A blue signboard with blurred yellow border, displaying text in an unfamiliar script, possibly Amharic, with a small emblem or symbol at the bottom right corner.

ዓራትካ ኣንጽፍ

ኣድሚራል ዊልያም ኤች. ማክሬቨን

ትርጕም፤ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ

ኣብ 17 ግንቦት 2014 ኣብ ኣዉስቲን ተደኲኑ ኻብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ፡ ንተመረቕቲ ተመሃሮ መኽፈቲ ቓል ከስምዕ ዕድመ ቐረበለይ። ሽሕ እኳ ተመሃራይ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ እንተ ነበርኩ፡ ደጊም ብሉጽነት ስርሐይ ብዂናት ጥራይ ዝምዘን ወተሃደር ከም ምዃነይ መጠን ግና፡ ተመሃሮ ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበሉኒ ትጽቢት ኣየሕደርኩን። እንተኾነ ግን፡ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ፡ ተመረቕቲ ተመሃሮ ንመደረይ ጠቓሚ ኾይኑ ረኸብዎ። እቶም መሰረት ኣስተምህሮይ ዝነበሩ፡ ኣብ ስልጠናን ታዕሊምን ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ (US Navy SEALs) ዝቐሰምክዎም ዓሰርተ ምህሮታት፡ ኣድማሳዊ ኣድላይነት ዘለዎም ምዃኖም ኣስተውዓልኩ። እዞም ምህሮታት፡ ብድሆታት ታዕሊም ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምብዳህ ዝሕግዙ፡ ቀለልቲ ሜላታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ህይወት ንዝገጥሙ ብድሆታት ንምስጋር’ውን - ንመን ብዘየገድስ - ማዕሪኡ ዝኾነ ጥቕሚ ነበሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎም ታሪኾም ዘዕልሉኒ ብዙሓት ብጾት ገጠሙኒ፤ ብኸመይ ብሻርክታት ከም ዘይተዳህሉ፡ ደወል ከም ዘይደወሉ፡ ወርትግ ዓራቶም ምንጻፍ ኣብ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዝሓገዞምን ድማ ጸወዩኒ። ኵላቶም እዞም ዓሰርተ ምህሮታት ብኸመይ ንህይወተይ ቅርጺ ኸም ዘትሓዙን ኣብ ህይወተይ ኣብነቶም ዝተኸተልኩ ሰባት ድማ ብዓል መን ምዃኖምን ክፈልጡ’ውን ተሃንጠዩ። እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ነዞም ሕቶታት ናይ ምምላስ ፈተነ እያ። ነፍስወከፍ ምዕራፍ ብዛዕባ’ዞም ምህሮታት’ዚኣቶም ተወሳኺ መግለጺ ይህብን ዛንታ ናይቶም ብስነ-ስርዓቶም፡ ጽንዓቶም፡ ክብረቶም፡ ከምኡ’ውን ትብዓቶም ዝመሰጡኒ ሰባት ድማ ይጸውን።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2024

    • ብዝሒ ገጻት፤ 103

    • ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ

  • “ድንቂ፡ በላሕ፡ ቅርጡውቲ።”

    Forbes

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ