ታሪኽ ህይወት ማርታ መብራህቱ

እምነቱ ተስፋይ

ማርታ መብራህቱ ሓንቲ ካብተን ፍሉያትን ሓያላትን ተቓለስቲ ደቅ ኣንስትዮ ናይቲ ግዝየኣ እያ ነይራ። ሓደ ካብቲ ፍልይቲ ዘብላ፡ ካብ ስድራ ቤት ርኹባትን ሰበ-ስልጣንን ኮይና፡ ብዛዕባ ዝደኸዩ፡ ዝጠመዩን ዝተመዝመዙን ኣካላት ሕብረተሰብ ብልቢ እትግደስን ሓሳረ-መከራኦም ንምቅላል/ንምፍታሕን ትሓስብ ብምንባራ እዩ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድን ልዑል ክብርን መሃያን ዘውህብ ትምህርቲ ሕክምና ንኽትውድእ ሓደ ሰመስተር ምስ ተረፋ፡ ንኡ ራሕሪሓ ናብ ምሉእ ግዜ ቃልሲ ክትኣቱ ዝወሰነትን ዝተቓለሰትን ብጅግንነት ዝተሰውአትን ምዃና ምስተን ፍሉያት ውፉያት ደቅ ኣንስትዮ ዘስርዓ ብምዃኑ እዩ።

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ 20 ምዕራፋት ዝሓዘት ኮይና፡ እቲ 15 ምዕራፋት ዘጠቓለለ ቀዳማይ ክፋል ብቐጥታ ምስ ማርታ ታሪኻን ዝተኣሳሰረ ዝርዝራት ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካብ ምዕራፍ 16 ንደሓር ዘሎ ካልኣይ ክፋል ድማ ነቲ ጅግንነታዊ ስርሒት ብዓል ማርታ ዘራጉድ ንተራ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተሞክሮ ምጭዋይ ነፈርቲ ብደረጃ ዞባናን ኤርትራን ፖለቲካዊ መበገሲታቱን ዝድህስስ ሓፈሻዊ ትንታነ ብምቕራብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ታሪኻውን መበገሲ ናይቲ ንህይወት ብዓል ማርታ ዝወሰደ ስርሒት ብምንጻር ሰፊሕን ምዙንን መረዳእታ ንምሕዳር ዝዓለመ እዩ። እዚ ኣሰራርዓ ክልተ ክፋላት ካብቲ ልሙድ ኣቀራርባ ፍልይ ብዝበለ ካብ ዝርዝራዊ ናብ ሓፈሻዊ ኣሰራርዓ ዝተኸለ እዩ።

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብእምነቱ ተስፋይ