ሸያጢ ዕድል

መባእስቲ ስኢነ

ሕልምን ጋህድን ምፍልላዩ ጸጊሙኒ። ናይ ከበሮ ዝጥዕም ድምጺ ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ? ካበይ ዝመጽኣ መካይን እየንከ ቢብ! ... ቢብ! ክብላ ዘጽምማኒ። እዚ ቕዳሰ ዝጥዕም ድምጺ ኣንስቲኸ ኣበይ ዘሎ እዩ? ደርፊ ድዩ ጸሎት? ደስ ዘብል ስምዒት ዝስመዓኒ። ይሓልም ደኣ ከይህሉ? ኣዒንተይከ እንታይ ወሪድወን ምኽፋት ዝኣበያኒ? ከምዚ ሰብ ቋሕ ከይብል ዝሽፍነኒ ዘሎ ይመስለኒ። ነፍሰይ ከም ዝለመሰ ረሸሽ ዝብለኒ ደኣ እንታይ እዩ ወሪዱኒ? ጓይላ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ። ኣብ ሕልሚ ድምጺ ትሰምዕ ዲኻ? ደቂሰ ድየ ዘለኹ? ንምዃኑ ኣበይ እየ ዘለኹ? ካበይ ዝመጸ ድምጽታት እዩ ዘናውጸኒ? እንታይ ደኣ እዩ ዝርኣየኒ ነገር ዘየሎ። እዚ ድምጺ መካይንን ሰባትንሲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ይመስል። ናይቲ ጓይላኸ ደኣ ካበይ መጺኡ ክብል እየ? ገዛና መሸም ኣይኮንኩን ዘለኹ።

... እሞ ንምንታይ ደኣ ድቃስ ከም ዘይጸገብኩ ደቅስ ደቅስ ዘብለኒ። እውይ! ገዛና’ምበር ኣለኹ ዮርዳ ሓብተይ ትኸይድ ኣላ፡ ሎሚ ደኣ ሰንበት’ንድዩ መርዓ ሓብተይ ...

እዚ ፍጻመ ካብ ዘጋጥመኒ ሓያል ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ዝኾነ ወጋሕታ ሰንበት እዩ - መርዓ እንኮን ኣዝየ ዝፈትዋን ሓብተይ። ቐዳም ምሸት ምስ ዝጀመረት ጓይላ ክልሀ ዝርካበን ጽዓተይ ጸንቂቐየን። ጓይላ ተወዲኡ ናብ መደቀሲ ክኸይድ ከለኹ ኣብራኸይ ምጻረይ ስኢነን ወለል ኢለናኒ። ኣብ ዓራተይ ብኽንደይ እዝግዮ ምስ በጻሕኩ፡ ዓራተይ ብደቂ መን ምዃኖም ዘይፈልጦም ህጻናት መሊኣ ጸኒሓትኒ። ብደወይ ክወድቕ ዝተረፈኒ ኣይነበረን። ኣዒንተይ ካብ ቁጽጽረይ ወጻኢ ሰም እናበላ ኣሸገራኒ። ብደወይ ከይድቅስ ከኣ ክቃለስ ነበረኒ። ነፍሰይ መውደቒ ሰኣንኩላ። ዓራት ሓብተይ’ውን ብእንጀራ ዝመልኣ ጊባቦታት መሊኣ። ዝነበረኒ ኣማራጺ ምስ’ዞም ህጻናት ምጽቕቓጥ ጥራይ እዩ። ኣጸግዕ ኣጸግዕ ኣቢለ ከኣ ናብ ዓራተይ ወዲቐ። ድቃስ ድዩ ሞት ወሲዱኒ ኣይተረደኣንን። ወጋሕታ ናይ ሰንበት ዘምሰየ ድኻም ስለ ዝጸቐጠኒ እዩ’ምበር ብሓቂ ዝሰማዕኩዎ ድምጺ እዩ ምስ ሕልሚ ዘጋገየኒ።

ሎሚ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልኩ ብቘልዓይ ዝገብርክዎ ነገር ክዝክር ከስሕቐኒ እዩ ዝነብር።

ዮርዳ ሓብተይ ቃል ኪዳን ክትኣስር እያ ትነቅል ነይራ። ገዲፎምኒ ኢለ እናተሻቐልኩ ነጢረ ካብ ዓራተይ ብምውራድ፡ ኣደይ ምስ’ተን እናደረፋ ዘፋንውኣ ዝነበራ ኣንስቲ ስለ ዝራእኽዋ ጎየ ብምኻድ “ኣደይ፡ ዮርዳኸ?” ኢለያ ብህውኽን ዓው ዝበለ ድምጽን።

“እንታይ ኢልካያ?” መለሰት ኣደይ ስንባደን ምግራምን ተሓዋዊስዋ።

“ክዳነይ ክትህበኒ” ዘረባይ ርቡጽ እዩ። እተን ኣንስቲ ክስሕቃ ጀመራ። ኣደይ’ውን ምስአን ሰሓቐት። “ደሓን ኣነ ክህበካ እየ ሓንሳእ ዓቕሊ ግበር” ትብለኒ።

ሰሓቃ ከየገደሰኒ፡ “ንሳ’ንድያ ኣቐሚጣቶ ኣበይ ኣላ ዘይትነግርኒ?” ገለ ኣንስቲ ክሳዕ ዝነብዓ ሰሓቃ። ሓንቲ ቤተ- ሰበይ ግና ዘረባይ ግዲ ባህ ኣቢልዋ ብክሳደይ ደጊፋ እናሰዓመት፡ “ሓብትኻ ደኣ ናይ ካልእ ኮይና ኣበይ ክትረኽባ” ኢላትኒ።

ብሓቂ! ብሓቂ! እቲ ናይ ቈልዓ ኣእምሮይ ክጸሮ ዘይክእል ቕንኢ መሪሩኒ ሃንደበት ከኣ ከይተረደኣኒ ንብዓት ኮረር ኮረር ኣበልኩ። “ኣበይ'ላ! ... ኣበይ'ላ ... ?!” ዲቕ ዝበለ ብኽያት ተተሓሓዝክዎ።

ኣደይ፡ “እዋእ! ኣብ መርዓ ሓብትኻ ዘይንባዕ ከም ቈልዓ ...” ኢላ ንብዓተይ ሓበሰትለይ። “ከም ቈልዓ” ምስ በለትኒ ቈልዓ ክነሰይ ዝጐበዝኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ብኽያተይ ውሒጠ። እታ ጥዕምትን ፍልይትን መዓልቲ በዚ ጀሚራ።

ክዳነይ ኣብ ምእላሽ ከለኹ መርዓውቲ ከይዶም እዮም። ምፍልላይ ጀሚራ። መባእስተይ ትርሕቐኒ ኣላ። ወርሒ ጥሪ ቁሪ ሒዛትለይ መጺኣ፡ ዝሕልሕል ክብለኒ ጀሚሩ። ምስ መን ደኣ እየ ዝበኣሶ? መን ከብክየኒ እዩ? መን ክስሕቐንኒ እዩ? ኣቤት! ባእስና ክጥዕም፡ ጭካነ ዘይተሓወሶ ባእሲ! ሓደ ሓደ ግዜስ ንጻወት ዲና ዘለና ንበኣስ ምፍላዩ እስእን።

ምሳሕ ክንበልዕ ኢና ተቐሪብና። ዮርዳ ሓብተይ እንጀራ ክትውስኽ ኢላ ተንሲኣ እንጀራ ሒዛ ምስ ተመልሰት፡ ኮፍ ክትብል ነቲ መንበር ብእግረይ ይስሕቦ’ሞ ኮፍ መበሊ ስኢና ንድሕሪት ትፍንሸር። ኣጋጣሚ ኣብ ትሕቲኣ ማይ ይጸንሕ’ሞ፡ ክዳና ይበላሾ። ከይተንስአት ክሃድም ኣሎኒ። ደድሕረይ ስለ ዝሰዓበት ናብ ልዕሊ ገዛና ዝነበረ ቐጽሪ ናይ ካንሸሎ ኣትየ ብድሕሪ ማዕጾ ተሓቢአ። እናተሃንደደት “ይርከብካ ጥራይ ኣንታ ባርያ” ጸርጸር እናበለት ከይረኣየትኒ ሓሊፋ። ምስ ሓለፈትኒ ካብ ዝተሓባእኩሉ ወጺአ “ሄይ በዚ ኣለኹ” ኢለያ። ኣብቲ ቐጽሪ ኮይና ጸጉራ ተጠቕሊላቶ ብጸሓይ ምስ ተንቅጽ ዝነበረት መሓዛኣ ተጠማሚታ ስሒቓ። ብሓርቖት ጓህሪ መሲሉ ዝነበረ ገጻ እንታይ እዋኑ ናብ ብርሃን ጸሓይ ተቐይሩ ገሪሙኒ።

ዮርዳ ማዕረ ክንደይ ከም ተፍቅረኒ ዝፈልጥ ምስ መሳቶይ ክበኣስ ከለኹ እየ። ድምጸይ እንተ ሰሚዓ ልባ ካብ ሰፈራ ክትወጽእ ክሳዕ ትደሊ ከም ኢራብ እናነጠረት መጺኣ ተገላግለኒ። ወረ ተገላግለኒ ጥራይ ኣይኮነን - ትዘርየለይ’ውን እያ። ኣብ ገዛውትና ከይተፈልጠት ዓብያ ብሰንከይ ግና ተፈሊጣ። ስድራይ’ውን ክቐጽዑኒ ኣይትደልን እያ። ትቐጽዓኒ ዘላ ኣደይ እንተ ኾይና፡ ኣብ መንጐ ኣትያ ተናግፈኒ። እቲ ዘይትደፍሮ ዓቢ ሓዉና ሃብቶም እንተ ኾይኑ ግና ንኽገድፈኒ ትልምኖ። እንተ ኣብዮማ ተሓቢኣ ትነብዕ። ፍቕራ ኣነ ክርእዮ ብፍጹም ኣይትደልን እያ። ኣነ ከም መቀናቕንታ ክፈልጣ እያ ትደሊ። ባእስና ንዮርዳ ደስታኣ እዩ። ኣነ ናይ ልበይ እሓርር፡ ንሳ ከኣ እናሰሓቐት ትላገጸለይ። ኣደይ፡ “ኣንቲ እንታይ ይብሉኺ ንስኺ። ኣይጓል ኣይመርዓት፡ ኣይሰንቆ ኣይዓበየት። ምስ ሕንጫል ቈልዓ ክትጻወቲ ባህ ኢሉኪ ድዩ” ኢላ ምስ እትገንሓ፡ ከም ዝኾረየት ኮርነፍ እናበለት ካብኣ እልይ ኢላ ትስሕቕ። ውሽጣዊ ሓጐስ ዘንቀሎ ሰሓቕ። በይንና ኣነን ንሳን ምስ ንህሉ ከተሕርቐኒ እያ ትፍትን። “ኣታ ባርያ” ቀዳመይቲ ጸርፋ ትጅምር። እንታይ ከም ትቕጽል ፍሉጥ እዩ። “ሓውና’ኮ ዘይኴንካ። ወዲ ዘንቢል” ከይተዛረበት ገሚተ ጸኒሐ፡ ነዛ ጸርፊ ፍጹም ኣይጸራን እየ። ዓቕለይ እያ ተጽብበለይ።

ኣነ ድማ ብቕጥና እየ ዝጸርፋ። “ቃጥሽ፡ እንታዴኺ ኣነ ወዲ ዘንቢል እየ? ...” ዝዛረቦን ዝገብሮን ኣይፈልጥን። ብሓይሊ ስለ ዘይክእላ ደንጎላ ናብ ምሓዝ ተጓየ። ንሳ ከኣ ገዛና ኣትያ ዓጽያቶ። “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ብእምኒ ዶግዲጎዮ። ኣደይ መጺኣ እንተ ዘይተዝሕለኒ ማዕጾ ኽሳዕ ዝስበር ኣይምገደፍኩን።

“ንዓ’ሞ ዝወደይ ብሩኽ። እዛ ጽልልቲ ስቕ ኢላ እያ። ኣነ ከለኹ ኣዴኻ ንኣይ ዘይትሓተኒ። ንሳ ጓለይ ኣይኮነትን ንስኻ ኢኻ ወደይ። እኳ ደኣ ዘይከም ንቡር ብኣፈይ ዝወለድኩኻ ወደይ፡” ሓባቢላ ተዝሕለኒ። ንዮርዳ ከኣ ኣብ ቅድመይ ተዋርዳ። ንሳ’ውን ናይ ተዋስኦ ኩራኣ ኣርእያ ተሓቢኣ ትስሕቕ።

መርዓውቲ ተመሊሶም ንዮርዳ ንብረቱ ገይሩዋ። “በቃ ናይ ካልእ ኮይና ማለት’ኮ እዩ” ኢለ ሓሲበ። ብወግዒ “ንዑመ ኣቦይ ቐሺ መርቑለይ” ኢሉስ፡ “ፈረይቲን ጸገይቲን ይግበርኩም” ተባሂሉ። “እንኩመ ክሳዕ ዝወስዳ ተፋነውዋ” ኢሉ ኣብ ገዛ ጎረቤትና ገዲፉልና ከይዱ። ደድሕሪኡ ናብኣ ጎየ ከም ቀደመይ ክንዲ ዝጻረፋ ኣብ ጥቓኣ ክንዲ ዝቐርብ ድፍረት ስኢነ ኣብ ኣፍደገ ተዓኒደ ስቕ ኢለ ጠሚተያ። ጓንነት ዝመስል ጋሻ ስምዒት ተዘዝ ከብለኒ ተፈሊጡኒ። ዮርዳ ሓብተይ ከኣስ እንታይ ምዃናስ ሕንቕንቕ ኢላ። ፍቕራ ንፈለማ ብጋህዲ ርእየዮ። ክልተ ኢዳ ዘርጊሓ ንኽሕቆፋ ምልክት ሃበትኒ። ከምኣዲኡ ናፊቑ ዝወዓለ ህጻን እናጎየኹ ኣብ ሕቑፎኣ ዓሊበ። ትርግታ ልባ ክሳዕ ዝስመዓኒ ኣጥቢቓ ሓቖፈትኒ። ደስ ኢሉኒ። ልባ ሰንፈለል ትብል ዘላ መሲሉኒ። ልበይ ክበኪ ከም ዝጸናሕኩ ክትንኽነኽ ዝደለየት ትመስል፡ ዝሕው ኢላትኒ።

“እዋእ ኣቲ ዮርዳ ...” መሓዙታ ምስ ተዳህያ እየ ትነብዕ ከም ዘላ ዝፈለጥኩ። ብናይ ጸበብቲ ክንፊ ቅርጺ፡ ልፒስቲክ ኣብ ምዕጉርተይ ክሳብ ዝወጽእ ብመንከሰይ ደጊፋ ስዒማትኒ። ንብዓታ ብምዕጉርታ ይዛሪ ነይሩ። ሓጐስን ናፍቖትን ተፈራሪቝዋ ከም ዝነበረ ክርዳእ ኣይጸገመንን። መሓዙታ ኣቃባጢረን ዳርጋ ወጢጠን ንኣይ ፈልየን ንደገ ኣውጺአናኒ።

“ሽቦው ... ሃይ ሌጋስ ሽቦው” “ሓሓ ... ሓሓ ሌጋስ ሽቦ” “ሽቦው ... ክጽብቕ መውስቦ” “ሓሓ ... ሓሓ ሌጋስ ሽቦ” ወራዶ መርዓ እናጨፈሩ ክኣትው ከለው ዳስ ብዕዱማት ኣዕለቕሊቓ ነይራ። ኣዕሩኽተይ ምዕባየይን ምንኣሰይን ደቂ ገዛውትና ላዕልን ታሕትን ናይ መርዓ ድዩ ወይ ጨፈራ ወራዶ መርዓ ስሒብዎም ኣብ ኣፍ ደገ ዳስ ዕጉግ በሉ። ጨፈራ ወራዶ መርዓ ኣዝዩ መሲጡኒ። ንፉዕ ደራሪ እዩ ዝመርሖም። ጨፈርኦም ወዲኦም ቦታ ምስ ሓዙ ዳስ ንሓደ ሰብ’ውን ዝኸውን ቦታ ኣይነበራን። ኣሳሳይን ዕዱምን ምፍልላይ ተሳእነ። ኣበይ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ዕዱማት እዮም እንድዒ ምስ ወራዶ መርዓ ብሓደ ወሪሮም። ኣሳሰይቲ “ቆልዑ ሓንሳእ ደገ ጽንሑ” ኢሎም ንኣይ’ውን ከይነሓፉ ሰጎጉኒ። ኣብ ኣፍ ደገ ዳስ ተገቲረ ዝውሓሰኒ ሰብ ተረኸብኩ ምቁማት ጀሚረ። ቈልዑ ከየእቱ ዋርድያ ዝገበርዎ ሰብኣይ “ሓው መርዓት እዩ” እንተ በልዎ ጸማም እዝኒ ሂቡ። ዝውሓስ ቤተ-ሰብ ረኺበ ዳስ ክኣቱ ከለኹ፡ ዮርዳ ሓብተይ ብመሓዙታ ተዓጂባ ናብ ናይ ክብሪ ቦታኣ ክትድይብ ጸንሓትኒ። መሳጢ መልክዓ ምስታ ፍልይቲ መዓልቲ ተባሂላ ዝተገበረላ ኣደናቒ ምኩሕሓልን ቬሎን ተወሲኹ ናብ ዙፋና ትስቀል ልእልቲ መሲላ።

መቐመጢኣ ድሕሪ ምሓዛ፡ እንታይ ተገይሩ እንታይ ተባሂሉ ብዙሕ ኣይዝከረንን። በብተራ ዝዛረቡ ሰባት ክትንስኡ ይዝክር። ጽቡቕ ገይረ ዝዝክሮ እንተ ነይሩስ፡ መርዓውቲ ሸሓኒ ሒዞም መግቢ ክወስዱ እዩ። ከምኡ ዝበለ ኣኽብሮት ርእየ ኣይፈልጥን። ድሌታ እናሓተታ ይጸብሓላ። “ከምዚ ዝበለ ክብሪ በየን ኣምጺኣቶ” ንነብሰይ እሓታ - መልሲ የሎን። ሰብ ካሜራ ከም ንፕረዚደንት ደድሕሪኣ ዞኽ ዞኽ ይብሉ። መዓልቲ ዝዓደለታ ክብሪ። ነቲ ከመይ ዝበለ መግቢ ብልዕ ብልዕ ክንዲ ዘብልዎስ ነንሓድሕዶም ይኮላለሱ። ዝገረመንን ዘሕረቐንን ዘቕንኣንን ግና ዮርዳ ካብ ነብሰይ ዝፈልጥኩላ ዕድመ ኣኾሊሳትኒ ዘይትፈልጥስ፡ ነዚ ሎሚ ጥራይ ምስኣ ዝበልዐ ወዲ ኣብ’ዘን ውሑዳት ደቓይቕ ክንድ’ዚ ምኹላሳ እዩ።

ኩሉ ሰብ እንተ ጠመትክዎስ እናሰሓቕኩም ተዛረቡ ከም ዝተባህሉ ፍሽኽፍሽኽ ይብሉ። ኣደይ’ሞ ብምስሓቕ ኣይዓገበትን መስለኒ። ምስ ዝመጸ ዕዱም፡ “እል ... ል ... ልልል” እናበለት ትስዕሞም። እልል ክትብል ጎረሮኣ ከይብጠስ ፈሪሐላ። ተቐይራትኒ ከኣ። ለካ ታሕጓስ ንሰብ የጸብቖ እዩ። ኩሉ ሰብ ብሓጐሱ ወዛሕዛሕ ክብል ኣነ ንበይነይ ደኣ እንታይ እየ ተጸጊዐ ዝትክዝ? እንታይ እዩኸ ዘቕንኣኒ? ንምንታይ ሕጉስ ሕጉስጉስ ኣይብልን። እዚ መርዓዊ’ኮ ደመኛይ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ - እንኮ ሓብተይ ክምንጥለኒ።

ዮርዳ ተሓጒሳ ክትስሕቕ ምስ ርኣኹዋ፡ ባህ ኢሉኒ ፍሽኽ ኢለ ንሓንሳእ ቕንኣተይ ረሲዐዮ። ስድራይ ኩሎም ምስ መርዓዊ ተሰቒሎም ቶርታ ይቖርሱ። ባዕልኻ ምኹላስ ተገዲፉ ዝተባህለ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ዘኾልስ’ምበር ንባዕሉ ዝበልዕ ኣይነበረን። ዮርዳ’ሞ ክንደይ ቶርታ ተኾሊሳ ቆጻሪኡ ይቑጸሮ። ሓጎሶም ናይ ውሽጢ ምዃኑ ገጽ ኩሎም ከም ናይ ወጋሕታ ጸሓይ ብባህታ ዝዕድል ፍሽኽታ ደሚቑ። ብፍስሃ ዝደመቐ ገጾም ርእየስ፡ ብቕንኢን ተመንጠልኩ ብዝብል ስምዒትን ንዝተሓመሰት ልበይ ኣደዓዒሰ። ሃንደበት መርዓዊ ክስዕማ ምስ ርኣኹዎ ቕንአይ ገንፊሉ። ብልበይ ‘ዕዋላ’ ኢለዮ።

“ኣቲ ኪዲ በሊ ኪዲ በሊ ግርማ ተዓደሊ ...”

ዮርዳ ነቒላ። ከብደይ ሓፍ ሓፍ ኢሉኒ ሕንቕንቕ ኢለ። ብጥቓይ ክትሓልፍ ከላ ዓይኒ ንኣይኒ ተጋጢምና። ኣካላተይ ተዘዝ ኢሉኒ። ዮርዳ ሓብተይ ብክሳደይ ሓኒቓ “ኣለኹ’ኳ ክምለስ እየ። እፈትወካ እየ ከኣ” ኢላትኒ - ንዘይትምለሰኒ “ክምለስ እየ” ኢላትኒ። ዋላ ተኸሰርኩዋ ኣግሂዳ “እፈትወካ እየ” ስለ ዝበለትኒ እፎይ በልኩ። ኢለያ ከኣ ንነብሰይ “ደጊም ደሓን ኩኒ ባእሲ።”

Previous
Previous

ሰለይቲ ጊደዎን

Next
Next

ብስለምንታይ ንጀምር