ምጭናቕ ገዲፍካ ምንባር ጀምር
ካብ ኣብ ካሮላይና እትቕመጥ ወይዘሮ ኤዲዝ ኣልረድ ዝተቐበልክዋ ደብዳበ ኣላትኒ፡ “ቈልዓ ከለኹ፡ ምሒር ሓፋር ነይረ፡” ትብል ኣብ ደብዳበኣ፡ “ጠገለ ዝሰኣነ ክብደት ነይሩኒ። ኣደይ ንኣካዳድና ብዝምልከት ዘመናዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ኣይነበራን። ምእንቲ’ዚ ከም መዛኖይ ዝኽደንኦ ዝነበራ ክዳውንቲ ኣይትኸድነንን ነይራ። ናብ ዝኾነ እንግዶት ኣይከይድን ነይረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ እቶም ካልኦት ተማሃሮ ኽዘናግዑ ከለዉ ጽምብርቲ ኣይነበርኩን።
“ምስ ዓበኹ፡ ብዕድመ ዕብይ ዝብለኒ ሰብኣይ ተመርዕየ። ሽዑ’ውን ጠባየይ ኣይቀየርኩን። ስድራቤት ሰብኣየይ እኹል-ትሩፍ ርእሰ-ተኣማማንነት ነይሩዎም። ኵሉ ኣነ ክኾኖ ዝግብኣኒ ግዳ ከኣ ዘይኰንክዎ እዮም ነይሮም። ብዙሕ ፈቲነ -ከምኦም ክኸውን ኣይክኣልኩን። ሻቕሎትን ሸገርገርን ምግዳፍ ኣብዩኒ። ካብ ሰብ መመሊሰ እናረሓቕኩ መጺአ። ምስ ግዜ ብዓል-ቤተይ ዓቕሉ ኸይወድእ ከኣ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይኑኒ። ምስ ግዜ ህይወተይ ለውጢ ምስ ስኣንክሉ፡ ትርጕም ምንባር ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። ብዛዕባ ነብሰ-ቕትለት ክሓስብ ጀሚረ።”
ኣተሓሳስባ ናይዛ ሰበይቲ ዝቕይር እንታይ ዓይነት ኵነት ኣጋጢሙ፧
“ሓደ ግዜ፡” ትቕጽል ወይዘሮ ኣልረድ፡ “ሓማተይ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ደቃ ኽትዛረብ ከላ ሰሚዐያ። ከምዚ ኢላ ተዛሪባ፡ ‘ዘጋጠመ የጋጥም፡ ኵሉ ግዜ ንነብሶም መሲሎም ክጓዓዙ እየ ምሂረዮም።’ … ‘ንነብስኻ ምምሳል’ … ሃንደበት ትዝ ኢሉኒ። ኣነ ዅሉ ግዜ ኣብ ዘይናተይ ጕጅለ እየ ኽኣቱ ዝፍትን ነይረ።
“ኣብ ሓንቲ ለይቲ ተለዊጠ! ንነብሰይ ክመስል ጀሚረ። ነቲ ናተይ ናይ ብሓቂ ጠባይ ከስተብህለሉን መን ምዃነይን ከጽንዕ ጀሚረ። ትዕድልትታተይን ሓያል ጐድንታተይን ፈሊጠ። ትዕዝብቲ ብምክያድ ከኣ ንኣይ ይኾነኒ ዝበልክዎ ኣከዳድና ክኽደን ጀሚረ። ዝርሕቆም ዝነበርኩ መሓዙተይ ክድውለሎምን ምስኦም ክዘናጋዕን መዲበ። ገይረዮ ድማ። ምስ ሓንቲ ክለብ ተጸምቢረ፡ ብርእሰ-ምትእምማን ክዛረብን ከዕልልን ክኢለ። ንደቀይ ከኣ ነቲ ኣነ ብመሪር ተመክሮ ዝተማሃርክዎ ትምህርቲ እናመሃርኩ ኣዕብየዮም። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኵነት፡ ዘይንሶም ክመስሉ ከም ዘይብሎም ኣረዲአዮም።”
“ኣብ ነብስኻ ክትመስል ዘይምፍታን ዘሎ ጸገም፡ ናይ ሕጂ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ቀደም ዝነበረ እዩ፡” ይብል ዶር. ጀይምስ ጎርደን፡ “ከምኡ’ውን ኣብ ውሱን ቦታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዝርከብ። ከምኡ ኽትገብር ዘይምኽኣል ሓደ ካብቶም ቀንዲ ናብ ጭንቀትን ዓቕሊ ጽበትን ዘምርሑ ጠንቅታት እዩ። ኣንጀሎ ፓትሪ ብዛዕባ ‘ምስልጣን ቈልዑ’ ዝምልከት ዓሰርተ-ሰለስተ መጻሕፍትን ኣሽሓት ዓንቀጻት ኣብ ጋዜጣን ኣቕሪቡ። ከምዚ ከኣ ይብል፡ “ልዕሊ እቲ ካብ ነብሱን ኣተሓሳስባኡን ወጻኢ ኽዋሳእ ዝፍትን ዘይሕጕስ ሰብ የለን።”
ሓደ ካብ እዚ ዓይነት ባህጊ’ዚ ግኑን ዝኾነሉ ቦታ ከኣ ሆሊዉድ እዩ። ሳም ዉድ፡ ሓደ ካብቶም ህቡባት ዳይሬክተራት፡ እቲ ዝዓበየ ሽግር ኮይኑዎ ዝነበረ፡ ናብቲ ናይ ምውሳእ ስራሕ ክኣትዉ ንዝደልዩ መንእሰያት ንነብሶም ክመስሉ ምምሃር ምዃኑ ይዛረብ። ከምቶም ቅድሚኦም ዝርእይዎም ዝነበሩ ህቡባት ተዋሳእቲ ክዀኑ ይፍትኑ። “ህዝቢ ንዖኦምን ዓይነት ኣወሳስኦኦምን ርእይዎ እዩ፡” ይብሎም ሳም፡ “ሕጂ ሓድሽ ነገር እዩ ዝጽበ ዘሎ።”
ቅድሚ ህቡብ ዳይሬክተር ምዃኑ፡ ሳም ኣብ ጤሳ ምሻጥን ምልዋጥን እዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ብኡ ኣቢሉ ዝተፈላለየ ጠባያት ደቅሰብ የጽንዕ ነይሩ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለምን ኣብ ምስራሕ ፊልምታትን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ሕጊ እዩ ዘሎ። ኣካይዳ ፓፓጋሎ ኣብ ዋላ ሓንቲ ደረጃ ኣየብጽሓካን እዩ። “ካብ ተመክሮ፡” ይብል ሳም፡ “ኣብዚ ስራሕ እቶም ቀልጢፎም ዝፈሽሉ፡ እቶም ንኻልኦት መሲሎም ክዋስኡ ዝፍትኑ እዮም።
ሓደ እዋን ንፖል ቦይንተን፡ ዳይሬክተር ናይ ሶኮኒ-ቫክዩም ዝበሃል ናይ ነዳዲ ትካል፡ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ፡ “ሰባት ንስራሕ ክሓቱ ከለዉ፡ ቀንዲ ዝጋገይዎ ጌጋ እንታይ እዩ፧” ንኡ መሕተትየይ ምኽንያት፡ ንልዕሊ ሱሳ ሽሕ ደለይቲ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ከም ዘካየደሎም ስለ ዝፈልጥ፡ ከምኡ ድማ ‘ሽዱሽተ መገድታት ስራሕ ኣብ ምርካብ ዝሕግዛ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ስለ ዝጽሓፈ እዩ።
ከምዚ ክብል ከኣ መለሰለይ፡ “እቲ ቐንዲ ዝጋገይዎ ጌጋ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ብሓቂ ነብሶም መሲሎም ዝምልሱ፡ እቲ ኣነ ኽስምዖ ይደሊ እዩ ኢሎም ዝግምትዎ መልስታት እዮም ዝምልሱለይ ነይሮም።”
እዚ ግን ኣይሰርሕን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣምሰሉ ዝፈቱ ሰብ የለን።
ሓደ ግዜ ሓንቲ ደራፊት ምዃን ባህጊ ዝነበራ መንእሰይ ዝተጋገየቶ ጌጋን ዝቐሰመቶ ምህሮን ከዕልለኩም። ንሳ ግፍሕ ዝበለ ኣፍን ፈያር ኣስናንን ነይሮማ። ንኽትደርፍ ናብ ሓደ ክለብ ምስ ተዓደመት፡ ኣስናና ክትሽፍን ተካይዶ ዝነበረት ፈተነታት መስሓቕ ሸራፋት ገይርዋ ኣምሲዩ። ሽዑ ናብ ፍሽለት ተምርሕ ከም ዝነበረት ተሰቍርዋ።
ሓደ ኣብቲ ክለብ ዝነበረ ሰብኣይ ክእለት ከም ዝነበራ ተረዲእዎ ከምዚ ክብል መኺርዋ፤ “ዘካየድክዮ ምርኢት ተዓዚበዮ እየ። እንታይ ክትሓብኢ ትፍትኒ ከም ዝነበርኪ ተረዲኡኒ ኣሎ።” እታ ጓል ብሕፍረት ኣብ ጽፍራ ኽትኣቱ ደልያ። እቲ ሰብኣይ ዘረብኡ ቐጸለ፤ “ፈያር ኣስናን ምህላው ገበን ድዩ፧ ኣፍኪ ኸፊትኪ ከም ልብኺ ድረፊ። እቲ ርእሰ-ተኣማንነትኪ ኸኣ ብተዓዘብቲ ፍትውቲ ኸም ዝገብረኪ ርግጸኛ እየ። መን ይፈልጥ ከኣ እዚ ኽትሓብእዮ ትፍትኒ ዘለኪ ኣስናንኪ፡ መብልዒ እንጌራኺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
ካስ ዳሊ ምኽሩ ሰሚዓ ብዛዕባ ኣስናና ምሕሳብ ክትገድፎ ወሲና። ካብ ሽዑ ጀሚራ ብዛዕባ ተዓዘብታ ጥራይ እናሓሰበት፡ ከይተሰከፈት ኣፋ ኸፊታ ኽትደርፍ ጀሚራ። ከምቲ ዝበላ ከኣ ህብብቲ ደራፊት ክትከውን በቒዓ።
እቲ ዉሩይ ሊቕ ስነ-ልቦና ዊልያም ጀይምስ፤ “ወዲ-ሰብ ዓሰርተ ሚእታዊት ካብቲ ኣእምሮኡ ኽገብሮ ዝኽእል ጥራይ እዩ ዘተግብር፡” ኢሉ ኽዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ነብሶም ክረኽቡ ዘይክኣሉ ሰባት እዩ ዝዛረብ ነይሩ። “ምስቲ ኽንኮኖ እንኽእል ክነጻጸር ከሎ፡” ይብል ንሱ፡ “ሓምሳ ሚእታዊት ጥራይ ኢና ነቒሕና ዘለና። ንእሽቶ ኽፋል ናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ብቕዓትና ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ ዘለና። ክንጥቀመሉ ዘይበቓዕና ብዙሕ ክእለታትን ዓቕምን ከም ዘሎና ምፍላጥ ኣመና ኣገዳሲ እዩ።”
ኣነን ንስኻን ከኣ ከምኡ ብቕዓት ንውንን ኢና። ምእንቲ’ዚ ንሓንቲ ኻልኢት’ውን ንኻልኦት ዘይመሰልና ኢልና ብሻቕሎት ከነሕልፋ የብልናን! ንስኻ ፍሉይ ኢኻ። ቅድሚ ሕጂ ከማኻ ሰብ ኣይነበረን። ብሕጂ’ውን ኣይክህሉን እዩ። ስነ-ፍልጠት ከም ዝመሃረና፡ ንስኻ ውጽኢት ናይ ዕስራን-ኣርባዕተን ክሮሞዞማት ናይ ኣቦኻ ከምኡ’ውን ዕስራን-ኣርባዕተን ክሮሞዞማት ናይ ኣዴኻን ኢኻ። እዞም ኣርብዓን-ሸሞንተን ክሮሞዞማት ኵሉ እቲ ንስኻ ትወርሶ ጠርኒፎም ይርከቡ። “ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክሮሞዞም፡” ይብል ኣምራን ሸንፊልድ፡ “ካብ ዓሰርተታት ክሳብ ኣማኢት ዝኾኑ ጂንስ (ንውርሻዊ ባህርያት ዝቈጻጸር ኣብ ውሽጢ ክሮሞዞም ዝርከብ ኣሃዱ) ክህልዉ ይኽእሉ እዮም - ብሓንቲ ጂን፡ ኣብ ገለ ገለ ኵነት፡ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ክቕየር ይኽእል እዩ።” ናይ ብሓቂ፡ ‘ብዘፍርሕን ዘደንቕን’ ኣገባብ ኢና ተሰሪሕና።
ብመሰረቱ’ውን ንስኻ ኽትውለድ፡ ከምዛ ዘለኻያ ኽትከውንን ዝነበረካ ዕድል ሓደ ካብ 300 ትሪልዮን እዩ ነይሩ! ብኻልእ ኣዘራርባ 300 ትሪልዮን ኣሕዋት እንተ ዝህልዉኻ፡ ኵሎም ካባኻ ዝተፈልዩ ናይ ምዃን ዘለዎም ተኽእሎ ጸቢብ ኣይኮነን። እዚ ዅሉ ብግምት ዝተተመነ ድዩ፧ ኣይኮነን። ብስነ-ፍልጠት ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ከተንብቦ እንተ ደሊኻ፡ ‘ንስኻን ውርሻን’ ዘርእስታ ብኣምራን ሸንፊልድ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ብርድኢት ዘዛርበኒ ዘሎ ምኽንያት፡ ካብ ልበይ ስለ ዝኣምነሉ እዩ። እዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ነጥብታት ካብ ተመክሮ ተበጊሰ እየ ጽሒፈዮ ዘለኹ። ከዕልለኩም፡ መጀመርታ ካብ ሚዙሪ ናብ ኒው ዮርክ ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ናይ ድራማ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊበ። ተዋሳኣይ ክኸውን እዩ ነይሩ መደበይ። ኣብ ርእሰይ ድማ፡ ክትፈሽል ዘይትኽእል፡ ናብ ህቡብነት ክትመርሓኒ ትኽእል እያ ኢለ ዝሓሰብኩዋ መደብ ነይራትኒ። ስለምንታይ እቲ ዅሉ ሰብ ዘይጥቀመላ ነይሩ ግዳ፡ የተሓሳስበኒ ነይሩ። መደበይ፡ እቶም ህቡባት ዝባሃሉ ተዋሳእቲ ከም ብዓል ጆን ድሪው፡ ዋልተር ሃምፕደንን ኦተስ ስኪነርን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ኣጽኒዐ፡ ናይ ኵሎም ጽቡቕ ጐድንታት ቀዲሐ፡ ንነብሰይ ናብ ዕዉት ተዋሳኣይ ክቕይራ እዩ ነይሩ። ዓመታት ናይ ህይወተይ ንኻልኦት ክመስል ኣብ ምፍታን ኣሕሊፈዮ። እንትርፎ ንነብሰይ ንኻልእ ክመስል ከም ዘይክእል ክሳብ ዝርድኣኒ ከኣ ዓመታት ናይ ህይወተይ ከሲረ።
ካብዚ ተመክሮ ዓቢ ምህሮ ኽቐስም ነይሩኒ። የግዳስ ኣይተማሃርኩን። ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ተመሳሳሊ ጌጋ ፈጺመ። ንንግዲ ትጠቅም እያ ዝበልኩዋ መጽሓፍ ክጽሕፍ ሓሲበ። መደበይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዝተጻሕፉ ናይ ካልኦት ሰባት መጻሕፍቲ ሓዋዊሰ፡ ሓንቲ ብልጽቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ተበጊሰ። እንተ ኾነ ንመጽሓፈይ ቁሊሕ ዝብላ ነጋዳይ ስኢነ። ሕጂ ኸኣ ዓመት ናይ ህይወተይ ንኸንቱ ኾይና።
ኣብ መወዳእታኡ ንነብሰይ ከምዚ ኢለያ፤ “ንስኻ ደይል ካርኒጊ ጥራይ ኢኻ ክትከውን ዘሎካ፡ ምስ ጌጋታቱን ሕጽረታቱን። ካብኡ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።” ካብቲ እዋን ጀሚረ ሕውስዋስ ናይ ካልኦት ሰባት ክኸውን ምፍታን ገዲፈዮ። እጅገይ ሰብሲበ፡ ካብ መጀመርታኡ ኽገብሮ ዝግብኣኒ ገይረ። ኣብ ተመክሮታተይን ትዕዝብትታተይን ተመርዅሰ መጽሓፍ ጽሒፈ። ከምቲ ሰር ዋልተር ራለይ (ፕሮፌሰር ናይ እንግሊዘኛ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ኦክስፎርድ ዝነበረ) ዝበሎ እዩ፡ “ምስ ናይ ሼክስፒር ዝዳረግ መጽሓፍ ክጽሕፍ ኣይክእልን እየ። ብኣይ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ግዳ፡ ክጽሕፍ እኽእል እየ።”
ንነብስኻ ምሰል። ከምቲ አርቪን በርሊን ንጆርጅ ገርሽዊን ዝሃቦ ምኽሪ ተጠቐመሉ። መጀመርታ በርሊንን ገርሽዊንን ክራኸቡ ከለዉ፡ በርሊን ህቡብ ነይሩ። ገርሽዊን ግዳ፡ ፋልማዩ ዝፈታትን ሙዚቀኛ ነይሩ። በርሊን ናይ ገርሽዊን ክእለትን ጻዕርታትን ምስ ረኣየ፡ ኣብ ትካሉ ብሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ሽዑ ዝነበሮ ደሞዝ ከስርሖ ከም ዝኽእል ሓቢርዎ። “የግዳስ፡” ኢልዎ በርሊን፡ “ከምዛ ዘለኻያ ኽትቅጽል እመኽረካ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕተይ ክትሰርሕ እንተ ጀሚርካ፡ ኵሉ ሳዕ ካልኣይ-ደረጃ በርሊን ኢኻ ክትከውን። ንነብስኻ መሲልካ እንተ ተዓዊትካ ግዳ፡ ቀዳማይ-ደረጃ ገርሽዊን ኢኻ ክትከውን።”
ገርሽዊን ነቲ ምኽሪ ብጽሞና ሰሚዑ ኣተግቢርዎ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ሙዚቀኛታት ናይ ግዜኡ ክኸውን ከኣ በቒዑ።
ካልኦት ህቡባት ሰባት ከም ብዓል ቻርሊ ቻፕሊን፡ ዊል ሮጀርስ፡ ሜሪ ማርጋረት ማክብራይድ ከምኡ’ውን ብዙሓት ካልኦት ነዚ ኣብዛ ምዕራፍ ዝዛረበሉ ዘለኹ ኣርእስቲ ካብ መሪር ተመክሮ እዮም ተማሂሮሞ።
መጀመርታ ቻርሊ ቻፕሊን ፊልም ምስራሕ ክጅምር ከሎ፡ ዳይሬክተር ናይቲ ዝዋስኣሉ ዝነበረ ፊልምታት ንሓደ ናይቲ እዋን ህቡብ ዝነበረ ጀርመናዊ ተዋሳኣይ መሲሉ ኽዋሳእ ሓቢርዎ። ብዙሕ ፈቲኑ ክሳዕ ንነብሱ መሲሉ ምውሳእ ዝጅምር ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ ቦብ ሆፕ፡ ክሳዕ ክእለታቱ ኣለልዩ ብናቱ ቕዲ ኽደርፍን ክስዕስዕን ዝጅምር ህቡብነት ኣይነበሮን።
ሜሪ ማርጋሬት ፈለማ ናይ ራድዮ መደብ ኣብ ተቕርበሉ ዝነበረት እዋን፡ ከም ኣየርላንድያዊት ኮሜድያን እያ ኽትመስል ፈቲና፡ ፈሺላ ኸኣ። ብድሕሪኡ፡ ከምቲ ናይ ብሓቂ መንነታ ጓል ሚዙሪ ኽትከውን ምስ ጀመረት፡ ካብ ሰማዕታ ኣዝዩ ጽቡቕ ተቐባልነት ክትረክብ ክኢላ።
ንስኻ ነዛ ዓለም ሓድሽ ነገር ኢኻ፣ ተሓበነሉ። ትዕድልትታትካ ክሳዕ ዝከኣለካ ተጠቐመሉ። ኵሉ ስነ-ጥበብ ናይ ብዕሊ ታሪኽ-ህይወት እዩ። ንስኻ ዝዀንካዮ ጥራይ ኢኻ ክትደርፍ ትኽእል። ንስኻ ዝዀንካዮ ጥራይ ኢኻ ኽትቀብእ እትኽእል። ከምቲ ተፈጥሮኻ፡ ከባቢኻን ተመክሮታትካን ዝገበረካ ኢኻ ኽትከውን/ክትመስል ዘሎካ።
እንተ ንጽቡቕ፡ እንተ ንሕማቕ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ጀርዲን ኰስኵስ። እንተ ንጽቡቕ፡ እንተ ንሕማቕ ኣብ ኦርኬስትራ ናይ ህይወት፡ ናትካ መሳርሒ ሙዚቃ ተጻወት።
ደራሲ ኣብዚ ከም መብርሂ ነዚ ትሕዝቶ እትገልጽ ግጥሚ ናይ ዶግላስ ማኖች ተጠቒሙ ኣሎ። ኣነ ከኣ ብተመሳሳሊት ግጥሚ ከምዚ ዝስዕብ እገልጾ፤
እንተ ኽኢልካ እምባ ኹን፣ እቲ ዝዓበየ እምባ።
እንተ ዘይኮነ ጎቦ ኹን፣ እምባ ዘይኰንኩ ኢልካ ኣይትኮነን።
ከመይ ተጠቒምካሉ እዩ ዘገድስ፡ ኣብ ዓቐን ኣይትእመን።
ጸሓይ እንተ ዄንካ ግርም፡
እንተ ዘይኮነ ወርሒ ኹን፡ ንለይቲ ዘገርም፡
ዓቢ ጐደና እንተ ዀንካ ጽቡቕ
ብዓበይቲ ድኳናት ትደምቕ፡
እንተ ዘይኮነ ጨንፈር ኩን፡ ነቲ ዓቢ ዝምግብ፡
ብሉጽ ኣገልግሎት ሃብ ንህዉኻት ዘዕግብ፡
ኮታስ ክትኮኖ ብዘይከኣልካ ኣይትሕመም፡
ሕርቃንካ ጸገምካ መመሊሱ ከይድገም፡
እቲ ኽትኮኖ ዝኸኣልካ ዄንካ፡
ንዝኸኣልካ ኣሐጒስካ፡
ኣቕስና ነብስኻ።
