ምስለይ

ምስ ነብሰይ

፷፱

“ምሳና ዲኻ ምስኣቶም?”

መን ኢኹም ንስኻትኩም

መን’ዮም ንሳቶም?

ኣይ ንስኻትኩም ካብኣቶም

ኣይ ንሳቶም ካባኻትኩም

ንስኻትኩም ኣብኣቶም

ንሳቶም ኣባኻትኩም፣

ጎጮ ንጎጮ

ገማጢልካ ወጮ

ደጊምዶ ብኣኹም ኣነ ኽበሳጮ

እንታይ ገደሰኒ ምስ ነብሰይ ዝጋጮ፣

ኣይክእሎን’የ በቃ ኾይነ ወዲ መንጐ

ስለ ፈጣሪ በጃኹም ስለ ኣባጅጎ

ዋላ ሕሰብዎ መግለጺ ንቕጽናይ

ክነብር ምባለይ ኣነ ኸም ምርጫይ

ንሱ’ዩ መዝሙረይ፡ ጐይታ ነብሰይ ኮይነ

ኣብ ኩሉ የለኹን ምስ ነብሰይ’የ ኣነ።

ብንብዓተይ

፺፯

ዋላ ነዛ ቛሕሰም ብዘይ ድግማ

እንተ ዝፍቀደለይ ሓቚፈ ኽስዕማ

ኣይምተዛረብክዋን!

እንታይ’ለ ኸዕልል?

በየናይ ጀሚረ እንታይ’የኸ ክብል!?

ግን ...!

በታ ሓንቲ ንጣብ ንብዓተይ ኩሉ ኸጠቓልል

ምነባዕኩ በቃ ጾር ውሽጠይ ከቃልል

ከምኡ ብሂገ ’ወ፡ ከምኡ ተመንየላ

ዓለም ደልሃመት’ንድያ ንሳ ’ተ ዘየላ፣

ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ

ነታ ጻዕዳ ልባ ተምሳል ንጹህ ፍቕሪ፡

ነደይ ክንደይ ከም ዘፍቅራ

ብንብዓት ክነግራ

ጃሕጃሕ መበልክዎ ንብዓተይ ከም ዛራ።

Previous
Previous

Baba Abura Baba Bara

Next
Next

ኣቶማዊ ልምድታት