ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ንፋስ ወይ ምስ ንፋስ ዝተዛመደ እንታይ ብሂላት ንሰምዕ፧ ኣብ ከባቢና ንዝውረ፡ ወረታት ንምርግጋጽ፡ “እንታይ እዩ ዝነፍስ ዘሎ፧” ኢልና ንሓትት። ንሓደ ዘይርጉእን ዘይርጡብን ሰብ ከኣ፡ “ንፉስ” ኢልና ንጸርፍ። ደስ ዘብል ዜና ኣብ ዝውረየሉ ግዜ ኸኣ፡ “ጥዑም ንፋስ ይነፍስ ኣሎ፡” ንብል። ነዚ “ንፋስ” ዝብል ስያመ ምስ ፍጻሜታት፡ ወይ ምንቅስቓሳት ኣተኣሳሲርና ነዘውትሮ። እስከ ብዛዕባ ንፋስ ገለ ኽንብል።
ቦኽሪ ወዶም’ዩ። ንዓመታት ህይወት ናይ’ታ ስድራ ከም ዝመርርን ዝጽልምትን ዝገበረ ከኣ’ዩ። ኣብ ዓመት እንተዋሓደ ብስርቂ ክልተ ግዜ ቤት ማሓዪር ይኣቱ። ብባእሲ ስኒ ሰብ እናሰበረ ብዕዳ ዳር ትርኢቶም ኣርእይዎም’ዩ። ሓዳር የብሉን። ብናይ መስተ ወልፊ ስለ ዝተገዝአ፡ ምሸተ ምሸት ሰኺሩን ብሰባት ተደጊፉን እዩ ገዝኡ ዝኣቱ።
ኣብዚ መጽሓፍ ተጠሪዙ ካብ ዘሎ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናጸሓፍኩ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርጋሕክዎ ይርከቦ። ይኹን እምበር Scapegoat ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ብቻርሊ ካምበል ዝተጻሕፈት ምስ ነበብኩ፡ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ምስቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ዘሳኒ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣድላዪ እዩ ዝበልክዎ ምስቲ ካብ ካልእ ዝተወከስክዎ መጻሕፍቲ ኣዳዊሰ ጽሒፈዮ። ስለ ዝተተሓሓዘለይ ድማ ፈትየዮ።