ኢኪጋይ

ውጥን 2፤ ንጹርን ዘይቅየርን ዕላማ ይሃልወካ

ናይ ቪድዮ ጸወታታት - ከይበዝሐ - ከም ቸስ ዝኣመሰሉ ናይ ሰሌዳ ጸወታታትን ስፖርትን ናብቲ ዋሕዚ ክወስዱና ይኽእሉ እዮም። ኣብኣቶም፡ ንጹር ሕግታት ብምኽታል ንመጻውትኻ ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ክብረ-ወሰን ስበሮ ዝብል ኣዝዩ ንጹር ዕላማ ኢና ንኽተል።

እቲ ጸገም ግን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ህይወትና፡ ክሳብ ክንዲ‘ዚ ንጹር ዕላማታት የሎን።

ብመሰረት ቦስተን ኮንሳልቲን ግሩፕ (Boston Consulting Group - BCG) ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓበይቲ ሕብረ-ሃገራውያን ኮርፖረይሽናት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዘማርሩላ ዝዓበየት ጸገም፡ ሓለፍቶም ናይ ጕጅለኦም ተልእኾ ብዝግባእ ከም ዘይተሓላልፉ እዩ። ብሰንኩ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ዕላማታቶም ኣይፈልጡን።

ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ትካላት፡ እቶም ዋና ፈጸምቲ ኣብ ሕሉፍ ውጥን ምውጻእ ይጠፍኡ፡ ንጹር ዕላማ ኸም ዘይብሎም ንኸይፍለጡ ድማ ስልትታት ይፈጥሩ። ካርታ ሒዝካ፡ ብዘይ መዕለቢ ናብ ባሕሪ ምውጻእ ዝዓይነቱ እዩ።

ካብ ካርታ፡ ብንጹር ናብ መዕለቢኻ እትሕብር ብሶላ ክትህሉወካ ኣዝዩ ይበልጽ። ጆይ ኢቶ፡ ሓላፊ ኤምኣይቲ ሚድያ ላብ (MIT Media Lab)፡ ኣብዛ ብዘይርጉጽነታት ዝተመልአት ዓለምና ንምጕዓዝ፡ “ብሶላ፡ ዝያዳ ካርታ” ዝብል መምርሒ ክንጥቀም ይነግረና። ኣብታ ምስ ጀፍ ሃው ዝጸሓፉዋWhiplash: How to Survive Our Faster Future (ጭጕራፍ፤ ኣብ ቅልጡፍ መጻኢና ብኸመይ ንሰርር) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፤ “ኣብ መመሊሳ ዘይትግመት እናኾነት እትኸይድ ዘላ ብቕልጡፍ እትንቀሳቐስ ዓለም፡ ዝርዝራት ንዝመልኦ ካርታ ዘየድሊ ዋጋ ኸፊልካ ናብ ጫካ ኸም እትኣቱ ኽትገብረካ ትኽእል እያ። ጽብቕቲ ብሶላ ግን ወትሩ ናብቲ እትደልዮ ዘለኻ ክትወስደካ እያ። ናበይ ከም እትኸይድ ከም ዘለኻ ከይፈለጥካ ጕዕዞኻ ክትጅምሮ ኣሎካ ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ዋላ‘ኳ እቲ ናብ ሸቶኻ ዝወስድ መገዲ ትኽ ዝበለ እንተ ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ኣብ ዝወጠንካዮ መገዲ ዘጓሕ ካብ ምባል ዝቕልጥፍን ዝሰልጥን መዕለቢ ግን ክትረክብ ኢኻ።“

ኣብ ዋኒን፡ ፈጠራዊ ሞያታትን ትምህርትን ቅድሚ ክንሰርሕ፡ ከነጽንዕ ወይ ዝኾነ ንጥፈት ክንገብር ምጅማርና እንታይ ክንጐናጸፍ ከም እንሓስብ ክንግምግም ኣሎና። ንነብስና ኸም‘ዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክንሓታ ኣሎና፤

  • ናይ ሎሚ ልምምደይ ዕላማ እንታይ እዩ፧

  • ነታ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ እትወጽእ ዓንቀጸይ፡ ሎሚ ክንደይ ቃላት ክጽሕፍ እየ፧

  • ናይ ጕጅለይ ተልእኾ እንታይ እዩ፧

ዋሕዚ ንምርካብ ንጹር ዕላማ ምውናን ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብ ስራሕ ምስ ኣተና ነቲ ዕላማ‘ቲ ከመይ ጌርና ንድሕሪ ንገድፎ ድማ ኽንፈልጥ ኣሎና። እቲ ጕዕዞ ምስ ጀመረ ንዕላማና ኣብ ርእስና ክንሕዞ ኣሎና፣ ግን ከኣ ብዛዕባኡ ምሒር ክንሓስብ የብልናን። ኦሊምፕያውያን ኣትለታት ንወርቂ ሜዳልያ ኽወዳደሩ ኸለዉ እታ መዳልያ ክንዲ ምንታይ ጽብቕቲ ምዃና ንምርኣይ ደው ኣይብሉን እዮም። ኣብታ ህሞቶም ክህልዉ ኣሎዎም - ክውሕዙ ኣሎዎም። ንሓንቲ ኻልኢት‘ኳ ኣተኵሮኦም እንተ ‘ጥፊኦም፡ እታ መዳልያ ንወለዶም ከርእዩዎም ከለዉ ክሓስቡ እንተ ጀሚሮም፡ ኣብ ኣገዳሲ ህሞት ጌጋ ኽፍጽሙ እዮም፣ ነቲ ውድድር ድማ ኣይክዕወቱሉን እዮም።

ሓደ ኣብነት ናይዚ ተርእዮ’ዚ ምዕጋት ጸሓፍቲ (writers‘ block) ዝበሃል ንጸሓፍቲ ዘጋጥም ጸገም እዩ። ሓንቲ ጸሓፊት ንሓንቲ ኖቨል ኣብ ሰለስተ ወርሒ ክትውድኣ ኣሎዋ ንበል። እቲ ዕላማ ንጹር እዩ፣ እቲ ጸገም ግን እታ ጸሓፊት ብዛዕባ‘ቲ ዕላማ‘ቲ ምሒር ትሓስብ ምህላዋ እዩ። “ነዛ ኖቨል‘ዚኣ ኽጽሕፋ ኣሎኒ፡“ እናበለት ትትንስእ፣ ነታ መዓልቲ ድማ ጋዜጣ ኣብ ምንባብን ኣብ ገዛ ምስውስው ኣብ ምባልን ተሕልፋ። ምሸት ምሸት ድማ ንጽባሒቱ ስራሓ ኸም እትጅምር ቃል ትኣቱ። መዓልትታት፡ ሳምንቲ፡ ኣዋርሕ ይሓልፍ፣ እታ ጸሓፊት ግን ዝጸሓፈቶ ነገር የሎን። እታ ኽትገብራ ዝነበራ እንኮ ነገር ሓንቲ ቓል ድሕሪ ሓንቲ ቓል ምጽሓፍ እያ ነይራ። ምስ ዕዮኣ ኽትውሕዝ፡ ኢኪጋያ ኽትገልጽ ምኽኣል ጥራይ እያ እተድልያ ነይራ።

እተን ቀዳሞት ስጕምትታት ምስ ወሰድና፡ ጸቕጥና ይጠፍእ‘ሞ ኣብቲ እንገብሮ ዘለና ንጥፈት ደስ ዘብል ዋሕዚ ይስምዓና። ናብ ኣይንስታይን ብምምላስ፤ “ሕጕስ ሰብ ኣብ ህሉው ኣዝዩ ዕጉብ ብምዃኑ ብዛዕባ መጻኢ ኣይሓስብን።“

  • ዘይንጹር ዕላማ፤ ናብ ምድንጋር ከምኡ‘ውን ክሳራ ግዜን ጸዓትን ሸሚሙ ናብ ኣእምሮኣዊ ምዕጋት ይመርሕ።

  • ንጹር ዕላማን ኣብ መስርሕ ምትኳርን፤ ዋሕዚ።

  • ንመስርሕ ጐሲኻ፡ ኣብ ሸቶ ምሒር ምትኳር፤ ኣብ ክንዲ ናብ ስራሕካ ትኣቱ ኣብ ዕላማ ምትኳር ናብ ኣእምሮኣዊ ምዕጋት ይመርሕ።

ውጥን 3፤ ኣብ ሓንቲ ዕማም ኣተኵር

እዚ፡ ካብቲ ዝዓበየ ጸገምና ናይዚ ብዙሕ ቴክኖሎጅያን ኣዝዩ ብዙሕ ስርቀተ-ኣቓልቦን ዝመልኦ ዘመንና ዝዓበዩ መሰናኽላት ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ዩትዩብ ቪድዮ እናረኣና ኤ-መልእኽቲ ንጽሕፍ፣ ሃንደበት ናይ ዕላል ሓበሬታ ንርኢ‘ሞ መልሲ ንጽሕፍ። ድሕሪኡ እታ ኣብ ጁባና ዘላ ተሌፎንና ዝዝ ትብል፣ ነቲ መልእኽቲ‘ቲ መልሲ እናጸሓፍና ኸኣ ናብ ኮምፕዩተርና ተመሊስና ናብ ፈይስቡክ ንኣቱ።

ሰላሳ ደቓይቕ ይሓልፍ፣ እታ ኽንጽሕፋ ዝሓሰብና ኤ-መልእኽቲ ብዛዕባ እንታይ ምንባራ ንርስዕ።

ፊልም እናተዓዘብና ኽንድረር ከለና‘ውን የጋጥም እዩ፣ እታ ናይ መወዳእታ ኵላሶ ኸነእቱ ኸለና ድማ እቲ ኽንበልዖ ዝጸናሕና መግቢ ኽንዲ ምንታይ ጥዑም ምንባሩ ይርድኣና።

ዕማማት ምትሕውዋስ ግዜ ዝቝጥብ እዩ ዝመስለና፣ ስነ-ፍልጠታዊ ጭብጥታት ግን ብኣንጻሩ ምዃኑ እዩ ዝነግረና። ብዙሕ ዕማማት ኣብ ሓደ እዋን ክንዓምም ንኽእል ኢና ዝብሉ ሰባት ከይተረፉ ኣዝዮም ኣፍረይቲ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ ኻብ‘ቶም ዝደኸሙ እዮም።

ሓንጎልና ኣብ ሓደ እዋን ሚልዮናት ጭርምራም ሓበሬታ ክቕበል ይኽእል እዩ፣ ግን ንሒደት ጥራይ እዩ ኣብ ሓደ ኻልኢት ክምስርሕ ዝኽእል። ስለዚ ብዙሕ ዕማማት ኣብ ሓደ እዋን ንዓምም ኣለና ኽንብል ከለና፡ ካብን ናብን ዕማማት ብቕልጡፍ ንየውነጀው ንብል ኣለና።

ዋሕዚ ንምጭባጥ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ረቛሒ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር ክትከውን ትኽእል እያ።

ብመሰረት ሺክሰንትሚሃልዪ፡ ኣብ ሓደ ዕማም ንምትኳር ከምዚ ዝስዕብ ክንገብር ኣሎና፤

  1. ስርቀተ-ኣቓልቦ ኣብ ዘይብሉ ኣከባቢ ምዃን።

  2. ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ካልኢት እንገብሮ ዘለና ምቍጽጻር።

ቴክኖሎጅያ፡ ክንቈጻጸሮ እንተ ኽኢልና፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ። ንሱ እንተ ተቖጻጺሩና ግን ናብ ሓደገኛ ይቕየር። ንኣብነት፤ ሓደ ናይ መጽናዕቲ ወረቐት ተዳሉ ስለ ዘለኻ፡ ጉግል ከፊትካ ዘድልየካ ሓበሬታ ተናዲ ኣለኻ ንበል። ናይ ስራሕ ስነ-ስርዓት እንተ ዘይብልካ ዘምጽኣካ ረሲዕካ ኣብ ኢንተርነት ከተንሳፍፍ ኢኻ። ጉግልን ኢንተርነትን ካብ ዋሕዚ ኣውጺኦምኻ።

ብስነ-ፍልጠት ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓንቲ ስራሕ ምጽቃጥ ንሓንጎልና ናብዝን ናብትን ከነብሎ እንተ ውዒልና፡ ግዜ ነጥፍእ፡ ዝያዳ ጌጋታት ንፍጽምን እንዝክሮ ነገራት ይውሕድን።

ብክሊፈርድ ኣይቫር ናዝ ዝተኻየደ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ መጽናዕትታት፡ ወለዶና ብሕማም ‘ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ክትሰርሕ ምፍታን‘ ከም ዝሳቐየ እዩ ደምዲሙ። ሓደ ኻብቲ መጽናዕትታት፡ ንኣማኢት ተመሃሮ፡ ብመሰረት‘ቲ ኣብ ሓደ እዋን ክሰርሑዎ ዝፍትኑ ዕማማት፡ ናብ ጕጅለታት ከፋፊሉ ኣጽኒዑ ነይሩ። ናይቲ ባህሪ‘ቲ ወልፊ ዝነበሮም ተመሃሮ ካብን ናብን ልዕሊ ኣርባዕተ ዕማማት ተናጠሩ። ንኣብነት፤ ትምህርታዊ መጽሓፍ እና‘ንበቡ ኸለዉ ድምጻዊ መደብ ይሰምዑ፡ ኣብ ዘመናዊት ተሌፎኖም መልእኽቲ ይጽሕፉ፡ ሓንሳእ ሓንሳእ‘ውን ኣብ ትዊተር ይጸሓሓፉ ነበሩ።

ነፍስወከፍ ጕጅለ ቀይሕን ሰማያውን ፍላጻታት ዝተሳእሎ ስክሪን ከም ዝዐዘቡ ተገብረ። ናይቲ ልምምድ ዕላማ፡ ነተን ቀያሕቲ ፍላጻታት ምቝጻር እዩ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ኵሎም ተመሃሮ ከይተሸገሩ ልክዕ ቍጽሪ ኣቕሪቦም። ቍጽሪ ሰማያዊ ሕንጻጻት እናወሰኸ (ቀያሕቲ ግን ቦታአን‘ምበር ብዝሐን ኣይቀየራን) እቶም ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ስራሕ ክሰርሑ ዝፍትኑ ኣብቲ ዝተዋህቦም ግዜ ወይ ከኣ ማዕረ‘ቶም ብዙሕ ስራሕ ኣብ ሓደ እዋን ክሰርሑ ዘይፍትኑ ክቘጽሩ ኣይከኣሉን። እቲ ምኽንያት ከኣ በቲ ሰማያዊ ፍላጻታት ስለ ዝተደናገሩ እዩ። ሓንጎሎም ንነፍስወከፍ ቀስቃሲ፡ ኣድላይነቱ ብዘየገድስ፡ ከቕልበሉ እዮም ኣለማሚዶሞ፣ ናይ‘ቶም ካልኦት ሓንጎል ግን ኣብ ሓደ ስራሕ ምድሃብ እዩ ለሚዱ - ንሰማያዊ ፍላጻታት ዕሽሽ ኢልካ፡ ንቐያሕቲ ጥራይ ምቝጻር። ካልኦት መጽናዕትታት‘ውን ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ነገራት ምስራሕ ንኣፍራይነትና እንተ ወሓደ ብስሳ ሚእታዊት፡ ንመጠን ብልሕና ድማ ብልዕሊ ዓሰርተ ነጥብታት ከም ዘጕድሎ ኣረጋጊጾም እዮም።

ብቤት-ምኽሪ ህይወት ስራሕን ማሕበራዊ መጽናዕትን ሽወደን ዝተመወለ፡ ወልፊ ምጥቃም ተሌፎን ወይ ኢንተርነት ኣብ ዘሎዎም ከባቢ 4000 መንእሰያት (20-24 ዕድመኦም) ዝተገብረ መጽናዕቲ ኸኣ እቶም መንእሰያት ካብ ስድራኦም ንጹላት፡ ናብ ጸቕጢ ናይ ምምራሕ ተኽእሎኦም ዝዓበየ፡ እኹል ድቃስ ኣይድቅሱን ዝብልን ካልእ ሳዕቤናትን ረኺቡ።

Previous
Previous

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም - ክፋል ፪

Next
Next

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም