እታ ኣደ

መም. ተስፋይ ባርያጋብር

ሕብረተሰባት፡ ጽሕፈት ቅድሚ ምጅማሮም፡ ብቓል ዝዝውተር፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ኣብ ኣእምሮ በሃልቱን ሰማዕቱን ዝስነድ፡ ዝተፈላለየ ብሂላት ነበሮም። ብኡ ኣቢሎም ከኣ፡ ንዝተፈላለየ መዳያት የካይዱዎም ንዝነበሩ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ፍጻሜታትን ይገልጽሉ ምንባሮም ታሪኽ ይምስክር።

እዘን ከም መምሃሪ ንንባብን ድርሰትን ክዀና ቐሪበን ዘለዋ ሓጸርቲ ቴማታት፡ ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ዝተረኽባ እየን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ዝተፈላለየ ቛንቋታት፡ ዝተፈላለየ ማሕበረ-ቝጠባዊ ኣቃውማታት፡ ዝተፈላለየ ባህልታት፡ ዝገሃድ ትሕዝቶ ኸኣ ኣለወን። ይዅን‘ምበር፡ እዚ ትሕዝቶታት’ዚ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያቱ ዝመሳሰል እዩ። ምኽንያቱ፡ ደቂሰብ ተመሳሳሊ ኣድማሳዊ ድሌታትን ባህግታትን ስለ እንውንን።

መንእሰያት ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ፊደላት ቋንቍኦም ምስ መለኹ፡ ምስ ዕድሚኦምን ዓቕሞምን ዝሳነ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ልምድን ባህልን ከማዕብሉ ዕድል ክረኽቡ ኣለዎም። ሓቂ እዩ፡ ኣብ ሓደ ግዜ፡ ብሃንደበት ወይ ብቕጽበት ዝዕምብብ ነገር የለን። ናብ ዕምባባን ፍረን ንኽበጽሕ ኣቐዲሙ፡ ክዝራእ ኣለዎ። ዓቕሚ ዘለዎም ጽሓፍቲ ኽፈርዩ ምእንቲ ኸኣ፡ ካብ መባእታ ጀሚሮም፡ ንጥፈታት ንባብን ጽሕፈትን ክለማመዱን ባህጊ ንባብን ጽሕፈትን ከሕድሩን ክመሃሩን ይግባእ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኸኣ መንእሰያት ከከም ዓቕሞም ንኽመሃሩሉ ዝሓለነ እዩ።

እዛ መጽሓፍ 18 ኣርእስትታት ኣለዋኣ። ገሊአን ዝተራዕማን ዝተተርጐማን ክዀና ከለዋ፡ ገሊአን ድማ ፈጠራዊ ልቢ ወለዳትን ትንታኔ ምስላታትን ብሂላትን ያታታትን እየን። ሓንቲ ኸኣ ኣብ ሓቀኛ ኣጋጣሚ ዝተመርኰሰት እያ። እቲ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ውሑድን ካልእ ጐድናዊ ስክፍታ ዘሕድርን’ኳ እንተመሰለ፡ ዋላ ሓደ ካብ ሽሕ እንተዀነት ከ! ንሓደ ከይመጽእ እትብሎ ጸገም ክትኣሊ፡ ንኻልእ ሳሕቲ ኸጋጥም ዝኽእል ጸገም ተአንግድ ማለት እዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣዝዩ ትሑት ዝብሃል ዕድል’ውን ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2026

    • ብዝሒ ገጻት፤ 128

    • ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ