Book cover featuring a golden bust of a bearded man in classical style against a black background, with text in Amharic at the top and bottom, and a small emblem of an elephant in the bottom right corner.

ኣስተንትኖታት

ማርቆስ ኣውረልዮስ

ትርጕም፤ ኪዳነ ወ/ብርሃን

ኣስተንትኖታት ፡ ማርቆስ ኣውረልዮስ ንሕትመት ዓሊሙ ዘይኮነስ፣ ከም ዉልቃዊ መዘኻኸሪ ኣብ መዝገብ-ዝኽርታቱ ዝሓንጠጦም እኩባት ጽሑፋት እዮም። እቲ ኣርእስቲ ንባዕሉ’ውን ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ሞቱ ዝተዋህቦ እዩ። ስለዚ ድማ ዝኾነ ውሱን መስርዕ፡ ዕለትን ስርዓትን የብሎምን። መጽሓፍ ፩ ኣብ’ቶም ዝጸለውዎ ኣያታቱ ዘተኰረ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ እኽብካብ መተሓሳሰቢታት፡ ዝኽርታት፡ ትዕዝብትታት፡ ከምኡ’ውን ሓጸርቲ ፍልስፍናዊ ልምምዳት እዮም። ዘይስሩዕ ኣቀራርባ እኳ እንተሎዎም ብዙሓት ካብኣቶም ልዑል ጥበብን ጽባቐን ስነ-ጽሑፍ ዘንጸባርቑ እዮም። ብሓፈሻ ‘ኣስተንትኖታት’ ናይ መወዳእታ መልክዑ ዝሓዘ ክልሰ-ሓሳብ ዘይኮነ፡ ናይ ሓደ ፍትሕን ንጹር-ኣተሓሳስባን ክውንን ከምኡ’ውን ጸቕጥታት ምሕደራ ዓቢ ግዝኣት ክጻወር ዝቃለስ ዝነበረ ሰብ ህይወታዊ ሰነድ እዩ።

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኪዳነ ወ/ብርሃን