Movie poster featuring Harry Potter characters with Amharic text and dark blue background.

ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት

ጀይ ከይ ሮውሊን

ትርጕም፤ ኣሃዱ ደስታኣለም

ሃሪ ፖተር፡ ዘኽታም ስለ ዝኾነ ኣብ እንዳ ሓትኖኡ ፐቱንያን ብዓልቤታ ቬርነንን እዩ ዓብዩ። መደቀሲቱ፡ ኣብ ትሕቲ መደያይቦ ትርከብ ኣርማድዮ እያ ነይራ። ብእንዳ ሓትኖኡን በቲ ገዚፍ ወዶም ዳድሊን እናተጨቈነ መሰልከይ ህይወት ምንባር ድማ ከም ግቡኡ እዩ ዝሓስቦ ነይሩ። ሓንቲ ጒንጓ ደብዳበ ሒዛትሉ ምስ መጽአት ግን ኩሉ ነገር ተለዋዊጡ። ካብታ ብዙሕ ፍሉይ ነገራት ዘይርእየላ ዝነበረ ዓለሙ ናብ ሓንቲ ጥንቈላዊት ዓለም ኣትዩ። ናብ ቤትትምህርቲ ጥንቈላ ሆግዎርትስ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነቱ፣ ብዛዕባ ናይ ወለዱ ምስጢራዊ ኣማውታ፣ ብዛዕባ’ቲ ክቐትሎ ዝደሊ ጸላኢኡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ታ ኣዝያ ምስጢራዊት እምነ-ተኣምራት በብቑሩብ ክድህስስ ይጅምር። ዛንታ ሃሪ ፖተር፡ ኣብዛ ንባህሊ ንባብ መንእሰያት ዘበራበረት መጽሓፍ ነንብቦ።

ኣብ 1997 ዝተሓትመት ቀዳመይቲ መጽሓፍ ካብ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር (Harry Potter and the Philospher's Stone) ናብ ሰማንያ ቛንቋታት ተተርጕማ ትርከብ። ብሓፈሻ ድማ ዓለምለኻዊ ሽያጥ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር ልዕሊ 500 ሚልየን በጺሑ ኣሎ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2021 (ቀዳማይ ሕታም፤ 2015)

    • ብዝሒ ገጻት፤ 215

    • ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ

  • "ተርጓሚ ዝተጠቕመሉ ጽፉፍ ኣተራጒማን ቋንቋን ምስ ዕድመኡ ዘይነጻጸር እዩ። ኣብዚ ቛንቋ ትግርኛ ፍጹም ተመጃሊሑ መሃነኑ ጠፊኡዎ ዘሎ እዋን’ዚ፡ ብሉጽ ስራሕ ከፍሪ ምኽኣሉ መተካእታ ብዓል ተኪአ ተስፋይ ረኺብና ኣለና ንኽብል ይደፋፍኣኒ።"

    ኤፍረም ሃብተጽዮን (ወድ ገደ)

    "ነዛ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባበይ፡ ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ናይ ፈጠራ ዓለም ናብ ትግርኛ ንኽትቅይሮ ዝሓተካ ጻዕሪ ዓቢ ከም ዝኾነ ኣይሰሓትኩዎን። ምስ ኣንበብኩዋ ድማ ኣብቲ ናይ ፈጠራ ዓለም ኣትየ ጥራሕ ዘይኮንኩስ፡ ኣስተማቒረዮን ደስ ኢሉኒ ኸንብቦ ኽኢለን። እቲ ኣተራጒማ፡ ኣብ ገሊኡ፡ ትርጒም’ውን ኣይመስለካን። እቲ ስራሕ፡ ጻዕሪ፡ ዓቕልን ዲሲፕሊንን ጥራይ ዘይኮነ ፍቕሪ’ውን ዝተሓወሶ ኾይኑ ተሰሚዑኒ። "

    ራሄል ኣስገዶም

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኣሃዱ ደስታኣለም