Book cover with a man reading a tablet, text in an Ethiopian script, dark blue background, and a small white tooth icon.

ሸያጢ ዕድል

ብእምነት ጸጋይ

ሸያጢ ዕድል፡ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ህይወት ዝዳህሰሱ፡ ዝምህርን ዘዘናግዕን ከምኡ’ውን ዘሐጉስን ዘሕዝንን ሓሳባት ዝሰነቑ ዓሰርተ ሓጺር ዛንታታት ሒዛ ኣላ። ኣብ’ዘን ዛንታታት፡ ደራሲ ብግዜን ቦታን ከይተደረተ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን ቆይሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፍጻመታት ብልብ-ወለዳዊ መገዲ ኣብ ህይወት ክሕንብስ ፈቲኑ ኣሎ። ከም ተስፋ፡ ሞራል፡ ህድኣት፡ ፍቕሪ፡ ናፍቖት፡ እምነት፡ ጣዕሳ፡ ስደት፡ ስነ-ጥበብ፡ ፍርሒ፡ ክብርታት፡ ዕድል፡ ዕግበት ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ህይወት ተናኺፉዎም ኣሎ።

ስነ-ጥበብ ኣድማስ እዩ፣ መጀመርታ’ምበር መወዳእታ የብሉን። ስነ-ጥበብ ዓርሞሽሻዊ ሓይሊ እዩ ዝውንን፣ ዓለም ዘዕኑን ዝሃንጽን ዓቕሚ ኣሎዎ። ስነ-ጥበብ ዘይድህሰስን ዘይጭበጥን መንፈሳዊ ርቀት’ውን ኣሎዎ፣ ንዓለም ብዝቐለለ መገዲ ኽንቅድሰሉን ከነርክሰሉን ዘኽእል። ጽልዋ ስነ-ጥበብ ኣብ ህይወት ደቅሰብ፡ ካብ ምንባር ነጺልካ ዝርአ ኣይኮነን። ንሓጐስን ሓዘንን፡ ንዓወትን ውድቀትን፡ ንፍቕርን ጽልእን ወዘተ ዘራኽብ ድንድል ኮይኑ፡ በዚ ዝተሓናፈጸ ሕብራዊ ስምዒታት’ዚ ኣቢሉ ኣብ ህዋ ኸም እተንሳፈፍ ዝገብር ተምሳጥ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ውሽጢ ደስታ ዘሎ ጓሂ ወይ ኣብ ውሽጢ ሕሰም ዘሎ ሩፍታ ዘርኢ መነጽር እዩ። ጥበብ ካብ ፈጣሪ ዝልገስ ህያብ እዩ። ጸጋኻ እንተ ኾይኑ ጥራይ ኢኻ ስነ-ጥበበኛ ትኸውን። ይኹን’ምበር ነቲ ዝተዋህበካ ጥበብ ኣብ ምዕራፉ ኸተብጽሕ እንተ ዄንካ ብውረድ ደይብ ዝተኽተኸ መስገደላት ክትሰግር ኣሎካ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2023

    • ብዝሒ ገጻት፤ 163

    • ዓቐን፤ 12 ሰሜ x 17 ሰሜ