A book cover with Amharic script, a black-and-white photograph of a man, and a dark blue and white color scheme.

ምጭናቕ ገዲፍካ ምንባር ጀምር

ደይል ካርንጌ

ትርጕም፤ ዮናታን ሃብተኣብ

ልዕሊ ሽድሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ናይ ደይል ካርንጌ ልቦና ከሲቦም ኣለዉ። ዘልምስ ፍርሕን ሻቕሎትን ካብ ህይወቶም ኣልዮም ሻቕሎት-ኣልቦ መጻኢ እዮም ከውሕሱ ኽኢሎም። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ካርንጌ ሎሚ ኸነተግብሮም እንኽእል ግብራውያን መምርሒታት እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ። እዛ ህብብቲ መጽሓፍ’ዚኣ ንምሉእ ህይወትና ዝጸንሑን ዘሐጕሱን ትምህርትታት ኣካቲታ ኣላ።

ካብዛ መጽሓፍ’ዚኣ እንመሃሮ፤

  • 50% ናይ ስራሕ ጭንቀትካ ብቕጽበት ምእላይ

  • ናይ ገንዘብ ጭንቀትካ ምጕዳል

  • ድኻም ኣወጊድካ፡ ንእሽቶ ምምሳል

  • ነብስኻ ምርካብን ምዃንን

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንኸተንብባ መሳጢት፡ ንኸተትግብራ ቐላል ኮይና ኣብ መሰረታዊ ስምዒታትን ህይወት ዝቕይር ሓሳባትን እያ እተተኵር። ብሰንኪ ሻቕሎትን ጭንቀትን ካብ ምሉእን ንጡፍን ህይወት እትሕረመሉ ምኽንያት የሎን!