ሚልዮነር ጐረቤትና
መን እዩ ሃብታም፧
ንሓደ ተራ ኣመሪካዊ፡ ሃብታም ዝብል ቃል ንኽገልጽ ምስትሓቶ፣ መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ መዝገበ-ቓላት ወብስተር ዘሎ ትርጉም ምመለሱልካ። ንኣኣቶም ሃብታም ማለት ኣዝዩ ብዙሕ ንብረት ዝውንን እዩ።
ንሕና ንሃብታማት ብዝተፈልየ መገዲ ኢና ንገልጾም። ንሃብታም፡ ቱጃር ወይ’ውን ብዓል-ጸጋ ብዝውንንዎ መጠን ንብረት ኣይኮናን ንገልጾም። መብዛሕትኦም እቶም ብልዑል መጠን ሃልቂ ዝልለ ቕዲ ናብራ ዘለዎም ሰባት፡ ኣዝዩ ንኡስ ወይ ፈጺሙ ወፍሪ የብሎምን። ማለት ኣብ ክብሮም ዘይንክን ኣታዊ ዘምጽኡን ጸጋታት፡ ሓባራዊ ብርክታት / ብርክታት (common stock) ቦንድታት፡ ብሕታዊ ዋኒን፡ መሰል ብጽሒት ነዳዲ / ጋዝ፡ ሕርሻ ኣግራብ ወፍሪ የብሎምን። ብኣንጻሩ እቶም ሃብታማት ኢልና እንገልጾም ሰባት፡ ካብቲ ብኣዝዮም ዝኸበሩ ንብረታት ብምጥራይ ዝልለ ቕዲ ኣነባብራ ንላዕሊ፡ ኣታዊ ዝፈጥሩ ብርክት ዝበሉ ጸጋታት ብምውናን ዝያዳ ሓጐስ ይረኽቡ።
ዓቐናዊ መግለጺ ሃብታም
ሓደ ሰብ ሃብታም ምዃኑን ዘይምዃኑን እንውስነሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ጽሩይ ሃብቲ (net worth) ዝተመርኰሰ እዩ። ጽሩይ ሃብቲ ዝበሃል ሓደ ጸጋ ዝህልዎ ዕዳታት / ተኣዋኣድነት ምስ ጐደሎ ዝትመኖ ህሉው ዋጋ (ጸጋ - ዕዳ= ጽሩይ ሃብቲ) እዩ (ኣብ ናይ ሕድሪ / ትራስት ሕሳባት እቲ መበገሲ ገንዘብ ኣይቅመርን እዩ)። ኣብዛ መጽሓፍ እቲ ኸም ሃብታም ዝሕሰብ 1 ሚልዮን ዶላር ወይ’ውን ልዕሊኡ ጽሩይ ሃብቲ ዘለዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ትርጉም’ዚ ብምብጋስ ኣብ ኣመሪካ ኻብ ዘለዋ 100 ሚልዮን ስድራቤታት፡ እተን 3.5 ሚልዮን (3.5%) ጥራይ እየን ከም ሃብታማት ዝቝጸራ። ካብ’ቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ሚልዮነራት ኣስታት 95% ካብ 1 ክሳብ 10 ሚልዮን ዶላር ዝዝርጋሕ ጽሩይ ሃብቲ ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ነዚ ኽፋል ሕብረተ-ሰብ ዘማእከለ እዩ። እቲ ትዅረት ስለምንታይ ናብዚ ጉጅለ’ዚ ቐኒዑ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ደረጃ ሃብቲ’ዚ ኣብ ግዜ ሓደ ወለዶ ኽብጻሕ ስለ ዝኽእል። እዚ ብብዙሓት ኣመሪካውያን ክብጻሕ ዝኽእል ደረጃ እዩ።
እትምነዮ ደረጃ ሃብቲ
ሓደ ሰብ ወይ ስድራቤት ሃብታም ድዩ ኣይኮነን እንውስነሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ ኽበጽሕዎ ትጽቢት ዝገብርሉ ደረጃ ጽሩይ ሃብቲ እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ኣታውን ዕድመን ኣብ ምውሳን ደረጃኡ (ክብሩ / ዋግኡ) ናይቲ ሰብ ወሰንቲ ረቛሒታት እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ሰብ ብርኩት ኣታዊ ምስዝህልዎ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ጽሩይ ሃብቱ ኽልዕል ትጽቢት ይግበረሉ (እቲ ሰብ ጥሮታ ኸም ዘይወጸ ብምሕሳብ)። ብተመሳሳሊ፡ ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ዝኸይድ ምስዝኸውን፡ ብኡ መጠን ብዙሕ ሃብቲ ከኻዕብት ተኽእሎ ኣሎዎ። ስለዚ እቶም ብዕድመ ዓበይቲ ሰብ ልዑል ኣታዊ፡ ካብ’ቶም ብዕድመ ዝነኣሱን ንኡስ ኣታዊ ዘለዎምን ንላዕሊ ሃብቲ ኸዋህልሉ ኣሎዎም።
እቶም ዝበዝሑ ኣብ ክሊ ዕድመ 25-65 ዕድመ ዝርከቡን እቶም 50,000 ዶላር ወይ ልዕሊኡን ርጉጽ ዓመታዊ ኣታዊ ዘለዎም መብዛሕትኦም ኣመሪካውያንን፡ ዝበጽሕዎ ተመጣጣኒ ደረጃ ሃብቲ ኣሎ። እቶም ካብዚ ደረጃ’ዚ ኣዝዮም ንላዕሊ ዘለዉ ኸኣ፡ ምስ’ቶም ኣብ ናቶም ጉጅለ ዕድመን ኣታውን ዘለዉ ብምንጽጻር ከም ሃብታማት ክቝጸሩ ይኽእሉ እዮም።
ንኣብነት፤ ሓደ ሰብ ጽሩይ ሃብቱ 460,000 ዶላር ክነሱ፡ ገና ሚልዮነር ከይበጽሐ ኸመይ ገይሩ ኸም ሃብታም ክቝጸር ይከኣል፧ ዝብል ሕቶ ኸተልዕል ትኽእል ኢኻ።
ቻርለስ ቦቢንስ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ እዩ። ብዓልቲ-ቤቱ ጸሓፊት እያ። ብድምር ዓመታዊ ኣታዊኦም 55,000 ዶላር ይበጽሕ። ብመሰረት ውጽኢት መጽናዕትና፡ ኣቶ ቦቢንስ ኣስታት 225,500 ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ኽህልዎ ይግባእ። ኮይኑ ግን ካብ’ቶም ብመንጽር ዕድመን ኣታውን ጉጅለ መዛንኡ ዝለዓለ ሃብቲ ኣሎዎ። ኣቶ ቦቢንስን ብዓልቲ-ቤቱን፡ ልዕሊ ማእከላይ ገምጋም ጽሩይ ሃብቲ ከኻዕብቱ ኽኢሎም። እዞም መጻምዲ ብናይ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓውን ጸሓፊትን ኣታዊ፡ ብኸመይ ከም ዝናበሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሑድ ዘይብሃል ገንዘብ’ውን ክቝጥቡን ከውፍሩን ዝኸኣሉ እዮም። ኣብ ቕዲ ኣነባብራኦም ገፋሕፋሕ ዘየብዝሑ ይመስሉ። ነዚ ቕዲ ኣነባብራኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቶ ቦቢንስ፡ ከይሰርሐ ንስድራቤቱ ንዓሰርተ ዓመታት ከናብሮም ይኽእል እዩ። ኣብቲ እንዳ ቦቢንስ ብመንጽር ዕድመን ኣታውን ዝተሰርዕሉ ጉጅለ፡ ንሶም ሃብታማት እዮም።
እንዳ ቦቢንስ፡ ካብቲ ወዲ 56 ዓመት ዶክተር ጆን ጄ ኣሽተን ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም። ዶክተር ጄ ኣሽተን ዓመታዊ ኣታዊኡ ኣስታት 560,000 ዶላር እዩ። ዋጋ / ክብሪ ዶክተር ኣሽተን ክንደይ እዩ፧ ሃብታም ድዩኸ፧ ብመሰረት ሓደ ኻብ’ቶም ዘቐመጥናዮም ናይ ሃብቲ ትርጉማት ጽሩይ ሃብቱ 1.1 ሚልዮን ዶላር ዝኾነ፡ ሃብታም እዩ። በቲ ኻልኣይ ዝሃብናዮ ትርጉም ክግምገም ከሎ ግን፡ ሃብታም ኣይኮነን። ዕድሚኡን ኣታዊኡን ኣብ ግምት ብምእታው ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ኽህልዎ ይግባእ ነይሩ።
ምስቲ ልዑል ሃልቂ ዘለዎ ቕዲ ናብርኡ፡ ዶክተር ኣሽተን ብዘይ ስራሕ (ብዘይ ወርሓዊ ኣታዊ) ንኡን ንስድራኡን ንኽንደይ ዓመታት ኮን ከናብሮም ምኸኣለ፧ ምናልባት ንኽልተ እንተ በዝሐ ንሰለስተ ዓመታት ጥራይ እዩ!
ደረጃ ሃብትኻ ብኸመይ ይምዘን፧
ዕድመኻ ይኹን ኣታዊኻ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ኽብሪ ዋጋኻ ክንደይ ምኾነ፧ ካብቲ ነዊሕ ዓመታት ንልዑል ኣታዊ ወይ ጽሩይ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ዝገበርናዮ ሓያሎ ዳህሳሳዊ መጽናዕትታት፡ ኣብ ብዙሐ ተቐያየርቲ ረቛሒታት ዝምርኰስ ናይ ሃብቲ ምዕሪታት (equations) ኣማዕቢልና ኣሎና። ተሞክሮኣዊ ገምጋም ከም ዘነጽሮ፡ እዚ ምዕሪታት፡ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሓደ ሰብ ጽሩይ ሃብቲ ንምቕማር ብቕዓቱ ዘመስከረ እዩ።
ዕድሜኻ ምስ ግብሪ ዘይተቘርጾ ኻብ ኵሎም ምንጭታትካ እትረኽቦ ዓመታዊ ስድራቤታዊ ኣታዊታትካ (ትጽቢት ትገብረሉ ውርሻ ኣይትደምረሉ) ኣባዚሕካ፡ ብዓሰርተ ምቐሎ። እቲ ዝህበካ ውጽኢት እዩ ጽሩይ ዋጋኻ ወይ ጽሩይ ሃብትኻ።
ንኣብነት፤ ኣቶ ኣንቶኒ ኦ ዳንከን ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ዓመት 143,000 ዶላር ኣታዊ ይረክብ፣ ካብ ዘውፈሮ ድማ ካልእ 12,000 ዶላር ኣታዊ ኣሎዎ። ስለዚ ን $155,000 ብ 41 ምስ ረብሐ 6,355,000 ዶላር ይኸውን፣ ነዚ ብ 10 ብምምቃል፡ ጽሩይ ሃብቱ 635,500 ዶላር ክኸውን ኣሎዎ። ወይዘሮ ሉሲ ኣር ፍራንከል ጓል ስሳን ሓደን ዓመት ኮይና፡ ጠቕላላ ርጉጽ ኣታዊኣ 235,000 ዶላር እንተ ኾይኑ፡ ጽሩይ ሃብታ 1,433,500 ዶላር ክኸውን ኣሎዎ።
ጽሩይ ሃብቲ ኣቶ ኣንቶኒ 155,000 x 41 ÷ 10 = $635,500.00
ጽሩይ ሃብቲ ወይዘሮ ሉሲ ድማ 235,000 x 61 ÷ 10 = $1,433,500.00
ጽሩይ ሃብትኻ ብመንጽር ዕድመኻን ኣታዊኻን ብኸመይ ይነጻጸር፧ ኣብቲ መሳልል ሃብቲ ኣበየናይ ደረጃ ኣለኻ፧ ኣብ ላዕለዋይ መሳልል ምውህላል ሃብቲ እንተለኻ ድንቂ ኣዋህላሊ ሃብቲ (ድኣሃ) ኢኻ። ኣብቲ ታሕተዋይ ደረጃ እንተለኻ ድማ ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ (ንኣሃ) ኢኻ። ስለዚ ንስኻ ድንቂ ኣዋህላሊ ሃብቲ ዲኻ ዋላስ ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ፧ ወይ ማእከላይ ኣዋህላሊ ሃብቲ (ማኣሃ)፧
ካልእ ቀሊል ስርዓት ኣማዕቢልና ኣለና። ኣብ ምድብ ድንቂ ኣዋህለልቲ ሃብቲ ኽትኣቱ እንተ ዄንካ ኽልተ ዕጽፊ ኻብቲ ኣብ ጉጅለካ ትጽቢት ዝግበረሉ መጠን ጽሩይ ሃብቲ ንላዕሊ ኽህልወካ ኣሎዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ኣቶ ዳንከን ጽሩይ ሃብቲ ኻብቲ ኣብ ናይ ኣታዊ ወይ ዕድመ ጉጅለ መዛንኡ፡ ዕጽፊ ዋጋ / ሃብቲ ኽህልዎ ኣሎዎ፣ ማለት ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ 635,500 ዶላር ዕጽፊ፡ ማለት 1,271,000 ዶላር ክኸውን ኣሎዎ። ስለዚ ናይ ኣቶ ዳንከን ጽሩይ ሃብቲ 1.27 ሚልዮን ዶላር ወይ ልዕሊኡ እንተ ኾይኑ፡ ንሱ ድንቂ ኣዋህላሊ ሃብቲ እዩ። በንጻሩ መጠን ጽሩይ ሃብቱ ፍርቂ ናይ’ቶም ጉጅለ መዛንኡ እንተ ኾነኸ፧ እዚ ማለት መጠን ሃብቱ 317,750 ዶላር ወይ ትሕቲኡ (ፍርቂ ናይ 635,500 ዶላር) ስለ ዝኸውን፡ ኣቶ ዳንከን ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ ተባሂሉ ምተመደበ።
ድንቂ ኣዋህላሊ ሃብቲ ብመንጽር ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ
ድንቂ ኣዋህለልቲ ሃብቲ ሃነጽቲ ሃብቲ እዮም። ኣብቲ ናይ ኣታውን ዕድመን መዛኑ ጉጅለኦም ምስ ዘለዉ ብምንጽጻር፡ እቶም ዝበለጹ ሃነጽቲ ጽሩይ ሃብቲ እዮም። ድንቂ ኣዋህለልቲ፡ ካብቲ ንኡሳት ኣዋህለልቲ ዝእክብዎ ሃብቲ፡ ብውሑዱ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይዛይድ። ናይ ድንቅን ንኡስን ኣዋህለልቲ ሃብቲ ባህርያት ምንጽጻር፡ ሓደ ኽፋል ናይቲ ዝዓበየ ቑም-ነገር ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዝገብርናዮ መጽናዕቲ እዩ።
ኣብ ክልተ ጕዳያት ዝተገብረ ትንተናዊ ምርምር፡ ሓደ ጽቡቕ ኣብነት ናይቲ ኣብ መንጐ ድንቂ ኣዋህለልቲ ሃብትን ንኡስ ኣዋህለልቲ ሃብትን፡ ዘሎ ፍልልይ ብግልጺ ዘርኢ እዩ። ኣቶ ሚለር “ቡባ” ሪቻርድስ፡ ሓምሳ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ዋና ወኪል መሸጣ ተንቀሳቓሲ ገዛ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጠቕላላ ዓመታዊ ኣታዊ ስድራቤቱ 90,200 ዶላር ነይሩ። ጽሩይ ሃብቲ ኣቶ ሪቻርድስ፡ ብናይ ሃብቲ ምዕሪት ምስ ዝቕመር፡ 451,000 ዶላር ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኮይኑ ግን “ቡባ” ድንቂ ኣዋህላሊ ሃብቲ እዩ። እቲ ልክዕ ጽሩይ ሃብቱ 1.1 ሚልዮን ዶላር እዩ።
እቲ መማዝንቱ ወዲ ሓምሳን ሓደን ዓመት ጠበቓ ጀምስ ኤች ፎርድ ዳግማዊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊኡ 92,330 ዶላር ኮይኑ፡ ካብ ናይ ኣቶ ሪቻርድስ ቍሩብ ይዛይድ። እቲ ልክዕ ጽሩይ ሃብቲ ኣቶ ፎርድ ክንደይ እዩ፧ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ደረጃ ሃብቱኸ፧ ሓቀኛ ጽሩይ ሃብቲ ኣቶ ፎርድ 226,511 ዶላር ክኸውን ከሎ፣ ትጽቢት ዝግበረሉ ደረጃ ሃብቱ (ብናይ ሃብቲ ምዕሪት ተቐሚሩ) ድማ፡ 470,883 ዶላር እዩ። ብናትና ኣገላልጻ ኣቶ ፎርድ ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ እዩ። ኣቶ ፎርድ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ኮለጅ ዘሕለፈ፡ ከመይ ገይሩ ካብ ነጋዳይ ተንቀሳቓሲ ገዛ ዝወሓደ ሃብቲ ኽህልዎ ዝኽእል፧ ብሓቂ ኽርአ ከሎ፡ ኣቶ ሪቻርድስ ዳርጋ ሓሙሽተ ዕጽፊ ጽሩይ ሃብቲ ኣቶ ፎርድ ኣሎዎ። ክልቲኦም ኣብ ሓደ ጉጅለ ናይ ኣታዊ / ዕድመ ዝርከቡ መዛኑ ምዃኖም ኣይትረስዕ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ ኽትምልስ ኣብ እትፍትነሉ እዋን፡ ንነብስኻ ክልተ ቐለለቲ ሕቶታት ሕተታ፤
ሓደ ጠበቓ ንነብሱን ስድራቤቱን ካብቲ ናይ ላዕለዋይ ማእከላይ ደርቢ ቕዲ ኸይወጽአ ንምቕጻል ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ የድልዮ፧
ሓደ ነጋዳይ ተንቀሳቓሲ ገዛ ንነብሱን ስድራቤቱን ካብቲ ናይ ማእከላይ ደርቢ ወይ ቅዲ ኣነባብራ ሰብ ሰማያዊ ኳላታ ኸይወጽአ ንምቕጻል ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ የድልዮ፧
ኣቶ ፎርድ፡ እቲ ጠበቓ፡ ንቕዲ ኣነባብራ ላዕለዋይ ማእከላይ ደርቢ ንምዕቃብን ንምርኣይን ካብ ኣታዊታት ስድራቤቱ ዝያዳ ወጻኢታት ከውጽእ ከም ዘለዎ ርኡይ ነገር እዩ። እንታይ ዓይነት ማኪና እያ ምስ ደረጃ ናይ ጠበቓ ትመጣጠን፧ ብዘይ ጥርጥር ክብርቲ ናይ ወጻኢ ማኪና። መን እዩ መዓልታዊ ንስራሕ በበይኖም ብሉጻት ክዳውንቲ ምኽዳን ዘድልዮ፧ መን እዩ ናብ ሓንቲ ወይ ክልተ ናይ መዘናግዕን ማሕበራዊ ህይወትን ክለብ ክጽንበር ዘለዎ፧ መን እዩ እቲ ዝኸበረ ናይ ብሩር መቐረቢ ጓንቴራ ዘድልዮ፧
ኣቶ ፎርድ እቲ ንኡስ ኣዋህላሊ ሃብቲ፡ ካብ’ቶም ድንቂ ኣዋህለልቲ ሃብቲ ንላዕሊ ገንዘብ ናይ ምጥፋእ ዝንባለ ኣሎዎ። ንኡስ ኣዋህለልቲ ሃብቲ ልዕሊ ዓቕሞም ክነብሩ ይርኣዩ፡ ኣብ ሃልቂ ወይ ወጻኢታት ምብዛሕ የተኵሩ። ንሳቶም ንመብዛሕትኦም ሃብቲ ንምኽዕባት መሰረት ዝኾኑ ቐንዲ ረቛሒታት ኣተኵሮ ኣይገብሩሎምን እዮም።
