48 ሕግታት ሓይሊ
ሕጊ 1
ልዕሊ ጐይታኻ ኣይትረአ
ሓጺር መግለጺ
እቶም ልዕሌኻ ዘለዉ ልዕሌኻ ምዃኖም ክስምዖም ኣለዎ። ንዓኦም ከተሐጒስ ወይ ከተደንቕ ክትብል፡ ክእለታትካ ኽሳብ ምርኣይ ኣይትብጻሕ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፍርሕን ትሑት ነብሰተኣማንነትን ከም ዝስምዖም ኢኻ ክትገብር። ንጐይቶትካ ኻብቲ ዝለዉዎ ንላዕሊ ዝበልጹ ኾይኖም ከም ዝርኣዩ ግበር’ሞ፡ ሓይሊ ኽትጭብጥ ኢኻ።
እዚ ሕጊ ኽጠሓስ ከሎ
ካብ ቀዳሞት ሚኒስተራት ፋይናንስ ናይ ንጉስ ሉዊ 14 ዝነበረ ኒኮላ ፉኬ፡ ውዕዉዕ ድግሳት፡ ጽቡቓት ጐራዙን ግጥምን ዝፈቱ ለጋስ ሰብ እዩ ነይሩ። መነባብሮኡ ኣዝዩ ገፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ገንዘብ’ውን ይፈቱ ነይሩ። ፉኬ፡ ንፉዕን ነቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ብምንባሩን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ 1661 ምስ ዓረፈ ተካኢኡ ኽምረጽ ተስፋ ገበረ። እቲ ንጉስ ግን ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዝብሃል መዝነት ብዓቢኡ ኣለዮ። ፉኬ እዚን ካልእን ምልክታት ምስ ኣስተብሃለ ምስቲ ንጉስ ዝነበሮ ዝምድና ንምምሕያሽ ዓለምና ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዓቢ ድግስ ከዳሉ ወሰነ። እቲ ድግስ ነቲ ተሃኒጹ ዝተፈጸመ መንበሪ ቤት ናይ ፉኬ ንምምራቕ ተባሂሉ ኽዳሎ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ግን ነቲ ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኑ ዝተዓደመ ንጉስ ሉዊ ንምምጓስ ነበረ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ክቡራትን ምሁራትን ኤውሮጳ ናብቲ ድግስ ተዓዲሞም መጽኡ። እቲ ድግስ ሸውዓተ ዓይነታት መግቢ ብዝነበሮ ድራር ጀመረ። እቲ መግቢ፡ ገሊኡ ዝበዝሑ ዕዱማት ጥዒሞሞ ዘይፈልጡ ኻብ ሃገራት ምብራቕ ዝመጽአ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ድማ ነታ ሽዓ ምሸት ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ዓይነት ነበረ። ምስቲ መግቢ ድማ ንኽብሪ’ቲ ንጉስ ዝተዳለወ ሙዚቃ ይህረም ነበረ።
ድሕሪ ድራር፡ እቶም ዕዱማት ነቲ ሓድሽ ርሻን ተዛዋዊሮም ተዓዘቡዎ። ንጉስ ሉዊ፡ ንቨርሳይ (ቤተመንግስቱ) ካብዚ ናይ ፉኬ መንበሪ ርሻን ተበጊሱ ኸም ዝሰርሖ እዩ ዝዝረብ።
ፉኬ ምስቲ መንእሰይ ንጉስ ብምዃን ነቲ እጹብ ስፍራ ኣታኽልቲ ተዓዘቡዎ። ኣብቲ ደረት ምስ በጽሑ ድማ ስርሓተ ሓዊ ተተኰሰ፣ ተዋስኦ ድማ ተዓዘቡ። እቲ ድግስ ዳርጋ ምሉእ ለይቲ ቐጸለ። ዝበዝሑ ዕዱማት ድማ እቲ ዝበለጸ ድግስ ናይ ህይወቶም ምንባሩ ተሰማምዑሉ።
ንጽባሒቱ ፉኬ በቲ ንጉስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ግምጃ ናይታ ሃገር ብምስራቕ ተኸሰሰ። (ሓቂ ንምዝራብ፡ ዝበዝሐ እቲ ዝሰረቖ ብስምን ፍቓድን እቲ ንጉስ ዘካየዶ እዩ ነይሩ።) ፉኬ ገበነኛ ኾይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ናብታ ዝጸመወት ቤትማእሰርቲ ናይ ፈረንሳ (ኣብ ኣኽራን ፒሬኔ እትርከብ) ተወሲዱ ዝተረፈ ዕስራ ዓመታት ናይ ህይወቱ ኣብ ብሕታዊ ማእሰርቲ ኣሕለፎ።
ትርጒም
ነዚ ፍጻመ ንተንትኖ። ኣብታ ምሸት’ቲኣ ፉኬ ሓደ ኻብቲ ሓደ ዘይሰንፍ ብሉጽ ምርኢት ንሉዊ ኸርእዮ ኸሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንጉስ ዘሎዎ ተማእዛዝነትን ተወፋይነትን ዘርኢ ዝነበረ እዩ መሲሉዎ። እቲ ንጉስ ክፈትዎ ጥራይ ዘይኮነ ተጸብዩ፡ እቲ ንጉስ፡ ነቲ ዘሎዎ ኽእለትን ህቡብነትን ርእዩ ኸም ቀዳማይ ሚኒስተር ክጠቕመኒ እዩ ኢሉ ኽሓስብ’ውን ተጸብዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን ዘዝገበሮ ብሉጽ ትርኢትን ዘዝረኸቦ ኽምስታ ዕዱማትን ነቲ ንጉስ፡ ገዛእ ፈተውቱን ህዝቡን ካብኡ ንላዕሊ ብናይ ፋይናንስ ሚኒስተሩ ኸም ዝድነቑ እዩ ኣርእዩዎ። እቲ ንጉስ፡ ናይ ፉኬ ክእለትን ተወፋይነትን ዘይኮነ ናይ ፉኬ ሃብትን ሓይልን እዩ ተራእዩዎ። ፉኬ በቲ ዘካየዶ ድግስ ንንጉስ ሉዊ ወዲሱዎ ዘይኮነስ ጸሪፉዎ እዩ። ሉዊ፡ እቲ ዝተሰምዖ ስምዒት ንዝኾነ ሰብ ክኣምነሉ ኣይክእልን እዩ፣ ነብሰተኣማንነቱ ከም ዘጒድል ንዝገበሮ ፉኬ ግን ምሹው ምኽንያት ረኺቡሉ።
ብዝተፈላለየ መገዲ ነቶም ልዕሌኦም ዘለዉ ነብሰተኣማንነቶም ከም ዝጐድል ዝገብሩ፡ ትምክሕቶም ከም ዝትንከፍ ዝገብሩ፡ ወይ’ውን ብልዕልናኦም ከም ዝጠራጠሩ ዝገብሩ ዕጫኦም ከም ናይ ፉኬ እዩ።
እዚ ሕጊ ክኽበር ከሎ
ኣብ መጀመርታ 1600’ታት፡ ኢጣልያዊ ሊቅ ስነህዋን ሕሳብን ጋሊልዮ ኣብ ኣስጋኢ ኹነታት ወዲቑ ነይሩ። መጽናዕትታቱ ብዓበይቲ ሰበስልጣን ከይተሓገዘ ከካይዶ፡ ከም ኩሎም ሊቃውንቲ ዘመነ ተሃድሶ ንገለ ኻብ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ነቶም ዓበይቲ ሰብስልጣን ከም ህያብ የወፍዮ ነይሩ። ሓደ እዋን ሓንቲ ዝመሃዛ ወተሃደራዊት ቡሶላ ንመስፍን ጎንዛጋ ከም ህያብ ሃቦ። ንኣጠቓቕማ እታ ቡሶላ እትገልጽ መጽሓፍ ድማ ንእንዳ ሜዲቺ ሃቦም። ክልቲኦም ሰብስልጣን ብህያቡ ተሓጐሱ፣ ጋሊልዮ ድማ መጽናዕትታቱ ክቕጽል ክኢሉ። እንተኾነ ዓበይቲ ህያባት እና’በርክተሎም ንሳቶም ህያባት’ምበር ገንዘብ ኣይህቡዎን ነበሩ። እዚ ድማ ህይወቱ ኣብ ቀዋሚ ፍርሕን ጽግዕተኛንነትን ከም ዘሕልፋ ኾነ። ስለዚ ኻልእ መገዲ ኽረክብ ሓለነ።
ጋሊልዮ፡ ኣብ 1610፡ ናይ ጁፒተር ኣዋርሕ ምስ ረኸበን ሓድሽ ስልቲ ኽጥቀም ወሰነ። ነቲ ርኽበቱ ኣብ ክንዲ ኸም ቀደሙ ኣብ’ቶም ኣያታቱ ዝመቓቕሎ - ቴለስኮፑ ንሓደ፡ መጽሓፉ ንኻልእ ወዘተ - ኣብ እንዳ ሜዲቺ ጥራይ ከድህብ መረጸ። ንእንዳ ሜዲቺ ብሓንቲ ምኽንያት እዩ መሪጹዎም። ቀዳማዊ ኮሲሞ ንንግስነት ሜዲቺ ኣብ 1540 ክምስርቶ ኸሎ ንጁፒተር (እቲ ዝሓየለ ጣኦት ሮማውያን) ከም ኣርማ እንዳ ሜዲቺ ገይሩዎ ነበረ። እቲ ኣርማ ካብ ፖሊቲካን ገንዘብን ሓሊፉ፡ ምስ ጥንታዊት ሮማን ጽባቐኣን ዝተተሓዝ ነበረ።
ጋሊልዮ ናይ ኣዋርሕ ጁፒተር ርኽበቱ ምስ እንዳ ሜዲቺ ብምትሕሓዝ ናብ ኣዝዩ ዓቢ ፍጻመ ለወጦ። ደድሕሪ እቲ ርኽበት፡ “ኣዋርሕ ጁፒተር ብቴለስኮፐይ ክረኣያ ዝፈቐዳለይ ግዜ ምስ ዳግማዊ ኮሲሞ ዘውዲ ዝደፍኣሉ ግዜ ሓደ እዩ፡” ብምባል ሓበረ። እተን ኣዋርሕ ኣርባዕተ እየን ነይረን፣ ብዝሐን ምስ ብዝሒ ኣሕዋት ሜዲቺ (ዳግማዊ ኮሲሞ ሰለስተ ኣሕዋት ነይሮሞ) ማዕረ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ኣርባዕቲኦም ደቂ ቐዳማዊ ኮሲሞ (መስራቲ’ቲ ንግስነት) ኣብ ዙርያ ኣቦኦም ዝዞሩ ኣርባዕቲአን ኣዋርሕ ድማ ኣብ ዙርያ ጁፒተር ከም ዝዞራ ሓበረ። እዚ ድማ ኣጋጣሚ ዘይኮነስ ንልዕልነት ሜዲቺ ዘረጋግጽ ፍሉይ ፍጻመ ምዃኑ ነገረ። ንርኽበቱ ንእንዳ ሜዲቺ ምስ ኣወፈዮ፡ ጁፒተር ኣብ ደበናታት ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሑ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናዞሩ እተርኢ ኣርማ ሰሪሑ ንዳግማዊ ኮሲሞ ኣቕረበሉ።
ኣብ 1610 ዳግማዊ ኮሲሞ ንጋሊልዮ ኸም ወግዓዊ ክኢላ ሕሳብን ፈላስፋን ናይቲ ንግስነት ብምሻም ምሉእ ደሞዝ ገበረሉ። ንሓደ ሊቅ እዚ ንህይወቱ ምሉእ ዝቕይር ዓወት እዩ። ንኣያታት ምልማን ኣብቂዑ ማለት እዩ።
ትርጒም
ሊቃውንቲ’ውን ናይ ሓይሊ ጸወታ ይምልከቶም እዩ፣ ንሰብ ገንዘብ ከገልግሉ ኣሎዎም። እቲ ፍሉይ ብልሖም ንጐይቶቶም ነብሰተኣማንነቶም ከም ዘጒድሉ ኽገብሮም ይኽእል እዩ። ንሓደ ዓቢ ስራሕ ዝምውል ዘሎ ሰብ መዋሊ ጥራይ ኮይኑ ኽስምዖ ኣይደልን እዩ። ኣብ ክንዲ ትሑት ነብሰተኣማንነት ክብሪ ኸም ዝስምዖ ኽትገብር ኣሎካ። ጋሊልዮ ንብልሓዊ ስልጣን እንዳ ሜዲቺ ኽብድህ ኣይፈተነን ወይ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ትሑታት ኮይኖም ክስምዖም ኣይገበረን፣ ብኣንጻሩ ምስ ከዋኽብቲ ብምዝማድ ልዕሊ ኹሎም ሰበስልጣን ኢጣልያ ኸም ዘብለጭልጩ ገበረ። ጋሊልዮ ልዕሊ ጐይቶቱ ኣየብለጭለጨን፣ ጐይቶቱ ልዕሊ ኻልኦት ከም ዘብለጭልጩ እዩ ገይሩ።
ሰፊሕ መግለጺ
ዘለናዮ ግዜ ኻብ ናይ ንጉስ ሉዊን እንዳ ሜዲቺን ግዜ ዝተፈልየ ኸይመስለካ። እቶም ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ህይወት ዘለዉ ኸም ነጋውስ ርኣዮም። ብቦታኦም ክተኣማመኑን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ብብልሒ፡ ምስትውዓልን ውበትን ክበልጹዎም እዮም ዝደልዩ። ህያባትካን ክእለታትካን ብምርኣይ ንጐይታኻ ክትማርኾ ምፍታን ልሙድ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ግን ከኣ ቀታሊ እዩ። ኣብ ግዜኡ የመስግነካ ይኸውን፣ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ግን ብኻባኻ ዝትሕት ብልሒ፡ ጽባቐን ሓይልን ዘሎዎ ሰብ እዩ ዝትክኣካ - ልክዕ ከምቲ ንጉስ ሉዊ ነቲ ድሙቕ ፉኬ በቲ ደባን ኮልቤ ዝተክኦ። ልክዕ ከም ሉዊ ድማ ነቲ ሓቂ ኣይኣምነሉን እዩ፣ ንዓኻ ንኸርሕቕ ግን ገለ ምኽንያት ክፈጥር እዩ።
ንነብስኻ ብምምሳል (ብዘይ ፍላጥ) ልዕሊ ጐይታኻ ክትርአ ትኽእል ኢኻ። ኣዝዩ ትሑት ነብሰተኣማንነት ዘሎዎም ጐይቶት ኣለዉ፣ ብተፈጥሮኻ ካብኦም በሊጽካ ኽትርአ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ልዑል ፍዬንዛ ዝነበረ ኣስቶሬ ማንፍሬዲ ዝውሕልል ሰብ ኣይነበረን። ንህዝቡ ብልግሱን ክፉት መንፈሱን ይማርኽ ነበረ። ካብ ብምሉኦም ልዑላት ኢጣልያ ዝመልክዐ ድማ ነበረ።
ኣብ 1500 ዓ.ም ቼዛር ቦርጂያ ንፍዬንዛ ኣኽበባ። እታ ኸተማ ኢዳ ምስ ሃበት ካብቲ ጨካን ቦርጂያ ኸክፉኡ ተጸበዩ። ንሱ ግን ነታ ኸተማ ኽምሕራ ወሰነ። ንዕርድታታ ብምቊጽጻር፡ ዝኾነ ኻብ ዜጋታታ ኸይረሸነ፡ ነቲ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ልዑል ማንፍሬዲ ኣብ ቤተመንግስቱ ብምሉእ ናጽነት ክጸንሕ ፈቐደሉ።
ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣስቶሬ ማንፍሬዲ ብገለ ወተሃደራት ናብ ሓደ ሮማዊ ቤትማእሰርቲ ተወስደ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሬሳኡ ኣብ ሩባ ቲበር ተረኽበ፣ እምኒ ምስ ክሳዱ ተኣሲሩ ጸንሐ። ቦርጂያ ነቲ ቕትለት ምስ ባዕሉ ዝፈጠሮ ኽስታት ክሕደት ሃገርን ውዲትን ኣተሓሓዞ። እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ግን ቦርጂያ ኣዝዩ ትሑት ነብሰተኣማንነት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ ልዑል ከይጸዓረ እዩ ዘህስሶ ነይሩ። ብሰንኪ ናይ ማንፍሬዲ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት ቦርጂያ ኻብኡ ዝትሕት ስሕበትን ግርማ ሞገስን ዘሎዎ ኾይኑ ተሰምዖ። እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ፥ ብነብስኻ ሰሓቢ እንተ ዄንካ ኻብ ከም ቦርጂያ ዝኣመሰሉ ሰባት ክትእለ ኣሎካ። ወይ ድማ ናብ ብዓል ቼዛር ቦርጂያ ኽትቀርብ ከለኻ እቲ ጽቡቕ ጠባያትካ ሕብኣዮ።
ካልእ ክትርስዖ ዘይብልካ፡ ጐይታኻ ስለ ዝፈተወካ ድልየትካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባ ኸምዚኦም ዓይነት ሰባት ተዛሪብና ኣይምወዳእናን። ኣብ መወዳእታ 16 ዘመን ሃጸይ ጃፓን ሂደዮሺ ዝፈትዎ ዝነበረ ሰብ ሴን ኖ ሪክዩ ዝተባህለ ነበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ጃፓን ጽንብል ሻሂ ዝተባህለ ጽንብል ገኒኑ ነበረ። ጽንብል ሻሂ፡ ጃፓናዊ ባህሊ ኾይኑ፡ ናይ ሻሂ ምድላውን ምቕራብን ጽንብል እዩ። ሪክዩ ድማ ፍሉጥ ጥበበኛ ጽንብል ሻሂ ነበረ። ሓደ ኻብ እሙናት ኣማኸርቲ ሂደዮሺ ኾይኑ፡ ኣብቲ ቤተመንግስቲ ይነብርን ኣብ ብምሉኡ ጃፓን ብኽብሪ ይጽዋዕን ነበረ። እንተኾነ ግን ኣብ 1591፡ ሂዲዮሺ ኣሲሩ ንሞት ፈረዶ። ሪክዩ ህይወቱ ባዕሉ ኸሕልፍ መረጸ። እቲ ጠንቂ ደሓር እዩ ተፈሊጡ። እቲ ኻብ ህይወት ገባር ናብ ህይወት ቤተመንግስቲ ዝኣተወ ሪክዩ፡ ሰንደል ወድዩ (ምልክት ክብረት) ተታዕኒኑ ኸሎ እተርኢ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ሓወልቲ ኣስሪሑ ነበረ። ነታ ሓወልቲ ኣብቲ ዝበዝሑ ስድራቤት ንጉስ ዝሓልፉሉ ኽፋል ናይቲ ቤተመንግስቲ ኸም ትቕመጥ ገበረ። እዚ ንሂደዮሺ፡ ሪክዩ ደረቱ ኸም ዘይፈልጥ ዘርኢ ነበረ። ህላወኡ ኣብቲ ሃጸይ ከም ዝምርኰስ ረሲዑ ንደረጃኡ ባዕሉ ዘጥረዮ ኾይኑ ተሰሚዑዎ ነበረ። ነዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ጌጋ ድማ ህይወቱ ኸፊሉሉ። ዘለኻዮ ቦታ ዝግብኣካ ኾይኑ ኽስምዓካ የብሉን፡ ዝረኸብካዮ ሓገዛት ከም ዝግብኣካ ጌርካ ኣይትሕሰብ።
ነዛ ሕጊ ብምጥሓስ ክመጽኣካ ዝኽእል ሓደጋታት ኣቐዲምካ ብምግማት ነዛ ሕጊ ተጠቐመላ። መጀመርያ ንጐይታኻ ጽቡቕ ጌርካ ወድሶ። ርኡይ ወደሳ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዶብ ግን ኣለዎ። ኣዝዩ ርኡይ እንተ ኾይኑ እቶም መዛኑኻ ከስተብህሉልካ እዮም። ስለዚ ሕቡእ ወደሳ ይሓይሽ። ንኣብነት፥ ካብ ጐይታኻ ትበልሕ እንተ ዄንካ፡ ንሱ ኻባኻ ከም ዝበልሕ ጌርካ ኸም ዝርአ ግበር። ገርሂ ምሰል። ክእለቱ ዘድልየካ ምሰል። ዘይጓድኡ ጌጋታት ብምፍጣር ሓገዙ ሕተት። ጐይቶት ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ኣመና እዮም ዝፈትዉ። ተመኲሮኡ ኸካፍለካ ዘይክእል ጐይታ ቚጥዐኡ ኸውርደልካ እዩ።
ሓሳባትካ ኻብ ናይ ጐይታኻ ዝበልጹ እንተ ኾይኖም ነቶም ሓሳባት ብስሙ ግበሮም። ህዝቢ ከም ዝፈልጥ ግበር። ሓሳብካ ናቱ መቓልሕ ምዃኑ ኣነጽር።
እዚ ሕጊ ኽግልበጥ ከሎ
ዘዝረኸብካዮ ሰብ ምናልባት ከየሕርቖ ኢልካ ኽትጭነቕ ጽቡቕ ኣይኮነን፣ መመሪጽካ ዘይምሕር ምዃን ግን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ልዕሌኻ ዘሎ ኣብ ምውዳቑ ዝርከብ ኮኾብ እንተ ኾይኑ፡ ትፈርሓሉ ምኽንያት የሎን። መሓሪ ኣይትኹን፣ ንሱ ንባዕሉ ኽድይብ ከሎ መሓሪ ኣይነበረን። ሓይሉ ዓቅኖ። ደኺሙ እንተ ሃልዩ፡ ብውሽጣውሽጢ ውድቀቱ ኣቀላጥፍ፥ ብውበትካ፡ ተግባራትካን ብልሕኻን ኣብ ኣገዳሲ ህሞታት ቀድሞ። ኣዝዩ ደኺሙን ክወድቕ ቀሪቡ እንተ ሃልዩን ባዕሉ ኽወድቕ ግደፎ። ንድኹም ጐይታ ኸም ትበልጾ ኸተርኢ እንተ ፈቲንካ ኸም ጨካን ስለ ትሕሰብ ኢድካ ኣክብ። ጐይታኻ ኣብ ቦታኡ ጸኒዑ እንተ ሃልዩ፡ ግን ከኣ ንስኻ ካብኡ ኸም ትበልጽ እንተ ፈሊጥካ፡ ብትዕግስቲ መዓልቲ ቚጸር። ብተፈጥሮኡ ሓይሊ ምስ ግዜ እናደኸመን እናሃሰሰን እዩ ዝኸይድ። ጐይታኻ ሓንቲ መዓልቲ ኽወድቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ንኽትድይብ ተዳሊኻ ጽናሕ።
