ከመ’ቦኺ ሕሰቢ ከመ’ደኺ ምሰሊ
ስቲቭ ሃርቪ
ትርጕም፤ ኪዳነ ወ/ብርሃን
ድሮ ቃል-ኪዳን ኣሲርኪ፡ ግዳኸ ምስ ሰብኣይኪ ዘሎኪ ዝምድና ዝያዳ ኸተትርሪ፡ ወይ ድማ ሰባኣይኪ ብዝጻወቶም ጸወታታት ኣልባብኪ ኣጥፊእኪ እንተለኺ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ተዘርዚሮም ንዝርከቡ መትከላት፡ ሕግታትን ሞቅሽሻትን ተጠቒምኪ ሰብኣይኪ ዝጻወቶ ዘሎ ጸወታ ቀዲምኪ ተረዲእኪ ክምክቶ ዘይክእል መጥቃዕቲ ወይ ክበስዖ ዘይክእል ድፋዕ ከተዋድዲ ኢኺ። ምኽንያቱ እመንኒ፤ እታ ክትጥቀምላ ዝጸናሕኪ መጽሓፍ ሕጊ-ጸወታ ግዜ ዝሓለፋ ኣረጊት ብምዃና፡ ደጊም ክትጥቀምላ ኣይትኽእልን ኢኺ።
ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ቐንዲ ኽትክተልዮ ዝጸናሕኪ ንሰብኣየይ “ክቕይሮ” ይኽእል እየ ዝብል ስልቲ እቲ ካብ ኵሎም ስልትታት ዝሰነፈን ፍሹልን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካልኦት ደቀንስትዮ ብመገዲ መጽሄታት ይኹን መደባት ተሌቪዥን ክንዲ ምንታይ ግዒረን ብዘየገድስ፡ ኣብ ደቅተባዕትዮ ፈጺሞም ክልወጡ ዘይክእሉ መሰረታውያን ነገራት ኣለዉ። ንሰብኣይኪ ክሳብ ክንደይ ለዊህክሉ ወይ ንኡ ክሳብ ክንደይ ብልጽቲ ኢኺ ብዘየገድስ፡ መሰረታውያን ባህርያቱ፡ ድርኺታቱ፡ ዘነቃቕሕዎ ነገራት፡ እንታይ የፍቅር ወዘተ ኽሳብ ዘይፈለጥኪ፡ ወትሩ ግዳይ እቶም ዝጻወቶም ጸወታታት ክትኮኒ ኢኺ።
ነዛ መጽሓፍ ምስ ዓጠቕኪ ግና ኣብ ዉሽጢ ኵነተ-ኣእምሮ ሰብኣይ ኣቲኺ ብዝበለጸ ኽትርድእዮ ኢኺ። መደባትኪ፡ ሕልምታትክን ባህግታትክን ከተተግብሪ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ምሳኺ ንዘለዓለም ክነብር መደብ ኣሎዎ ድዩ ዋላስ ንግዜኡ እዩ ዝዘናግዓልኪ ዘሎ ኽትፈልጢ ኢኺ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2025
ብዝሒ ገጻት፤ 203
ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ
