡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ “ኢትዮጵያዊት ኣንጀላ ዳቪስ” ኢሎም ይጽውዕዋ ነይሮም። ብርግጽ ክልቲአን ካብ ኣከዳድናአን ክሳብ እቲ ዝተቓለሳሉ ጕዳይ መሰል ደቅ ኣንስትዮ ዘመሳስል ነገራት ነይርወን። ኣህጉራዊ ቃልሲ መሰል ደቅ ኣንስትዮ’ውን የራኽበን እዩ። ኣንጀላ ዳቪስ ኣብ ዘመነ ኒክሰን ዝያዳ ተሳቕያ። ኣብቲ እዋን’ቲ መራሒ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴ ናይ ቀረባ ዓርኪ ፕረሲደንት ኒክሰን’ዩ ነይሩ። ማርታ እውን ኣብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሴ እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኒክሰን’ያ ህይወታ ተቖጽያ።
ብፍላይ ኣብ 1964 ዓ.ም.ግ (1972 ዓ.ም.ፈ) ማርታ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህብብቲ ዝነበረትሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምይይጥ መድረኻት ተሳትፎኣ ዕዙዝ’ዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኢትዮጵያ፡ ጓል ኣንስተይቲ ከም መራሒት ክትረአ ፍሉይ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ማርታ ድማ ልዕሊ ኵሉ ፍልጥቲ ኮነት። ካብቶም ኣብነታውያን ፊተመሪሕ ኮይና ብምውሳእ፡ ንጸገማት ደቅ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ናብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምስ ኣተወት፡ ከም መራሒት ለውጢ፡ እቲ ሓቀኛ መንነታ ዝያዳ ጐሊሑ እዩ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ብዛዕባ መሰላት ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ሰለስተ ተሳተፍቲ ነይሮም፤ መስፍን ገብረሂወት፡ ዓምደሚካኤል ተስፋይን ማርታ መብራህቱን። እቲ ዘተ ንጕዳይ ደቅ ኣንስትዮ ብዓይኒ ሕጊ ስድራቤት ኢትዮጵያ፣ ባህሊ ኢትዮጵያን ደርባዊ ቃልሲን ንምትንታን ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ማርታ መብራህቱ ከም ፓነሊስት ክትቀርብ ፈለማኣ ነበረ። ኣብቲ ዘተ ተማሃሮ መምህራንን ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ዘተ ካብ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ወጻኢ ዝመጹ ሓያሎ ዕዱማት ኣጋይሽ’ውን ተሳቲፎም እዮም። ሓደ ካብቶም ዕዱማት’ውን ኣቦኣ ጀነራል መብራህቱ ፍስሃ ነይሩ።
ማርታ መጽናዕታ ብመልክዕ ንባብ’ያ ኣቕሪባቶ። እቲ ጭብጢ ናይቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ካብ መጽሓፍ ኤንጅልስ ዝተወስደ “መበቈል ስድራቤትን መንግስትን” ኣብ ሕቶ መሰላት ደቅ ኣንስትዮ ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ።
ማርታ ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፋ፡ ደርባዊ ጭቆና ኣብ ስድራቤታዊ ዝምድናታት ዝንጸባረቕን፡ ሕቶ መሰለን’ውን ኣካል ናይቲ ደርባዊ ቃልሲ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዘለዎን ኣስሚራትሉ። ሓደ ካብቶም ብኣቀራርባኣ ኣዝዮም ዝተመሰጡ ተሳተፍቲ (ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ) ድማ ትዕዝብቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽ፤
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከም ናይ ማርታ ዝኣመሰለ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምቕራብ ብዙሕ ትብዓት ይሓትት ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ዘተ ኣብ ኣዳራሽ ራስ መኮንን ክካየድ ንመጀመርታ ግዜኡ ይመስለኒ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ከምዚ ዓይነት ነገር ዝፈተኑ ሰባት ይእሰሩ ነበሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ማርታ ንመጽናዕታዊ ጽሑፋ ብኣዝዩ ማራኽን ዝድነቕን መንገዲ ኣቕረበት። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢላ ብዛዕባ መሰላ ክትዛረብ ንመጀመርታ ግዜ’የ ዝረኣኹ። ብማርታ ድማ ተሓቢነ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንኣቦኣ’ውን ኣዘራሪበዮ እየ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ኣቦኣ ጥቓን ጥቓን ስለዝነበርና፡ ብኣቀራርባ ጓሉ ኣዝየ ከም ዝተሓጐስኩን ከም ዝሕበንን ነጊረዮ።
ማርታ መደረኣ ምስ ወድአት ኣዳራሽ ራስ መኮንን ብጣቕዒት ተናወጸ። ነቲ ጣቕዒት ብመሳጢ ፍሽኽታ መለሰትሉ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ-ሓሳባዊ ብስለት ማርታ ዝያዳ ተረድእዎ።
