እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ኣብ ስጳኛ፡ ዝራብዓት ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ቅድሚ ምፍላሞም ንምድላዎም ተባሂሉ ዝትግበር ፍሉይ ኣገባብ ኣሎ። ነፍስወከፎም ናብቲ ዝስልጥኑሉ ዛሬባ ተወሲዶም ንሓደ ነዊሕ ሽኽላ ተጠቒሙ ዝወግኦም ፒካዶር ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓራዳይ ከም ዘጥቕዑ እዩ ዝግበር። ትብዓት ነፍስወከፍ ኣርሓ ድማ ነቲ ዝወርዶ መውጋእቲ ተጻዊሩ ክንደይ ግዜ ንመጥቃዕቲ ይጠንን ብምዕዛብ እዩ ዝውሰን። እምበኣር ኣነ’ውን ኣብ ህይወት በዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዝፍተን ከስተውዕል እየ። ጸኒዐ፡ ከይተሓለልኩ ምፍታን ዘየቛሪጸ፡ ንቕድሚት ምስጓም እንተ ቐጺለ ክዕወት እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ኣብዛ ዓለም ንስዕረት ኢደይ ኣይክህብን እየ፣ ውድቀት ድማ ብፍጹም ቘርበተይ በሲዑ ኣይከሕምቐንን እዩ። ዝመርሓኒ ጓሳ ዝጽበ በጊዕ ኣይኮንኩን። ኣንበሳ እየ፣ ምስ ኣባጊዕ ክጓዓዝን ክድቅስን ክዛረብን ድማ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ሕማሞም ተላባዒ ብምዃኑ፡ ነቶም ዘዕዘምዝሙን ዘመሳምሱን ኣይክሰምዖምን እየ። ንሳቶም ናብ’ተን ኣባጊዕ ይጸንበሩ። ጽሕፍቶይ፡ ቤት-ማሕረዲ ፍሽለት ኣይኮነን።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ስልማት ህይወት ኣብ መጠረሽታ ናይቲ ጕዕዞ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ጥቓ ምጅማር ኣይኮነን ዝዕደል፣ ናብ ሸቶይ ንኽበጽሕ ክንደይ ስጕምታት ከም ዘድልየኒ ድማ ኣይተሓበረንን። ውድቀት፡ ዋላ’ኳ ኣብ መበል ሽሕ ስጕምተይ’ውን ክትገጥመኒ ትኽእል’ኳ እንተ ኾነት፡ ዓወት ግዳ ድሕሪ እታ ንኣ ስዒባ እትርከብ ኵርናዕ እያ ተሓቢኣ ትጸንሕ።
ኵሉ እዋን ተወሳኺ ስጕምቲ ክስጕም እየ። እዚ እኹል እንተ ዘይኮይኑ ኻልእ’ውን ክውስኽ እየ። ግደ ሓቂ፡ ሓደ ስጕምቲ ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ኣይኮነን።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ምእንቲ’ዚ እምበኣር፡ ነፍስወከፍ መዓልቲ ከም ንሓደ ዓርሞሽሽ ኦም ከውድቕ ሓሊነ ዝሰዳ ሓንቲ ህርሚት ፋስ ክወስዳ እየ። እታ ቀዳመይቲ ህርሚት ምናልባት ኣብቲ ዓርሞሸሽ ኦም ዝኾነ በሰላ ከይትገድፍ ትኽእል እያ፣ እታ ካልኣይቲ ትኹን እታ ሳልሰይቲ’ውን ብተመሳሳሊ። ነፍስወከፍ ህርሚት ንበይና ኣገዳስነት ዘይብላን ዝኾነ ሳዕቤን ዘይተኸትልን ክትመስል ትኽእል እያ። ግዳኸ እዘን ህርሚታት’ዚአን ዋላ’ውን ኣዝየን ድኹማት እንተ ኾና ተደሚረን ኣብ መወዳእታኡ እቲ ገረብ ከም ዝነቓነቕ ክገብራ እየን። እዞም ሎሚ ዝገብሮም ዘለኹ ሃቐናታት’ውን ብተመሳሳሊ።
ኣነ፡ ልክዕ ከምቲ ምስ ተዋህለለ ንእምባ ሓጺቡ ዝጸርግ ነጠብታ ዝናብ፡ እቲ ንነብሪ ዘመሽምሽ ጻጸ፡ እታ ንመሬት እተብርህ ኮኾብ፡ እቲ ሃረም ዝሃነጸ ጊልያ ክኸውን እየ። ንቤት-መቕደሰይ ኣብ ነፍስወከፍ ህሞት ሓንቲ ሕጡብ እና’ንበርኩ ክሃንጻ እየ፣ እቲ ምንታይሲ፡ ንኣሽቱ ተግባራት፡ ምስ ተደጋገሙ፡ ዕቤቱ ብዘየገድስ ንዝኾነ ዕዮ ከም ዝዓሙ እፈልጥ እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ውድቀት ከም ምርጫ ኣይክወስድን እየ፣ ከም ምቍራጽ፡ ኣይክእሎን እየ፡ ኣይተኻእለንን፡ ዘይከውን፡ ብፍጹም ዘይሕሰብ፡ ዘይመስል፡ ውድቀት፡ ዘይሰርሕ፡ ተስፋ-ኣልቦ ከምኡ’ውን ምዝላቕ ዝኣመሰሉ ቃላትን ሓረጋትን ድማ ቃላት ዓያሹ ብምዃኖም ካብ መዝገበ-ቓላተይ ክሓኮም እየ። ዕርበተ-ሕልና ከወግድ እየ፣ ግዳኸ ዋላ’ውን በዚ ሕማም ኣእምሮ’ዚ እንተ ተጠቓዕኩ ካብ ምዕያይ ደው ኣይክብልን እየ። ተጸሚመ ሓርኮትኮት ክብል እየ። ነቶም ኣብ ኣእጋረይ ዘለዉ መሰናኽላት ጐስየ እብ’ቶም ልዕሊ ርእሰይ ዘቐመጥክዎም ሸቶታት ከድህብ እየ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ድሩቓት ምድረ-በዳታት ዝውድኡሉ ዶብ እዮም ሓምላይ ሮማዲታት ዝበቝሉ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ነቲ ደጋጊምካ ምፍታን የዐውተካ እዩ ዝብል ጥንታዊ ሕጊ ዘኪረ ኣብ ጥቕመይ ከውዕሎ እየ። ነፍስወከፍ ኣብ ምሻጥ ዝፈሽለሉ ህሞት ኣብ ዝቕጽል ፈተነይ ናይ ምዕዋት ዕድለይ ከም ዝውስኽ ኣብ ግምት እና’እተኹ ክጸንዕ እየ። ነፍስወከፍ ዝሰምዖ ድምጺ እምቢታ፡ ናብ ድምጺ ሕራይ ከም ዝቐርብ ክገብር እዩ። ነፍስወከፍ ዝገጥመኒ ጸዋግ ገጽ ናብቲ ናይ ጽባሕ ፍሽኽታ ከዳልወኒ እዩ። ነፍስወከፍ ጽባሕ ዝገጥመኒ ሕማቕ ዕድል፡ ናይ ጽቡቕ ዕድል ዘርኢ ተሰኪሙ እዩ ክመጽእ። ነፍስወከፍ ምሸት ንዝወዓልክዎ መዓልቲ ከመስግን ኣሎኒ። ሓንሳእ ንምዕዋት፡ ብተደጋጋሚ ክፈሽል ኣሎኒ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ደጋጊመ ክፍትን፡ ክፍትን፡ ክፍትን እየ። ንነፍስወከፍ መሰናኽል ከም ናብ ሸቶይ ዝመርሓኒ መገድን ንሞያይ ዝጸርብ መንደልን ክወስዳ እየ። ልክዕ ከምቲ ባሕረኛ ኣንጻር ነፍስወከፍ ማዕበል ብምሕንባስ ጥንካረ ዘማዕብል ኣነ’ውን ብተመሳሳሊ ጸኒዐ ብቕዓተይ ከዕቢ እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ካብዚ ንደሓር ካብ’ቶም ኣብ ሞያይ ዝተዓወቱ ሰባት ዝተመሃርኩዎ ኻልእ ከተግብር እየ። ነፍስወከፍ መዓልቲ ምስ ተወድአት፡ ዕውትቲዶ ውድቕቲ ነይራ ብዘየገድስ፡ ሓደ ተወሳኺ ንብረት ክሸይጥ ክፍትን እየ። ኣእምሮይ ነቲ ኣላሽ ዝበለ ኣካላተይ ገዛ ንኽምለስ ምስ ዓደመ፡ ነቲ ገዛ ናይ ምምላስ ዘወናውን ስምዒት ክቃለሶ እየ። ደጊመ ክፍትን እየ። ናብ ዓወት ዝመርሓኒ ተወሳኺ ፈተነ ክገብር እየ፣ እዚ ምስ ዝፈሽል ድማ ደጊመ ክፍትን እየ። ዝኾነት መዓልቲ ብውድቀት ከም ዘይትውዳእ ከረጋግጽ እየ። ብኸምዚ መገዲ ዘርኢ ናይ ጽባሕ ዓወት፡ ሎሚ ተኺለ ኣብ ርእሲ’ቶም ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ስርሖም ዝዓጽዉ ወይ ዝፍጽሙ ድማ ዓቢ ብልጫ ከመዝግብ እየ። ካልኦት ምግዳል ከቋርጹ ከለዉ፡ ብድሕሪኡ ናተይ ክጅምር እዩ፣ ቈፎይ ድማ ክመልእ እዩ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ብናይ ትማሊ ዓወት ሎሚ ከም ዘይዓግብ ከረጋግጽ እየ፣ እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ዝዓበየ መሰረት ውድቀት ንሱ ብምዃኑ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ፡ ፍጻመታት ዝሓለፈት መዓልቲ ረሲዐ፡ ትበርቕ ሓዳስ ጸሓይ ሒዛትለይ ንዝመጽአት መዓልቲ፡ እታ ዝበለጸት ኣብ ህይወተይ ክትከውን ምዃና ብምእማን ክቕበል እየ።
ትንፋሰይ ክሳዕ ዘይሓለፈት፡ ንመዋእል ክጸንዕ እየ። እምበኣር ሕጂ ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ መትከላት ዓወት ፈሊጠ ኣለኹ፣ ንነዊሕ እዋን እንተ ጸኒዐ ክዕወት እየ።
ክጸንዕ እየ።
ክዕወት እየ።
