ሰለይቲ ጊደዎን
ጎርደን ቶማስ
ትርጕም፤ ባስልዮስ ዘሞ
... ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ብዛዕባ ትካላት ስለያ ጽሒፈ ኣለኹ። ካብዚ፡ እቲ ቐዳማይ ዝተማሃርክዎ ነገር እንተሎ፡ ምትላልን ምድንጋርን፡ ብልሽውና፡ ጸለመ፡ እምነት ኣብ ልዕሊ መንግስትታት ከም ዝጠፍእ ምግባር፡ ገለ ገለ ግዜ ድማ ቅትለት፡ እተን ቀንዲ መሳርሒታቶም ምዃነን እዩ። ወኪላት ስለያ፡ ንሓሶትን ዕርክነትን ንስርሖም ብዘርብሕ መገዲ ጥራይ ክጥቀምሉ እዮም ዝስልጥኑ። ወረጃ ዝበሃል ሰላዪ የሎን። ስራሕ ወራዙት ክሰርሑ'ውን ኣይድለን እዩ። ኣሉ ምባል'ውን ኵሎም ዝጥቀሙላ ጥበብ እያ።
***
እዚ ዛንታ'ዚ መንግስቲ፡ ብኸመይ ይሰርሕ ዘነጽር እዩ። ኣብ ትካላት ስለያ ዝርከቡ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰባት ከመይ ገይሮም ንፖሊሲታት መንግስታቶም ይውስኑ፣ ህዝቢ ዘንበረሎም እምነት ብምጥላም፡ ስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ተጠቂሞም ህዝባዊ ተሓታትነት ዘይክተል ማእለያ ዘይብሉ ስርሒታት የካይዱ፣ ንመራኸቢ ብዙሓን ከም ዝደለዩዎ ገይሮም እናጠምዘዙን እናሓሰዉን ንህዝቢ የታልሉ ተርኢ። ካብኡ ብዘይንእስ፡ እዚ ዛንታ'ዚ ዛንታ ውግእ ምዃኑ፡ ግን፡ እቲ ውግእ ብጀነራላት ኲናት ዘይኮነ በቶም ኣብ መዝሓሊ ኣየር ዘሎዎ ምሹው ቤት-ጽሕፈታት ኮፍ ዝበሉ፡ ስቅያት ደቂ ኣዳም ቅጭጭ ዘይብሎም ውሑዳት ሰባት ከም ዝካየድ ዘጒልሕ ዛንታ እዩ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2023
ብዝሒ ገጻት፤ 519
ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ
-
“ኣብ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት ጭካነን ድፍረትን መመሰሊ ትካላት ጸጥታ እስራኤል ኮይኑ ጸኒሑ። ደራሲ ጎርደን ቶማስ ድማ ነቲ ዛንታ ዓይኒ ዘውጽእ ድፍረትን ደመኛ ሕነ ምፍዳይን ኣቃሊዕዎ ኣሎ።”
Independent
