Book cover with black and white illustration of a human head containing red and white gears, and a speech bubble with Amharic text, set against a yellow background.

ስምዒታዊ ብልሒ

ዳንኤል ጎልማን

ትርጕም፤ ባስልዮስ ዘሞ

ጽሕፍቶና ብዓቐን ኣእምሮኣዊ ብልሕና ድዩ ዝውሰን? ዳንኤል ጎልማን ኣብዛ ብርቂ መጽሓፉ፡ ንብልሒ ደቅሰብ ዝምልከት ኣጠማምታና ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። ኣብ ሓሳብ፡ ምውሳድ ውሳነታትን ውልቃዊ ዓወትን ዝዓበየ ተራ ዝጻወት ረቛሒ፡ ኣእምሮኣዊ ብልሕና ዘይኮነስ ስምዒታዊ ብልሕና እዩ። ነብሰ-ንቕሓት፡ ቍጽጽረ-ሃንደፍታ፡ ዘይምሕላል፡ ድርኺት፡ ተኻፋልነትን ማሕበራዊ ውሕልነትን፤ እዞም ባህርያት’ዚኦም ዕዉት ዝምድናታት ዝውንኑ፡ ኣሸገርቲ ዝርርባት ብዘይ ጸገም ከካይዱ ዝኽእሉ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ከዋኽብቲ ዝኾኑ ብሉጻት ሰባት ዘንጸባርቑዎም ባህርያት እዮም። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ እምበኣር፡ ጎልማን፡ ነቲ ንስምዒትን ርትዓውነትን ዝቈጻጸር ክፋል ሓንጎልና ዳግም ብምምርማር፡ ስምዒታዊ ብልሒ ኣብ ኩልና ክዅስኰሰሉን ክሕይለሉን ዝኽእል መገድታት እዩ ዘርእየና።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2025

    • ብዝሒ ገጻት፤ 442

    • ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ

  • “ዝጸንሐ ኣረኣእያ ዝሰብር፡ ሰውራዊ ሓሳብ - ነቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ዘገስግስ ዘይኮነስ፡ ንሓዋሩ ዝልውጥ ሓሳብ።”

    Harvard Business Review

ተወሳኺ መጻሕፍቲ ብባስልዮስ ዘሞ