ሚልዮነር ጐረቤትና
ቶማስ ጀይ ስታንሊ፡ ዊልያም ዲ ዳንኮ
ትርጕም፤ ነቢይ ሓይለኣብ
ዕስራ ዓመታት ይገብር ሰባት ብኸመይ ከም ዝህብትሙ ንምፍላጥ ዝዓለመ መጽናዕቲ ኣበጊስና። ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዞና ሃብታማት ዝነብሩ ሰባት ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ነቲ ዕማም ፈሊምናዮ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ሓደ ዘይልሙድ ነገር ረኺብና። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ክቡር ኣባይቲ ዝነብሩን ኣዝየን ክቡራት ማካይን ዝውንኑን ሰባት ብዙሕ ሃብቲ ኸም ዘይብሎም ተገንዚብና። ቀጺልና’ውን ካልእ ዝገደደ ዘይንቡር ተርእዮ ኽንረክብ ከኣልና፣ ብዙሓት ካብ’ቶም ብዙሕ ሃብቲ ዝውንኑ ሰባት፡ ኣብቲ ኽቡር ዝበሃል ዞናታት ከም ዘይቅመጡ ዘካየድናዮ ዳህሳስ ኣረጋገጸልና።
እዛ ምስትውዓል እዚኣ ንህይወትና ቐይራቶ። እዛ ነገር'ዚኣ ንኻልኣየይ ቶም ስታንሊ፡ ካብ ሞያ ምምህርና ወጺኡ ናብ ኣመሪካውያን ሰብ ጸጋ ዝዓለማ ሰለስተ ናይ ንግዲ መጽሓፍቲ ኽጽሕፍን ንሰብ ጸጋ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንዘቕርባ ኾርፖረሽናት ኣማኻሪ ንክኸውንን ኣኽኢላቶ። ብተወሳኺ ንሸውዓተ ኻብተን ላዕለዎት ዓሰርተ ገንዘባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ኮርፖረይሽናት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ሰብ ጸጋ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣካይዱለን። ኣነን ቶም ስታንሊን ‘ኣተኵሮ ናብ ሰብ ጸጋ’ ዘርእስቱ ኣማኢት ዓውደ መጽናዕትታት ኣካይድና።
ንምንታይ እዮም ግን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ እንብሎ ተገዳስነት ኣሕዲሮም፧ ምኽንያቱ እቶም ናይ ብሓቂ ሰብ ጸጋ መን ምዃኖም ስለ ዘነጸርና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ተራ ሰባት ብኸመይ ሰብ ጸጋ ክኾኑ ኸም ዝኽእሉ ንጹር መረዳእታ ስለ ዘቕረብና እዩ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2023
ብዝሒ ገጻት፤ 356
ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ
-
“ሚልዮነር ጐረቤትና፡ ዳርጋ ዅሉ ርጉእ ስራሕ ዘሎዎ ሰብ ብርኩት ሃብቲ ኸጥሪ ኸም ዝኽእል እያ እተረድእ።”
Forbes
“ሚልዮነር ጐረቤትና እፈትዋ እየ። ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ሚልዮነራት፡ ሃብቶም ብውርሻ እዮም ረኺቦሞ ዝብል ጽዋ ተፍርሶ እያ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ድኻታት ካብ ባዶ ተበጊሶም ናብ ሃብቲ ኽበጽሑሉ ዝኽእሉ መገዲ ምፍጣርና እዩ።”
በርኒ ሳንደርስ
