Book cover with Amharic text, predominantly in red and black on a white background, against a light yellow backdrop.

ብስለምንታይ ንጀምር

ሳይመን ሲኔክ

ትርጕም፤ ነቢይ ሓይለኣብ

ዝኾነ ሰብ ይኹን ተቕዋም እንታይ ከም ዝገብሩ ኽገልጹዎ ይኽእሉ እዮም፣ ብኸመይ ካብ ካልኦት ከም ዝፍለዩ ወይ ዝበልጹ ኽገልጹ ዝኽእሉ’ውን ኣለዉ፣ ስለምንታይ ክገልጹ ዝኽእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኮነን - እዚኦም፡ ውጽኢታት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣና ዘነቓቕሓናን ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዘነቓቕሕን ነገራት እዩ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር፡ ስቲቭ ጆብስ፡ ደቂ ራይት ኮታስ ኵሎም ዘነቓቕሑና ዓበይቲ መራሕቲ ታሪኽና፡ ብሓደ ዓይነት መገዲ እዮም ዝሓስቡ፡ ዝሰርሑን መልእኽቶም ዘተሓላልፉን። ብስለምንታይ ንጀምር ከኣ ኣብ ሓያሎ ሓቀኛ ዛንታታት ዝተመርኰሰ ኣብነታት እና’ምጽአት ተቕዋማት ክንሃንጸሉ፡ ምንቅስቓሳት ክንመርሓሉን ሰባት ከነነቓቕሓሉን ዘኽእል መትከላት ቀሪባትልና ኣላ - ኵሉ ድማ ብስለምንታይ እዩ ዝጅምር።

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብነቢይ ሓይለኣብ