ሎሚ
መጋቢት 21
እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ፡ ኣብቲ ዘይኮነስ ኣብዚ እዩ ዘሎ
“ሰባት ናብ በረኻ፡ ገምገም ባሕሪ ወይ ድማ ጎቦታት ብምኻድ ከዕርፉ ይብህጉ እዮም። ንሕና’ውን ብተመሳሳሊ ከም’ዚኦም ንዝኣመሰሉ ነገራት ንምነዮም ኢና። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ዕረፍቲ’ዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ውሽጥና ክንረኽቦ ንኽእል ከለና ኣብ ዝረሓቑ ቦታታት ክንረኽቦ ምፍታንና መርኣያ ናይ ዘይብሱል ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ካብ ኣብ ገዛእ መንፈስና ንላዕሊ ሰላማውን ህዱእን ዕረፍቲ ክንረክብ ኣይከኣልን እዩ — እሞ ድማ ኣብ ትሕቲ ልዑል ቍጽጽር ኣእምሮና ብምዝናይ እንተ መሊእናዮ በረኣእያይ ካብዚ ዝበልጽ ምሕደራ የልቦን። ኔርና ኔርና ንነብስና ከምዚ ዝኣመሰለ ዕረፍቲ ከም ህያብ ንሃብን ንተሓደስን።”
— ማርቆስ ኣውረልዮስ
ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜ ናይ ዕረፍቲ መደብ ኣሎናዶ፧ ንዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ሰላማውን ጸጥ ዝበለን እዋን ንምሕላፍ ተሃንጢናዶ ኣለና፧ ምናልባት ብድሕሪ ነገራት ምስካኖም ወይ ድማ ነዚ ሽግር’ዚ ድሕሪ ምስጋረይ ኢልና ንሓስብ ንኸውን ኢና። እንተኾነ ግን፡ ከም’ዚኦም ዝበሉ ድልየታት ክሳብ ክንደይ እዮም ዝዕወቱ፧
መምህር ኣገባብ ኣስተንትኖ ዘን ዝኾነ ጆን ካባት-ዚን በሃሊ’ዚ ህቡብ ዝኾነ ጥቕሲ እዩ፤ “ኣብ ዝኸድናዮ ቦታ፣ ንሕና ድማ ኣብኡ ኣለና።” ናብ ውሽጥና ብምትኳር ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዕረፍቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣዒንትና ዓሚትና ኮፍ ብምባል ትንፋስና ንውሽጥን ንደገን ክመላለስ ከሎ ከነስተማቕሮ ንኽእል ኢና። ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታትን ኣብ ርእስና ዝመላለሱ ረበሽቲ ሓሳባትን ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ሰላም ክልግሰልና እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ዝኾነ ይኹን ሓቀኛ ሰላም ዝልግሰልና ኣይክህሉን እዩ።
መጋቢት 22
ምልክት ሓቀኛ ትምህርቲ
“ግቡእ ትምህርቲ ቀሲምና ንበሃል ደኣ’ሞ መኣስ እዩ፧ ግቡእ ትምህርቲ ንቐስም፡ ባህርያውያን ርድኢታትና ብመሰረት ኣቕዋም ባህሪ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕልን ካብዚ ሓሊፍና ድማ ኣብ መንጐ’ቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርናን ካብ ቍጽጽርና ወጻእን ዘለዉ ነገራት ፈሊና ክንግንዘብን ምእንቲ ክንመሃር ከለና እዩ።”
— ኤጲቅጤጦስ
ኣብ መንደቕ ዝተለጠፈ ዲግሪ ስለ ዘሎና ምሁራት ኢና ኢልካ ምሕሳብ ልክዕ ከምቲ ጫማ ስለ ዘሎና ክንከይድ ንኽእል ኢና ምባል እዩ። መጀመሪ እዩ፣ እንተኾነ ግን፡ ፈጺሙ እኹል ኣይኮነን።
ከምኡ እንተ ዝኸውን ደኣ’ሞ ስለምንታይ እዮም “ምሁራት” ዝበሃሉ ሰባት ርትዓውያን ዘይኮኑ ውሳነታት ዝወስዱ፧ ወይ ድማ ኣዝዮም ርዱኣት ዝኾኑ ነገራት ዝስሕቱ፧ ብኸፊል፡ ሓደ ካብቲ ዝስሕትዎ ኣብ’ቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከቡ ነገራት ጥራይ ከተኩሩ ከም ዝግባእ ስለ ዘይግንዘቡ እዩ። ሓንቲ ክሳዕ ሕጂ ክትሰርር ዝኸኣለት ቍንጫል ጽሕፍቲ ፈላስፋ ሄራቅሊጦስ ነዚ ሓቂ’ዚ እያ እተግህድ፤
“ብዙሓት ዝተማህሩ
ካብ ሄስዮዶስ
ክሳብ’ቶም መቝጸሪ ዘይብሎም
ኣማልኽትን ዓርሞሽሻትን
ፈጺሞም ዘይርድእዎ
መዓልትን ለይትን
ሓደ ምዃኖም እዩ።”
ልክዕ ከምቲ ብዘይ ጫማ ብዙሕ መገዲ ክንጓዓዝ ንኽእል፡ መሰረትን ቀንዲ ጠባያትን ተፈጥሮን ኣብኡ ዘሎና ልክዕ ተራን ንምርዳእ ግድን ኣብ ክፍሊ ኣቲና ምምሃር ኣየድልየናን እዩ። ብርድኢትን ነጸብራቑን ንጀምር። ሓንሳእ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ካልኢት ናይ ነፍስወከፍ መዓልቲ።
መጋቢት 23
እቲ ዝተቐየደ መንፈስ
“ንርትዓዊ መንፈስ ዘጥቅዑ ሕማማት ጽኑዓትን ሱር ዝሰደዱን ከም ስስዐን ዘይቅርዑዋት ትምኒታትን ዝኣመሰሉ ነውርታት እዮም — እዞም ነውርታት ንመንፈስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ነበርቲ ኣበሳታት ክኾኑ እዮም ዝጅምሩ። ብሓጺር ኣዘራርባ፡ እዚ ሕማም’ዚ ዘይባተኽ ምዝንባዕ ፍርዲ እዩ፣ ብኡ መንጽር ድማ ብዙሓት ተበሃግቲ ዘይነበሩ ነገራት ድሒሮም ኣዝዮም ተደለይቲ ይኾኑ።”
— ሰኔካ
ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ 2000ታት ዘጋጠመ ቝጠባዊ ውድቀት ኣማኢት በላሕቲ፡ ርትዓውያን ሰባት ትሪልዮናት ዶላር ዝዋጋኡ ሃብቲ ከሰሩ። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ በላሕቲ ሰባት ብኸመይ እዮም ክንዲ’ዚ ተዳህሊሎም፧ እዞም ሰባት’ዚኦም ንመስርሓት’ቶም ዝሰርሑሎም ዝነበሩ ዕዳጋታት ኣዳቒቖም ዝፈልጡ ትሪልዮናት እንተ ተረፈስ ቢልዮናት ዶላራት ዘኻዕበቱን እዮም ዝነበሩ። እዚ እናኾነ ግና ዳርጋ ኵላቶም ጌገኛታት እዮም ነይሮም — ንዕንወት ዓለማዊ ዕዳጋ።
ነቲ ኵነታት’ቲ ብምርኣይ፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም’ቲ ስስዐ ከም ዝነበረ ንምስትውዓል ከቢድ ኣይኮነን። ቅልጡፍ መኽሰብ ክረኽቡ ብምህቃን ነቶም ዝተጠናነጉ ዕዳጋታት ዝኾነ ሰብ ክርድኦም ከም ዘይክእል ዝገበሩሉ ምኽንያት ስስዐ እዩ ነይሩ። ሰባት ኣብ ዕዳ ተመርኲሶም ዕድግን መሸጣን ከካይዱ ዝገበሮም ስስዐ እዩ ነይሩ። ዝኾነ ካብ’ዞም ነጋዶ’ዚኦም ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ከም ዘለዎ ንኸይገልጹዎ ዝገበሮም ስስዐ እዩ ነይሩ — ልክዕ ከምዚ ብካርድታት ጠላዕ ዝተሃንጸ’ሞ እታ ዝፈዀሰት ትንፋስ ክትብትኖ ዝጽበ ህንጻ።
ካብዚ ሓሊፍና፡ ነዞም ሰባት ምንቃፍ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ቝምነገር፡ ስስዐን ካልኦት ነውርታትን ኣብ ገዛእ ህይወትና ተመሳሰልቲ ጽልዋታት ከይህልዎም ምፍታሽ እዩ። ነውርታት ኣብ ፍርድታትናን ውሳነታትናን እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኣሎዎም፧ እንታይ ዓይነት “ሕማም” ይህልወና ይኸውን፧
ርትዓዊ ኣእምሮናኸ ጣልቃ ብምእታው ብኸመይ ከመዓራርዮም ይኽእል፧
