ሓይሊ ራእይ
ዶር/ ማይልስ መንሮ
ትርጕም፤ ዕቝባገብርኤል ጴጥሮስ
ራእይ፡ ምንጭን ተስፋን ህይወት እዩ። እቲ ንደቅሰብ ዝተዋህበ ዝዓበየ ህያብ፡ ርእየት ዘይኮነስ ራእይ እዩ። ምርኣይ ናይ ዓይኒ ተግባር ክኸውን ከሎ፡ ራእይ ግን ናይ ልቢ ተግባር እዩ። “ዝርኢ ዓይኒ ምውናን ልሙድ እዩ፣ ዘስተውዕል ዓይኒ ምውናን ግና ብዙሕ ኣይርከብን እዩ።” ብዘይ ራእይ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ይኹን ብሉጽነት ወይ ብቕዓት ዘሎዎ ተግባር ኣይምተገብረን። ብዘይ’ቲ ኻብዚ ምስጢራዊ ምንጪ እንብሎ ራእይ ዝርከብ መነቓቕሒ ሓይሊ ድማ ምህዞ፡ ምዕባለ ወይ ዓበይቲ ርኽበታት ብፍጹም ኣይምሃለዉን።
ንስልጣነታት ዝወልድን ዘማዕብልን ነገር፡ ራእይ ዘሎዎም መራሕቲ ዝውንኑዎ ሓይሊ እዩ። ታሪኽ በቲ ንውርሻ ዝብድህን ፈጠራውን ሓይሊ ራእይ ዝተቐብአ እዩ። ጽንሰትን ልደትን ሕብረተሰብኣዊ፡ ስነ-ቚጠባዊ፡ ትሕተ-ቕርጻዊ፡ ሕክምናዊ፡ ስነ-ፍልጠታዊ፡ ፖሊቲካዊ ርኽበታትን ግስጋሰን ካብ ሓይሊ ራእይ ዝመንጨወ እዩ።
ብባህልን ሕሉፍ ተመክሮን ዝተዓፈነ፡ ኣብ ሰልሚ ሕሉፍ ዝተሸኽለን ኣብ መቓብር ክብሪ ናይ ሕሉፍ ዓወታት ዝተቐብረን ስልጣነ ምማቱ ኣይተርፎን እዩ። ራእይ ናይ ዝሓለፈን ዘሎን በሪ ዝኸፍት መፍትሕ ኮይኑ፡ ናብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘይኮንናሉ ግን ከኣ ኽንኮነሉ እንኽእል ቦታ ኸም ንውንጨፍ ዝገብር ሓይሊ እዩ። ራእይ ካብቲ ኣዒንቲ ዝርእያኦ ውሱን ነገራት ሓራ ኣውጺኡ፡ ናብቲ ንልቢ ዝስምዓ ዊንታ ኸም ትኣቱ ዝገብር እዩ። ነቲ ዘይርአ ግሁድ፡ ነቲ ገና ዘይተፈልጠ ድማ ኸም ዝከኣል ዝገብር ነገር፡ ራእይ እዩ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2022
ብዝሒ ገጻት፤ 218
ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ
