ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት
ሃሪ፡ ነቲ ጥርሑ ዝነበረ ወርቃዊ ሸሓኒኡ ምስ ጠመቶ፡ ጥሜት ተሰምዖ።
ኣልበስ ዳምብልዶር ተንስአ። ገጹ ብፍሽኽታ ተዀሊዑ፡ ኣእዳው ዘርግሐ።
“እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና! ሕጂ’ውን ኣብ ሆግዎርትስ ሓዳስ ዓመት ክንፍልም ኢና። ቅድሚ ናብዚ ድግስ ምእታውና ግን ምስዚ መግቢ ከተስተማቕሩወን ዝደልየኩም ገለ ቓላት ወስ ከብል። ንሳተን ድማ፣ ድንቍርና፡ ማዕርነት፡ ፍርሒ፡ ኣድልዎ!
“በሉ እጅገና ሰብሲብና ነዚ መግቢ ሓመድ ነስሕኖ። የቐንየለይ!”
ተመሊሱ ኮፍ በለ። ኵሎም ኣጣቕዑ፣ ሃሪ ግን ሰሓቕ መለቘ።
“ቍሩብ ጥዕና ይጐድሎ ድዩ’ታ? እንታይ’ዩ ክብል ጸኒሑ?” ሃሪ ንፐርሲ ሓተቶ።
“እንድዒ፡” መለሰሉ ፐርሲ፣ “ኣዝዩ በሊሕ’ዩ፣ እቲ ዝበለጸ ጠንቋላይ ኣብ ዓለምና’ዩ። ግን እወ ዘረባኡ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣይርድኣካን’ዩ። ጠባዩ ፍሉይ’ዩ። ሃሪ፡ ድንሽ በል ሓዝ።”
ሃሪ ኣፉ ሃህ ኣበለ። ኣብ’ቶም ጥርሖም ዝጸንሑ ሸሓኒታት በብዓይነቱ መግቢ ተዀሚሩ ጸንሖ። ሃሪ፡ ክንድኡ ዝኣክል ዓይነት መግቢ ርእዩ ኣይፈልጥን። ቅልዋ ስጋ፡ ጥብሲ ደርሆ፡ ሞርቶዴላ፡ ግዕዝም፡ ቢስተካ፡ ብሱል ድንሽ፡ ቅልዋ ድንሽ፡ መረቕ ስጋ፡ ኬቻፕ ....
እንዳ ዳርስሊ ንሃሪ ኣጥምዮሞ ኣይፈልጡን፣ ከም ድልየቱ ዝተመገበላ መዓልቲ ግን ኣይትዝከሮን። ዳድሊ ኸኣ ብኽቱር ቅንኢ፡ ዝኾነ ንሃሪ ደስ ዝበሎ ዓይነት መግቢ ይምንጥሎ ነበረ። ሕጂ ግን ሃሪ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ወሲዱ ኣብ ሸሓኒኡ ጸፍጸፎ።
“ኣፍካ ማይ ዘምልእ፡” በለ እቲ ቕድሚ ገለ እዋን ዝረኸቡዎ ገፍላው ኳሌታ ዝወደየ መንፈስ። ሃሪ፡ ነታ ዝቘርጻ ዝነበረ ቢስተካ ገዲፉ ጠመቶ።
“ክትበልዕ ኣይትኽእልን ዲኻ?”
“ንኣስታት ሓምሽተ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን መግቢ ኣይለኸፍኩን፡ ኣየድልየንን’ዩ፡ ግን ኣዝየ’የ ዝናፍቖ። ኣይተላለናን ሓቀይ? ሰር ሮበርት ደ ሚምሲ-ፖርፒንተን እብሃል፡ ተቐማጢ ግምቢ ኣሰድ’የ።”
“እዋእ! ንኣኻ ደኣ እፈልጠካ’ንድየ፡ ኣሕዋተይ ነጊሮምኒ ነይሮም፡ ርእስ’ልቦ ሮበርት’ንዲኻ ትብሃል።” በለ ሮን ሃንደበት።
“ሰር ሮበርት እንተ ትብለኒ---” ምስ ጀመረ እቲ መንፈስ፡ ሸይመስ ፊኒጋን ዀለፎ።
“ርእስ’ልቦ? ከመይ ጌርካ ርእስ’ልቦ ትኸውን?”
ሰር ሮበርት፡ ዕላሎም ብዘይደለዮ መገዲ ብምኻዱ ዝዀረየ መሰለ።
“ግደ ሓቂ’ኳ ዳርጋ ርእስ’ልቦ እየ፡” በለ’ሞ፡ ጸጋመይቲ እዝኑ ወጠጣ። ብምሉኣ ርእሱ፡ ካብ ክሳዱ ንቕድሚት ነው ኢላ ጠልጠል በለት። ርእስ’ልቦ ሮበርት፡ ነቲ ዝቐዘዘ ገጾም ርእዩ ተሓጐሰ። ንርእሱ ናብ ቦታኣ መሊሱ፡ ስዒሉ ዘረባኡ ቐጸለ። “እሞ ሓደሽቲ ኣሰዳውያን፡ ሎምዘመን ነታ ዋንጫ ክንዓትራ ትሕግዙና ዲኹም? ኣሰድ ናይ ክንድ’ዚ ዓመታት ጽምኢ ርእያ ኣይትፈልጥን’ያ። ኣርዌን ብተኸታታሊ ንሽድሽተ ዓመታት ተዓዊቶምላ’ለዉ። እቲ ምቝሕ መስፍን መዓልቲ መዓልቲ እናፈከረ ርእስና ኽፍንቅለና ደልዩ፣ ናይ ኣርዌን መንፈስ ንሱ’ዩ።”
ሃሪ፡ ናብቲ ናይ ኣርዌን ጠረጴዛ ኣማዕደወ። ዘርዕዳ፡ ስምዒት-ኣልቦ ኣዒንቲ ዝነበሮ፡ ብሩራዊ ደም ዝተጸየቐ ልብሲ ዝተኸድነ ማሕቋቝ ዝገጹ መንፈስ ረኣየ። ካብ ኵሉ ዘፍርሕ ድማ ዝባኑ ብሰንሰለት ዝተኣስረ ነበረ። ኣብ ጐድኑ ኸኣ - ምስቲ ዘፍርሕ መንፈስ ኮፍ ምባሉ ደስ ዘይበሎ - ኣልዋን ነበረ።
“ናይ ምንታይ ደም ደኣ’ዩ ተጸዪቑ? እቲ ሰንሰለትከ ናይ ምንታይ’ዩ?” ሓተተ ሸይመስ ብዓቢ ተገዳስነት።
“ዘየድልየካ ምሕታት ጽቡቕ ኣይኮነን፡” መለሰሉ ርእስ’ልቦ ሮበርት ዕጥይጥይ እናበለ።
ኵላቶም ክሳዕ ዝጸግቡ ድሕሪ ምብላዖም፡ እቲ ትርፍራፍ ካብቲ ሸሓኒታት ተሰወረ። ቍሩብ ጸኒሖም መመቀር-ኣፍ ዝኾኑ ምቍር መግቢ ሰዓቡ። ቶርታ ቱፋሕ፡ ዶልሺ መዓር፡ ዶልሺ ቾኮላታ፡ ማርመላታ ዝተለኽዩ ዶናት ....
ሃሪ ዶልሺ መዓር እናበልዐ፡ ብዛዕባ ስድራቤት ዕላል ተኸፍተ።
“ኣነ’ኳ ፍርቂ-ፍርቂ’የ፡ ኣቦይ መሃንስራ’ዩ። ኣደይ ክሳዕ ዝምርዓዉ ጠንቋሊት ምዃና ኣይነገረቶን፡ ከምታ መዓልቲ’ቲኣ ሰንቢዱ ኣይፈልጥን’ዩ።” በለ ሸይመስ።
ኵሎም ሰሓቑ።
“ንስኻኸ ኔቭል?” በለ ሮን።
“ዓባየይ’ያ ኣዕቢያትኒ፡ ጠንቋሊት’ያ፡” ጀመረ ኔቭል፣ “ቤተሰብና ከም መሃንስራ’ዮም ቀቢጾምኒ። ሓው ዓባየይ ኣልጂ ኣዘንጊዑ ገለ ናይ ጥንቈላ ሓይሊ ከውጽኣለይ ይፍትን ነይሩ። ሓደ ግዜ ካብ ድንድል ብላክፑል ደርቢዩኒ፡ ዳርጋ ጥሒለ ነይረ። ግን ክሳዕ ሸሞንተ ዝመልእ ዘጋጠመ ፍሉይ ነገር ኣይነበረን። ሓደ ግዜ ባባ ኣልጂ ገዛና መጺኡ። ካብ ናይ ላዕለዋይ ደርቢ መስኮት ብዓንካርዓንካሪተይ ኣንጠልጢሉኒ ኸሎ፡ ሓብቲ ዓባየይ ኤኒድ ዶልሺ ከተቐብሎ ምስ መጸት ከይፈለጠ ፈንዩኒ። ግን ከይተሃሰኹ ከረውረው እናበልኩ ወሪደ። ሽዑ ኵሎም ተሓጕሶም፡ ዓባየይ’ሞ ነቢዓ። ካብ ሆግዎርትስ ደብዳበ ምስ መጽኣኒ ኣዝዮም’ዮም ተገሪሞም፡ ምሉእ ጠንቋላይ ክኸውን ኣይተጸበዩኒን። ባባ ኣልጂ ድማ ኣመና ስለ ዝተሓጐሰ ጋዝዕ ገዚኡለይ።”
በቲ ሓደ ወገን ድማ ፐርሲ ዊዝሊን ሄርማይኒ ግሬንጀርን ብዛዕባ ትምህርቲ ዕላል ከፈቱ።
“ቀልጢፎም እንተ ዘጀምሩና ጽቡቕ ነይሩ። ብፍላይ ለውጠቕርጺ ተሃንጥየ ኣለኹ፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ምቕያር ስለ ዝኾነስ ... ግን ድማ ብርትዕ ኢሉ’ዩ ሓቀይ?”
“እወ፡ ብንኣሽቱ ነገራት ኢኹም ክትጅምሩ። መጀመርታ ክርቢት ናብ መርፍእ ምልዋጥ ኢኹም ክትመሃሩ ...”
እቲ ዝኣኽሎ መግቢ ዝተመገበ ሃሪ፡ ሙቐት ተሰምዖ፣ ክታኸስ’ውን ጀመረ። መሊሱ ናብቲ ልዑል ጠረጴዛ ኣማዕደወ። ደርማስ፡ ዋንጫኡ ካብ ኣፉ ኣይፈለየን። ፕሮፌሰር ማክጎናጋል ምስ ፕሮፌሰር ዳምብልዶር ትዘራረብ ነበረት። እቲ መጠምጠምያ ኣብ ርእሱ ወድዩ ዝነበረ ፕሮፌሰር ሰፈሩ ድማ ምስ ሓደ ጸማልያ ዝገጹ መምህር የዕልል ነበረ። እቲ መምህር፡ ቅብኣት ዝበዝሖ ዝመስል ጸሊም ጸጕርን ዓንቃሪቦ-መሰል ነዋሕ ኣፍንጫን’ውን ነበሮ።
ሃንደበት’ዩ ኣጋጢሙ። እቲ ነዊሕ ኣፍንጫኡ መምህር፡ ናይ ሰፈሩ መጠምጠምያ ብኸፊል ከዊሉዎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ጠመተኡ ክንዮኡ ብምስዳድ ናብ ሃሪ ጠመተ። ሃሪ ኸኣ በሰላኡ ብቓንዛ ኣንደደቶ።
“ሃይ!” በለ ንበሰላኡ ብኢዱ እናደረዘ።
“እሂ ደኣ?” ሓተቶ ፐርሲ።
“ዋ-ዋላሓንቲ ...”
እቲ ቓንዛ፡ ከም ኣመጻጽኣኡ ቀልጢፉ ጠፍአ። ሃሪ፡ ካብ ኣዒንቲ ናይቲ መምህር፡ እቲ መምህር ከም ዘይፈትዎ ተገንዘበ።
“እቲ ንፕሮፌሰር ሰፈሩ ዝዛረቦ ዘሎ መምህር መን ይብሃል?” ሓተቶ ንፐርሲ።
“ንሰፈሩ ደኣ ኣበይ ትፈልጦ? ፕሮፌሰር ኣኪየስ’ዩ ዝብሃል። መምህር ናይ ቅመማ’ዩ። ግን ቀዳመይቲ ምርጫኡ ኣይኮነትን፡ ሕልሙ ናይ ሰፈሩ ቦታ’ያ። ኣኪየስ ብዛዕባ ከይሲ ጥበባት ዘይፈልጦ የሎን።”
ሃሪ ንኣኪየስ ሓንሳእ ጠመቶ፡ ንሱ ግን ደጊሙ ኣይጠመቶን።
እቲ ምቁር መግቢ ምስ ተሰወረ፡ ፕሮፌሰር ዳምብልዶር ብድድ በለ። እሕሕታ ምስ ኣስምዐ፡ እቲ ኣዳራሽ ጸጥ በለ።
“ዝዛረቦ ስለ ዘሎኒ፡ ብጽሞና ስምዑኒ። ንተመሃሮ ቐዳማይ ዓመት፡ እቲ ኣብ መሬት ሆግዎርትስ ዘሎ ዓቢ ዱር ክልኩል ምዃኑ ክሕብር እደሊ። እቶም ዓበይቲ’ውን ነዚ ኣይትረስዑዎ።”
ዳምብልዶር፡ ነተን ኣንጸባረቕቲ ኣዒንቱ ናብ’ቶም ማናቱ ዊዝሊ ገጹ ሰደደን።
“ናይ ጽሬትን ጸጥታን ተቘጻጻሪና፡ ኣቶ ባልዋይ፡ ኣብ ኮረድዮታት ጥንቈላ ምክያድ ከም ዘይፍቀድ ደጊሙ ኣዘኻኽረለይ ስለ ዝበለኒ፡ ምሕጽንታኡ ክትሰምዑ ሓደራ እብለኩም።
“ካልእ … ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ በረራ ስልጠናታት ክፍልም’ዩ። ብተወሳኺ፡ ንናይ ገዛኹም ጋንታ ወኪልኩም ክትጻወቱ እትደልዩ ተመሃሮ ምስ ናይ ገዛኹም ሓለቓ ክትረዳድኡ መሰል ከም ዘሎኩም ክሕብር እፈቱ።
“ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንዅሉኹም ተመሃሮ፡ ኣብ የማናይ ወገን ናይ ሳልሳይ ደርቢ ትርከብ ኮረድዮ ክልክልቲ’ያ። ናብኣ ገጹ ተንከስ ዝበለ ኸኣ ንጣዕሳ ዝኸውን ግዜ’ውን ከይረኸበ፡ ብዘሰቅቕ ኣገባብ ህይወቱ ክስእን’ዩ።”
ሃሪን ገለ ሒደት ካልኦትን ሰሓቑ። “ሓቁ ድዩ?” ሓተቶ ንፐርሲ።
“ክኸውን ኣለዎ፡ ብዘይ ምኽንያት ዝኾነ ነገር ክንፍጽም ሓቢሩና ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብቲ ዓቢ ዱር’ኳ ሓደገኛ ኣራዊት ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ’ዚ ግን እንተ ወሓደ ንኣና ንሓለውቲ ተመሃሮ ኽነግረና ነይሩዎ።” በለ ፐርሲ ተጸዊጉ።
