ኣበር ከዋኽብትና
ምዕራፍ ሓደ
ሓጋይ ኣብ ምውድኡ ኣብ መበል 17 ዓመተይ፡ ማማ ኣብ ጭንቀት ምእታወይ ርጉጽ ገይራቶ። ገለ ካብ ምኽንያታታ፥ ካብ ገዛ ምውጻእ ስለ ዝገደፍክዎ፡ ኣብ ዓራት ስለ ዝውዕል፡ ንሓንቲ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ስለ ዘንብብ፡ መግቢ ብዙሕ ስለ ዘይበልዕ፡ ዝበዝሐ ካብ ናጻ ግዜይ ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣብ ምሕሳብ ስለ ዘሕልፎ ዝብሉ’ዮም ነይሮም።
ዝበዝሑ ብዛዕባ መንሽሮ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ፡ ናይ ኢንተርነት ገጻት ወይ’ውን መጽሄታት ንጭንቀት ከም ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ መንሽሮ ገይሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ጭንቀት ግን ጐናዊ ሳዕቤን ናይ መንሽሮ ኣይኮነን፣ ጭንቀት ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ። (መንሽሮ’ውን ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ፣ ወረ ኹሉ ነገር ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ)። ማማ ግን ሕክምና የድልያ’ዩ ኢላ ስለ ዝኣመነት፡ ናብ ስሩዕ ሓኪመይ ዶክተር ጂም ወሰደትኒ። ንሱ’ውን ኣብ ሓደ ዘልምስ ናይ ጭንቀት ሕማም እሕንብስ ከም ዘለኹ ምስ ማማ ተሰማምዐ። ዝወስዶም መድሃኒት ክመዓራረዩን ሓንቲ ግዜ ኣብ ሰሙን ናብ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክመላለስ ወሲንለይ።
እቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናይ መንሽሮ ዝርከቡ ሰባት ከቢቦም ዝዛረቡሉ ቦታ’ዩ። ስለምንታይ’ዮም ኣብ ክቢ ተቐሚጦም? ንሱ’ውን ጐናዊ ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ።
ኣብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ምውዓል ካብ መጠን ንላዕሊ ኣሰቃቒ’ዩ ነይሩ። እቲ ጒጅለ፡ ነፍስወከፍ ረቡዕ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ሓደ ብእምኒ ዝተሰርሐ፡ መስቀላዊ ቅርጺ ዘለዎ ቤተክርስትያን ይእከብ። ኣብ ማእከል ናይቲ መስቀል፡ ማለት ኣብቲ እተን ክልተ ኣዕኑድ ናይቲ መስቀል ዝራኸባሉ፡ ኣብታ ልቢ ናይ ክርስቶስ ክትህልወላ ዝግብኣ ቦታ፡ ኩልና ከቢብና ኮፍ ንብል።
ነዚ ዘስተውዓልኩሉ መገዲ፡ ፓትሪክ፡ መራሒ ናይቲ ጒጅለ ከምኡ’ውን ኣብቲ ክፍሊ እቲ እንኮ ልዕሊ 18 ዝዕድሚኡ ሰብ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ምርኻብና ብዛዕባ ልቢ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዛረብ’ዩ። ኩሉ ግዜ፡ ንሕና ተቓለስቲ መንሽሮ ዝኾንና መንእሰያት ኣብቲ ቕዱስ ልቢ ናይ ክርስቶስ ኮፍ ኢልና ከም ዘለና’ዩ ዝዛረብ።
ኣብ ልቢ ናይ ክርስቶስ ዝካየድ ንጥፈታት’ምበኣር እዚ ዝስዕብ’ዩ፥ እቶም ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወይ’ውን ዓሰርተ ንኸውን ሰባት ገለ ብእግርና ገለ’ውን ብዓረብያ ናብቲ ክፍሊ ንኣቱ፣ ካብቲ ዝተቐረበ ብሽኮትን ጽማቚ-ለሚንን ድሕሪ ምቊዳስ ከኣ ኣብቲ ክቢ ኮፍ ንብል፣ ንመበል ሽሕ ግዜ ዝኸውን ከኣ ፓትሪክ ነቲ መሰልከይ ዝኾነ ታሪኽ ህይወቱ ከዘንቱ ንሰምዖ። ሕማሙ መንሽሮ ናይ ፍረነብሲ ምዃኑ፡ ክመውት’ዩ ኢሎም ሓሲቦም ከም ዝነበሩ ግን ከም ዘይሞተ፡ ሕጂ ከኣ እኹል ሰብኣይ ኮይኑ፡ ኣብ ሓንቲ ቤተክርስትያን ናይታ ብጽባቐኣ ኣብ መበል 137 ተርታ ትስራዕ ከተማ ናይ ኣመሪካ ከም ዝርከብ ይትርኽ። ፓትሪክ ካብ ሓዳሩ ዝተፋትሐ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ ስለ ዘይብሉ፡ ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብቲ ዝተወለፎ ናይ ቪድዮ ጸወታታት’ዩ ዘሕልፎ። መዓልታዊ ካብቲ መንሽሮኣዊ ሕሉፉ እናገናጸለ ኣዝዩ ተራ ናብራ ይነብር። ቀስ እናበለ ከኣ ነቲ ንመጻኢ ህይወቱ ዝኾነ ኣበርክቶ ክህልዎ ዘይኽእል ናይ ማስተርስ ዲግሪ ይመሃር። መንሽሮ ንኽልቲአን ፍረነብሱ ወሲዱ፡ ነታ ‘ብርኽቲ’ ነፍሱ ገዲፉሉ እዩ። እቲ ደጋጊምና ንሰምዖ ታሪኽ ናይ ፓትሪክ እዚ’ዩ።
ብድሕሪኡ ንሕና ከኣ ነብስና ነላሊ፥ ስምካ፡ ዕድመኻ፡ ሕማምካ፡ ኣብታ መዓልቲ ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ ድማ ትገልጽ። ተራይ ምስ በጽሐ፥ “ሄዝል ይበሃል፡” እብል። “ጓል 16 ዓመት’የ። ሕማመይ መበገሲኡ ኣብ ጒዕጒዕቲ’ዩ፣ ግን ከኣ ሰራዊት መንሽሮ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሳንቡአይ ሰሪቶም ኣለዉ። ሎሚ ከኣ ደሓን ኣለኹ።” ጒዕጒዕቲ (thyroid) ኣብ ክሳድና እትርከብ ታይሮክሲን ዝተባህለ ሆርሞን ተፍሪ ጽኪ’ያ።
ኩሉ ሰብ ተዛሪቡ ምስ ወደአ ፓትሪክ ዝኾነ ክንብሎ ንደሊ እንተሎ’ዩ ዝሓተና። እቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ከኣ ስርሑ ይጅምር፣ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ዝቃለሶ ዘሎ ቃልሲ፡ ኲናት፡ ዓወት፡ ፍርሕን ትጽቢትን ይዛረብ። ሓቂ ንምዝራብ ፓትሪክ ብዛዕባ ሞት’ውን ክንዛረብ ይፈቕደልና’ዩ። ግን ዝበዝሑ ኣብቲ ጒጅለ ዝነበሩ ሰባት ንሞት ቀረባ ኣይኮኑን፣ ዝበዝሑ ከም ፓትሪክ ናብ ዓቕመ-ኣዳም ክበጽሑ’ዮም።
እዚ ማለት ከኣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ውድድር’ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ንመንሽሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብቲ ክፍሊ ዘለዉ ሰባት’ውን ክስዕሮም’ዩ ዝደሊ። ዘይምኽንያታዊ ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ፣ ግን ከኣ ሓሙሽተ ዓመታት ንኽትነብር 20% ዕድል’ዩ ዘሎካ ክብሉኻ ከለዉ፡ እቲ ቊጽሪ ይስቆረካ’ሞ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ጥራይ ክነብር ከም ዝኽእል ይርድኣካ። ልክዕ ከም ሓደ ዝኾነ ጥዑይ ሰብ ዝገብሮ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ ከወድኦም ኣሎኒ ኢልካ ትሓስብ።
እታ እንኮ ደስ ትብለኒ ክፋል ናይዛ ናይ ሓገዝ ጒጅለ፡ ሸሊሕ ገጽን ሰጥ ኢሉ ንሓንቲ ዓይኑ ሸፊኑ ናብ ገጹ ዝወርድ ጻዕዳ ጸጒርን ዝውንን ኢሳቕ ዝስሙ ቀጢን ወዲ’ዩ። ናይዚ ወዲ ጸገሙ ኣዒንቱ’የን። ክትኣምኖ ዘጸግም ናይ ዓይኒ መንሽሮ’ዩ ዘለዎ። ቈልዓ ከሎ፡ ሓንቲ ዓይኑ ብመጥባሕቲ ካብ ቦታኣ ተኣልያ፡ ብባምቡላ ተተኪኣ’ያ። ሕጂ ከኣ ንኣዒንቱ (ነታ ጥዕይትን ነታ ባምቡላን) ልዕሊ ዓቐን ኣግዚፉ ዘርኢ፡ ኣዝዩ ረጒድ መነጽር’ዩ ዝወዲ። እዚ ከኣ ንገጹ፡ ኣፍጢጡ ዝጥምተካ ዘሎ ናይ ጥዑይ ሰብን ባምቡላን ገጽ የምስሎ። ኢሳቕ ኣብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክዛረብ ከሎ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ መንሽሮ ነታ ተሪፋ ዘላ ጥዕይቲ ዓይኑ’ውን ኣብ ናይ ዑረት ሓደጋ ኣብጺሕዋ ኣሎ።
ናተይን ናይ ኢሳቕን ርክብና፥ “ኡፍ!” ብምባል’ዩ። ገለ ኣባላት ጒጅለና ብዛዕባ ንመንሽሮ ንምቅላስ ዝሕግዝ ኣመጋግባ (ዝተጣሕነ ኽንፊ ሻርክ ብኣፍንጫካ ምስሓብ ወዘተ) ወይ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራት ክዛረቡ ከለዉ፡ ኢሳቕ ናባይ ጠሚቱ ቀስ ኢሉ፥ “ኡፍፍፍ!” ይብል፡ ኣነ ድማ ርእሰይ ቁሩብ እናነቕነቕኩ፡ ቀስ ኢለ፥ “ኡፍፍፍ!” እምልሰሉ።
ነቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ኣመና ጸላእክዎ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ከኣ ንማማ ከዕገርግረላ ጀመርኩ። ኣብታ ንኣጋስተስ ዋተርስ ዝተላለኹላ ረቡዕ፡ ምስ ማማ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልና 3ይ ዙር ናይቲ ዝፈትዎ ውድድር ፋሽን እናተኸታተልና፡ ካብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክወጽእ ደልየ ብዝከኣለኒ ተኸራኸርኩ።
“ናብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ዝበሃል ኣይከይድን’የ።”
“ሓደ ካብ ምልክታት ጭንቀት፡ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ዝነበረካ ድልየት ምጥፋእ’ዩ።”
“ማማ በጃኺ! እዚ ናይ ፋሽን ውድድር ጥራይ ዘይርኢ? እዚስ ንጥፈት’ንድዩ።”
“ተለቪዥን ምርኣይ ምስ ንጥፈት ኣይቊጸርን’ዩ።”
“ኡፍፍፍ ማማ በጃኺ።”
“ሄዝል ንስኺ’ኮ ዓባይ ጓል ኣኺልኪ ኢኺ፣ ቈልዓ ኣይኮንክን ዘለኺ። መሓዙት ክትላለዪ፡ ካብ ገዛ ወጺእኪ፡ ህይወትኪ ምንባር ጀምሪ።”
“ዓባይ ጓል ኣኺላ ኢልኪ ትሓስቢ እንተ ዄንኪ፡ ናብ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ዘይኮንክስ፡ ናይ ሓሶት መንቀሳቐሲ ኣስሪሕኪ፡ ናብ ለይታዊ ትልሂታት ከይደ ቮድካ ክሰቲ፡ ሓሺሽ ክወስድ ኢኺ ክትሰድኒ’ዩ ዝግብኣኪ።”
“ንኣፍልጦኪ ሓሺሽ ኣይውሰድን’ዩ፣ ይቈሓም’ዩ።”
“ርኢኺ? ናይ ሓሶት መንቀሳቐሲ ሰሪሕክለይ እንተ ትነብሪ ምፈለጥክዎ ነይረ።”
“ናብ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክትከዲ ኢኺ።”
“ኡፍፍፍፍፍፍፍ!”
“ሄዝል ህይወትኪ ክትነብርያ ኣሎኪ።”
ዋላ’ኳ ናብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ምኻድ፡ ከመይ ኢሉ ምስ ‘ህይወት’ ከም ዝቑጸር እንተ ዘይተዋሕጠለይ ብድሕሪኡ ግን ኣይተዛረብኩን። ማማ ነቲ ምስ ከድኩ ዝሓልፈኒ መደብ ውድድር ፋሽን ብቪድዮ ክትቀርጸለይ ምስ ተሰማማዐት፡ ኣነ ድማ ናብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክኸይድ ተሰማማዕኩ።
ናብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ዘኸደኒ እንኮ ምኽንያት ንወለደይ ንምሕጓስ ጥራይ’ዩ። ኣብ ሕክምና ናይ 18 ኣዋርሕ ጥራይ ትምህርቲ ዘሎወን ነርሳት፡ ብባዕዳዊ ኣስማት ዘለዎ መድሃኒታት ገይረን ኣካላተይ ክምርዛ ዝፈቕደለን’ውን ንወለደይ ንምሕጓስ’ዩ። ኣብዚ ዓለም ጓል 16 ዓመት ኴንካ ምስ መንሽሮ ካብ ምቅላስ ዝኸፍእ ሓደ ነገር ጥራይ’ዩ ዘሎ፣ ንሱ ከኣ ምስ መንሽሮ ትቃለስ ውላድ ክትህልወካ’ዩ።
ማማ ኣብቲ ከቢብ ቅርጺ ዘለዎ ናይቲ ቤተክርስትያን መዐሸጊ ማካይን፡ ሰዓት 4፡56 በጸሐት። ግዜ ንምቕታል፡ ምስቲ ናይ ኦክሲጅን ዕትሮይ ዝጻወት ዘለኹ ክመስል ፈተንኩ።
“ክስከመልኪዶ?”
“ነኖእ፡ ጸገም የብሉን።” በልክዋ። እታ ቀጠልያ ሲሊንደራዊ ቅርጺ ዘለዋ ዕትሮይ ፈኳስ’ያ፣ ንዓኣ ዝስከም ኮረር ዝብል እግሪ ዘለዎ ንእሽቶ መጽዓኒ’ውን ኣለዋ። እዛ ዕትሮ ኣብ ነፍስወከፍ ደቒቕ፡ ክልተ ሊትሮ ዝኸውን ኦክሲጅን ብቱቦ ናብ ሳናቡአይ ትልእኽ። እቲ ቱቦ ካብታ ዕትሮ ተበጊሱ፡ ኣብ ከባቢ ክሳደይ ምስ በጽሐ ናብ ክልተ ይምቀል፣ ብድሕሪ እዝነይ ሓሊፉ ከኣ ናብ መሳዂቲ ኣፍንጫይ ይጽንበር። ብሓገዝ እዚ ማሽን’ዚ ዝንቀሳቐሰሉ ምኽንያት ድማ ሳናቡአይ ከም ሳናቡእ ኮይነን ከገልግላኒ ስለ ዘይክእላ’ዩ።
“አፍቅረኪ’የ፡” በለትኒ ማማ ካብ ማኪና ክወጽእ ከለኹ።
“ዋላ ኣነ፣ ሰዓት 6 የራኽበና።”
“መሓዙት ግበሪ፡” ድማ በለትኒ ቀቅድሚ ምብጋሳ።
ሊፍት ክወስድ ኣይደለኹን፣ ምኽንያቱ ኣብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ፡ ሊፍት ምውሳድ ማለት፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት ህይወትካ በጺሕካ ኣለኻ ማለት’ዩ። ስለዚ በቲ መሳልል ወረድኩ፣ ካብቲ ጠረጴዛ ብሽኮትን ጽማቚ-ለሚንን ሒዘ ናብ ኮፍ መበልየይ ክከይድ ምስ ተጠወኹ ድማ ሓደ ወዲ ቀው ኢሉ ክጥምተኒ ረኣኹ።
ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ከም ዘይፈልጥ ርግጸኛ’የ። እቲ ቈማትን ብጭዋዳታት ዝመልአን ሰብነቱ፡ ነታ ኮፍ ኢልዋ ዝነበረ መንበር ናይ መውዓሊ ህጻናት ኣምሲልዋ ነበረ። ሓጺርን እርኑብን ቡናዊ ዝሕብሩ ጸጒሪ ኣለዎ። መሰታይ’ዩ ዝመስል፣ ምናልባት ብሓደ ዓመት ይዓብየኒ ይኸውን። ኣብ ጫፍ ናይታ መንበር ተቐሚጡ፡ ሓደ ኢዱ ኣብቲ ጸሊም ጅንሱ ኣእትዩ፡ ዘይምቹእ ኣቀማምጣ’ዩ ተቐሚጡ ነይሩ።
ሃንደበት እቶም ማእለያ ዘይብሎም ጐዶሎታተይ ኣብ ሓንጎለይ መጽኡኒ’ሞ ኣዒንተይ ካብቲ ወዲ ኣለኹ። ቀደም ቀጥ ኣቢሉ ዝሕዘኒ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ዘለቕለቕ ዝበለኒ ዝኣረገ ጅንስን ናይ ዘይፈትውዎም ጒጅለ ሙዚቃ ስእሊ ዘለዋ ብጫ ማልያን’የ ተኸዲነ ነይረ። ኣብ ከባቢ እዝነይ ዝበጽሕ ሓጺር ጸጒረይ’ውን መዘርገፍ ኣይሓለፎን። ካብኡ ብዝገደደ ከኣ ብሰንኪ እቲ ዝወስዶ መድሃኒታት፡ ምዕጒርተይ ገዚፉ፡ ከቢበ’የ ነይረ። ስለዚ ሰብ ክርእየኒ ከሎ፡ ንቡር ቅርጺ ኣካላት ዘለዋ ግን ከኣ ርእሳ ባላንቺና ዝመስል ጓል’የ ዝመስል። ናይቲ ዝሓበጠ እግረይ’ሞ ዘረባ የብሉን፡ ብኽዱኑ ንግደፎ። ተመሊሰ ነቲ ወዲ ዓይነይ ሰሪቐ ጠመትክዎ፣ ገና ኣዒንቱ ኣባይ’የን ነይረን።
ናይ ዓይኒ-ርክብ ዝብሃል ነገር ሽዑ’ዩ በሪህለይ።
ካብቲ ደው ኢለሉ ዝነበርኩ ናብቲ ክቢ ብምኻድ፡ ካብቲ ወዲ ክልተ መንበር ርሒቐ፡ ኣብ ጐኒ ኢሳቕ ኮፍ በልኩ። ሕጂ’ውን ደጊመ ጠመትክዎ፣ ገና ይጥምተኒ ነይሩ። ሕጂ ክነግረኩም ስምዑኒ፣ ናይ ብሓቂ መሀነን ወዲ’ዩ። ሓደ መሀነን ዘይኮነ ወዲ ከምዚ ገይሩ እንተ ጠሚትካ፡ ኩነታት ደሓን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ቅጭ የምጽኣልካ፣ ኩነታት ደሓን እንተ ዘይኮይኑ ከኣ ምስ ምድፋር ይቑጸር። በቲ ሓደ ወገን ግን ሓደ ምልኩዕ ወዲ ከምዚ ገይሩ ክጥምተካ .... ማለት’ሲ ...
