ሎሚ
ራያን ሆሊደይ፡ ስቴፈን ሃንሰልማን
ትርጕም፤ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ
ካብ ናይ ስቶዋውያን ልቦና ብቐጥታ ብምውሳድ ብመበቈላዊ ትርጕማት ካብ ዝበለጸ ቝንጫል ጽሑፋት ናይ’ቶም ሰለስተ ቀንዲ መርኣያታት ጥንታዊ ስቶዋነት ዝኾኑ — ሰኔካ፡ ኤጲቅጤጦስ፡ ማርቆስ ኣውረልዮስን — ዝተወስደ ምስ ውሑዳት ምሩጻት ብሂላት ናይ ኣያታቶም (ዜኖ፡ ቅልያንጦስ፡ ክሪሲጶስ፡ ሙሰንዮስ፡ ሄካቶ) ጆባእ ክንብለኩም ኢና። ንነፍስወከፍ ጥቕሲ ዘሰኒ ዛንታታት ከነዘንቱ፡ ትርጕም ክንፈጥር፡ ሕቶ ክንሓትት፡ ተዛማዲ መለማመዲ ከነቕርብ፡ ናይ’ቶም እንደልዮም ዘለና መልስታት ዓሚቚ ርድኢት ከነሕድር ምእንቲ ድማ ናይቲ በሃሊ ስቶዋዊ ኵርናዕ-ርእየት ከነብርህ ክንፍትን ኢና።
ስራሕ ስቶዋውያን፡ ካብ ታሪኽ ኣብ ዝተረስዑሉን ህቡብነቶም ኣብ ዘንቈልቍለሉን እዋን’ውን ከይተረፈ፡ ወትሩ መበቈላውን እዋናውን ኮይኑ እዩ ቐጺሉ። ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ሓሳባት ስቶዋውያን ንምዕራይ ወይ ድማ ንምሕዳስ ኣይኮነን (ከምኡ ዝዕላማኦም ትርጕማት ፈቐዶኡ ተዘርጊሖም ኣለዉ)። ኣብ ክንድኡ፡ ዕላማና ንውህሉል ልቦና ስቶዋውያን ምእካብ ከምኡ’ውን ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐለለ ኽስወጠና፡ ክርከብን ክጥርነፍን ብዝኽእለሉ መገዲ ምቕራቡን እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ንመበቈላዊ ስራሕ ስቶዋውያን ብምሉእነት ክረኽቦ ይኽእል እዩ — ክረኽቦ ድማ ኣሎዎ። ክሳዕ ሽዑ፡ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ነቶም ጽሙዳትን ንጡፋትን ኣንበብቲ፡ እቶም ፈላስፋታት ክብልዎ ኣብ ዝደለዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ዘተኵሩን ውጽኢታውያንን ዕለታውያን ትውፊታት ከነቕርብ ፈቲንና ኣለና።
በቶም ሰለስተ ስርዓታት (ግንዛበ፡ ተግባርን ድልየትን) ዝተማእዘኑን ድሒሮም ድማ ኣብ ውሽጢ እቶም ስርዓታት ዝተመቕሉን ኣገደስቲ ፍረ-ነገራት ብምጥቕላል፡ ነፍስወከፍ ወርሒ ኣብ ሓደ ውሱን ጠባይ እትጸቅጥ፡ ነፍስወከፍ መዓልቲ ድማ ሓድሽ መገዲ ኣተሓሳስባ ወይ ኣተገባብራ እተበርክት ኮይና ክትጸንሓኩም እያ። ኵላቶም ዓበይቲ መዳያት ኣተኵሮ ስቶዋውያን ክትረኽቡዎም ኢኹም፣ ጭውነት፡ ሞራላውነት፡ ስምዒታት፡ ነብሰ-ንቕሓት፡ ሓቦ፡ ቅኑዕ ግብሪ፡ ምፍታሕ ሽግር፡ ምቕባል፡ ኣእምሮኣዊ ንጹርነት፡ ግብራውነት፡ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣተሓሳስባን ግቡኣትን።
ስቶዋውያን ፈለምቲ ወግዕታት ንግሆን ምሸትን እዮም፤ ኣብ ንግሆ ምድላው፡ ኣብ ምሸት ድማ ምጽብጻብ። እዚ መጽሓፍ’ዚ ኣብ ክልቲኡ ሓጋዚ ንኽኸውን ኢና ጽሒፍናዮ። ሓንቲ ኣስተንትኖ ንነፍስወከፍ መዓልቲ ንምልእቲ ዓመት (ሓንቲ ንናይ ዓመተ-ዝላ እትኸውን ተወሳኺት መዓልቲ ዘጠቓለለ)። ብልብና እንተ ኣንቂድና ልክዕ ከምቲ ስቶዋውያን ኣብ መብዛሕትኦም እዋናት ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ ምስ መዝገብና ኣዛሚድና ኣተሓሳስባናን መልሰ-ግብርናን ንመዝግብ (ጥሪ 21ን 22ን ከምኡ’ውን ታሕሳስ 22 ንወከስ)።
ዕላማ ናይዚ ግብራዊ ፍልስፍና’ዚ ዝሓሸ ህይወት ንኽንመርሕ ምሕጋዝ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ክትግበር ዘይክእልን ዘይግባእን ቃል ንኸይህሉ እዩ ተስፋና። ነቲ ሰኔካ ዝበሎ ከም ዘሎዎ ንምድጋም፤ ነፍስወከፎም ናብ ግብሪ ኽልወጡ ዘሎዎም ቃላት እዮም።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2023
ብዝሒ ገጻት፤ 399
ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ
