Book cover featuring a peacock perched on a wooden chair against a light blue background, with text in Amharic and a small peacock icon at the bottom right.

እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ፍልስፍና

ኣንድሬ ኮምተ-ስፖንቪለ

ትርጕም፤ ብሩኽ ዳግማዊ

ምፍልሳፍ ማለት ንገዛእ-ነብስኻ ብገዛእ-ነብስኻ ምሕሳብ ማለት እዩ። እንተኾነ ግን፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ካልኦት ሓሳብ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቀዳሞት ዓበይቲ ፈላስፋታት ሓሳብ ከይሓወሰ ንበይኑ ክፍጽሞ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ፍልስፍና ተራ ዕንደራ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብዘይ ጻዕሪ፡ ብዘይ ምንባብን ብዘይ መጋበርያታትን ክትግበር ዘይክእል ዕማም እዩ። መብዝሕትኡ እዋን እቶም ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ከበድትን ንብዙሓት ተስፋ ዘቑርጹን እዮም።

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብስርዓት ዝተኸለሱ ብዓሰርተው ክልተ ኣምራት ዝቘመት እያ። እቲ ምጡን ባህሪ ናይቲ ኵትሚ ከም ዘይቅየርን መባእታዊ ካብ ምዃን ከም ዘይሓልፍን እዩ ተገይሩ። ናብ ፍልስፍና ካብ ዘምርሑ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ኣፍደገታት ሓደ እዩ ንበሎ። ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ ናይ ባዕልኻ ጥርኑፍ ሓሳባት ናይ ምድላው ዕማም ናትካ ናይ ኣንባቢ እዩ። ዕስራን ሓምሽተን ክፍለ-ዘመን ዝተጓዕዘ ፍልስፍና ክውዳእ ዘይክእል ግምጃ እዩ። እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ’ዚኣ እምበኣር ንገለ ሰባት ዳህሳስ ንኽገብሩ እንተ ኣበጋጊሳ፡ ዉሑድ ዝዓቐኑ ሓጐስን ተመሳሳሊ ፍልጠትን እንተ መጥያ ዓቢ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረት እዩ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2025

    • ብዝሒ ገጻት፤ 147

    • ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ