A book cover with red background and white text in Amharic, decorated with traditional patterns at the top and bottom.

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም - ክፋል ፪

ኦግ ማንዲኖ

ትርጕም፤ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ

ሕጂ፡ ንዝገጥመኒ ጸበባ ክገጥም ብዝሓሸ ተዳልየ ኣለኹ። ንፈለማ እዋን፡ ኵሉ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብሰባት ይኹኑ ብተፈጥሮ ዝገጥም ፍጻመን ተረኽቦን፡ ምሕላፉ ከም ዘይተርፍ ተረዲአ ኣለኹ። ኵሎም ኣብ ህይወት ዘጋጥሙ ነገራት ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጠንቂ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፎም ዘጋጥም ቀጻልን ዘለዓለማውን ለውጢ’ውን እዮም።

ነፍስወከፍ መዓልቲ ኣብ በሊሕ ስሕለት ተቐሚጠ ይሓልፋ። ብድሕረይ እቲ ዓሚቚ ጋህሲ ሕሉፍ ኣሎ። ኣብ ቅድመይ ድማ እቲ ንዅሉ ሎሚ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ዝውሕጥ መጻኢ ኣሎ። ዝጽበየኒ ጽሕፍቶ እንታይ እዩ ብዘየገድስ ንኣዝዩ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዘስተማቕሮ ወይ ዝሳቐዮ ፈሊጠ ኣለኹ። ነዚ ርዱእ ሓቂ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ዝፈልጥዎ ክኾኑ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ሕማቕ ተረኽቦ ኣብ ዝገጥሞም እዋን ንተስፋታቶምን ሸቶታቶምን ንእለቱ ደሓን ኩን ኢሎም ከፋንዉ ይመርጹ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2025

    • ብዝሒ ገጻት፤ 129

    • ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ