A book cover with a bird perched on barbed wire against a blurred yellow background with text in Amharic.

ትርጕም ምንባር

ቪክቶር ኢ. ፍራንክል

ትርጕም፤ ኣሃዱ ደስታኣለም

እዛ ኻብ ኣዝየን ጸለውቲ መጻሕፍቲ ዓለምና ምዃና ዝምስከረላ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ‘ቲ ቪክቶር ፍራንክል ካብ 1942-1945፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ መዓስከራት ናዚ (እንተላይ ኦሽዊትስ) ዘሕለፎ ንምእማኑ ዘጸግም ጽንኩር ህይወት ተዘንቱ።

ብወገነይ፡ እታ ብዘይ ስመይ ክትወጽእ ኣሎዋ ኢለ ዝጸቐጥኩላ መጽሓፍ ልዕሊ ኻልኦት መጻሕፍተይ ህብብቲ ኾይና ኽርእያ ዘገርም እዩ። ስለዚ እየ ድማ ነቶም ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ተመሃሮይ ከምዚ ዝደጋግመሎም፤ “ናብ ዓወት ኣይትዓልሙ። ንዓወት ዕላማኹም ክትገብሩዎ ኽትፍትኑ ኸለኹም ንሱ ድማ ኽሃድመኩም እዩ። ዓወት ልክዕ ከም ሓጐስ’ዩ፣ ክትሃድኖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ባዕሉ ኽመጽእ ኣሎዎ። ክመጽእ እንተ ኾይኑ ድማ ዝኾነ ሰብ ንሓደ ኽንዮ ነብሱ ዝኾነ ዕላማ ወይ ድማ ንኻልእ ሰብ እንተ ተወፍዩ’ዩ። ሓጐስ ባዕሉ ኸጋጥም ክግደፍ ኣለዎ፣ ዓወት ድማ ኸምኡ። ከይተገደስካሉ ኽፍጠር ኣሎዎ። ሕልናኹም ዝብለኩም ሰሚዕኩም ክሳዕ ዝከኣለኩም ከተተግብሩዎ’የ ዝደሊ። ሽዑ ድሕሪ ነዊሕ እዋን – ነዊሕ እዋን’የ ዝብለኩም ዘለኹ! – ዓወት ምስ ረሳዕኩሞ፡ ደድሕረኹም ክመጽእ ክትርእዩዎ ኢኹም።”

ኣንበብቲ፡ ሂትለር ንኦስትርያ ምስ ተቘጻጸራ ስለምንታይ ዘይሃደምካ ኢልኩም ትሓቱ ትኾኑ ኢኹም። ነዚ ንምምላስ ሓንቲ ዛንታ ኸዘንትወልኩም። ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቅድሚ ምጽንባራ፡ ናብታ ሃገር’ቲኣ ዘእቱ ቪዛ ኽሕዝ ዕድመ ቐሪቡለይ ኣብ ቭየና ናብ ዝርከብ ቆንስል ኣመሪካ ኸድኩ። እቶም ዕድመ ዝደፍኡ ወለደይ፡ ካብ ኦስትርያ መህደሚ ስለ ዝረኸብኩ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ኣነ ግን ተወላወልኩ። ሓንቲ ሕቶ ኣሳቐየትኒ፤ ንወለደይ ኣብዚ ገዲፈዮም ክኸይድ እኽእል ድየ? ድሕሪ ገለ እዋን ናብቲ መዓስከራት ምስዳዶም ኣይተርፍን ነበረ። ሓላፍነተይ ኣበይ እዩ ዘሎ? ነቲ ናይ ኣእምሮ ውላደይ ዝኾነ ኽልሰ-ሓሳብ ፍወሳ-ሎጎስ ናብ ክፈርየሉ ዝኽእል ሃገርዶ ሒዘዮ ክኸይድ? ወይስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ውላድ ዕዮ ኽዓምም ምእንቲ ንወለደይ ምስኦም ኮይነ ኽሕሉዎም? ነዛ ሕቶ’ዚኣ ኣብ ርእሰይ ገማጠልኩዋ፣ ኣብ መልሲ ግን ክበጽሕ ኣይከኣልኩን። ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝገብሩዎ ድማ ‘ኻብ ሰማያት ምልክት ክወሃበኒ’ ተመነኹ።

በዛ ሕቶ’ዚኣ እናተጨነቕኩ፡ ኣብ ናይ ገዛና ጠረጴዛ ዝተቐመጠት ቊራጽ እምነበረድ ረኣኹ። ነቦይ ምስ ሓተትኩዎ ድማ ስርዓት ናዚ ነታ ዝዓበየት ቤተመቕደስ ኣይሁድ ናይ ቭየና ምስ ኣዕነዋ ዝዓቀባ ምዃና ነገረኒ። እታ ቚራጽ ሓንቲ ኻብ’ተን ዓሰርተ ትእዛዛት ተወቒሩዋ ዝነበረት እምነበረድ እያ ነይራ። ኣብታ ቚራጽ ሓንቲ ናይ እብራይስጥ ፊደል ጥራይ ተሪፋ ነበረት። ኣቦይ ድማ እታ ፊደል ሓንቲ ኻብ’ተን ዓሰርተ ትእዛዛት ምዃና ነገረኒ። ኣየነይቲ ምዃና ብህንጡይነት ምስ ሓተተኩዎ፤ “ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድመኻ ክነውሕ ምእንቲ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር።” ምዃና ነገረኒ። ኣብታ ህሞት’ቲኣ ድማ ናይ ኣመሪካ ቪዛይ ገዲፈ ምስ ኣቦይን ኣደይን ኣብ ዓደይ ክጸንሕ ወሰንኩ።

እዛ ኻብ ኣዝየን ጸለውቲ መጻሕፍቲ ዓለምና ምዃና ዝምስከረላ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ‘ቲ ቪክቶር ፍራንክል ካብ 1942-1945፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ መዓስከራት ናዚ (እንተላይ ኦሽዊትስ) ዘሕለፎ ንምእማኑ ዘጸግም ጽንኩር ህይወት ተዘንቱ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2021

    • ብዝሒ ገጻት፤ 143

    • ዓቐን፤ 12 ሰሜ x 17 ሰሜ

  • “ዘይትሃስስ ናይ ህይወት መጽሓፍ።”

    New York Times

    “እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ደጋጊመ እየ ዘንብባ፣ ተስፋን ሓይልን እያ ተስንቐኒ።”

    ኣንደርሰን ኩፐር (ውሩይ ጋዜጠኛ)

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኣሃዱ ደስታኣለም