ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን
ቅድሚ ንኻልኦት ምንቃፍካ ብዛዕባ ጌጋታትካ ተዛረብ
ሓደ እዋን፡ ጓል ሓወይ ዮሴፊን ካርንጌ ናብ ኒው ዮርክ ከም ጸሓፊተይ ክትሰርሕ መጽአት። ጓል 19 ዓመት እያ ነይራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኻብ ትውድእ ሰለስተ ዓመታት ገይራ ነይራ፣ ናይ ንግዲ ተመክሮኣ ድማ ኻብ ዜሮ ብቑሩብ ይሓይሽ ነይሩ። ምስ ግዜ ሓንቲ ኻብ’ተን ዝበለጻ ጸሓፍተይ ክትከውን ክኢላ እያ፣ ኣብቲ መጀመርታ ግን - ኤእ፡ ብዙሕ ንፍዕቲ ኣይነበረትን። ሓንቲ መዓልቲ ኽነቕፋ ምስ ሓሰብኩ፡ ንነብሰይ፥ “እስከ ሓንሳእ ደይል። ዕድሜኻ ክንዲ ዕጽፊ ናይ ዮሴፊን’ዩ። ካብ ናታ ዓሰርተ ሽሕ ዕጽፊ ዝኸውን ተመክሮ’ሎካ። ከመይ ጌርካ ኸም ናትካ ኣጠማምታ፡ ምምዝዛንን ተበግሶን ክህሉዋ ትጽበ? ንስኻ ወዲ 19 ከለኻ ከመይ ዓይነት ሰራሕተኛ ኔርካ? እቲ ዝፈጸምካዮ ጌጋታትን ውርደታትን እስከ ዘክሮ።” በልኩዋ።
ነቲ ጉዳይ ብቕንዕና ምስ ሓሰብኩሉ፡ ናይ ዮሴፊን ብቕዓት ካብቲ ኣነ ወዲ 19 ዓመት ከለኹ ዝነበረኒ ከም ዝበልጽ ደምደምኩ።
ስለዚ ብድሕሪኡ ንዮሴፊን ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ጌጋ ኽዛረባ ኸለኹ፥ “ጌጋ ፈጺምኪ ዮሴፊን። ካብቲ ኣነ ዝፈጸምኩዎ ጌጋታት ዝኸፍእ’ኳ ኣይኮነን። ናይ ምምዝዛን ክእለት ግን ምስ ግዜ’ዩ ዝጥረ። ንስኺ፡ ካብቲ ኣነ ወዲ 19 ኸለኹ ዝነበርኩዎ ትነፍዒ። ኣነ ድማ ንባዕለይ ብዙሕ ዓሻ ነገራት ስለ ዝፈጸምኩ፡ ንኣኺ ይኹን ንኻልእ ክነቅፍ ብዙሕ መሰል የብለይን። ግን ከምዚ እንተ ትገብሪዶ ኣይምሓሸን ነይሩ?” ብምባል ዘረባይ እጅምር ነይረ።
ነቓፊኻ ጌጋታቱ ብምዝርዛር ነቐፌታኡ እንተ ጀሚሩ፡ ክትሰምዖ ደሓን እዩ።
ሓደ እዋን፡ ኣብ 1909፡ ልዑል በርንሃርድ ፎን ብዩሎው ናይ ጀርመን ነዛ ሜላ’ዚኣ ተጠቒሙላ ነይሩ። ፎን ብዩሎው ኣብቲ ግዜ’ቲ ቻንስለር ጀርመን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ጀርመን ሃጸይ ዝነበረ ድማ በቲ ኣደብ ዘይብሉ ጠባዩን ንቕጽናኡን ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ሃጸይ ጀርመን ዳግማዊ ቪልሀልም እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ቪልሀልም ካብ ሃጸይ ዘይትጽበዮ ዘረባ ኽዛረብ ጀመረ። እቲ ዝተዛረቦ ዘስደምም ነገራት ድማ ንምልእቲ ኤውሮጳ ኣነቓነቓ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ኣንነት ዝመልኦ ናይ ዓያሹ ዘረባ ኽዛረብ ጀመረ። ሓደ እዋን ናብ እንግሊዝ መጺኡ ዝተዛረቦ ኣብ ደይሊ ቴለግራፍ ክሕተም ፈቐደ። ኣብ ዘረባኡ ንእንግሊዛውያን ዝፈቱ እንኮ ጀርመናዊ ንሱ ኸይኮነ ኸም ዘይተርፍ ገለጸ። ንስግኣት ጃፓን ደው ዘብል ዓቢ ሓይሊ ባሕሪ ይሃንጽ ከም ዘሎ፣ ንእንግሊዝ ብሩስያን ፈረንሳን ከይትወሓጥ ከድሕና ዝኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ፣ ንእንግሊዛዊ ሎርድ ሮበርትስ ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ውግኡ ኽዕወት ዝሓገዞ ንሱ ምዃኑ ወዘተ ተጃሃረ።
ኣብ ግዜ ሰላም፡ ካብ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ንጉስ ወይ ሃጸይ ከምኡ ዓይነት ዘስደምም ዘረባ ኻብ ዝስማዕ ነዊሕ ኮይኑ ነበረ። መላእ ኤውሮጳ ኸም ሰፈር ዕኰት ነደረት፥ እንግሊዝ ተቘጥዐት፣ ጀርመናውያን ፖሊቲከኛታት ፈዚዞም ተረፉ። ኣብዚ ኹሉ ሽግር ምስ ኣተዉ ድማ ቪልሀልም ስለ ዝፈርሐ ንልዑል ፎን ብዩሎው ንወንጀሉ ኽስከመሉ ሓተቶ። ምሉእ ሓላፍነት ናይቲ ዘረባ ፎን ብዩሎው ክወስደሉ ደለየ።
“ግን ክቡርነቱ፡ ከምዚ ኢሉ የማኽሮ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ዝኾነ ጀርመናዊ ወይ እንግሊዛዊ የሎን።”
ፎን ብዩሎው፡ እተን ቃላት ካብ ኣፉ ምስ ወጽኣ እዩ ዓቢ ጌጋ ኸም ዝፈጸመ ተረዲኡዎ። እቲ ሃጸይ ክትኰስ ደለየ።
“ንኣይ ከም ኣድጊ ኢኻ ትርእየኒ ሓቀይ?! ንስኻ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጌጋታት ዝፍጽም ኣድጊ!!” ጨደረ።
ፎን ብዩሎው ቅድሚ ምንቃፉ ክንእድ ከም ዝነበሮ ተገንዘበ። እታ ዕድል ስለ ዝሓለፈቶ ግን ካልእ ክገብር ወሰነ - ድሕሪ ምንቃፍ ምንኣድ። ሰርሓትሉ ድማ።
“ከምኡ ኽብል’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ፡” በለ ብኽብረት። “ክቡርነቱ፡ ብኹሉ መዳያት ትበልጸኒ ኢኻ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ነገራት። ብፍላይ ብዛዕባ ስነፍልጠት ክትዛረብ ኸለኻ ብተመስጦ’የ ዝከታተለካ። ኣነ ብዛዕባ ስነፍልጠት ቅንጣብ ፍልጠት የብለይን። ምናልባት መተካእታ ዝኾነኒ ግን ብዛዕባ ፖሊቲካን ዲፕሎማስን ገለ ኣፍልጦ’ሎኒ።” በሎ።
እቲ ሃጸይ ገጹ ብፍሽኽታ ተዀልዐ። ፎን ብዩሎው ንነብሱ ኣትሒቱ፡ ንኡ ኣበሪኹዎ። ብድሕሪኡ እቲ ሃጸይ ይቕረ ኽብለሉ ቐሊል እዩ፥ “ኣነን ንስኻን ከም ንመላላእ’ኮ ኹሉ ግዜ’የ ዝነግረካ! ክልቴና ብሓደ ኽንከውን ኣለና፣ ክንከውን ኢና ድማ!” ኢሉ ጨደረ።
ንፎን ብዩሎው ደጋጊሙ ኢዱ ጨበጦ። ስምዒቱ ስለ ዘይዘሓለሉ’ውን፥ “ብዛዕባ ልዑል ፎን ብዩሎው ሕማቕ ዝተዛረበ ሰብ ኣፍንጫኡ ኽሰብሮ’የ፡” ብምባል ከፈራርሕ ወዓለ።
ፎን ብዩሎው፡ ክኢላ ዲፕሎማሰኛ ኽነሱ ጌጋ ፈጺሙ ነይሩ፣ ብዛዕባ ጌጋታቱን ናይ ቪልሀልም ልዕልናን ብምዝራብ ክጅምር ነይሩዎ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ብልባዊ ናእዳ ነብሱ ኣድሒኑ።
ንነብስኻ ኣትሒትካ ንኻልእ ብምንኣድ ንሓደ ተጀሃሪ ሃጸይ ከተህድእ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትሕትናን ናእዳን ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ዘምጽኣልካ ጽልዋ ገምቶ። እዛ ሜላ’ዚኣ ብልክዕ መገዲ እንተ ተጠቒምካላ፡ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ዝምድና ተኣምራት ክሰርሓ እየን።
ጌጋታትካ ምእማን፡ ዋላ ኣይተኣረም፡ ንኻልእ ሰብ ባህርያቱ ኣብ ምልዋጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ክላረንስ ዘርሁሰን ዝተባህለ ተሳታፊ ስልጠናና፡ ወዲ 15 ወዱ ሽጋራ ምትካኽ ይፈታትን ምንባሩ ምስ ፈለጠ፡ ነዛ ሜላ’ዚኣ ተጠቒሙላ ነይሩ።
“ዴቪድ ወደይ ሽጋራ ኸትክኽ ኣይደለኹዎን፡” ኣዕለለና ኣቶ ዘርሁሰን። “ኣነን ኣደኡን ግን ሽጋራ ነትክኽ ኔርና። ሕማቕ ኣብነት ንኾኖ ኔርና። ኣብ ዕድሜኡ ሽጋራ ምትካኽ ስለ ዝጀመርኩ፡ እቲ ኒኮቲን ከም ዝተቘጻጸረንን ከቋርጸሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ኸም ዝበጻሕኩን ነገርኩዎ። ሰዓለይ ክንዲ ምንታይ ኣሸጋሪ ከም ዝኾነን ቅድሚ ገለ ዓመታት ሽጋራ ምትካኽ ክገድፎ ይሓተኒ ምንባሩን ኣዘኻኸርኩዎ።
“ከቋርጻ ኢለ ኸፈራርሖ ወይ ከጠንቅቖ ኣይፈተንኩን። ኣነ ብሽጋራ ውሉፍ ምዃነይ’የ ገሊጸሉ። ንገለ ግዜ ሓሰበሉ’ሞ፡ ካልኣይ ደረጃ ኽሳዕ ዝዛዝም ከየትክኽ ወሰነ። ምስ ግዜ ግን እቲ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ሓሳብ ገደፎ። ብዓቢኡ ድማ ኣነ ንባዕለይ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ወሰንኩ፣ ሳላ ደገፍ ስድራቤተይ ድማ ኣቋሪጸ’ለኹ።”
ኣብ ክንዲ ትእዛዝ ትህብ፡ ሕቶታት ሕተት
ሓደ እዋን ምስታ ናይ ብዙሓት ኣመሪካውያን ታሪኽ ህይወት ዝጸሓፈት ወይዘሪት ኢዳ ታርበል ናይ ድራር ቈጸራ ነይሩኒ። ብዛዕባ’ዛ መጽሓፍ እና’ዕለልኩዋ፡ ምስ ሰባት ምስምማዕ ዝብል ኣርእስቲ ኣልዓልና። ናይ ኦወን ዲ ያንግ ታሪኽ ህይወት ክትጽሕፍ ኢላ፡ ኣብ ትሕቲ ኣቶ ያንግ ንሰለስተ ዓመታት ንዝሰርሐ ሰብ ቃለመሕትት ከም ዝገበረትሉ ነገርትኒ። እቲ ሰብ’ቲ ኣብ’ተን ምስ ኣቶ ያንግ ዝሰርሓለን ሰለስተ ዓመታት፡ ኣቶ ያንግ ንዝኾነ ሰብ ቀጥታዊ ትእዛዝ ክህብ ሰሚዑዎ ኸም ዘይፈልጥ እዩ ነጊሩዋ። ኣብ ክንዲ ትእዛዝ፡ ርእይቶ እዩ ዝህብ ነይሩ። ንኣብነት፥ “እዚኣ ግበራ፡” ወይ “እዚኣ ኣይትግበራ” ዘይኮነስ፡ “እዚኣ ሕሰበላ፡” ወይ “ከምዚ እንተ ኾነትዶ ይሓይሽ?” ይብል ነይሩ። ደብዳበ ምስ ጸሓፈ፡ “ከመይ ረኺብካያ?” ኢሉ ይሓትት ነይሩ። ተሓጋገዝቱ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ ኸንብብ ከሎ ድማ፥ “ነዛ ቓል’ዚኣ እንተ ቐየርናያ ኣይሓይሽን?” ይብሎም ነይሩ። ንተሓጋገዝቱ ዝኾነ ነገር ክገብሩ ኣዚዙዎም ኣይፈልጥን ነይሩ፣ ባዕሎም እናተመሃሩ ኽሰርሑ ይገድፎም ነይሩ።
ከምዚ ዓይነት ሜላ እንተ ተጠቒምካ፡ ሰባት ጌጋታቶም ንኸዐርዩ ይቐልሎም እዩ። ፍናኖም ኣይትንከፍን፣ እኳ ደኣ ክብ ይብል። ኣብ ክንዲ ተቓውሞ፡ ምትሕብባር ይፈጥር።
ብሰንኪ ትእዛዝ ዝተበገሰ ጽልኣት ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ፣ ዋላ’ውን እቲ ትእዛዝ ንርኡይ ጌጋ ኽእርም እንተ ተዋህበ። ዳን ሳንታሬሊ ዝተባህለ ኣብ ሓንቲ ሞያዊት ቤትትምህርቲ ዝምህር መምህር ኣብ ስልጠናና ብዛዕባ ሓደ ተመሃራዩ ኣዕሊሉና ነይሩ። እቲ ተመሃራይ ናብ ቤትትምህርቲ ምስ መጽአ፡ ንማኪናኡ ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ስለ ዝዓሸጋ፡ ናይ ሓንቲ ድኳን ቤትትምህርቲ መእተዊ ዓጸዎ።
ሓደ ኻብ መምህራኑ ናብ ክፍሉ ተሃንዲዱ ብምእታው ብትዕቢተኛ ደሃይ፥ “ነቲ መእተዊ ዓጽያቶ ዘላ ማኪና ናይ መን’ያ?” ኢሉ ሓተተ። እቲ ዋና ማኪና ዝኾነ ተመሃራይ ምስ መለሰ፡ እቲ መምህር፥ “ማኪናኻ ሕጂ ሕጂ እለያ፣ እንተ ዘይኮይኑ ባዕለይ ሰንሰለት ጠምጢመ ኻብቲ ቦታ ኽጐታ’የ።” ኢሉ ጨደረሉ።
እቲ ተመሃራይ፡ ነታ ማኪና ኣብኡ ኽዕሽጋ ኣይነበሮን። ጌጋ ኸም ዝፈጸመ ኣየጠራጥርን እዩ። ካብታ መዓልቲ’ቲኣ ንደሓር ግን ነቲ ዝተቛየቘ መምህር ጸሊኡዎ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኩሎም መማህርቱ ነቲ መምህር ብዝከኣሎም መገዲ ኸሸግሩዎ ጀመሩ።
እቲ መምህር እንታይ ክገብር ነይሩዎ? ትሕትና ብዝመልኦ መገዲ፥ “ኣብቲ መእተዊ ዘላ ማኪና ናይ መን እያ?” ኢሉ ምሓተተ’ሞ፡ ብድሕሪኡ፡ “ማኪናኻ እንተ ኣሊኻያ፡ ካልኦት ማካይን ክኣትዋን ክወጽኣን ምኸኣላ።” ምበሎ። እቲ ተመሃራይ ማኪናኡ ምኣለያ፣ እቲ መምህር ከኣ ብኡን ብመማህርቱን ኣይምተጸልአን።
ሕቶታት ምሕታት ንትእዛዝ የፍኲሶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ’ቶም ትሓቶም ዘለኻ ሰባት ፈጠራውነት’ውን የነቓቕሕ እዩ። ሰባት ብዛዕባ’ቲ ዝበሃሉዎ ዘለዉ ነገር ተሳትፎ ዘሎዎም ኮይኑ እንተ ተሰሚዑዎም፡ ነቲ ትእዛዝ ክቕበሉዎ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎዎም።
ኢያን ማክዶናልድ ዝተባህለ ኣብ ዮሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸም ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ፋብሪካ ዝሰርሕ ተሳታፊ ስልጠናና ዓባይ ናይ ስራሕ ዕድል ጐነፈቶ። ክቕበላ እንተ ኾይኑ ግን ኣብቲ ዝበሉዎ ዕለት ከም ዝውድኣ ርግጸኛ ክኸውን ኣሎዎ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትካሉ ድሮ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ስራሕን ነቲ ሓድሽ ስራሕ ክዛዝሞ ዝተዋህቦ ግዜን እቲ ዕማም ከይቅበሎ ተጠራጠረ።
ኣብ ክንዲ፡ ንሰራሕተኛታቱ ነቲ ስራሕ ከቀላጥፉዎን ኣብ ግዜኡ ኽውድኡዎን ዝህውኾም ግን ንኹሎም ኣኪቡ እቲ ዂነታት ገለጸሎም። ነቲ ስራሕ ኣብ ግዜኡ ኽውድኡዎ እንተ ኽኢሎም፡ ንኦምን ንትካሉን ዓቢ ነገር ምዃኑ ነገሮም። ድሕሪኡ ኽሓቶም ጀመረ፥
“ነዛ ዕማም’ዚኣ ኽንቅበላ እንተ ዄንና እንታይ ክንገብር ንኽእል?”
“ኣብ ስራሕና ኽንቅልጠፈሉ ንኽእል መገድታት ኣሎ ድዩ?”
“ናይ ሰዓታት ወይ ናይ ሰብ ምቅይያር ብምግባር ነቲ ስራሕ ኣብ ግዜኡ ኽንውድኦ ንኽእልዶ?”
እቶም ሰራሕተኛታት ብዙሕ ሓሳባት ኣምጽኡ፣ እታ ዕማም ክቕበላ ድማ ደፋፍኡዎ። “ንኽእሎ ኢና” ዝብል ኣጠማምታ ብምሓዝ ነታ ዕማም ተቐበሉዋ፣ ኣብ ግዜኦም ድማ ፈጸሙዋ።
