ናርንያ

“በጃኻ ንኣቶ ፋኑስ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ንገረና፡” ሉችያ ተሃንጥያ ተወከሰቶ።

“ኣሕ፡ ሕማቕ እዩ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ ርእሱ እናነቕነቐ። “ንሱ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ጕዳይ እዩ። ብፖሊስ ከም ዝተወሰደ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ሓበሬታ፡ ክፍጸም ከሎ ካብ ዝረኣየቶ ሓንቲ ዑፍ’የ ረኺበዮ።”

“ግን ናበይ ተወሲዱ፧” ሓተተት ሉችያ።

“እንድዒ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡” በለት ሱዛን። ኣቶ ካስቶሮ ብናይ ምትካዝ ስምዒት ርእሱ ነቕነቐ።

“ናብ ገዝኣ ይወስድዎ ነይሮም ማለት’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ፡” በለ።

“ግን እንታይ ክገብርዎ ይኽእሉ ኣቶ ካስቶሮ፧” ሉችያ ተጨኒቓ ሓተተት።

“ግርም፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ፣ “ብልክዕ ርግጸኛ ዄንካ ኽትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ናብኡ ኸይዶም ዳግማይ ዝተመልሱ ዳርጋ የለዉን። እቲ ቐጽራ፡ መዳያይቦታት ገዝኣን ኣዳራሻታን ብሓወልትታት ዝመልአ ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ። ንሳ ንሰባት ናብ ... ዘረባኡ ኣቋሪጹ ኣንፈጥፈጠ፣ “ናብ ከውሒ ትቕይሮም ..፡”

“ግን ኣቶ ካስቶሮ፡ ኣይንኽእልን ዲና፧ ማለተይ ንኣኡ ንምድሓን ገለ ነገር ክንገብር ኣሎና። ኣዝዩ ዘርዕድ እዩ። ኵሉ ድማ ብሰንከይ እዩ፡” በለት ሉችያ።

“እንተ ትኽእሊ፡ ንኣኡ ከም እተድሕንዮ ኣይጠራጠርን’የ ምቅርተይ። ግን ካብ ናታ ፍቓድ ወጻኢ፡ ናብቲ ገዛ ኽትኣትውን ብህይወት ድማ ክትወጽእን ዝኾነ ዕድል የብልክን፡” በለታ ወይዘሮ ካስቶሮ።

“ዝኾነ ስልቲ ኽንፈጥር ኣይከኣልን ድዩ፧” ሓተተ ጴጥሮስ። “ማለተይ ገለ ዘደናግር ኣለባብሳ ኽንጥቀም ወይ ድማ ከም ቤላሮባ ወይ ዝኾነ ኻልእ ክንመስል ክንፍትን ኣይንኽእልንዶ፧ ወይ ድማ ክሳዕ እትወጽእ ተኸታቲልና... ወይ፡ ምሒርዶ ኣብዚሐዮ፣ ኣየ እንታይ ደለ ተካል ነገር’ዩ እዚ፣ ገለ ኽንጣበብ ኣሎና። ኣቶ ካስቶሮ፡ እዚ ፎን’ዚ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ’ዩ ንሓፍተይ ኣድሒንዋ፣ ኣብ ከቢድ ኣደራዕ ወዲቑ ኸሎ፡ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልና ገዲፍናዮ ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና።” “ወዲ-ኣዳም፡ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብዚ ዅሉ ሰብ ንስኻ ክትፍትን ትርጉም የብሉን። ሕጂ ግን ኣስላን ከኣ ተንቀሳቒሱ ኣሎ-” በለ ኣቶ ካስቶሮ።

“ኣንታ እወ! ብዛዕባ ኣስላን ንገረና!” ዝብሉ ሓያሎ ድምጽታት ብሓንሳእ ተሰምዑ። ከም ብሓድሽ ልክዕ ከም ምልክታት ምእታው ጽድያ፡ ልክዕ ከም ጽቡቕ ዜና ጕዳም ስምዒት ኣብ ልዕሊኦም ሓደረ።

“መን’ዩ ኣስላን፧” ሱዛን ተሃንጥያ ሓተተት።

“ኣስላን፧” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ኣይትፈልጥዎን ዲኹም፧ ንሱ ንጉስ እዩ። ንሱ ጐይታ ናይዚ ዅሉ ጫካ እዩ። ርአኹም፡ ሳሕቲ’ዩ ግን ኣብዚ ዝመጽእ። ፍጹም! ኣብ ግዜይ ይኹን ኣብ ግዜ ኣቦይ መጺኡ ኣይፈልጥን እዩ። ግን ከም ዝተመልሰ ወረ በጺሑና ኣሎ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ናርንያ’ዩ ዘሎ። ነዛ ጻዕዳ ንግስቲ ጽቡቕ ገይሩ መዕለቢ ኽገብረላ እዩ። ንሱ ደኣምበር፡ ንስኻ ኣይኮንካን ንኣቶ ፋኑስ ተድሕኖ።”

“ንኣኡኸ ናብ እምኒ ኣይትቕይሮን ድያ፧” ሓተተ ዓንዶም።

ኣቶ ካስቶሮ፣ “ጐይታ ይባርኽካ ወዲ-ኣዳም፡ ዘረባኻ ቀልዲ እዩ!” በሎ ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ። “ናብ እምኒ ኽትቅይሮ፧ እንታይ ትብል ወደይ! ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ኽጥምቶ’ውን ተኺእላ እያ! ከምኡ እንተ ገይራ፡ ካብቲ ኣነ ዝጽበዮ ንላዕሊ እዩ። ዘይከውን’ዩ ዘይከውን’ዩ! ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ጥንታዊ ግጥምታት ዝበሎ ንዅሉ ነገር ከስተኻኽሎ እዩ፤

ጌጋታት ክእረሙ’ዮም፡ ኣስላን ናብ ትርኢት ምስ መጸ

ደጊም ሓዘን ኣይክህሉን’ዩ፡ ድምጺ ምጕዛሙ ምስ ተሰምዐ

ክረምቲ ምስ ሞቱ ይራኸብ፡ ኣስናኑ ምስ ቀልዐ

ሓድሽ ጽድያ ኽህልወና’ዩ፡ ፋረኡ ምስ ነስ’ነሰ።

ምስ ረኣኹሞ ክርድኣኩም እዩ።

“ግን ክንርእዮ ዲና፧” ሓተተት ሱዛን።

“ጓል-ሄዋን፡ ንምንታይ ድየ ደኣ ናብዚ ገዛ ኣምጺኤኩም። ምስ ኣስላን ክትራኸቡ ኽመርሓኩም እኮ እየ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ።

“ሰብኣይ ድዩ፧” ሓተተት ሉችያ።

ብኣቃጫጭ፣ “ኣስላንሲ ሰብኣይ!” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ብርግጽ ኣይኮነን። ንሱ፡ ንጉስ ጫካን ወዲ እቲ ዓቢ ሃጸይ ኪንዮ-ባሕርን ምዃኑ እነግረኩም ኣለኹ። ንጉስ ኣራዊታት መን ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ኣስላን ኣንበሳ እዩ። ኣንበሳ- እቲ ግኑን ኣንበሳ።”

“እውይ!” በለት ሱዛን። “ሰብኣይ እንድዩ መሲሉኒ ነይሩ። የስግእ ድዩ፧ ምስ ኣንበሳ ምርኻብ ስምዒት ጭንቀት ዝፈጥረለይ እዩ።”

“ከምኡ’ሞ ብዘይጥርጥር ኽስማዓኪ’ዩ ፍቕርተይ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣስላን ክቐርብ ከሎ፡ ኣብራኹ ረድረድ ዘይብሎ የለን። ከምኡ ዘይስምዖ ሰብ ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ወይ ድማ ልቡ ጠቢሱ ዝበልዓ ሰብ ክኸውን ኣለዎ፡” በለት ወይዘሮ ካስቶሮ።

“እሞ ውሑስ ኣይኮነን፧” በለት ሉችያ።

“ውሑስ፧” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ወይዘሮ ካስቶሮ ዝበለቶ ኣይሰማዕክዮን ዲኺ፧ መንዶ ምሉእ ብምሉእ ውሑስ’ዩ ዝበለ ኣሎ እዩ፧ ብርግጽ ውሑስ ኣይኮነን። ግን ብሩኽ’ዩ፣ ንጉስ’ዩ እብለኪ ኣለኹ።”

“ዋላ'ኳ ኣብ ጥቓይ ደው ምስ በለ ፍርሒ ከም ዝስማዓኒ ይረዳኣኒ እንተ ኾነ፣ ግን ክርእዮ ሃረር ኢለ ኣለኹ፡” በለ ጴጥሮስ።

“ልክዕ ኣለኻ፡ ወዲ-ኣዳም፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ። ንዅሉ ኵባያታትን ብያትታትን ጨርባሕባሕ ክሳዕ ዝብል ንግናዑ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ገም ኣበሎ። “ስለዚ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ። ጽባሕ እንተ ኽኢልኩም ኣብታ ጣውላ እምኒ ኽትረኽብዎ ከም ዘለኩም መልእኽቲ ተላኢኹ ኣሎ።”

“እቲ ቦታ ኣበይ’ዩ፧” ሓተተት ሉችያ።

“ከርእየኩም እየ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ካብዚ ቝሩብ መገዲ ምስ ከድካ፡ ኣብ ቍልቁል’ቲ ሩባ’ዩ ዘሎ። ናብኡ ባዕለይ ክወስደኩም እየ!”

“ብዛዕባ እቲ መስኪን ኣቶ ፋኑስከ፧” ዳግማይ ሓተተት ሉችያ።

“እቲ ዝቐልጠፈ ንኣኡ ኽትሕግዝሉ እትኽእልሉ መገዲ ምስ ኣስላን ብምርኻብ እዩ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ንሱ ምሳና ምስ ኮነ፡ ሽዑ ገለ ነገር ክንገብር ክንጅምር ንኽእል ኢና። ንዓኹም'ውን ኣይንደልየኩምን ኢና ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ’ውን ካልእ ክፋል ናይቲ ጥንታዊ ብሂል እዩ፤

ስጋ ኣዳምን ዓጽሚ ኣዳምን...

ምስ ተቐመጠ፡ ኣብ ካይር ፓራቨል ኣብ ዝፋን

እቲ ኽፉእ እዋን የብቅዕን የኽትምን።

ስለዚ፡ ንሱን ንስኻትኩምን ምምጻእኩም፡ ነገራት ናብ መወዳእታኦም እናቐረቡ ክኾኑ ኣለዎም። ልክዕ በዚ ዘበን’ዚ ተባሂሉ ዘይበሃል፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣስላን ናብዚ ኸባቢ ከም ዝመጽእ ክጽወ ሰሚዕና ኢና። ካብዚ ዓሌትኩም ግን፡ ቅድሚ ሕጂ መሬትና ረጊጹ ዝፈልጥ የለን።”

“እዚ’ዩ ድማ ንኣይ ዘይርድኣኒ ኣቶ ካስቶሮ፡” በለ ጴጥሮስ፣ “ማለተይ እታ ጠንቋሊት ንባዕላ ሰብ ኣይኮነትን ድያ፧”

“ንሳ ንሕና ብኸምኡ ኽንኣምና’ያ ትደሊ። ኣብኡ ተሞርኲሳ ድማ’ያ ንግስቲ ምዃና እትገልጽ። ንሳ ግን ጓል-ሄዋን ኣይኮነትን። ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቲ፡ ኣቦኹም ኣዳም ዝተወልደት እያ፡” ኢሉ ሰገደ ኣቶ ካስቶሮ። ብምቕጻል፣ “ኣብዚ ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቱ፡ ሊሊዝ ኢሎም’ዮም ዝጽውዕዋ። ንሳ ድማ ሓንቲ ኻብቶም እንዳ ግኒ (መናፍስቲ) እያ ነይራ። ብሓደ ጐድና ኻብኦም’ያ። በቲ ኻልእ ጐድና ድማ ካብቶም ዓርሞሸሻት’ያ ትውለድ። ፈጺምካ ፈጺምካ፡ ዋላ’ውን ንጽድቂ ሓንቲ ንጣብ ናይ ሰብ ደም ኣብታ ጠንቋሊት የለን።”

“ብኸምኡ ድያ፡ ኵሉ ግዜ እከይ ዝኾነት ኣቶ ካስቶሮ፡” በለቶ ወይዘሮ ካስቶሮ።

“ትኽክል፡ ወይዘሮ ካስቶሮ። ብዛዕባ ደቂ ሰባት ክልተ ኣረኣእያ ኽህሉ ይኽእል እዩ። (ነዞም ምሳና ዘለዉ ኣጋይሽ ምጥቃዕ ማለት ኣይኮነን።) ብዛዕባ ሰባት ዝመስሉ ሰባት ዘይኮኑ ግን፡ ክልተ ኣረኣእያ ኽህሉ ኣይክእልን እዩ።”

“ብሩኻት ድንኪታት እፈልጥ እየ፡” በለት ወይዘሮ ካስቶሮ።

“እቲ ዘረባ ኻብ ኣምጻኣክዮ፡ ኣነ’ውን እፈልጥ እየ። ግን ኣመና ውሑዳት እዮም። ንሳቶም እቶም ብዝወሓደ ናብ ሰብ ዝቐረቡ’ዮም ነይሮም። ብሓፈሻ ግን ምኽረይ ውሰዱ። ዝኾነ ነገር ሰብ ዝመስል’ሞ ግና ዛጊት ሰብ ዘይኮነ፣ ሓደ እዋን ሰብ ነይሩ ኽነሱ ኣብዚ ሕጂ ግን ሰብ ዘይኮነ፣ ሰብ ክኸውን ዝግብኦ ኽነሱ ግን ሰብ ዘይኮነ እንተ ረኺብኩም፡ ተጠንቀቕሉ፡ ኢድኩም ከኣ ካብ ምሳርኩም ኣይትፍለዩ። ስለዚ ድማ’ያ እታ ጠንቋሊት፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ናርንያ ደቂ ሰባት ከይህልዉ ንምክትታል ትኽስ ዘይትብል። ንዓመታት ዝኣክል ክትከታተለኩም’ያ ጸኒሓ። ኣብዚ፡ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዘለኹም እንተ ፈሊጣ ድማ፡ መሊሳ’ያ ሓደገኛ እትከውን።” “እዚኸ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ፧” ሓተተ ጴጥሮስ።

“ብሰንኪ ኻልእ ትንቢት’ዩ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ኵሉ ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮ እንተ ዝኸውን ነይሩ፣ ካይር ፓራቨል፡ እቲ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣፍ ናይዚ ፈለግ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ግምቢ፡ ርእሲ ከተማ ናይ ኵላ’ዛ ሃገር ምኾነ ነይሩ። ኣብ ታሕቲ ካይር ፓራቨል ኣርባዕተ ዝፋናት ኣለዉ። ብኣቈጻጽራ ዘበን ናርንያ፡ ክልተ ደቂ-ኣዳምን ክልተ ደቂ-ሄዋንን ኣብተን ኣርባዕተ ዝፋናት ኮፍ ምስ በሉ፣ ሽዑ ነታ ጻዕዳ ጠንቋሊት፡ ምኽታም ግዝኣታ ጥራይ ዘይኮነስ መኸተምታ ህይወታ’ውን ከም ዝኸውን ዝንገር ብሂል ኣሎ። ስለዚ ድማ ኢና፡ ናብዚ ኽንመጽእ ከለና ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ዝነበረና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣርባዕተኹም እንተ ትፈልጥ ነይራ፡ ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ መውደቐቶ!”

Previous
Previous

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም

Next
Next

መወጽ ለይቲ