ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን
ደይል ካርንጌ
ትርጕም፤ ኣሃዱ ደስታኣለም
ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን ካብቲ ዝተሓትመትሉ 1936 ጀሚራ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ሕትመት ወጺኣ ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ 2011፡ ብመጽሔት Time፡ መበል 11 ጸላዊት መጽሓፍ ናይ ዓለምና ተባሂላ ተጸዊዓ። ናይ ኣመሪካ ላይብረሪ ኦፍ ኮንግረስ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ሻብዓይቲ ጸላዊት መጽሓፍ ክብል ሰምዩዋ።
እቲ ትሃርፎ ስራሕ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ! እቲ ዘለኻዮ ስራሕ፡ ከተማዕብሎ ትኽእል ኢኻ! ንዝኾነ ኵነት፡ ናብ ጥቕምኻ ክትልውጦ ትኽእል ኢኻ!
ካብዛ መጽሓፍ’ዚኣ እትመሃሮ፤
ብቕልጡፍን ቀሊልን መገዲ ተፈታዊ ምዃን
ንሰባት ከተእምን ምኽኣል
ናይ ዝርርብ ክእለትካ ኣመሓይሽካ፡ ዝያዳ ሰሓቢ ምዃን
ሓደሽቲ ዓማዊል ምጥራይ
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2021
ብዝሒ ገጻት፤ 188
ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ
-
“ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኔብራስካ ዝተቐበልኩዎ ዲግሪ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ማስተርስ ዲግሪ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ደይል ካርንጌ ስልጠና ዝተወሃብኩዋ ሰርቲፊኬት እያ ተሰቒላ ዘላ።”
ዎረን ባፈት
