ወዲ ሃብታምን ወዲ ድኻን

ትምህርትና ይጅምር

“ንሰዓት ዓሰርተ ሳንቲም ክኸፍለኩም እየ፡”

ዋላ ብናይ 1956 ደረጃ፡ ዓሰርተ ሳንቲም ትሑት ነበረ።

ኣነን ማይክን ንኣቦኡ ሰዓት ሸሞንተ ንግሆ ኢና ረኺብናዮ። ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ስራሕ ጸንሓና። ናይታ ኩባንያ ህንጻኡ ኣካያዲ ስራሕ ብማኪናኡ እናተበገሰ እየ ናብታ ንእሽቶን ጽፍፍትን ገዛኡ በጺሐ። ማይክ ኣብ ማዕጾ ረኸበኒ።

“ባባ ተሌፎን ይዛረብ ኣሎ፣ ኣብዚ ገበላ ጽንሑ ኢሉኒ።” በለ ማይክ ማዕጾ እናኸፈተ።

ክስጒም ከለኹ እቲ ዝኣረገ ዕንጸይቲ ምድሪቤት ናይታ ዕድመ ዝደፍአት ቤት ዓቐቕ ይብል ነበረ። እትው ምስ በልካ ሓንቲ ጽርይቲ ግን ከኣ ርካሽ ምንጻፍ እያ ትጸንሓካ። እታ ምንጻፍ፡ ነቲ ዝኣረገ ምድሪቤት ክትሓብእ ከም ዝተነጽፈት ገምገምኩ።

ናብታ ብኣቕሑ ቤት ጽሕፈት ዝተጠቕጠቐት ጸባብ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣተና። ኣብቲ ሶፋ ኻብ ማማ ዝዓብያ ዝመስላ ኽልተ ኣንስቲ ኾፍ ኢለን ነበራ። ፊተን ድማ ናይ ስራሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ ነበረ። ዝተስታረረ ካኪ ካምቻን ካኪ ስረን ዝተኸድነ ኾይኑ፡ ጽፉፋት መጻሕፍቲ ሒዙ ነበረ። ካብ ባባ ብዓሰርተ ዓመታት ይዓቢ፣ ወዲ 45 ይመስል። ኣነን ማይክን ምስ ሓለፍናዮም ፍሽኽ በሉ። ክሽነ ሓሊፍና ናብቲ ናይ ድሕሪት ገበላ ወጻእና።

“እዞም ሰባት መን እዮም?” ንማይክ ሓተትኩዎ።

“ምስ ባባ እዮም ዝሰርሑ። እቲ ሰብኣይ ናይቲ መኽዘናት ኣካያዲ ስራሕ እዩ፣ እተን ኣንስቲ ኸኣ ናይቲ ኣባይቲ መግቢ እየን። ጽርግያ ዝሰርሑ፡ ገዛውቲ ዝሰርሑ ኸኣ ኣለዉ።”

“እዚ ስራሕ ኵሉ ግዜ ኸምዚ እዩ?” ሓተትኩዎ።

“እወ፡ ዳርጋ ኹሉ ግዜ፡” በለ ማይክ ፍሽኽታ ሓዊሱ። መንበር ስሒቡ ድማ ኣብ ጥቓይ ኮፍ በለ።

“ገንዘብ ከመይ ጌርካ ተዋህልል ክምህረና ሓቲተዮ፡” በለ ማይክ።

“እሞ እንታይ ደኣ በለካ?” በልኩ ብህንጡይነት።

“መጀመርታ ተገሪሙ ጠሚቱኒ፡ ድሕሪኡ ግን ሓንቲ ሓሳብ ኣላትኒ ኢሉኒ።”

“ህ፡” በልኩዎ ኣብ ጫፍ መንበረይ በጺሐ። “እንታይ ዓይነት ሓሳብ?”

ማይክ’ውን ከምኡ ኣብ ጫፍ በጺሑ መለሰለይ። “እንድዒ፣ ሕጂ ኽንሰምዖ ኢና።”

ሃንደበት ድማ ኣቦ ማይክ ነቲ ዝቘንቈነ ማዕጾ ፈግ ኣቢሉ ኸፊቱ ናብቲ ገበላ ወጽአ። ኣነን ማይክን ብድድ በልና።

“ተዳሊኹምዶ?” መንበር ስሒቡ ኾፍ እናበለ ሓተተና።

ርእስና እናነቕነቕና መንበርና ስሒብና ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ በልና።

ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ኣቦይ ካብኡ ይቝምት፡ ተመሳሳሊ ኽብደት ዝነበሮም ግን ይመስሉ። ካብ ባባ ድማ ብሓምሽተ ዓመት ዝንእስ ይመስል። ካብ በበይኑ ዓሌት ክነሶም ዳርጋ ሓደ ይመስሉ ነበሩ። እቲ ናይ ክልቲኦም ሓይሊ እዩ ግዲ ሓደ ኣምሲሉዎም።

“ማይክ ብዛዕባ ገንዘብ ምውህላል ክትመሃር ከም ትደሊ ነጊሩኒ። ሓቁ ድዩ ሮበርት?”

ቁሩብ ተዳሂለ ርእሰይ ነቕነቕኩ። ቃላቱን ፍሽኽታኡን ሓያላት ነበሩ።

“ሕራይ በሉ። ክምህረኩም እየ፡ ግን ከም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣመሃህራ ገይረ ኣይምህረኩምን እየ። ኣብ ትሕተይ ትሰርሑ፡ ኣነ ድማ ኽምህረኩም እየ። እንተ ዘይኮይኑ ኣይምህረኩምን እየ። እንተ ሰሪሕኩም ቀልጢፍኩም ክትመሃሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ ክፍሊ ትገብሩዎ፡ ኮፍ ኢልኩም ክትሰምዑ እንተ መሪጽኩም ግን ግዜና ኢና ኸነጥፍእ። እዚኣ እያ ሓሳበይ። ወይ ውሰዱዋ ወይ ግደፉዋ።”

“መጀመርታ ኽሓትትዶ?” በልኩ።

“ኣይፋልን፣ ውሰዱዋ ወይ ግደፉዋ። ብዙሕ ስራሕ ከሎኒ ግዜይ ዘጥፍኣሉ ምኽንያት የብለይን። ቀልጢፍኩም ክትውስኑ እንተ ዘይክኢልኩም ገንዘብ ከተዋህልሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ዕድላት ኣይጽበዩኻን እዮም። መኣስ ቅልጡፍ ውሳነታት ትወስድ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝሓተትኩሞ ዕድል ረኺብኩሞ ኣለኹም። ትምህርትና ሕጂ ይጅምር ኣሎ፣ ከተቋርጹ ዓሰርተ ኻልኢታት ኣሎኩም።” ኣቦ ማይክ ክምስታ ሓዊሱ ተዛረበ።

“ንጀምር፡” በልኩ።

“ንጀምር፡” በለ ማይክ።

“ጽቡቕ፡” በለ ኣቦ ማይክ። “ወይዘሮ ማርቲን ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ ክትኣቱ እያ። ምስኣ ምስ ወዳእኩ ናብ ድኳነይ ክትወስደኩም እያ። ስራሕኩም ክትጅምሩ ኢኹም። ንሰዓት ዓሰርተ ሳንቲም ክኸፍለኩም እየ። ቀዳም ቀዳም ንሰለስተ ሰዓታት ክትሰርሑ ኢኹም።”

“እሞ ሎሚ ደኣ ናይ ሻኵ-ኣመሪካ ጸወታ ኣሎኒ’ንዶ፡” በልኩ።

ኣቦ ማይክ ብዕቱብ ደሃይ ተዛረበ፤ “ውሰዳ ወይ ግደፋ፡” በለኒ።

“ንጀምር፡” በልኩ ኻብ ምጽዋት፡ ምስራሕን ምምሃርን መሪጸ።

ድሕሪ ሰላሳ ሳናቲም

ቀዳም ንግሆ ኣነን ማይክን ኣብ ትሕቲ ወይዘሮ ማርቲን ንሰርሕ ነበርና። ለዋህን ትዕግስተኛን ሰበይቲ ነበረት። ኵሉ ግዜ ኣነን ማይክን ነቶም ምስ ዓበዩ ኻብኣ ዝረሓቑ ክልተ ደቃ ኸም እነዘኻኽራ እያ ትነግረና። ዋላ’ኳ ለዋህ እንተ ነበረት፡ ብዘይ ዕረፍቲ ተስርሓና ነበረት። ዕሹግ መግቢ ኻብ ከብሕታት ኣውሪድና፡ ነጊፍና፡ መሊስና ብጽፈት ክንሰርዕ ሰለስተ ሰዓታት ነሕልፍ ነበርና። ኣዝዩ ኣሰልካዪ ስራሕ እዩ ነይሩ።

ኣቦ ማይክ፡ እቲ ሃብታም ኣቦይ፡ ትሽዓተ ድኳናት ነይረንኦ። ከም ጸባ፡ ባኒ፡ ጠስሚ፡ ሽጋራ ዝኣመሰለ ንብረት ዝሸጣ ንኣሽቱ ድኳናት እየን ዝነበራ። እቲ ጸገም ግን ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሃዋዪ መዝሓሊ ኣይነበረን፣ ስለዚ ኽልቲኡ ማዓጹ ተኸፊቱ እዩ ዝውዕል። ዘዝሓልፈት ማኪና ዘልዓለቶ ደሮና ድማ ኣብታ ድኳን ይዓርፍ ነበረ። ስለዚ ንዓና ዝኸውን ስራሕ ተሳኢኑ ኣይፈልጥን።

ኣነን ማይክን ናብ ወይዘሮ ማርቲን እናመጻእና ንሰለስተ ሰሙን እተን ሰለስተ ሰዓታትና ዓየናየን። ፍርቂ መዓልቲ ኾይኑ ስራሕና ምስ ወዳእና ሰለስተ ነናይ ዓሰርተ ሳንቲም ኣብ ኢድና ትህበና። ኣብ 1956፡ ዋላ’ውን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኴንካ ሰላሳ ሳንቲም ኣዝዩ ዘደስት ኣይኮነን። ኣብቲ ግዜ’ቲ መጻሕፍቲ ኮሚክ ዋጋኦም ዓሰርተ ሳንቲም ስለ ዝነበረ፡ ደሞዘይ ኣብ’ተን መጻሕፍቲ ወዲአ ገዛይ እኸይድ ነበርኩ።

ኣብታ ናይ ራብዐይቲ ሰሙን ረቡዕ፡ ስራሐይ ከቋርጽ ወሰንኩ። ካብ ኣቦ ማይክ ብዛዕባ ገንዘብ ክመሃር ስለ ዝደለኹ እየ ነቲ ስራሕ ጀሚረዮ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ንሰዓት ብዓሰርተ ሳንቲም ዝሰርሕ ጊላ ኾይነ ነበርኩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ካብታ ቐዳመይቲ ቐዳምና ንደሓር ንኣቦ ማይክ ርእየዮ ኣይፈልጥን።

“ስራሕ ክገድፎ እየ፡” ንማይክ ኣብ ግዜ ምሳሕ ነገርኩዎ። ናይ ቤት ትምህርትና ምሳሕ ደስ ዘብል ኣይነበሮን። ቤት ትምህርቲ ኣሰልካዪ ነይሩ፣ ናይ ቀዳም ዕረፍተይ ከኣ ብሰንኪ’ቲ ስራሕ ስኢነየን። ቀንዲ ዓቕለይ ዘወድኣኒ ግን እተን ሰላሳ ሳናቲም እየን።

ማይክ ፍሽኽ በለ።

“እንታይ ኴንካ?” በልኩ ሕርቃንን ዓቕሊጽበትን ተፈራሪቑኒ።

“ባባ ኸምዚ ኸም ትብል ተረዲኡዎ ነይሩ። ስራሕ ክትገድፎ ምስ ደለኻ ክንረኽቦ ነጊሩኒ ነይሩ።”

“እንታይ? ክሳዕ ፍጊዕ ዝብለኒ ኽጽበ ጸኒሑ?”

“ዳርጋ። ባባ ፍልይ ዝበለ እዩ። ኣመሃህራኡ ፍሉይ እዩ። ባባኻን ማማኻን ክምህሩ ኸለዉ ብዙሕ እዮም ዝዛረቡ፣ ባባ ግን ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ። ክሳዕ’ዛ ቐዳም’ዚኣ ተጸበ፣ ከም ዝተዳለኻ ክነግሮ እየ።”

“ተጻዊቱለይ ማለት እዩ፡”

“ይኸውን፣ ደሓን ቀዳም ባዕሉ ኽገልጸልካ እዩ።”

Previous
Previous

ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት