Book cover with colorful traditional art on the left and dark brown background, titled in Amharic script.

ተረካብዓድዮ

በየነ ሰመረ

ኣብዚ መጽሓፍ ተጠሪዙ ካብ ዘሎ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናጸሓፍኩ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርጋሕክዎ ይርከቦ። ይኹን እምበር Scapegoat ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ብቻርሊ ካምበል ዝተጻሕፈት ምስ ነበብኩ፡ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ምስቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ዘሳኒ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣድላዪ እዩ ዝበልክዎ ምስቲ ካብ ካልእ ዝተወከስክዎ መጻሕፍቲ ኣዳዊሰ ጽሒፈዮ። ስለ ዝተተሓሓዘለይ ድማ ፈትየዮ። ደቂ ሰብ ንዝፍጽምዎ ጭካነን በደልን ወትሩ ግዳያት ወይ ተሰከምቲ ሓጢኣት የናድይሉ እዮም። ካብቲ ናቶም ዓሌት፡ ሃይማኖት ወይ ኣተሓሳስባ ይንእስ ወይ ይሓምቕ እዩ ናብ ዝበልዎ ሰብ ወይ እንስሳ ኣላጊቦም ድማ መርገምን መዓትን የውርዱ። እዛ መጽሓፍ እምበኣር ነዚ ንምድህሳስ ናብ ርሑቕ ዘመንን ሃገርን ዘይራ ንዘመንናን ንኣብ ህዝብና ዝነበረን ዘሎን ጉዳይ “ተረካብዕዳ” ዳህሲሳ እያ ተጠሪዛ ዘላ።

ናይ ወትሩ ድላየይ ፈጠራዊ ጽሑፍ ምጽሓፍ’ኳ እንተ ኾነ ‘ኣዴኻ ከም ዝለኣኸትካ ዘይኮነ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ’ ኮይኑኒ ብፍሉይ ነዚኣ ክጽሕፋ ወሲነ። ኣብዛ መጽሓፍ ታሪኽ ዝመስል፡ ናብ ፈጠራዊ ትሕዝቶ ዝዘዙ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ መጀመሪ ምዕራፍ ድማ ምስቲ ትሕዝቶ ይኸይድ እዩ ዝበልክዎ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝጸሓፍክዎ ግጥሚ ክጸንሓኩም እዩ። ኮሊሉ ኮሊሉ ግና ቴማ ናይዚ መጽሓፍ “ተረካብዓድዮ” ብታሪኽ ተደጊፉ፡ ብጽሑፍ ተወቂጡ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እዩ።