ሓይሊ ራእይ

ንስኻ ግን ‘ተራ’ ናብራ ኽትነብር ዝተፈጠርካ ስለ ዘይኮንካ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ዓይነት ኣነባብራ ትነብር እንተለኻ ከቶ ሕጒስ ኣይክትከውንን ኢኻ። ኣምላኽ ምስ ኣከባቢኻ ተሓዋዊስካ ኽትነብር ዘይኮነ፡ ፍልይ ኢልካ ኽትወጽእ ኢሉ እዩ ሰሪሑካ። እስከ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕንባባታት ሕሰብ። ኩሎም ዕንባባታት እዮም፡ ኩሎም ግን ሓደ ምስ ሓደ ዘመሳስል ዘይብሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት እዮም። ብዛዕባ ጫካ ሕሰብ። መጀመርታ እቶም ኣግራብ ሓደ ዓይነት ኮይኖም እዮም ዝረኣዩኻ፣ ቀሪብካ ምስ እትጥምቶም ግን ናይ ነፍስወከፍ ገረብ ቅርጺ ዝተፈላለየ ምዃኑ ተስተውዕል። ነፍስወከፍ ዓይነት ገረብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ቕርጺ ኣቚጽልቲ ኸም ዘሎዎ ትርዳእ። ስለምንታይ? ፍሉይነት፡ ሓደ ኽፋል ፍጥረት ኣምላኽ እዩ።

ኣብ ሰባት መጺእና’ውን ውልቃዊ ኣፈጣጥራ ኸምኡ እዩ። ኣምላኽ፡ ኣብ መንጐ ካልኦት ኣትዩ ኽጠፍእ ዝደልዮ ሰብ የሎን። እስከ ሕሰቦ! ኣብዛ ፕላነት ልዕሊ ሽድሽተ ቢልየን ሰባት ኣለዉ፣ ግን ሓደ’ኳ ኸም ናትካ ዝመስል ኣሰር ኢድ ዘሎዎ የሎን። ነዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ሓቂ’ዚ ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣቲና ንጠፍእ ክሳዕ ዘለና ግን ንነብስና ቐጻሊ ኸነዘኻኽራ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ከም ‘ተራ ሰብ’ ክሓስቡኻ ይኽእሉ እዮም፣ ግን ተጋግዮም ኣለዉ። ንዝኾነ ሰብ ከም ተራ ሰብ ገይሩ ክቘጽረካ ኣይትፍቀድ። ዝኾነ ሰብ ካብቲ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ትሓስባ ኣትሒትካ ኸም ትሓስባ ምስ ዝገብረካ፡ ኣብ ቅድሚ መስትያት ኴንካ ንገዛእ ነብስኻ፤ “ንስኻ ብሉጽ ፍጥረት ኢኻ!” በላ። ንስኻ መተካእታ-ኣልቦን ፍሉይን ፍጥረት ኢኻ፣ ኣብዛ ምድሪ ንኣኻ ዝመስል ዝኾነ ፍጡር የሎን። ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ዝፈጠረካ ንዘለዓለም ፍሉይ ኴንካ ኽትነብር ስለ ዝደለየ እዩ።

ኣብ ስነ-ቚጠባ፡ ናይ ሓደ ነገር ዋጋ ዝውስን ረቛሒ ኽንዲ ምንታይ ይርከብ ወይ ይሰኣን እዩ። ንኣብነት፤ ሓቀኛ ሉል ኣብ ውሽጢ ሒደት እንስሳታት ስለ ዝርከብ ኣዝዩ ኽቡር እዩ፣ ሃሰስ ኢልካ እዩ ዝርከብ። ሓቀኛ ኣልማዝ ኣዝዩ ኽቡር እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ዝመስሉ ኣልማዝ ኣይርከቡን እዮም። ወርቂ ንባዕሉ ንኽትረኽቦ ኣዝዩ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ስለ ዝኾነ ዋጋኡ ኽቡር እዩ። ነዳዲ’ውን ኣዕሚቚካ ዂዒትካ ዝርከብ’ምበር ኣብ ገበላኻ ፈሲሱ ትረኽቦ ነገር ስለ ዘይኮነ ብኽቡር ዋጋ ኢኻ ትዕድጎ።

ብተመሳሳሊ ኣምላኽ ንዘለዓለም ክቡር ክትከውን ስለ ዝደለየካ ንዘለዓለም ፍሉይ ከም ትኸውን ገይሩ ሰሪሑካ። ፍሉይ ዓይነት ገይሩ ፈጢሩካ። ናብ ሓደ ምጉዳል ዋጋ ዝገበረ እንዳ ኽዳውንቲ እንተ ኣቲኻ ዝበዝሑ ቐምሻት፡ ናይ ስፖርት ልብስታት ወይ’ውን ክራቫታታት ኣዝዮም ተመሳሰልቲ ምዃኖም ኢኻ ተስተብህል። ሓደ ዓይነት ቅድን ሕብርን ዘለዎም ዕስራ ዝኾኑ ኽዳውንቲ ትርኢ። እዞም ክዳውንቲ’ዚኦም ብብዝሒ ስለ ዝፈረዩ ብሕስር ዝበለ ዋጋ ኽትረኽቦም ኣይትጽገምን ኢኻ። ፍሉይ ቀምሽ ምስ ትደሊ ግና ናብ ሰፋያይ ክትከይድ ኣሎካ።

ንስኻ ከም’ዞም ብብዝሒ ዝፈርዩ ኽዳውንቲ ኣይኮንካን፣ ኣምላኽ ኣብ ናይ መሸጢ መደርደሪ ኣይቐመጠካን፣ ንስኻ ብኣዝዩ ኽኢላ ሰፋያይ ዝተሰራሕካ ፍሉይ ፍጥረት ኢኻ።

ፍሉይ ራእይ ሒዝካ ኢኻ ተወሊድካ

ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ንነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ገይሩ ጥራይ ዘይኮነ ፈጢሩዎ ኣብ ውሽጢ ነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ራእይ ኣቐሚጡ እዩ። ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ነዚ ራእይ’ዚ ኽህበካ ኣይክእልን እዩ። ናብ ዘይተኣደኑ ሰሚናራት ኬድካ ድንቂ ዝኾነ ሓበሬታ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ምልኣት ክትህቦ ዝተወለድካሉ ሓሳብ ዝህበካ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

ሃብታም ይኹን ድኻ፡ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጡ ሕልሚ ኣሎዎ። ምናልባት ራእይኻ ድሮ ነጺሩልካ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ’ውን ገና ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ተቐቢሩ ንኽትድህስሶ ይጽበየካ ይህሉ ይኸውን። ንህይወትካ ዕላማን ትርጒምን ከም ዝህልዋ ዝገብር፡ ነዚ ሕልሚ’ዚ ኽዉን ንምግባር እትገብሮ ጻዕሪ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ህይወትካ እቲ ኣውራ ነገር ንመደብ ኣምላኽ ረኺብካ ምልኣት ምሃብ እዩ። ነዚ ኽሳዕ ዘይገበርካ ድማ ናይ ብሓቂ ትነብር የለኻን ማለት እዩ።

ኣምላኽ ንዘለዓለም ተሰኪሙካ ዝኸይድ ንኣኻ ዝኸውን ሕልምን ራእይን ሕልምን ኣሎዎ። ክትመውት ከለኻ፡ ዝጨበጥካዮ ዕላማ’ምበር ጡረታ ሒዝካ ኣይኮንካን ነዛ ዓለም ትሓድጋ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ኸም እየሱስ፤ “ተፈጸመ” (ዮሃ. 19፡30) ከም ትብል ርግጸኛ ኽትከውን’ምበር “ጡረታ ወጺአ” ከይትብል ምጥንቃቕ ከድልየካ እዩ፣  ካብ ጡረታ ምውጻእ ንላዕሊ እቲ ኣባኻ ዘሎ ሕልሚ ኣዝዩ ይዓቢ።

እየሱስ “… ኣነ ንሓቂ ክምስክር እየ ዝተወለድኩ፣ ምእንቲ እዚ’ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ …” (ዮሃ. 18፡37) ኢሉ። ከምቲ እየሱስ ዝነበሮ፡ ኣብ ህይወትካ ንምንታይ ከም ዘለኻ ንጹር ምኽንያት ክህሉወካ ኣሎዎ። ኣነ ናተይ ምኽንያት እፈልጦ እየ፣ ንሱ ኸኣ መራሕቲ ዝኾኑ ኸሰልጥን’ሞ ንሳቶም ድማ ንመላእ ሃገሮምን ንዝመጽእ ትውልድን ጽልዋ ንኽገድፉ ኽምልምል እየ ተወሊደ። ናይ ምንባረይ ምኽንያት እዚ እዩ። በቃ! ዝተወለድኩሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ዝረኽቦ ሕቡእ መራሒ ደሪኸ ንኸውጽኦ እዩ። ንስኻ ኣብ ከባቢየይ ምስ እትህሉ ሃንደበት ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ክስምዓካ እዩ። ምሳይ ንንውሕ ዝበለ እኹል ግዜ እንተ ጸኒሕካ እቲ ሓቀኛ ንስኻ ክትከውን ክትጅምር ኢኻ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ፡ ኣነ ንኸምኡ እየ ተወሊደ። ከምኡ ኽገብር እየ ተሰሪሐ። ንኣኻኸ ኣምላኽ እንታይ ንኽትገብር እዩ ሰሪሑካ?

ብገለ ነገር ክትፍለጥ ኢኻ ተፈጢርካ

ነፍስወከፍ ሰብ ካልእ ሰብ ጨቢጡዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ነገር ንኽጭብጥ እዩ ተፈጢሩ። ነዚ ዝስዕብ ወሳኒ ሓቂ ኽትርድኦ ኣሎካ፤ ንስኻ ብሓደ ፍሉይ ነገር ንኽትፍለጥ ኢኻ ተሰሪሕካ። ወትሩ ተዘካሪ ኽገብረካ ዝኽእል ነገር ክትገብር ኢኻ ተፈጢርካ። ዓለም ዕሽሽ ዘይትብሎ ነገር ከተበርክት ኢኻ ተፈጢርካ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓለም ክትርስዖ ዘይትኽእል ንኣሽቱ ነገራት ናይ ዝገበሩ ሰባት ዛንታታት ዝሰነደ ዓቢ መጽሓፍ እዩ። ሓንቲ ኣብነት ክንጠቅስ፤ ረኣብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ገና ዘይፈለጠቶም ሰብኡት ኣብ ቤታ ብምሕባእ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወት። ንናይ እያሱ ሰለይቲ ኽትሓብእ’ሞ እስራኤላውያን ንእያሪኮ ኸፍርሱዋ ኢላ ዝተወልደት ሰበይቲ እያ። (እያ. 2፡6) መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ዘንበበ ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሳ ዝገበረቶ ናይ ጅግንነት ስራሕ ይፈልጥ እዩ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፣ ናይ ሓንቲ ቕዱይ ሽቱ ሒዛ ብምምጻእ፡ ርእሲ ናይ እየሱስ ዝቐብአት ሰበይቲ ዛንታ ኣሎ። እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ማሕበራዊ ስርዓት ብምጥሓስ ነቶም ክምስሑ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰብኡት ብምርባሽ እያ እቲ ዝደለየቶ ኽትገብር ክኢላ። ዝመጽኣ ሳዕቤን ከይተገደሰት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ተፍስሶ ዝነበረት ሽቱ ምኽንያት ገይራ ህይወታ ንእየሱስ ከተወፊ ወሰነት። ገለ ኻብ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ እየሱስ ዘፍስሰቶ ቕዱይ ሽቱ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝነበረ ኣብ ክንዲ ተሸይጡ ንድኻታት ዝዕደል፡ ንምንታይ ኣብ ዘይከውን ተፍስሶ ብምባል ኣትሪሮም ወቐሱዋ። እየሱስ ግን ከምዚ በሎም፤ “ነዛ ሰበይቲ ንምንታይ ትድህሉዋ ኣለኹም? ሕደጉዋ … እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ማር. 14፡6-9)። ስለዚ እቲ ተበርክቶ ዘለኻ ነገር ዕብየቱ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ህይወትካ ዝወፈኻሉ ምስ ዝኸውን ፈጺሙ ኣይክርሳዕን እዩ።

ንህይወትካ ዝኸውን ራእይ

ኣምላኽ ንኹልና ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ራእይ ሂቡና ኸሎ መብዛሕትና ግን ንሕልምታትና ኣብ ትሑት ኣነባብራ ቐቢርና ብምንባር፡ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽቡር ግምጃ መቓብር ኴንና ምህላውና ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ።

ምናልባት ወዲ ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ትህሉ ትኸውን፣ እቲ ሕቶ ግን ክሳዕ ሕጂ እንታይ ዝገበርካዮ ነገር ኣሎ እዩ። ኣዕሩኽካ ኸተሐጒስ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘሕለፍካ መን ምዃንካ ወይ ህይወትካ ብዛዕባ እንታይ ምዃና ጠፊኡካዶ ኣሎ? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣይትሓልየላን ዘለኻ፣ ዕላማኻ ንምጭባጥ ትነብር የለኻን ማለት እዩ። ንስኻ ‘ጸቕጢ መዘና’ ይወርደኒ ኣሎ ትብል ትህሉ። እቲ ሓቂ ግን ካልኦት ሰባት ንህይወትካ ኽመርሑዋ ኢኻ ትፈቕደሎም ዘለኻ።

ወዲ ኣርብዓ ዓመት ትህሉ ትኸውን፣ ዓለም ክትርስዖ ዘይትኽእል ነገር ጌርካዶ እንተ ዝብለካ እንታይ ኢልካ ምመለስካ? ኣብ ክንዲ ንሕልምኻ ትኽተል ስራሕ ፈቲሕካ ዘወን ምባል ክሳዕ መኣስ እዩ? ንጽባሕ ምውንዛፍ ንገዛእ ርእሱ ስራሕ እዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብዚ ነገር’ዚ ኽኢላታት እዮም። ከመይ ገይሮም ንሓቀኛ ኣነባብራ ብልክዕ የወግዱዎ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዝፈልጡ። ከመይ ገይሮም ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ፍረ የሕልፉዋ ወይ ድማ ኸመይ ገይሮም ነቲ ኣገዳሲ ገዲፎም ቀንጠመንጢ ነገራት ክገብሩ ይውዕሉ ኣጸቢቖም እዮም ዝፈልጡ። ኣብ ዙርያ’ዞም ንስለ ምንባር ጥራይ ዝነብሩ ሰባት ምንባር፡ ኣዝዩ ኣሰልቻውን ኣጨናቕን እዩ፣ ኣብ ዙርያ’ቶም ናይ ብሓቂ ንዝተፈጥሩሉ ዕላማ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ዝፈልጡ ሰባት ምንባር ግን ድንቂ እዩ።

እቲ ዘገርም ነገር፡ ብዙሓት ሰባት ምሉእ ህይወቶም ካብቲ ኣምላኽ ክኾኑዎ ኢሉ ዝፈጠሮም ምኽንያት ክዂብልሉ እዮም ዝነብሩ፣ ምኽንያቱ፡ ብዓቢኡ ገዛእ ርእሶም መን ምዃና ኣለልዮማ ኣይፈልጡን እዮም። ንኣብነት፤ ንዕስራ ዓመታት ከም ጸሓፊ ሰሪሕካ ንበል። ዋላ’ኳ ኣማሓዳሪ ናይ ምዃን ሕልሚ እንተሎካ ኻብቲ ኽትጅምር ከለኻ ዝነበርካዮ ደረጃ ነቕ ክትብል ኣይከኣልካን። ካብ ጸሓፊ ናብ ፈጻሚ ጸሓፊ፡ ካብ ፈጻሚ ጸሓፊ ናብ ምክትል ኣማሓዳሪ፡ ካብ ምክትል ኣማሓዳሪ ድማ ናብ ኣመሓዳሪ ኽትዓቢ እዩ ዝግባኣካ ነይሩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዘይኮንካ ባዕለይ ክነግረካ እየ፤ ሰባት ንራእይኦም ምልኣት ዘይህቡሉ ምኽንያት፡ ንጽሕፍቶኦም ስለ ዝዝንግዕዎን ናብኡ ንኽበጽሑ ዝነበሮም ስምዒት ስለ ዘጥፍኡን እዩ። “ሕጂ ጽቡቕ ስራሕ ኣሎኒ፣ ኣብ ስራሐይ ክጸንሕ እየ ዝደሊ።” ይብሉ። ኣብ ዘለኻዮ ስራሕ ምጽናሕ ጥራይ ግን ኣብ ማይ ከም ምንስፋፍ እዩ። ዝኾነ ስራሕ ካብዚ ሕጂ ዘለኻዮ ህሉው ኲነታት ኣውጺኡ ናብ ዝዓበየ ዕላማን ናብቲ ንራእይኻ ምልኣት ትህበሉ ደረጃን ዘብጽሓካ ሓዲድ ክኸውን ይግባእ።

ልክዕ ከም’ቶም ብተግባራቶም’ምበር ብዘረባኦም ዘይፍለጡ ሃዋርያት ክንከውን ኣሎና። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ‘ግብሪ ሃዋርያት’ ዝብል ኣርእስቲ እዩ ዘሎዎ፣ ምኽንያቱ፡ ኣተግበርቲ እዮም ነይሮም። ሓደ ክበጽሑዎ ዝነበሮም ሕንጹጽ ዕላማ ነይሩዎም፣ ናብኡ ንኽበጽሑ ድማ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ነይሮም። ኣብ መጻወቲ ፈረስ ኣይኮኑን ዝሰራሰሩ ነይሮም። ኣብ ክንዳኡ፡ ስርዓታት ይለዋውጡ፣ መንግስታት ይጸልዉ፣ ንምልእቲ ዓለም ይልውጡ ነይሮም። ሃገራት ይፈርሓኦም ነይረን፣ ከተማታት’ውን ንኦም ክርእያ ከለዋ፤ “እዞም መላእ ዓለም ዘናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም።” (ግብ. 17፡6) እናበላ ይርዕዳ ነይረን። ሰባት ንኣኻ ክርእዩ ኸለዉ እንታይ ይስምዖም? “ሕጂ ኸኣ መጺኡ፣ ሕጂኸ እንታይ ዓይነት ሓድሽ ሓሳብ ሒዙ መጺኡ ይኸውን?” ይብሉዶ? ለውጢ፡ ነቶም ኣብ ዝነበርካዮ ተሸኺልካ ምንባር ዘዕግቦም ሰባት ኩሉ ግዜ እዩ ዘናውጾም፣ እዚ ግን ንኣኻ ደው ከብለካ ኣይግባእን። ንስኻስ ብራእይኻ ትፍለጥ ሰብ ደኣ ኹን!

ካብ ራእይኻ ትረኽቦ

ኣብ ዓለም ሰለስተ ዓይነት ሰባት ኣለዉ እዩ ዝበሃል፤ እቶም ኣብ ከባቢኦም ነገራት እናተቐያየሩ ኸለዉ፡ ብፍጹም ዘየስተውዕሉ፣ እቶም “እንታይ እዩ ዝካየድ ዘሎ?” ኢሎም ዝሓቱ፣ እቶም ናይቲ ዝካየድ ለውጢ ምኽንያት ዝኾኑ።

ነዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ምሉእ ሓሳባት ድርዒ ዝኾናኦ ናይቲ ህቡብ ፈላስፋ ጆን ስትዋርት ሚል ቃላት ኣለዋ፤ ካብ’ቶም ሓደ ነገር ናይ ምግባር ወይ ምዃን ድልየት ዘሎዎም ተስዓን ትሽዓተን ልኡማት ሰባት፡ ራእይ ዘሎዎ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ይሕይል። ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ ጽሕፍቶኦም ይግደሱ እዮም፣ ንምትግባሩ ዝኸውን ሃረርታ ወይ ድርኺት ግን የብሎምን። ነቶም ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘንበሮም ሕልምታት ናይ ብሓቂ ኣይኣምኑዎን እዮም። ከም ገለ እንተ ኣመኑዎ ድማ ናብ ምትግባሩ ዝወስዶም ነገራት ኣይገብሩን እዮም። ነቶም ኣብ ዓለም ጽልዋ ዝገብሩ ሰባትን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ህላወ ጥራይ ዘሎዎም ሰባትን ዝፈላልዮም ድማ እዚ እዩ።

ራእይኻ ረኺብካዮ ዲኻ? ኩሉ ነገርካ ኸተእትወሉ ትኽእል ነገር ምርካብ፡ ንህይወትካ ብሓድሽ ተስፋን ዕላማን ክመልኣ ከምኡ’ውን ናይ ምንባር ምኽንያት ክህባ እዩ። ዕላማይ፡ ሃረርታይ እዩ። ወጋሕታ ከም ዝትንስእን ደኺመ ኸለኹ ከም ዝጓዓዝን ዝገብረኒ ንሱ እዩ። ዕላማ፡ ፈውሲ ጭንቀት እዩ። እቲ ኣምላኽ ንኽጓናጸፎ ኢሉ ዝሃበኒ፡ ብዝኾነ ሓይሊ ደው ክብል ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ ኣብ ግዜ ጸበባን ሽግርን ናይ ሓጐሰይ ምኽንያት ይኾነኒ።

ራእይኻ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ሓይልን ሃረርታን ክህበካ እዩ። “ኣብቲ እትኸዶ ዓዲ ምዉታት፡ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘበለ ብዘሎካ ሓይሊ ግበሮ” (መክ. 9፡10)። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ራእይ ሕልምኻ ክትከተል ዘኽእለካ ማሕታ እዩ፣ ብዓቢ ወንን ብምሉእ ሓይልኻን እንተ ዘይጌርካዮ ድማ ኸቶ ኣይክትዕወትን ኢኻ። ኣብዛ ቕድስቲ ጽሕፍቲ’ዚኣ ብዙሓት ሰባት ዝስሓቱዎ ሓቂ ኸም ዝርከብ እየ ዝኣምን፤ እቲ ዝተቓለስካሉ ጥራይ ኢኻ ትጭብጥ። ደጊመ ኽነግረካ፡ ኣብ ሕልምኻ ትሑት ተገዳስነት እንተሎካ፡ ሕልምኻ ፈጺሙ ኣይክግሃድን እዩ። ዘሎካ ጸዓት ናብኡ ኸተውፍሮ ፍቓደኛ እንተ ዄንካ ግን ካብ ምዕዋት ዝዓግተካ ሓይሊ የሎን።

እዛ ቕድስቲ ጽሕፍቲ’ዚኣ፡ ኣእዳውካ ገለ ነገር ክገብራ ኣብ ዝዝርግሓሉ ግዜ ተቓውሞን ሽግራትን ከጋጥመካ ምዃኑ፡ ሕልምኻ ክትጭብጥ እንተ ዄንካ ድማ ንኡ ክትሰግሮ ናይ ግድን ምዃኑ’ውን ተመልክት እያ። ምሉእ ሓይልኻ ኣብኡ ከተውዕሎ ኣሎካ። ኣበርቲዕካ ምጽዓርን ትግሃትን ኣገደስቲ ባእታታት ዓወት እዮም፣ ውሽጣዊ ድርኺት ግን ይሓቱ እዮም። እዚ ውሽጣዊ ድርኺት’ዚ ኸኣ ራእይ እዩ።

ራእይ፡ ቀንዲ ደራኺ ተግባራት ደቅሰብ እዩ፣ ስለዚ ድማ ኹሉ ንገብሮ ነገራት ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣንቢሩዎ ዘሎ ራእይ ዝብገስ ክኸውን ይግባእ። ራእይ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወትካ እተንጸባርቖ ጠባይ ይጸሉ እዩ። ንኣብነት፤ ግዜኻ ኣበይ ተሕልፎ፣ ገንዘብካ ኣበይ ተጥፍኦ፡ ቀዳምነታትካ ኣየኖት እዮም። ብዘይ ራእይ እትመርሖ መነባብሮ ኽብርታት የብሉን። ህይወትካ መኣዝን-ኣልቦ ይኸውን፣ ንጥፈታትካ ትርጒም-ኣልቦ ይኾኑ፣ ግዜ ብዘይ ዕላማ ይሓልፍ፣ ጸጋታትካ ድማ ብዘይ መዓላ ይባኽኑ።

እምበኣርከስ ራእይ ናይ ህይወት ነዳዲ እዩ። ንሃረርታ ቕድሚ ዝኣገረ ዘድልዮ፡ ንጽንዓት ድማ ዘመንጩዎ ራእይ እዩ። ራእይ ምስ ዝህሉወካ ከመይ ጌርካ ኣብቲ ቕድድም ትጸንሕን ተቐዳዲምካ ትውድእን ትፈልጥ ኢኻ።

Previous
Previous

ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ብራና

Next
Next

ሳፕየንስ