Book cover with red and blue design featuring text in a non-Latin script

48 ሕግታት ሓይሊ

ሮበርት ግሪን

ትርጕም፤ ዮናታን ብርሃነ

48 ሕግታት ሓይሊ ኣብ ሓያላን ዝተመርኰሰት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዘሎ ጽሑፋት ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዕድመ ኣሎዎ። ካብ ዝተፈላለያ ስልጣነታት ዝተወስደ ድማ እዩ፤ ካብ ጥንታዊት ቻይና ክሳብ ናይ ዘመነ ተሃድሶ ኢጣልያ ክሳብ ዘመናዊት ዓለም። ኵሎም ተመሳሳሊ ቴማታትን መተኣሳሰርን ኣሎዎም። 48 ሕግታት ሓይሊ ድማ ኻብዚ ኹሉ ዝተኣከበ ልቦና ተጻርየን ዝተዳለዋ ሕግታት እየን፤ ልቦና ፍሉጣት ሓንጸጽቲ-ስልቲ (ብዓል ሳን-ጹን ክላውዘዊትስን)፡ ፖሊቲከኛታት (ብዓል ቢዝማርክን ታሊሮንን)፡ ወሓለታት (ብዓል ግራስያን)፡ ኣስዳዕቲ (ብዓል ኒኖ ደ ለንክሎን ካሳኖቫን)፡ መታለልቲ (ብዓል ዮሴፍ ዋይል) ወዘተ።

እዘን ሕግታት ብቐሊል ኣገባብ ተዳልየን ኣለዋ፤ ሕጊ እንተ ’ኽቢርካን ሕጊ እንተ ጥሒስካን። እዚ ምኽባርን ምጥሓስን ድማ ብታሪኻዊ ኣብነታት ተሰንዩ ቐሪቡ ኣሎ።

ን48 ሕግታት ሓይሊ ብዝተፈላለየ መገዲ ኽትጥቀመለን ትኽእል ኢኻ። እንተ ደሊኻ፡ ነዛ መጽሓፍ ካብ መጀመርታ ኽሳብ መወዳእታ ኸተንብባ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ሕግታት ብቐጥታ ኣብ ህይወትካ ዘይኣትዉ ኮይኖም ክስምዑኻ እዮም፣ ምስ ግዜ ግን ክበርሃልካ እዩ። ብዛዕባ ሓይሊ ሓፈሻዊ ግንዛበ ብምውሳድ ንሕሉፍካ ኽትንትንን ኣብ ኢድካ ንዘሎ ጉዳያት ክትቈጻጸርን ትኽእል ኢኻ። ወይ’ውን ነዛ መጽሓፍ ኣዳቒቕካ ብምንባብ ንነብስኻ ዳግም ክትግምግም ትኽእል ኢኻ።

እዛ መጽሓፍ፡ ንምውካስ ብዝጥዕም መገዲ እያ ተዳልያ ዘላ። ንኣብነት፤ ምስ ሓላፊኻ ጸገማት እንተሎካን ዝገበርካ እንተ ገበርካ ኣብ ዘለኻዮ ትድቈስ እንተለኻን ነዛ መጽሓፍ ተወከስ። ነቲ ኣብ ትሕዝቶ ተዳልዩ ዘሎ ሓጺር መግለጺ ብምውካስ ኣየነይቲ ሕጊ ኸም ተድልየካ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ፡ እዛ መጽሓፍ ንመዘናግዒ ኢልካ’ውን ከተንብባ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሓያላን ንዝተጻሕፈ ወግዕታት ብምንባብ ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዕላማ’ዚ ትጥቀሙላ ሰባት ግን ተጠንቀቑ፣ እንተ ገደፍኩሞ ይሓይሽ። ሓይሊ መስድዕን መታለልን እዩ። ሓይሊ፡ ዝተሓላለኸ መገዲ እዩ። ሓይሊ፡ ነቲ ዘጽንዖን ከተግብሮ ዝፍትንን እዩ ዝድግፍ። ነቶም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝደልዩዎ ይቐጽዖም እዩ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2021

    • ብዝሒ ገጻት፤ 400

    • ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ

  • “ማኪያቬሊን ሳን-ጹን ኣይትቕሰኑ። ሮበርት ግሪን፡ ሰንጠረዥ ትሕዝቶኣ ብምንባብ ጥራይ’ውን ተንቀጥቅጥ ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።”

    New York Magazine

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብዮናታን ብርሃነ