ቍንጫላት | Extracts
ብስለምንታይ ንጀምር
ዝኾነ ሰብ ይኹን ተቕዋም እንታይ ከም ዝገብሩ ኽገልጹዎ ይኽእሉ እዮም፣ ብኸመይ ካብ ካልኦት ከም ዝፍለዩ ወይ ዝበልጹ ኽገልጹ ዝኽእሉ’ውን ኣለዉ፣ ስለምንታይ ክገልጹ ዝኽእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኮነን - እዚኦም፡ ውጽኢታት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣና ዘነቓቕሓናን ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዘነቓቕሕን ነገራት እዩ።
ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ብራና
ኣብዛ ማራኺት ኖቨል’ዚኣ ህቡብ ጸሓፊ ፓውሎ ኮልዮ እታ ኣብ ድርኵዂት ብርሰት ዝነበረት ከተማ ዝስምዓ ዝነበረ ጓሂ ብግሩም ኣገባብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እቶም ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ህዝቢ ነቲ ቁብጢ ምኽርን ምጽንናዕን ሃሪፎም ይሓቱዎ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ንመዓልታዊ ህይወትና ዝቐርጽ መትከላትን ስለምንታይ ንዕንወት እየሩሳሌም ሓሊፎም ንወለዶታት ከም ዝነብሩን ይነግሮም። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንፍቕሪ፡ እምነት፡ ጾታዊ ርክብ፡ ዕርክነት፡ ጽባቐ፡ እሙንነት፡ ዓወትን ሕብረትን ከምኡ’ውን ንምንጭታት ፍርሕን ሻቕሎትን ሰባት ብዝምልከቱ ምሳሌታት ዝቘመት እያ።
ሓይሊ ራእይ
ራእይ፡ ምንጭን ተስፋን ህይወት እዩ። እቲ ንደቅሰብ ዝተዋህበ ዝዓበየ ህያብ፡ ርእየት ዘይኮነስ ራእይ እዩ። ምርኣይ ናይ ዓይኒ ተግባር ክኸውን ከሎ፡ ራእይ ግን ናይ ልቢ ተግባር እዩ። “ዝርኢ ዓይኒ ምውናን ልሙድ እዩ፣ ዘስተውዕል ዓይኒ ምውናን ግና ብዙሕ ኣይርከብን እዩ።” ብዘይ ራእይ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ይኹን ብሉጽነት ወይ ብቕዓት ዘሎዎ ተግባር ኣይምተገብረን። ብዘይ’ቲ ኻብዚ ምስጢራዊ ምንጪ እንብሎ ራእይ ዝርከብ መነቓቕሒ ሓይሊ ድማ ምህዞ፡ ምዕባለ ወይ ዓበይቲ ርኽበታት ብፍጹም ኣይምሃለዉን።
ሳፕየንስ
ቅድሚ ኣስታት 13.5 ቢልየን ዓመታት፣ ነገር፡ ጸዓት፡ ግዜን ህዋን ዓቢ ነትጒ ኢልና ብእንጽውዖ ፍጻመ ናብ ህላውነት መጽኡ። ነዞም መሰረታውያን ባእታታት ኣድማስና ዝምልከት ዛንታ፡ ስነ-ግኡዝ (physics) ይብሃል።
ድሕሪ ኣስታት 300,000 ዓመታት ናይ ክስተቶም ድማ ነገርን ጸዓትን ተወሃሂዶም ኣቶም ዝብሃሉ ፍሉያት ቅርጽታት ፈጠሩ፣ ኣቶማት ድማ ተወሃሂዶም ቅዉማት (molecules) ሰርሑ። ንኣቶማት፡ ቅዉማት ከምኡ’ውን ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዝምድና ዝምልከት ዛንታ፡ ስነ-ቐመም (chemistry) ይብሃል።
Baba Abura Baba Bara
Sellasitab molala woyna awa udamowa kodaña Mayik si nafalinasoke. Abasi kokalokayamowabbu kosasa itañala abatte Mayik ette ditta barella koskinamme. Mayikna woyna kosasa itowalle bakatabu deya uwama. Okodabubiya baremme ditta woyna dedellowaye beyizbol guanta taamena,, miškeletta taamena okodoka ellidena kinna koynake. Ašañe ñada, ita (sella), kowedana tuleda košama datellena kosukasoke ditta woynakin añada maynamaynamme. Awa ‟ košima data henuya sana nisanana dadaski ” udakinake. Maggošama date okoskoynake išaditta deda galle 9 kinamasi kišana sana koskinamme.
ኣቶማዊ ልምድታት
ሕጂ ናብታ ኣገዳሲት ሕቶ ንምጻእ፥ ንሸቶታትካ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ኣገባብካ ጥራይ እንተ ’ድሂብካ ኽትዕወት ትኽእልዶ? ናይ ኲዕሶ እግሪ ኣሰልጣኒ ኢኻ ንበል። ጐብለል ናይ ምዃን ሸቶኻ ዕሽሽ ኢልካ፡ ኣብቲ ጋንታኻ ተካይዶ መዓልታዊ ልምምድ ጥራይ እንተ ’ድሂብካ ውጽኢታት መመዝገብካዶ?
ኣበር ከዋኽብትና
ሓጋይ ኣብ ምውድኡ ኣብ መበል 17 ዓመተይ፡ ማማ ኣብ ጭንቀት ምእታወይ ርጉጽ ገይራቶ። ገለ ካብ ምኽንያታታ፥ ካብ ገዛ ምውጻእ ስለ ዝገደፍክዎ፡ ኣብ ዓራት ስለ ዝውዕል፡ ንሓንቲ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ስለ ዘንብብ፡ መግቢ ብዙሕ ስለ ዘይበልዕ፡ ዝበዝሐ ካብ ናጻ ግዜይ ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣብ ምሕሳብ ስለ ዘሕልፎ ዝብሉ’ዮም ነይሮም።
ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን
ሓደ እዋን፡ ጓል ሓወይ ዮሴፊን ካርንጌ ናብ ኒው ዮርክ ከም ጸሓፊተይ ክትሰርሕ መጽአት። ጓል 19 ዓመት እያ ነይራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኻብ ትውድእ ሰለስተ ዓመታት ገይራ ነይራ፣ ናይ ንግዲ ተመክሮኣ ድማ ኻብ ዜሮ ብቑሩብ ይሓይሽ ነይሩ። ምስ ግዜ ሓንቲ ኻብ’ተን ዝበለጻ ጸሓፍተይ ክትከውን ክኢላ እያ፣ ኣብቲ መጀመርታ ግን - ኤእ፡ ብዙሕ ንፍዕቲ ኣይነበረትን። ሓንቲ መዓልቲ ኽነቕፋ ምስ ሓሰብኩ፡ ንነብሰይ፥ “እስከ ሓንሳእ ደይል። ዕድሜኻ ክንዲ ዕጽፊ ናይ ዮሴፊን’ዩ። ካብ ናታ ዓሰርተ ሽሕ ዕጽፊ ዝኸውን ተመክሮ’ሎካ። ከመይ ጌርካ ኸም ናትካ ኣጠማምታ፡ ምምዝዛንን ተበግሶን ክህሉዋ ትጽበ? ንስኻ ወዲ 19 ከለኻ ከመይ ዓይነት ሰራሕተኛ ኔርካ? እቲ ዝፈጸምካዮ ጌጋታትን ውርደታትን እስከ ዘክሮ።” በልኩዋ።
ትርጕም ምንባር
ማህረምቲ በታ ዝነኣሰት ትብሃል በደል፡ ሓንሳእ ሓንሳእ’ሞ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፡ ይወርደና ነበረ። ንኣብነት፤ ሓደ እዋን፡ ባኒ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታና ስለ ንዕደል ተሰሪዕና ንጽበ ነበርና። ብድሕረይ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ሓደ ወገን ብሰንኪ ምዝዛዩ መስርዕና ትኽ ዘይምባሉ ዘየሐጐሶ ኣባል ጸጥታ ሃንደበት ብድሕረይ መጺኡ ኽልተ ግዜ ርእሰይ ክሃርመኒ ተፈለጠኒ። ኣብ ጐነይ ኮይኑ ብበትሪ ኸም ዝሃረመኒ ጸኒሐ እየ ኣስተብሂለ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት፡ እቲ ቐንዲ ዘሕምመካ ኣካላዊ ቓንዛ ኣይኮነን (እዚ፡ ኣብ እኹላት ሰባት ይኹን ቈልዑ ሓደ እዩ)። ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይርትዓውነት ናይቲ ማህረምቲ ዝስምዓካ ኣእምሮኣዊ ቓንዛ ይብእስ።
48 ሕግታት ሓይሊ
እቶም ልዕሌኻ ዘለዉ ልዕሌኻ ምዃኖም ክስምዖም ኣለዎ። ንዓኦም ከተሐጒስ ወይ ከተደንቕ ክትብል፡ ክእለታትካ ኽሳብ ምርኣይ ኣይትብጻሕ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፍርሕን ትሑት ነብሰተኣማንነትን ከም ዝስምዖም ኢኻ ክትገብር። ንጐይቶትካ ኻብቲ ዝለዉዎ ንላዕሊ ዝበልጹ ኾይኖም ከም ዝርኣዩ ግበር’ሞ፡ ሓይሊ ኽትጭብጥ ኢኻ።
ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት
ሃሪ፡ ነቲ ጥርሑ ዝነበረ ወርቃዊ ሸሓኒኡ ምስ ጠመቶ፡ ጥሜት ተሰምዖ።
ኣልበስ ዳምብልዶር ተንስአ። ገጹ ብፍሽኽታ ተዀሊዑ፡ ኣእዳው ዘርግሐ።
“እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና! ሕጂ’ውን ኣብ ሆግዎርትስ ሓዳስ ዓመት ክንፍልም ኢና። ቅድሚ ናብዚ ድግስ ምእታውና ግን ምስዚ መግቢ ከተስተማቕሩወን ዝደልየኩም ገለ ቓላት ወስ ከብል። ንሳተን ድማ፣ ድንቍርና፡ ማዕርነት፡ ፍርሒ፡ ኣድልዎ!
“በሉ እጅገና ሰብሲብና ነዚ መግቢ ሓመድ ነስሕኖ። የቐንየለይ!”
ተመሊሱ ኮፍ በለ። ኵሎም ኣጣቕዑ፣ ሃሪ ግን ሰሓቕ መለቘ።
ወዲ ሃብታምን ወዲ ድኻን
“ንሰዓት ዓሰርተ ሳንቲም ክኸፍለኩም እየ፡”
ዋላ ብናይ 1956 ደረጃ፡ ዓሰርተ ሳንቲም ትሑት ነበረ።
ኣነን ማይክን ንኣቦኡ ሰዓት ሸሞንተ ንግሆ ኢና ረኺብናዮ። ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ስራሕ ጸንሓና። ናይታ ኩባንያ ህንጻኡ ኣካያዲ ስራሕ ብማኪናኡ እናተበገሰ እየ ናብታ ንእሽቶን ጽፍፍትን ገዛኡ በጺሐ። ማይክ ኣብ ማዕጾ ረኸበኒ።
“ባባ ተሌፎን ይዛረብ ኣሎ፣ ኣብዚ ገበላ ጽንሑ ኢሉኒ።” በለ ማይክ ማዕጾ እናኸፈተ።
