A book cover with a beige background and text in Amharic, featuring a fingerprint and a small black icon at the bottom.

ሳፕየንስ

ዩቫል ኖዋ ሃራሪ

ትርጕም፤ ዮናታን ብርሃነ

ቅድሚ ኣስታት 13.5 ቢልየን ዓመታት፣ ነገር፡ ጸዓት፡ ግዜን ህዋን ዓቢ ነትጒ ኢልና ብእንጽውዖ ፍጻመ ናብ ህላውነት መጽኡ። ነዞም መሰረታውያን ባእታታት ኣድማስና ዝምልከት ዛንታ፡ ስነ-ግኡዝ (physics) ይብሃል።

ድሕሪ ኣስታት 300,000 ዓመታት ናይ ክስተቶም ድማ ነገርን ጸዓትን ተወሃሂዶም ኣቶም ዝብሃሉ ፍሉያት ቅርጽታት ፈጠሩ፣ ኣቶማት ድማ ተወሃሂዶም ቅዉማት (molecules) ሰርሑ። ንኣቶማት፡ ቅዉማት ከምኡ’ውን ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዝምድና ዝምልከት ዛንታ፡ ስነ-ቐመም (chemistry) ይብሃል።

ቅድሚ ኣስታት 3.8 ቢልየን ዓመታት፡ ኣብ ምድሪ ትብሃል ፕላነት ዝተወሰኑ ቕዉማት፡ ህይወታውያን ዝተባህሉ ዝዓበዩን ዝማዕበሉን ቅርጽታት ፈጠሩ። ንህይወታውያን ዝምልከት ዛንታ፡ ስነ-ህይወት (biology) ይብሃል።

ቅድሚ ኣስታት 70,000 ዓመታት፡ ካብ ጅር ሆሞ ሳፕየንስ ዝኾኑ ህይወታውያን፡ ባህልታት ዝተባህሉ ኻልኦት ዝተራቐቑ ቅርጽታት ከቚሙ ጀመሩ። ዝሰዓበ ኣመዓባብላ ናይ ሰባት ባህልታት ድማ ታሪኽ ይብሃል።

ጒዕዞ ታሪኽ ብሰለስተ ኣገደስቲ ሰውራታት ዝተጸርበ እዩ። እቲ ጒዕዞ ቕድሚ ኣስታት 70,000 ዓመታት ብሰውራ ተገንዝቦ ፈሊሙ፣ ካብ ቅድሚ ኣስታት 12,000 ዓመታት ንደሓር ብሰውራ ሕርሻ ቐጺሉ፣ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝጀመረ ሰውራ ስነ-ፍልጠት ድማ ንታሪኽ ኣብ መፈጸምታ ኣብጺሑ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልየ ነገር ክጅምር ዝደለየ ይመስል ኣሎ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ እዞም ሰለስተ ሰውራታት ንሰባትን ንኻልኦት ህይወታውያንን ብኸመይ ጸልያናኦም ከተዘንቱ እያ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2022

    • ብዝሒ ገጻት፤ 523

    • ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ

  • “ንዓሚቝ ኣስተንትኖ እትዕድም፡ ጽፉፍ ዘጸሓሕፋኣ … ማራኺት መጽሓፍ።”

    The Wall Street Journal

    “መሳጢትን ተዅታዅትን … ኣብዛ ምድሪ ኽንዲ ምንታይ ሓጺር ግዜ ኸም ዝገበርና ብሓድሽ ኵርናዕ ተርእየካ።”

    ባራክ ኦባማ

    “ኣብ ታሪኽን መጻእን ደቅሰብ ዝግደስ ዝኾነ ሰብ ከንብባ እላቦ።”

    ቢል ገይትስ

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብዮናታን ብርሃነ