ትርጕም ምንባር

ስምዒት-ኣልቦነት ወይ ዕጥጥ ዘይብለካ ምዃን ምልክት ናይ ካልኣይ መድረኽ ስነ-ኣእምሮኣዊ መልሰ-ግብርና እዩ ነይሩ። ብሰንኪ’ዚ ስምዒት-ኣልቦነት’ዚ ዕለታዊ ይኹን ሰዓታዊ ማህረምትታት ከም ዘይስምዓና ኾንና።

ማህረምቲ በታ ዝነኣሰት ትብሃል በደል፡ ሓንሳእ ሓንሳእ’ሞ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፡ ይወርደና ነበረ።  ንኣብነት፤ ሓደ እዋን፡ ባኒ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታና ስለ ንዕደል ተሰሪዕና ንጽበ ነበርና። ብድሕረይ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ሓደ ወገን ብሰንኪ ምዝዛዩ መስርዕና ትኽ ዘይምባሉ ዘየሐጐሶ ኣባል ጸጥታ ሃንደበት ብድሕረይ መጺኡ ኽልተ ግዜ ርእሰይ ክሃርመኒ ተፈለጠኒ። ኣብ ጐነይ ኮይኑ ብበትሪ ኸም ዝሃረመኒ ጸኒሐ እየ ኣስተብሂለ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት፡ እቲ ቐንዲ ዘሕምመካ ኣካላዊ ቓንዛ ኣይኮነን (እዚ፡ ኣብ እኹላት ሰባት ይኹን ቈልዑ ሓደ እዩ)። ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይርትዓውነት ናይቲ ማህረምቲ ዝስምዓካ ኣእምሮኣዊ ቓንዛ ይብእስ።

ኣባኻ ዘይበጽሐ ማህረምቲ’ውን ብገለ ስግንጢር መገዲ ከቐንዝወካ ይኽእል እዩ። ሓደ እዋን፡ ከቢድ ውርጪ ኣብ ዝዓልበሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ናይ ባቡር ምድሪ ሓዲድ ንዓዪ ነበርና። ጒጅለና፡ ጽንኩር ኲነታት ኣየር እናሃለወ ኽትሰርሕ ተፈሪዳ ነበረት። ንኽትማምቚ ዝሓሸ መገዲ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ስለ ዝነበረ ነቲ ሓዲድ ብጸጸር ኣብ ምድግዳግ ናይ ሓይለ’ቦይ እጽዕር ነበርኩ። ንሓንቲ ህሞት ጥራይ ትንፋሰይ ክመልስ ደው ኢለ ኣብ ባዴላይ ተደገፍኩ። ሓደ ዝተሃከኹ ዝመሰሎ ወተሃደር ግን ኣስተብሃለለይ። እቲ ዘውረደለይ ቃንዛ ኻብ ጸርፊ ወይ ማህረምቲ ኣይነበረን። ዝኾነ ቓል ከውጽእ ኣድላዪ ኾይኑ ኣይተስምዖን። ንኣይ፡ ንዕባራን ረሳሕን ፍጥረት፡ ክጸርፍ’ውን ድኻም ስለ ዝነበረ እምኒ ኣልዒሉ ናባይ ገጹ ሰንደዋ። ከም እንስሳ ዝጽውዓኒ ዘሎ ኾይኑ ተሰምዓኒ። ንሓደ ኸማኻ ስለ ዘይኮነ ኽትቀጽዖ’ውን ዘይትሓስቦ እንስሳ ዝጽውዕ ዘሎ መሰለ።

እቲ ዝያዳ ኣቐንዛዊ ኽፋል ናይ ማህረምቲ እቲ ዝውክሎ ጸርፊ እዩ። ሓደ እዋን ብዝበረደ መሬት ነዊሕን ረዚንን ዓንድታት ተሰኪምና ንኸይድ ነበርና። ሓደ ኻባና ሸተት እንተ ኢሉ፡ ንነብሱን ጒጅለኡን ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእቱ ርዱእ ነበረ። ክውለድ ከሎ ዝመለቘት ምሕኲልቲ ሒዙ ዝተወልደ ናይ ቀደም ዓርከይ ምሳና ነይሩ። ስንኩላን ይቕተሉ ስለ ዝነበሩ፡ ስንክልናኡ ሓቢኡ ኽሰርሕ ምኽኣሉ ሕጒስ እዩ ነይሩ። ነቲ ዓንድታት ተሰኪምና እናኸድና ግን ይሕንክስ ስለ ዝነበረ ንነብሱ ወዲቑ ነቶም ካልኦት’ውን ዝልክሞም መሰለ። ኣነ ድማ ኣብታ ህሞት’ቲኣ ተሰኪመ ስለ ዘይነበርኩ ንኽሓስብ ደው ከይበልኩ ኽሕግዞ ጐየኹ። ግና ሕቘይ ተደሲቐ ናብ ቦታይ ክምለስ ተኣዘዝኩ። እቲ ዘገርም፡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ዝደሰቐኒ ወተሃደር ንሕና ‘ሓሰማታት’ ብጻይነት ከም ዘይስምዓና ጸሪፉኒ ነይሩ።

ካልእ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ጫካ፡ ኣብ ናይ -16oC ቀዝሒ ንዓዪ ነበርና። ቱቦታት ማይ ከነእቱ፡ ዝበረደ ሓመድ ክንኲዕት ወዓልና። ሽዑ ኣካለይ ኣዝዩ ደኺሙ ነበረ። ሓደ ማዕጓር ተቘጻጻሪ ናባና መጽአ። ኣብቲ ቐዝሒ’ቲ ጓንቲ ወድዩ ምንባሩ ረኣኹ። ንገለ ግዜ ብስቕታ ተዓዘበኒ። ነቲ ዝዀዓትኩዎ ጠመትኩዎ’ሞ ብኡ ገለ መዘዝ ክመጽኣኒ ምዃኑ ተገንዘብኩ።

ሽዑ ዘረባኡ ጀመረ። “ኣታ ሓሰማ! ስቕ ኢለ’የ ኽርእየካ ጸኒሐ። ከመይ ከም ዝስራሕ ክምህረካ’የ! በስናንካ ከም ትዂዕት ክገብረካ’የ! ክልተ መዓልትታት ኣይትጸንሕን ኢኻ! ስራሕ እንታይ ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ? ስራሕካ እንታይ እዩ ነይሩ? ነጋዳይ?”

ኣነ፡ ምግዳስ ዝብሃል ነገር ድሮ ረሲዐዮ ነበርኩ። ነቲ ታህዲድ ስቕ ኢለ ኽሓልፎ ስለ ዘይደለኹ ግን ቅንዕ ብምባል ናብ ኣዒንቱ ጠመትኩ። “ሓኪም’የ ነይረ፡” ድማ በልኩዎ።

“እንታይ? ሓኪም? እሞ ናይ ብዙሕ ሰብ ገንዘብ በሊዕካ ኢኻ!”

“ግደ ሓቂ፡ ዝበዝሐ ግዜይ ንድኻታት ናጻ ሕክምና ኣብ ምሃብ’የ ዘሕልፎ ነይረ።”

ዘረባ ኣብዚሐ። ከም ዕቡድ እናጨደረ፡ ናባይ ብምውርዋር ኣውደቐኒ። እንታይ ኢሉ ኸም ዝጨደረ ኣይዝክሮን እየ።

በዛ ንእሽቶ ዛንታ’ዚኣ ዝኾነ ነገር ዕጥጥ ዘይብሎ እሱር’ውን ነድሪ ኸም ዝስምዖ እየ ኸርኢ ደልየ። እቲ ነድሪ ድማ ኻብቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጸርፊ እዩ ዝብገስ። እቲ ብዛዕባ ህይወተይ ቅንጣብ ዘይፈልጥ ሰብ ከም ድልየቱ ገይሩ ኸዋርደኒ ኣይተቐበልኩዎን። ናብ መዓስከር ምስ ተመለስና ብናይ ቈልዓ ዝመስል ስምዒት ንብጾተይ፤ “ከምኡ ዓይነት ስዲ ሰብ ኣብ መጸበዪ ኽፍለይ ክኣቱ’ውን ኣይምተፈቕደሉን።” በልኩዎም።

ጽቡቕ ዕድል ገይረ እቲ ኣብ ናይ ስራሕ ጒጅለይ ዝነበረ ካፖ ንናይ ሓዳርን ፍቕርን ሽግራቱ ጽን ኢለ እሰምዖ ስለ ዝነበርኩ ይፈትወኒ ነበረ። ናብ ናይ ስራሕ ቦታና ኣብ ንኸደሉ ነዊሕ ምረሻታት ብዘይ ምቊራጽ የዕልለኒ ነበረ። ንባህርያቱ ብምግምጋምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽርታት ብምሃብን መሲጠዮ ነበርኩ። ኣብ ቀዳሞት ሓምሽተ መስርዕ ምስኡ ብዙሕ ግዜ ቦታ ይሕዘለይ ነበረ። እዘን ቦታታት’ዚአን ኣገደስቲ እየን ነይረን፣ ምኽንያቱ፡ ገና ኸይወግሐ ኸሎ ስለ ንስራዕ፡ ከይንድንጒ’ሞ ድሕሪት ከይንስራዕ ንፈርሕ ኔርና። እቲ ቐንዲ ካፖ፡ ደስ ዘየብል ስራሕ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ዘድልዩዎ ሰባት ካብ’ቶም ድሕሪት ዝነበሩ ይወስድ ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዝተመርጹ ኣብ ትሕቲ ዘይፈልጡዎም ወተሃደራት ክሰርሑ ናብ ካልእ ቦታ ይውሰዱ። ሓንሳእ ሓንሳእ’ውን እቲ ቐንዲ ካፖ ነቶም ጐሪሕና ዝበልና ኽረክብ ካብ ቀዳሞት መሳርዕ ይወስድ ነበረ። ዝኾነ ኽቃወም ዝፈተነ ብማህረምቲ ኣፉ ይሕዝ፣ እናተጸረፍካን እናተሃረምካን ድማ ናብቲ ቦታ ትውሰድ።

ኣነ ግን ነቲ ካፖ ጽን ኢለ ብዛዕባ ጉዳያቱ ኽሳዕ ዝሰማዕኩዎ ኻብዚታት ውሑስ ነበርኩ። ካልእ ረብሓ’ውን ነይሩኒ። ዳርጋ ኸም ኩሎም እሱራት ኣእጋረይ ኣዝዩ ስለ ዝሓበጠን ቈርበቱ ኣዝዩ ስለ ዝተመጠጠን ብርከይ ምዕጻፍ ክሳዕ ዝኣብየኒ ኾይነ ነበርኩ። ዝሓበጠ እግረይ ከእቱ እንተ ኾይነ ጫማይ ከይኣሰርኩ እገድፎ ነበርኩ። ካልሲ እንተ ዝህልወኒ’ሞ እግረይ ከእቱዎ ኣይምኸኣልኩን። ስለዚ እቲ ፍርቁ ኸይተሸፈነ ዝተርፍ ኣእጋረይ ኩሉ ግዜ ጥልቁይ፡ ጫማይ ድማ ብውርጪ ዝተመልአ ነበረ። ብሰንኪ’ዚ ነፍስወከፍ ስጒምቲ ስቓይ ነበረት። ክንምርሽ ከለና ኣብ ጫማና ውርጪ ይእከብ’ሞ ሸተት ብምባል ተተሓሒዝና ንወድቕ ነበርና። ሓደ ኻብ’ቶም ወተሃደራት ብሰደፍ ብረቱ ገይሩ ጒዕዞና ኽንቅጽል ክሳዕ ዝነግረና ኸኣ ንሓጺር ግዜ ደው ንብል። ኣብ ክንዲ መምስ ደንጐኻ ክትጐዪ ትፍትን፡ ኣብ ቅድሚት ምዃን ይሓይሽ ነይሩ። ኣነ ግን ከም ውልቃዊ ሓኪም ናይቲ ካፖ ኣብ ጐኑ ኾይነ ኽምርሽ ምኽኣለይ ዕድለኛ ነበርኩ።

ከም ተወሳኺ ክፍሊት ናይ ኣገልግሎተይ፡ መረቕ ክንዕደል ከለና ገለ ዓይኒ ዓተር መሊኡ (‘ካብ ታሕቲ’ ኢልና ኢና ንጽውዖ ኔርና) ይህበኒ ነበረ። እዚ ወተሃደራዊ መኰነን-ነበር ካፖ’ዚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ሓደ እዋን ዘቘጣዕኩዎ ተቘጻጻሪ ንፉዕ ሰራሕተኛ ምዃነይ ክነግረለይ ስለ ዝደፈረ ንጽባሒቱ ናብ ካልእ ጒጅለ ተለወጥኩ።

ብኣና ደንጊጾም ናብራና ከቕልሉልና ዝፍትኑ ገለ ተቘጻጸርቲ ነይሮም። ንሳቶም ከይተረፉ ግን ተራ ሰራሕተኛ ልዕሌና ኸም ዝዓዪ ኸዘክሩና ይፍትኑ ነበሩ። ተራ ሰራሕተኛ ንእሽቶ ባኒን ውሑድ መረቕን ጥራይ ከም ዘይምገብ ክንነግሮም ከለና ግን ይርድኦም ነበረ። ተራ ሰራሕተኛ፡ ናይ’ቶም ብጋዝ ሞይቶም ወይ ኣብ መዓስከር ተዓጽዮም ዝህሉዉ ስድራቤቱ ደሃይ ተኸሊኡ፡ ሰዓት ሰዓት ክፋራራሕ ኣይውዕልን እዩ። ሓደ እዋን ንሓደ ርሕሩሕ ተቘጻጻሪ ኸምዚ በልኩዎ፤ “ከምቲ ኣነ ኻባኻ ኣሰራርሓ ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተመሃርኩዎ፡ ንስኻ ካባይ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መጥባሕቲ ሓንጐል ክትመሃር እንተ ትኽእል ሰማይ ምሰቐልኩኻ ነይረ።” ንሱ ድማ ኽምስ በለኒ።

ስምዒት-ኣልቦነት ኣገዳሲ ሜላ ነብሰ-ምክልኻል እዩ ነይሩ። ክውንነት ይሃስስ፡ ኩሉ ጻዕርኻን ስምዒታትካን ኣብ ሓንቲ ዕማም የተኲር – ኣብ ምድሓን ህይወትካን ህይወት ብጻይካን። ምሸት፡ ካብቲ ኽንሰርሓሉ ንውዕል ቦታ ናብ መዓስከር ክንምለስ ከለና፡ እታ መዓልቲ ብምውዳኣ ምምስጋን ልሙድ ነበረ።

ነዚ ጸቕጢ’ዚ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ጻዕሪ ስለ ዝውሰኾ ናይ ሓደ እሱር ውሽጣዊ ህይወት ናብ ድሑር ደረጃ እዩ ዝድቈስ። ብዙሓት ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ መሳርሕተይ ብዛዕባ ኣብ እሱራት ዝርአ ዝነበረ ‘ምዝሓጥ’ (ናብ ድሑር ኣእምሮኣዊ ህይወት ምምላስ) ይዛረቡ ነበሩ። ትምኒታትናን ድልየታትናን ኣብ ሕልምታትና ይንጸባረቕ ነበረ።

ሓደ እሱር ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ እንታይ ይሓልም ነይሩ? ባኒ፡ ሕብስቲ፡ ሽጋራ፡ ብምዉቕ ማይ ሰብነትካ ምሕጻብ። ነዚኣቶም ንኣሽቱ ባህግታት’ዚኣቶም ኣብ ሓቀኛ ህይወቱ ስለ ዘይረኽቦም ኣብ ሕልምታቱ ይምነዮም ነበረ። እዞም ሕልምታት’ዚኦም ጥቕሚ ነይሩዎምዶ ኻልእ ጉዳይ እዩ፣ እቲ ሓላሚ ኻብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሕልሙን ክውንነቱን ዘሎ ጨካን ኣንጻርነት ከነጻጽር እዩ ዝግደድ።

ሓንቲ ለይቲ፡ ሓደ መተኣስርተይ ብሰንኪ ዘባህርር ሕልሚ ኽግዕር ምስ ሰማዕኩዎ ኻብ ድቃሰይ ተበራበርኩ። ብመባህረር ሕልሚ ዝሳቐዩ ሰባት ኣዝዮም የደንግጹኒ ስለ ዝነበሩ ነቲ ምስኪን ሰብኣይ ከበራብሮ ደለኹ። ሃንደበት ግን ነታ ኽትንቕንቖ ዝሓሰበት ኢደይ ሰሓብኩዋ፣ በቲ ኽፍጽሞ ዝሓሰብኩ’ውን ረዓድኩ። ዝኾነ ሕልሚ፡ ክንዲ ዝኸፍአ ይኽፋእ፡ ካብቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ ህይወት መዓስከር ከም ዘይከፍእ ኣብታ ህሞት’ቲኣ ተገንዘብኩ። ካብ ድቃሱ ኸበራብሮ ድማ ኣይመረጽኩን።

ኣብ እሱራት ልዑል መጠን ዋሕዲ መኣዛ ስለ ዝነበረ ኣብ ኩላትና ዝነበረ ቐዳማይ ህርፋን መግቢ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፤ ኣብ ትሕቲ ፈኲስ ቊጽጽር ክንሰርሕ ዕድል ኣብ ዝገብረሉ እዋን ቀንዲ ዕላሎም መግቢ እዩ ነይሩ። ሓደ ኻባና ንኻልእ ኣብ ጐኑ ኾይኑ ዝዂዕት ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ዝፈቱዎ ዝነበረ ዓይነት መግቢ ይሓቶ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ናይቲ መግቢ’ቲ ይካትዑ። ብዛዕባ’ቲ ናጻ ወጺኦም ናብ ገዛኦም ምስ ተመልሱ ኽበልዑዎ ዝደልዩ መግቢ የዕልሉ፣ ንኹሉ ነገር ብዝከኣሎም ዝርዝር እናሰኣሉ ዕላሎም ይቕጽሉ። “ወተሃደር ይመጽእ ኣሎ፡” ዝብል ሕሹኽታ ኻብ እሱር ናብ እሱር ምስ ተመሓላለፈ ኸኣ ዕላሎም የቋርጹ።

ነቲ ብዛዕባ መግቢ ዝግበር ዝነበረ ዕላላት ኣይድግፎን ነበርኩ። ሓደ ፍጡር፡ ንእሽቶ መግቢ በሊዑ ኽነብር ከም ዝኽእል ንነብሱ ምስ ኣእመና ብዝርዝራዊ ዕላላት ናይ መግቢ ኸተተሃራርፎ ጽቡቕ ድዩ? ዋላ’ኳ ግዜያዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሩፍታ ዝህብ እንተ ኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓደጋ ኸም ዘሎዎ ግን ኣይሰሓትን እዩ።

ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ማእሰርትና ዝነበረ ዕለታዊ መቚነን፡ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ትወሃበና ማይ-መሰል መረቕን እታ ናይ ኩሉ ግዜ ንእሽቶ ባኒን ነበረ። ኣብ ርእሲኡ፡ ‘ተወሳኺ ኣበል’ ተባሂሉ ዝወሃብ በብመዓልቱ ንእሽቶ ማርጋሪን፡ ጭራም ግዕዝም፡ ንእሽቶ ፎርማጆ፡ ሰብሰርሖ መዓር ወይ ድማ ሓንቲ ማንካ ማርመላታ ንዕደል ነበርና። ነቲ ኸቢድ ጒልበታዊ ዕዮናን ቀዝሕን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ መቚነን ኣዝዩ ዘይእኹል እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ‘ፍሉይ ክንክን’፡ ማለት ኣብ ኣጒዶኦም፡ ከዕርፉ ዝፍቀደሎም ዝነበሩ ዝሓመሙ እሱራት’ሞ ኣብ ዝበኣሰ ዂነታት ነበሩ።

ናይ መወዳእታ ቐጸላ ስብሒ ምስ ጠፍአን ቈርበትን ኣጭርቕትን ዝለበሱ ዓስከሬን ምስ መሰልናን ሰብነትና ኽበላላዕ ንርእዮ ነበርና። ሰብነትና ናይ ገዛእ ሰብነቱ ፕሮቲን ክበልዕ ምስ ጀመረ፡ ጭዋዳታትና ጠፍአ። ብድሕሪኡ ኣካላትና ዝኾነ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘይብሉ ኾይኑ ተረፈ። ሓደ ድሕሪ ሓደ፡ ኣባላት ናይታ ኣብ ኣጒዶና ዝነበረት ንእሽቶ ማሕበረሰብ ሞቱ። መን ድሕሪ መን ከም ዝመውትን ተራኻ መኣስ ከም ትበጽሕን ዳርጋ ብልክዕነት ክንግምት ንኽእል ነበርና። ድሕሪ ሓያሎ ትዕዝብትታት ነቲ ምልክታት ስለ ዘጽናዕናዮ ግምታትና ቕኑዕ ነበረ። “ብዙሕ ኣይጸንሕን’ዩ፡” ወይ “ሕጂስ ናብኡ’ያ፡” እናበልና ነንሓድሕድና ነሕሸዂሽዂ። መዓልታዊ ቚማል ክንኣሊ ኸለና፡ ነቲ ዕርቃኑ ዝወጽአ ሰብነትና ምስ ጠመትናዮ ድማ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ንሓስብ፤ ሰብነተይ ድሮ ሬሳ ኾይኑ። ናብ ምንታይ እየ ተለዊጠ? ብኣሻዂ ስልኪ ዝተዓጽወ፡ ኣብ ውሽጢ ብጭቃ ዝተሰርሓ ሒደት ኣጒዶታት ዝተጨቓጨቐ፡ በብሓደ ስጋኡ ዝውድእ ዘሎ ጭራም ስጋ ኾይነ ትብል።

ኣብ ላዕሊ፡ ሓደ እሱር ክሓስበሉ ዝኽእል ግዜ እንተ ረኺቡ ብዛዕባ መግቢ ምሕሳቡ ዘይተርፍ ምዃኑ ገሊጸ ነይረ። እቶም ዝሓሸ ተጻዋርነት ዝነበሮም ዝብሃሉ’ውን እታ ደሓን መግቢ ዝበልዑላ ህሞት ክናፍቑዋ ግድን እዩ ነይሩ። እዚ ግን መግቢ ስለ ዝናፈቑ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብዘይካ መግቢ ኻልእ ከም ዘይሓስቡ ዝገበሮም ትሕተ-ሰብኣዊ ህላወ ኽጠፍኣሎም ስለ ዝደለዩ እዩ።

በዚ ተመክሮ’ዚ ዘይሓለፈ ሰብ፡ ዝጠመየ ሰብ ከመይ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ግጭታት የጋጥሞ ኽግንዘብ ከቢድ እዩ። ክትኲዕት ውዒልካ ሰዓት 9፡30 ወይ 10፡00 ቅድሚ ቐትሪ ምስ ኮነ (ናይ ፍርቂ ሰዓት ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ) እታ ሲረና ኸተእዊ ኽትሰምዕን ባኒ ክትዕደልን፣ ነቲ ተቘጻጻሪ (ጠባዩ ሕማቕ እንተ ዘይኮይኑ) ሰዓት ክንደይ ከም ዝኾነ ደጋጊምካ ክትሓቶ፣ ነታ ኣብ ጁባኻ ዝነበረት ንእሽቶ ባኒ ብኢድካ ኽትድህስስ፡ ጸኒሕካ ድማ ርፍራፍ ወሲድካ ኣብ ኣፍካ ኸተንብር፣ ዝተረፈካ ሓይሊ ኣኻኺብካ ኸኣ ንድሕሪቐትሪ ኽትኮነካ ናብ ጁባኻ ክትመልሳ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽርድኦ ዝኽእል ሰብ የሎን።

ነታ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ንዕደላ ዝነበርና ንእሽቶ ባኒ ኸመይ ጌርና ቘጢብና ንበልዓ ዘየቋርጽ ክትዓት ነካይድ ነበርና። ኣብ ክልተ ጒጅለታት ዝተመቐልና ነበርና። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ባኒ ቐልጢፍካ ኣብ ምብላዕ ይኣምኑ ነበሩ። እዚ፡ ክልተ ጥቕምታት ነይሩዎ፤ ነቲ ዘሳቒ ጥምየት ንሓጺር ግዜ’ውን እንተ ኾነ ተዕግብ ከምኡ’ውን ነታ ባኒኻ ካብ ምስራቕ ወይ ምጥፋእ ተድሕና። እቶም ካልኣይ ጒጅለ ድማ ነታ ባኒ ኣብ ምምቕቓል ይኣምኑ ነበሩ። ኣነ፡ ምስ’ቶም ካልኣይ ጒጅለ ነበርኩ።

እቲ ዝኸፍአ ኽፋል ናይ’ተን ኣብ መዓስከር ተሕልፈን 24 ሰዓታት፡ ካብ ድቃስካ ምትንሳእ እዩ ነይሩ። እተን ሰለስተ ኣውያት ናይ ደወል ካብቲ ብሰንኪ ድኻም ጸጊብናዮ ዘይንፈልጥ ድቃስን ኣብ ሕልምና ዝነበረ ናፍቖትን ገና ብጸልማቱ የበራብራና። ድሕሪኡ ነቲ ዝሓበጠ ኣእጋርና ኣብቲ ዝጠልቀየ ጫማታትና ኸነእቱዎ ንቃለስ። ብዛዕባ ንኣሽቱ ጸገማት ምምራር ድማ ነይሩ፣ ንኣብነት፤ ከም መእሰሪ ትጥቀመሉ ስልኪ ይብተኸካ። ሓደ ንግሆ፡ ሓደ ኸም ተባዕን ሕፉርን ዝሕሰብ ዝነበረ መተኣስርትና እተን ጫማታቱ ኣብ መወዳእታኡ ኸም ዘይወድየን ኮይነን ምስ ነኣሳ፡ ከም ቆልዓ እናበኸየ ናብ ግዳም ጥራይ እግሩ ኽወጽእ ይዝክረኒ። ብኣንጻሩ፡ ኣነ ቚራስ ባኒ ኣውጺአ ብፍስሓ እሕይኽ ነበርኩ።

Previous
Previous

ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን

Next
Next

48 ሕግታት ሓይሊ