The book Atomic Habits in Tigrinya.

ኣቶማዊ ልምድታት

ጀይምስ ክሊር

ትርጕም፤ ኣሃዱ ደስታኣለም

ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ሓሳባት ናይ ተገንዝቦኣውን ባህርያውን ስነ-ፍልጠታት ሕዋስ እዩ። ደጋውያን ኣለዓዓልትን ውሽጣዊ ስምዒታትናን ኣብ ልምድታትና ንዘሎዎም ጽልዋ ብቕኑዕ መገዲ ኽትገልጽ ዝኸኣለት ናይ መጀመርታ መጽሓፍ እያ ኽብል እደፍር። ዋላ’ኳ ገሊኦም ቃላት ሰሚዕኩሞም ትፈልጡ እንተ ኾንኩም እቲ ዝርዝራት (ከምኡ’ውን ኣተገባብራ ኣርባዕተ ሕግታት ናይ ምልዋጥ ባህርያት) ብዛዕባ ልምድታትኩም ብሓድሽ መገዲ ኸም ትሓስቡ ኽገብረኩም እዩ።

ባህሪ ደቅሰብ ኣብ ቀጻሊ ምቅይያር እዩ ዝርከብ፤ ካብ ኵነት ናብ ኵነት፡ ካብ ህሞት ናብ ህሞት፡ ካብ ካልኢት ናብ ካልኢት። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ግን ብዛዕባ’ቲ ዘይቅየር እያ ትምህር፣ ብዛዕባ መሰረት ባህርያት ሰባት እያ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዘለዉ ሕግታት ዓመት ድሕሪ ዓመት ተኣማሚንካ ኽትጥቀመሎም ትኽእል ሕግታት እዮም። ነዞም ሓሳባት’ዚኦም ተጠቒምካ ዋኒንካ፡ ስድራቤትካን ህይወትካን ክትሃንጽን ከተደልድልን ትኽእል ኢኻ።

ዝሓሹ ልምድታት ንምህናጽ ዝሕግዝ ቅኑዕ መገዲ ዝብሃል የሎን፣ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ግን እቲ ዝበለጸ መገዲ ዝብሎ ኣቕሪበዮ ኣለኹ። ኣበይ ጀሚርካ ወይ እንታይ ትልውጥ ኣለኻ ኣየገድስን እዩ። ኣብ ጥዕና፡ ገንዘብ፡ ኣፍራይነት፡ ዝምድናታት ይኹን ካልኦት መዳያት ህይወትካ ዘገምታዊ ምዕባለ ኸተመዝግብ እንተ ደሊኻ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ቐሪቡ ንዘሎ ሓሳባት ዳህስሶ። ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ መምርሒትካ እያ።

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኣሃዱ ደስታኣለም

ኣቶማዊ ልምድታት ብድምጺ