ስምዒታዊ ብልሒ
ብዛዕባ እተን ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ናይቶም ሰብ ሓዳር ኣቶ ጋሪን መሪ ጀይን ቸዋንሲን እስከ ኣስተንትን። ኣንድርያ ጓል 11 ዓመት ጓሎም እያ፣ እዛ ጓሎም ብሰንኪ ሓንጎላዊ ልምሰት ብዊልቸር ስለ ትንቀሳቐስ፡ ምሉእ ግዜኦም ንኣ ንምእላይ ዝተወፈዩ ስድራቤት እዮም። ስድራቤት እንዳ ቸዋንሲ ምስታ ናብ ፈለግ ዝተገምጠለት መገዲ ባቡር ኣምትራክ ተሳፊሮም ነይሮም። እቲ ኣብ ጫለዳ-ርባ ኣውራጃ ሉዊዝያና ዝርከብ ድልድል ባቡር፡ ብመሰጋገሪት ጸፋሕ ጃልባ ተሃሪሙ፡ ሰኒፉ እዩ ጸኒሑ። እዞም ስድራ፡ መጀመርያ ብዛዕባ ጓሎም እዮም ተሻቒሎም። ጓሎም ካብታ ትጥሕል ዝነበረት ባቡር ንምድሓን ኵሉ ዝከኣሎም ጽዒሮም፡ ብመስኮት ወጺኣ ኣብ ኢድ እቶም ኣድሓንቲ ኸም ትኣቱ ገበሩ። ብድሕሪኡ እታ ዝነበርዋ ባጐኒ ማይ መሊኣ ሰጠመት፣ ንሶም ድማ ምስኣ ሰጢሞም ተሸርቡ።
እዚ ዛንታ ኣንድርያ ኽትኣምኖ ዝኸብድ ጽውጽዋይ ዝመስል ዛንታ ትብዓት እዩ። ኣብተን መወዳእታ ደቓይቕ፡ ወለዳ ህይወቶም በጅዮም ህይወታ ንምድሓን ዘርኣይዎ ጅግንነት ፍሉይ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምእንቲ ውላድካ ናይ ምሕላፍ ተግባር፡ ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ደቅ-ሰብን መስርሕ ፍልቀቶምን ተደጋጊሙ ዝተፈጸመ ተርእዮ እዩ። እዚ ወላዲኣዊ ርእሰ-መስዋእቲ፡ ብዓይኒ ስነ-ህይወተኛታት ፍልቀት ክረአ ኸሎ፡ ከም ተግባር ምትሕልላፍ ዘርእኻ ናብ መጻኢ ወለዶ ዝግለጽ “መፍረኣዊ ዓወት” እዩ። ብዓይኒ እቶም ኣብታ ቐውጢ እዋን ሞትን ሕየትን ዓቕሊ ጽበታዊ ስጕምቲ ዝወሰዱ ወለዲ ግን፡ ካብ ዓሚቝ ፍቕሪ ወጻኢ ኻልእ መግለጺ የብሉን።
ንዕላማን ሓይልን ልበ-ስምዒታት ኣብ እተስተንትነሉ እዋን፡ እዚ ኣብነታዊ ወላዲኣዊ ጅግንነት፡ ንተራ ርሕራሔኣዊ ፍቕሪ - ካልኦት ዝስምዑና ስምዒትን’ውን - ኣብ ህይወት ደቅ-ሰባት ዝምስክር እዩ። እዚ ኸኣ ዓሚቝ ስምዒታትና፡ ሃረርታናን ሃንቀውታናን መሰረታውያን መራሖትናን ኣብ ህይወት ደቅ-ሰባት ብዘለዎም ሓያል ጽልዋ ድማ ንህላወና ወሰንቲ ምዃኖምን ዘነጽር እዩ። እቲ ሓይሉ ልዕለ-ንቡር እዩ፡ ብርቱዕ ፍቕሪ ጥራይ እዩ ነቲ ኻብ ውላደይ ንኣይ ግበረለይ ዝብል ስምዒት ኣሰዊዱ፡ ወላዲ ህይወቱ ኸፊሉ ንውላዱ ዘድሕን። ርእሰ-መስዋእቲ ብዓይኒ ኣእምሮ ኸም ዕሽነት ወይ ኢርትዓዊ ኽረአ ኸሎ፡ ብዓይኒ ልቢ ግን እቲ እንኮ ኣማራጺ ንሱ ጥራይ እዩ።
ማሕበረ-ስነህይወተኛታት ከም ዝእምትዎ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ዅነታት ካብ ብርእስና ብልብና ኢና ንሓስብ። እዞም ሞያተኛታት፡ ስለምንታይ ፍልቀት ኣብ ነፍሲ ደቅ-ሰባት ንስምዒት ዝለዓለ ተራ ኸም ዘትሓዘ ኣብ ዘጽንዕሉ ዝሃብዎ ገምጋም እዩ። ንሶም ከም ዝብልዎ፡ ወጣሪ ዅነታት ኣብ ዝገጥመና እዋናትን ንኣእምሮና ጥራይ ዘይግደፉ ዕማማት ኣብ ዘጓንፉና ግዜን፡ ልበ-ስምዒታትና እዮም ዝመርሑና። እዞም ወጥርታት ዝፈጥሩ ዅነታት ከም ሓደጋ፡ ኣቐንዛዊ ሞት ቤተ-ሰብ፡ ተስፋ ኸይቈረጽካ ናብ ሽቶኻ ምምራሽ፡ ጥምረት ምስ መጻምዲ፡ ምህናጽ ስድራቤት ዝኣመሰሉ እዮም። ነፍስ-ወከፍ ልበ-ስምዒት ፍሉይ መልሰ-ግብሪ ንምሃብ የዳልወና፣ ነፍስ-ወከፍ ስጕምቲ ድማ ናብታ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ህይወት ደቅ-ሰባት ዘጓነፉ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ውጽኢታዊት ዝነበረት መልሰ-ግብሪ፡ ከም እነቕንዕ ይገብረና።4 እዞም ነባርነት ዘለዎም ኵነታት፡ ኣብ መስርሕ ፍልቀታዊ ታሪኽና፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተደጋገሙ ብዝኸዱ መጠን፡ ኣብ መትንታትና ይሕተሙ’ሞ፣ በቶም ናይ ስርረትና ልበ-ስምዒታት ብቐሊሉ ዝልለዩን፡ ልብና ከም ባህርያውያንን ቅጽበታውያንን መልሰ-ግብርታት እትትግብሮም ይኾኑ።
እቲ ንሓይሊ ናይ ልበ-ስምዒታት ግምት ዘይህብ ባህሪ ደቅ-ሰባት፡ ንነዊሕ ዘይጥምት ኣረኣእያ እዩ። ብመንጽር ኣብዚ እዋን’ዚ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ቦታ ልበ-ስምዒት ኣብ ህይወትና ዝህበና ዘሎ ሓዲሽ ግንዛበን ራእይን፡ እቲ ሆሞ ሳፕየንስ - እቲ ሓሳቢ ዓሌት - ዝብል ስም ብቐንዱ ኣጋጋዪ እዩ። ኣብ ህይወትና ብግብሪ ኸም እንምኰሮ፡ ንውሳነታትናን ተግባራትናን ቅርጺ ዘትሕዞ፡ ዝበዝሕ ግዜ ልዕሊ ሓሳባት፡ ልበ-ስምዒታት እዩ። እቲ ርትዓዊ ኽፋል ኣእምሮና (ብኣእምሮኣዊ-ብልሒ - IQ ዝዕቀን)፡ ኣብ ህይወት ደቅ-ሰባት ዘለዎ ኣገዳስነትን ቁምነገርን ንምግላጽ ዝሃብናዮ ኣተኵሮ፡ ካብ ልክዑ ዝሓለፈ ኾይኑ እዩ ጸኒሑ። ልበ-ስምዒታት ግቡእ ቦታኦም ምስ ሓዙ፡ ኣእምሮኣዊ ኽእለት ከምቲ ዝተዋጠየሉ ኸም ዘይኮነ ብግብሪ ኽንጸር እዩ።
ወነ-ተመስጦታት ንም’ግንዛብ እንክዕብልል
ኣዝዩ ዘሰንብድ ትራጀዲ እዩ። ጓል 14 ዓመት ማቲልዳ ክራብትሪ ንኣቦኣ “እምባሕ” ኢላ ኸተሰንብዶ ኣብ ኣርማድዮ ተሓቢኣ ኣላ። ወለዳ ንኣዕሩኽቶም ክበጽሑ ገይሾም ሓዲሮም፡ ንግሆ እዮም ገዝኦም ኣትዮም። እንተ ኾነ፡ ቦቢ ክራብትሪን ብዓልቲ ቤቱን፡ ጓሎም ኣብ እንዳ መሓዙታ ሓዲራ ኣላ ዝብል ግምት እዩ ነይርዎም። ገዝኦም ከፊቶም ክኣትዉ ኸለዉ ድምጺ ስለ ዝሰምዑ፡ ኣቦኣ ነታ .357 ሽጉጡ ኣብ ኢዱ ሒዙ መደቀሲ ኽፍሊ ማቲልዳ ኽፍትሽ ኣተወ። ማቲልዳ መሬት ደሓን ኣሎ ኢላ፡ ካብቲ ዝተሓብኣትሉ ኣርማድዮ ብፍሱህ ገጽ ናብ ኣቦኣ ዘለለት። ክራብትሪ ድማ ሰንቢዱ ተቐዳዲሙ ቓታ ስለ ዝሰሓበ፡ ጓሉ ኽሳዳ ተወጊኣ ኣብ መሬት ዓለበት። ማቲልዳ ድሕሪ 12 ሰዓታት ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ነዛ ዓለም ተሰናበተታ።
ሓደ ኻብቲ ፍልቀት ዘውረሰና ልበ-ስምዒታዊ ውርሻ ፍርሒ እዩ። ፍርሒ ንቤተ-ሰብና ንምክልኻል ዘኽእለና ዓቕሚ ዘበራብር ስምዒት እዩ። እዚ ድፍኢት’ዚ እዩ ቦቢ ክራብትሪ ሽጕጡ ለጕሙ፡ ነቲ ገዝኡ ዝደፈረ ሰብ ክጋፈጦ ዝተበገሰ። ንሱ፡ ፍርሒ ስለ ዝወረሮ እዩ ድማ ናብ መን ይትኵስ ከም ዘሎ ኸይትረድአን ድምጺ ጓሉ ምዃኑ ገና ኸይተሰወጦን ቀዲሙ ዝተኰሰ። እዞም ቅጽበታዊ መልሰ-ግብርታት፡ ኣብ መትናዊ ስርዓትና ብድሙቕ ሕብሪ ዝተወቀጡ እዮም። ኣብቲ ኣዝዩ ጥንታዊ እዋናት ቅጽበታዊ መልሰ-ግብሪ፡ ንምስራርን ሞትን ዝውስኑ ኣዝዮም ኣገደስቲ ረቛሒታት ምዃኖም፡ ፍልቀታዊ ስነ-ህይወተኛታት ይምስክሩ። ካብዚ ንላዕሊ’ውን፡ እዞም ፍርሓዊ ድርኺታት ናብ ውሉድ ወለዶ ኸም ዝሰጋገሩ ምግባር፡ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ተግባራት ፍልቀት እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ እዩ እዚ ዜሕዝን ፍጻመ ኣብ ስድራቤት ክራብትሪ ኣጋጢሙ።
እንተ ኾነ ልበ-ስምዒታትና፡ ኣብቲ ነዊሕ ፍልቀታዊ ጕዕዞ ብልቦና ኽመርሑና ዝጸንሑ’ኳ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዘመናዊ ስልጣነ ዘምጽኦም ክውንነታት ግን፡ ኣዝዮም ቅልጡፋት ብምዃኖም፡ እቲ ዘገምታዊ መራሺ ፍልቀት፡ መስርዕ ክቈርጽ ይግደድ ኣሎ። ብርግጽ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ሕግታትን ኣዋጃትን ስነ-ምግባር ከም - ሕጊ ሃሙራቢ፡ ዓሰርተ ትእዛዛት እብራውያን፡ ኣዋጃት ሃጸይ ኣሾካ [ህንዳዊ ንጉስ] - ልበ-ስምዒታዊ ህይወት ንምቝራን፡ ንምልዛብን ንምግራሕን ከም ዝተገብሩ ፈተነታት ክረኣዩ ይኽእሉ። ፍሮይድ ዝተባህለ ሊቕ ስነ-ልቦና፡ ኣብታ ስልጣነን እቲ ቀሓራቱን እትብል መጽሓፉ ኸም ዘስፈሮ፡ ሕብረተሰብ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ደቅ ሰባት ብነጻ ዝገማድሑ ልበ-ስምዒታዊ ዝቕባበታት ንዝፈጥርዎ ማዕበላት ንምድስካል ወይ ንምግራሕ፡ ካብ ሕግታቱ ወጻኢ ኽቈጻጸሮ ከም ዝፍትን ገሊጹ።
ሽሕ’ኳ እዞም ማሕበራዊ ሕየባታት እንተ ሃለዉ፡ ወነ-ተመስጦታት (passion) ብተደጋጋሚ ንም’ግንዛብ ክዕብልልዎ ተራእዮም እዮም። እዚ ውሁብ ባህሪ ወድ-ሰብ፡ ካብቲ መሰረታዊ ኣቃውማ ሓንጎላዊ ህይወት ዝብገስ እዩ። ብዓይኒ ስነ-ህይወታዊ ኣቀራርጻ፡ እቲ ሒዝናዮ እንውለድ መሰረታዊ መትናዊ ስርዒተ-ዑደት ልበ-ስምዒት፡ ነቶም ዝሓለፉ 50 ሽሕ ወለዶታት ደቅ-ሰባት ብኣድማዕነት ሰሪሑሎም እዩ፣ ነቶም ዝሓለፉ 500 ወለዶታት ድማ ብኣዝዩ ዝተደረተ መጠን፣ ነዞም ዝሓለፉ ሓምሽተ ወለዶታት ግን፡ ከም ዘይሰርሓሎም ብርጉጽነት ምዝራብ ይከኣል። እቶም ንልበ-ስምዒታትና ቕርጺ ዘትሓዙ ዘገምታውያን ብጥንቃቐ ዝሰርሑ ሓይልታት ፍልቀት፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ሚልዮን ዓመታት ግቡእ ስርሖም ክዓሙ ኽኢሎም እዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ 10,000 ዓመታት ግን፡ ምስዚ ዅሉ ቕልጡፍ ትንሳኤ ስልጣነታት ደቅ-ሰባትን ብዝሒ ህዝቢ ኻብ ሓምሽተ ሚልዮን ናብ ሓምሽተ ቢልዮን ምዕራጉን፣ ፍልቀት፡ ኣብ ስነ-ህይወታዊ መዅተምያና (template) ንልበ-ስምዒታዊ ህይወት ዝምልከት ዝሓተምዎ ኣሰር ዳርጋ የሎን። ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ፡ እቲ ንነፍስ-ወከፍ ውልቃዊ ተጓንፎን ንግብረ-መልስናን እንገብሮ ምዘና፡ በቲ ርትዓዊ ገምጋምና ወይ ውልቃዊ ታሪኽና ጥራይ ቅርጺ ዝሕዝ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ በቶም ናይ ርሑቕ ኣበዋትና’ውን ዝጽሎ እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኸምዚ ኣብ ስድራቤት ክራብትሪ ዘጓንፍ ትራጀድያዊ ፍጻመታት፡ መርኣያ ናቱ እዩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ቕድሚ ሚልዮናት ዓመታት ዝተቐርጸ ልበ-ስምዒት ተጠቒምና፡ ነቲ ኣብ ድሕረ-ዘመናውነት ዘጓንፈና ዘሎ ወጥርታት ክንገጥም ንፍትን ኣሎና። እቲ ቐንዲ ኣትኵሮ ኣስተምህሮይ ድማ ነዚ ቕልውላው’ዚ ዝምልከት እዩ ክኸውን።
ድፍኢት ንተግባር
ወቕቱ ጽድያ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ብንግሆኡ ኣብ ዓቢ ጐደና ኣትየ ኣብ ጎቦታት ኮሎራዶ እናዘወርኩ ኸለኹ፡ ሓያል መንደረጋሕታ በረድ ስለ ዝጀመረ፡ ነታ ውሑዳት ሜትሮታት ቅድመይ ዝነበረት ማኪና ዓጊቱዋ ጸንሓኒ። ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ነገራት ኣትኵረ ኽዕዘብ ኣብ ዝፈተንክሉ፡ መሸንቦባ በረድ ንዅሉ’ቲ ኸባቢ ናብ ውጹእ ጻዕዳ ተንጸባሪቑ ዓይንኻ ዘዕውር ትርኢት ስለ ዝቐየሮ፡ ዋላ ሓንቲ ኽርኢ ኣይከኣልኩን። ኣእጋረይ ንልጓም ማኪናይ እናረገጻ ኸለዋ፡ መላእ ኣካላተይ ግን ብጭንቀት ተወሪሩ ልበይ ዱግዱግ ክትብል እሰምዓ ነይረ።
እቲ ጭንቀተይ ናብ ምሉእ ፍርሒ ዓረገ፡ እቲ መንደራጋሕ በረድ ክሳዕ ዝውድእ ማኪናይ ናብ ሓደ ጸግዒ ናይቲ ጽርግያ ኣጸጋዕክዋ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ እቲ በረድ ምርጋፍ ስለ ዘቋረጸ፡ ምድረ-ሰማይ በርሃው ኢሉ ኸባቢና ምርኣይ ዘየጸግም ኮነ። መንገደይ ቀጺለ ነዊሕ ከይተጓዓዝኩ፡ ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ንሓደ ተጓዓዛይ ካብታ ዝተጋጨወት ማኪና ኽወጽእ ክሕግዙ ጸንሑኒ። ሓንቲ ማኪና፡ ነታ ቀቅድሚኣ ቐስ ኢላ ትኸይድ ዝነበረት ማኪና ስለ ዝገጨወታ እያ መገዲ ተዓጽዩ። ኣብቲ ዓይንኻ ዘዕውር በረድ፡ መንገደይ ቀጺለ እንተ ዝነብር፡ ኣነ’ውን ምናልባት ምገጨኽዎም ነይረ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንኽጥንቀቕ ዘገደደኒ ፍርሒ፡ ህይወተይ ንኸድሕን ዝሓገዘኒ መስለኒ። ልክዕ ከምታ ማንቲለ ብኸባቢኣ ዝሓልፍ ወኻርያ ርእያ ብራዕዲ ትደርቕ፣ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝገማዳሕ ዝነበረ ልበ-ስምዒታት ድማ፡ ደው ኢለ ኸባብየይ ክዕዘብን ክመጽእ ዝኽእል ንሓደጋ ዘቓልዕ ጌጋታት ንኸስተብህልን ኣገዲዱኒ።
እቲ ዋና ነገር፡ ኵሎም ልበ-ስምዒታት ናብ ተግባር ዝደፍኡ፡ ንተጓንፎታት ህይወት መልሰ-ግብሪ እንህበሎም ፍልቀት ዝዓደለና ቕጽበታውያን ውጥናት እዮም። እቲ ልበ-ስምዒት (emotion) ዝብል ቃል ሞተረ (motere) ካብ ዝብል ናይ ላቲን ቃል ዝመንጨወ እዩ። ብቛንቋ ላቲን ሞተረ ዝብል ግሲ “ስጕምቲ ወሰደ” ማለት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኸም ቅድመ-ጥባቕ ኣትዩ ዘሎ “ኢ-” ዝብል ፊደል ድማ “ምግዓዝ/ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስ” ዘመልክት እዩ። እዚ ኣብ ኵሉ ልበ-ስምዒታት፡ እቲ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ዝምባለ ህሉው ምዃኑ ዝእምት እዩ። ኣብ ቈልዑ ወይ እንስሳታት ልበ-ስምዒታት ናብ ተግባር ከምርሑ ምርኣይ ንቡር ነገር እዩ። ኣብቲ “ስልጡን” ዝበሃል ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ ሰብ ጥራይ ኢና ኻብቲ ንቡር ወጻኢ፡ ብተደጋጋሚ ልበ-ስምዒታት ካብቲ ግሁድ ተግባር ተፋቲሖም እንዕዘብ።
ኣብ መኽዘን ልበ-ስምዒታትና፡ ነፍስ-ወከፍ ስምዒት ነናቱ ፍሉይ ዝጻወቶ ተራ ኣለዎ። እዚኣቶም ድማ በቲ ዘለዎም ፍሉይ ስነ-ህይወታዊ ሕላገት ይልለዩ (ብዛዕባ “መሰረት” ልበ-ስምዒታት ኣብ ጥብቆ ‘ሀ’ ርአ)። ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣካልን ሓንጎልን ንምዕዛብ ዘኽእል ሓደሽቲ መንገድታት ብምርካቡ፡ ተመራመርቲ ተወሰኽቲ ፊዝዮሎጂካዊ ዝርዝራት እናረኸቡ እዮም። ገለ ኻብቲ ርኽበታቶም ድማ ነፍስ-ወከፍ ልበ-ስምዒት፡ ንኣካላትና በበይኑ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ንኽህብ ኸም ዘዳልውዎ ተዓዚቦም፤
ምስ ሕርቃን፡ ደም ናብ ኣእዳው ብብዝሒ ይውሕዝ። እዚ ኸኣ ኣጽዋር ንምዕትዓት ወይ ንጸላኢ ንምጥቃዕ ዝቐለለ ይገብሮ። ትርግታ ልቢ ይውስኽ፡ ከም ኣድረናሊን ዝኣመሰሉ ሆርሞታት ናብ መላእ ኣካላትና ስለ ዝወናጨፉ፡ ኣካላትና ጉልበት ወሲኹ ብርቱዕ ተግባር ክፍጽም ድሉው ይኸውን።
ኣብ እዋን ፍርሒ ደም ናብ ኣስከሬናዊ ጭዋዳታት ከም ኣእጋርና፡ ብምውሓዝ ንህድማ ዝቐለለ ይገብሮ። እቲ ኣብ ገጽ ዘሎ ደም ስለ ዝስሑ፡ ገጽ ይፍሕሹ (እቲ ኣብ ገጽና ዝተረፈ ደም ድማ ከትከት ዝበለ ኾይኑ ይስምዓና)። ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣካላት’ውን ይዕነድ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዅነታት ገምጊምና ምሕባእ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተ ኾይኑ፡ ንኽንውስን ዕድል ዝህበና እዩ። እቶም ኣብ ሓንጎልና ዝርከቡ ማእከላት ልበ-ስምዒታት፡ ሆርሞናት ብብዝሒ ከም ዝነዝዑ ስለ ዝገብሩ፡ ኣካላት ኣብ ሓፈሻዊ ተጠንቀቕን ወጥርን ኣትዩ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ይኸውን። ሃምን ቀልብን ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ጐኒፉ ዘሎ ስግኣት ብምቕናዕ፡ እቲ ዝሓሸ መልሰ-ግብሪ ንምውሳድ ኣብ ምግምጋም ይጽመድ።
ኣብ ግዜ ሓጐስ ዝኽሰቱ ስነ-ህይወታዊ ለውጥታት ኣለዉ፣ ኣብቲ ናይ ሓንጎል ማእከል፡ ንኣሉታዊ ልበ-ስምዒታት ዝገትኡ፡ ንህሉው ጸዓት ዘበርኹ፡ ንዘሻቕሉ ሓሳባት ዘህድኡ ንጥፈታት ይጽዕቁ። ኣካላትና፡ ካብቲ ብሰንኪ ሃወጽቲ ልበ-ስምዒታት ዝመጽእ ስነ-ህይወታዊ ምንቕቓሕ ቀልጢፉ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ዝገብሮ ፊዝዮሎጂካዊ ስኽነት ግን፡ ፍሉይ ለውጢ ኣየርእን እዩ። እዚ ኣቀዋውማ’ዚ ድማ ንኣካላትና ሓፈሻዊ ዕረፍቲ ሂቡ፡ ኣብ ኢድና ንዘሎ በበይኑ ዕማማት ንምፍጻምን ብዙሓት ዓይነት ሽቶታት ንምህራምን ፋሕተርተር ንምባልን ዘኽእል ድሉውነትን ህንጡይነትን ከም እንውንን ይገብረና።
ፍቕሪ፡ ለውሃታዊ ስምዒታትን ጾታዊ ዕግበትን ፓራሲምፓተቲካዊ ምንቕቓሕ ዘለዓዕሉ እዮም። እዚኦም ብፊዝዮሎጂካዊ ባህሮም ኣንጻር ናይቲ ብሰንኪ ፍርሕን ሕርቃንን ዝነቓቓሕ ናይ “ህደም ወይ መክት” ስምዒት እዮም። እዚ ፓራሲምፓተቲካዊ ኣቀዋውማ፡ ነቲ ናይ “ተዛንዮ መልሰ-ግብሪ” ኣብ መላእ ኣካላት ብምዝራእ፡ ህድኣትን ደስታን ብምፍጣር ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ የጣጥሕ።
ኣብ ግዜ ኣግርሞት ሸፋሽፍቲ ዓይኒ ምብራኽ፡ ኣልሚምካ ንምምልካትን ዝያዳ ብርሃን ኣብ ረቲና ኸም ዝበጽሕን ይገብር። እዚ ኸኣ ብዛዕባ’ቲ ሃንደበታዊ ፍጻመ ዝያዳ ሓበሬታ ብምእካብ፡ ብልክዕ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን እቲ ዝበለጸ ኽውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ንምምማይን ይሕግዝ።
ኣብ መላእ ዓለም መግለጺ ጽያነ ወይ ፍንፈና ተመሳሳሊ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ - ኣዝዩ ዘይጥዑም መቐረት ወይ ዓዲ ዘሕድግ ሽታ ወይ ተምሳሌታዊ ነገር። ዘፈንፍን ወይ ዘጸይን ነገር ኣብ ዘጓንፍ እዋን፡ ላዕለዋይ ሻንፈት ንጐኒ ይጥምዘዝ ኣፍንጫና ንእሽቶ ትሽምረር፣ እዚ እቲ ጐዳኢ ሽታ ናብ ኣካላትና ኸይኣቱ ንመሳኹቲ ኣፍንጫና ንምዕጻው ወይ ከኣ ነቲ መርዛም ምግቢ ንምትፋኡ ዝውሰድ ፍልመ-ፍጥረታዊ ፈተነ ምዃኑ ዳርዊን ይገልጽ።
እቲ ቐንዲ ዕማም ናይ ጓሂ፡ ነቲ ዘጓንፍ ሞት ቀረባ ቤተ-ሰብ ወይ መዓንጣ ኸብዲ ዝቐርጽ ፍጻመታት ምልምማድ እዩ። ሓዘን ነቶም ልሙዳት ንጥፈታት ህይወት ንምትግባር ዘድሊ መጠን ጸዓትን ውዕዉዕ መንፈስን ኣዝዩ የንቈልቍሎ፣ ብፍላይ ከኣ ምድሳትን ምዝናጋዕን ቦታ ይስእኑ። እቲ ጓሂ እናዓመቘን ናብ ቅዛነት እናተጸግዐን ብዝኸደ መጠን፡ ሜታቦልነት ኣካላት ይዝሕትል። እዚ ውሽጣዊ ግለላ፡ ንምውት ክትሓዝነሉ ወይ ተስፋ ስኢንካ ሕርር ኵምትር ዘበለካ ነገራት ኣብ ህይወትካ ዘምጽእዎ ሳዕቤናት ክትጭብጦ ዕድል ይፈጥረልካ። ብድሕር’ዚ እቲ ጸዓትካ ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ንቡር ንጥፈታትካ ‘ሀ’ ኢልካ ትጅምሮ። እዚ ረሸሽታ ወይ ሕጽረት ጸዓት፡ ሓዘን ከም ዘይወጻልካን ተነቃፍን ከም ትኸውን ስለ ዝገብር፡ ቀዳሞት ሰባት ካብቲ ውሕስነት ዝረኽብሉ ቤቶም ኣይርሕቁን ነይሮም።
እዞም ስነ-ህይወታዊ ኣመላት ተግባራትና፡ ተመክሮ ህይወትናን ባህልን’ውን ኣብ ምቕራጾም እጃም ኣለዎም። ንኣብነት ሞት ናይ እተፍቅሮ ሰብ ሓዘንን ጓህን ከስዕብ ልሙድ ኣድማሳዊ ተርእዮ እዩ። ግን ከኣ ንሓዘንና ብኸመይ ንገልጾ ማለት ንልበ-ስምዒታትና ብኸመይ ንድርጕሖም ወይ ኣብ ከብድና ንዓቝሮም፡ ብዓቢኡ ባህሊ ዝውስኖ እዩ። ማዕረ ማዕረኡ ድማ ምስቲ መዋቲ ዘሎና ቕርበት ንመጠንን ኣገላልጻን ሓዘንና ይጸልዎ እዩ።
እዞም ስምዒታዊ መልሰ-ግብርታት፡ ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ (ሚልዮናት) ዓመታት ዝወሰደ ፍልቀታዊ መስርሕ እዮም ቅርጺ ሒዞም ኣብ ሓንጎልና ተወቒሮም። ኣብቲ ቕደመ-ምዝጉብ ታሪኽ ዝነበሩ ደቅ-ሰባት፡ ከም ሓደ ዓይነት ፍጥረት፡ መብዛሕትኦም ኣዝዩ መሪር ክውንነት ኣሕሊፎም እዮም - ካብቶም ተወሊዶም ዝዓብዩ፡ ዝሞቱ ይበዝሑ፣ ዕድመ-ጸገብ ዝበሃሉ ውሑዳት ኣብ ዕድመ 35 እዮም ዝሞቱ ነይሮም። ሃደንቲ ኣራዊት ኣብ ዝኾነ ሰዓት ይጐብጦዎም፣ ምዕልቕላቕ ወሓይዝን ድርቅን ኣብ መንጐ ስርረትን ጥሜትን ዝቕርቅሩ ባህርያውያን ሓደጋታት እዮም ነይሮም። እንተ ኾነ፡ ምትእትታው ሕርሻን ኣዝዩ ዘይማዕበለ ጥርናፈ ደቅ-ሰባትን፡ ነቲ ናይ ምንባር ዕድል ዘደንቕ ለውጢ ኣምጽኣሉ። ኣብዞም ዝሓለፉ ዓሰርተ ሽሕ ዓመታት፡ እዞም ግስጋሰታት ናብ መላእ ዓለም እናተስፋሕፍሑ ምስ ከዱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቅ-ሰባት ዝነበረ ብርቱዕ ጸቕጥን ቀይድን በብቝሩብ እናፈዀሰ ኸይዱ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓደ ዓይነት ጸቕጥታት፡ ልበ-ስምዒታዊ መልሰ-ግብርታትና ንስርረትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ኸም ዝኾኑ ገይሮም እዮም። እናደኸሙ ብዝኸዱ ድማ ገለ ኻብቶም ኣብ ልበ-ስምዒታዊ መኽዘናትና ዝርከቡ ኽፋላት ድማ ግዜኦም ዘሕለፉ እናኾኑ ይኸዱ ኣለዉ። ኣብ ዘመን እኒእኒ፡ ጸጕርኻ ጠጠው ዘብል ሕርቃን ንስርረት ወሳኒ ነይሩ ይኸውን። ብኣንጻሩ ሓደ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት [ዝሓረቐ] ቈልዓ ኣውቶማቲክ ብረት ብቐሊሉ ኽረክብ ምኽኣል ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣዕናዊ መልሰ-ግብሪ ዝፈጥር እዩ።
